Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Sep 19, 2023 2:21 PM
148.184.174.62
ዕዳዶ ትብልዎ ሓረጣ ወይስ መሸጣ፧
-------------------------------
ዕዳ ኣመሪካ 33 ቲሪልዮን በጺሑ ብዘይ ወለድ ተባሂሉ። 
እዝጊዮ!
ማዓስ፧ መንዩ ክኸፍሎ፧
ዝቕጽል ወለዶ።
እዚ ኹሉ፧
እወ ተረፍ ዘይብሉ።

ነገሩ፣
"ኣምበሳ ተለቂሑ
ማዓስ ክኸፍሎ፧
መንከ ሃባ/ክፈል ክብሎ" እዩ ዝመስል።

ግዲ የብልካን ፣ ክፈቱ ክጸልእ ቀጻሊ ወለዶ ክኸፍሎ ክነብር'ዩ።
ክሳብ ማዓስ፧ 
ክሳብ ኣለቃሒ ዘሎ።

ካብ መን'ያኸ ተለቂሓቶ፧
ካብቶም ሃብታማት ቢልዮናራት 1% ዘይበዝሑ ኣመሪካውያን

እሞ ንኣመሪካ ዓዲጎማ ድኣ ዘይትብለኒ፧
ኣነ እንታይ ፈሊጠ ኢልካኒ። ኣስማቶም'ኳ ዘይፈልጦም።

ለከ እንዶ ግዳ! መነባብሮ'ኮ ስቕ ኢሉ ኣይኮነን እንዳኸበረ ዝኸይድ ዘሎ፧
ስእለ
Sep 19, 2023 12:53 PM
148.184.174.62
"ብሪጌድ ንሓመዱዶ ዝዓበዱ፧"
===============
እንታይ'ዩ ጸገምኩም
'ቲ ሕማም ዕብዳንኩም
ጸለለል ኣብዚሕኩም
ኩሉ ኪዒብኩም፧

ንቕሓት ድዩ ጎዲሉ
ኣፍልጦ ሓጺሩ
እተማዛዝንሉ፧

ወይስ
ቂም'ዩ ስልጣን
ስራሕ ተስፋ ምስኣን
'ቲ እምኒ ምስንዳው፧

ዶስ
ጠቕሚ'ዩ ኣዐዊርኩም
ሕልናኹም ሸጥኩም
ክትክሕዱ 
ሃገርኩም ህዝብኹም፧

ናይ ብሓቂ ኣኽፊእኩም
እንስሳ ተቐይርኩም
ምሽንዳሕ ኣብዚሕኩም

ኣብዘይ ሃገርኩም
ስደተኛ ኰንኩም
ምስ ፖሊስ ምባኣስ
እንታይ'ዩ ንምውሓስ፧

"ብሪጌድ ዝዓበዱ"
ተግባርኩም የደንጹ
ሰላም ሰብ ሃዊጹ

ኣይ ካብ መራሕትኹም
እቶም ኣስነቕትኹም
ክልተ ሓደ ሕልና ዘይብልኩም
ትጽመዱ ኣርዑት ጎዲልኩም

ዓብዪ ኣይትብሉ ቆልዑ
ምስ ፖሊስ ህዝቢ ትዋቕዑ
ብእምኒ ብዱላ ትፋግኡ
በጋሚዶ ሩሑቕ ዘይትሪኡ

ክንዲ ትማሃሩ ትምዕብሉ
መጽሓፍ ስነ-ፍልጠት ትግንጽሉ
ደንጎላ ምስንዳው እንታይ ትረብሕሉ፧

ኣነስ ሓዚነልኩም
ኩሉ ወርዚዩልኩም
ሪኡ 'ቲ ተግባርኩም

ዓገብ!

ሕጂ'ውን ይኣክል
ዓበድበድ የኽትም
ኣደ ከይትሓዝን
ስእለ
Sep 17, 2023 12:05 PM
108.45.183.178
ዘይርሳዕ በደል
========
ድሕሪ 1998ን
እቲ ኹሉ ጸገም
ዝወረደ ኣብ ህዝቢ ኣብ ሃገር
ብዝርዝር ዝንገር፡
ጸበባ ኣደራዕ
ላዕሊ ታሕቲ ገልታዕታዕ
ፈጺምካ ዘይርሳዕ
እቲ ተሓታቲ
ወያነ'ዩ 'ቲ መንቂ

እዚ ሓሳድ ከይሲ
ኣገልጋሊ ባዕዲ
ተንኮል ዓመጽ ዘሳሲ
ኮሊፉና ኤሩ ከይትዓቢ

መይቱ ተቐቢሩ
ሳምሑኒ ኢሉ
ይቕረ ዘይትብለሉ
ወያነ'ዩ
እዚ ክፉእ ግብሩ

ኩሉ ሕሰም ክፋእ
ዘውረዶ ኣደራዕ
መሪር'ዩ ዘይርሳዕ

ሂወት እንድዩ ኣሕሊፉ
ኣሽሓት ኣንጺፉ
ምስ ባዕዲ ሸርኹ

ሕጂ ግን ዓሪቡ
ምስቲ መራት ሓሳቡ
ዝለከመ ለኪሙ
ስእለ
Sep 15, 2023 3:52 PM
108.45.183.178
ስኞራ ኣስመራ
========
ስኞሮ ኣስመራ
ኣቤት!
'ቲ መልሓሳ ግብራ
'ቲ ሕሰም ተንኮላ
መላጸ'ዩ ካራ
ሰብኣውነት ዘይብላ

እቲ ጮማ ስጋ
ንዓኣ ምስ ደቃ
እንተ ንዓይ
'ታ ባኒ'ኳ ንጋዳ

እወ
ትገዝኣኒ ኣኽቢዳ
ስዓታት ዘይብሉ 
መወዳእታ

ብድዐኣ ክትሰምዕ
የብኪ የንብዕ
ምፍጣርካ የጽልእ

ዘንጊዓ፡
ኣነ ብጉልበተይ
ብራሃጽ ክእለተይ
ንሳ ብገንዘባ
ትሕዝቶ ቁጠባ
ከም ዝተራዳዳእና
ዘይብሉ መንጎኛ

ርግጽ ዉዑል ነሩ
ፌርማ ዘይብሉ
መሰለይ ክትሕሉ 

ግና 
መግዛእቲ ስኞራ መሪሩኒ
ጸላዕላዕ ኢሉኒ 
ጠንጢነያ 
ናብ ዝሕሸኒ ናብ ዝጥዕመኒ

ስኞራ ኣስመራ
ነዘን ኣብ ዓለም ዘለዋ
ቦርኮ ዓብድ ዘዘውትራ
ኣይትሓምቀን ኣይተበልጸን
ኣይትተርፈን ኣይትሓልፈን
ከምአን'ያ ማሓዘአን

ስእለ
Sep 14, 2023 8:12 PM
108.45.183.178
ወይጦ - ዘየብሉ እንዶ
============
ኤርትራዊ ኮይኑ ኤረና ዘይፈቱ
ዕዙዝ ክብርታታ ዘናእስ ዘናሹ
ሌባ'ዩ ሽፍታ ማሓዛ ዝዘምቱ

ኣይጥዑይ ኣይሕሙም ደንጎላ ዝስንዱ
ዕረ ዝጠዓሞ ሓድነት ኣሕዋቱ
ልኡኽ'ዩ ሃሱስ ዝነብር ንኸብዱ

ዕንቅፋት ምዕባለ ዘየብሉ እንዶ
ምምባር ኣብዛ ዓለም ቀትሪ ዝጸልመቶ
ከዳዕ'ዩ እከይ እዝኒ ኣይንሃቦ

ጨለ መልሓሰኛ ናይ ቃላት ወሓለ
ክናብ ጸረ-ሃገር ነውራም ዝሓከለ
ኣብ ሶፋ ኮፍ ኢሉ ግነዖ ዝምነ

እወ!

ኣምስሉ ወረኛ ብሓሶት ዝሃጥር
ኣብ ወሰን ኮፍ ኢሉ ዜጋታት ዘናቚር
ዕሉል ኣገልጋሊ ናይ ጸላኢ ኩርኩር
ነውራም'ዩ ጽዩፍ ኣብ ጸይቂ ዝነብር

ስእለ
Sep 13, 2023 12:11 PM
148.184.174.62
ይሓስብዶ፧
======
እዚ ዘለንስኪ
ሰብ ድዩ ከብቲ
ወይስ
ዕሱብ ተላኣኺ
ድልየት ኔቶ ዘሳሲ፧

ቁሩብዶ ይሓስብ
የመዛዝን የንብብ
ንህዝቡ ዘኽስብ
ዩኩሬን ዝዕቅብ፧

ኣባል ኔቶ እንተዘይኮንኩ
ተሓኒቐ ሞትኩ
እንታይ'ዩ ብልሓቱ፧

ህዝቢ ምስ ተሰደ
መይቱ ምስ ሃለቐ
ዩኩሬን'ውን ዓንያ
ምስኮነት ጽርግያ
ኔቶ ኣመሪካ ምስ በላ ባይ ቪያ
ኢድ ምሃብዶ ይሓይሽ
ፍጹም ዘየሐጉስ
ክብሪ-ኣልቦ ስዕረት
ዘልኣለማዊ  ውርደት፧

ጎበዝ ተላዘብ
ዘለዎ መኽሰብ
ናይ ለባማት ሕሰብ

ተማሃር 
ካብ ወያነ ቅጥፈት
ኣይተሳልጥ 
ናይ ዓመጽቲ መደብ
ኲናት ጥፍኣት'ዩ ዕንወት!
ስእለ
Sep 12, 2023 12:00 PM
148.184.174.62
ኩሎም ብላሽ!
========
ኣይ ካብ መራሒ
ካብ ሳዓብቲ ብልሒ
ኣስናቒ ልኣኺ
ንጹር ዕላማ መምርሒ
ኣራሚ ገናሒ
ይፍጽሙ ጌጋ
ንሂወቶም ሓደጋ

ክልተ ሓደ ኩሎም
ፍልልይ ዘይብሎም
እዝጊ ዝጸላኣሎም

ይፍጽሙ ነውሪ
ይኣትዉ ኣብ ሓዊ
ከይሓሰቡ ሃውሪ
ከምታ ጽምብላሊዕ
ሂወታ ተቃልዕ

ወዶም ጓሎም
ራኢ ዘየብሎም
ይሃሉ ሓቢሮም
ይህዉኹ ሰቦም
ገንዘብ ተኸፊሎም

"ክፉእ መልክዕ ፡ ብስም ክጽብቕ" ዘይኮኖ ይጥቅዕ - "ብሪጌድ ንሓመዱ"
ስእለ
Sep 11, 2023 12:29 PM
148.184.174.62
ክትፈልጥ!ክትፈልጡ!
=============
ኣብ ምምባር ዝዓወነ
ሂወቱ ክመርሕ ዘይከኣለ
ሰብ-መሰል እንስሳ ዝተማዛበለ
ሰባር ርእሲ ብዱላ ብዓረ
ከመይ ኢሉ ክጥዕሞ ይምነ፧

ጎይታ ዕንወት ቀልቢ ዝሰኣነ
ቀይዲ-በተኽ ዘይብሉ ጠገለ
ከመይ ኢሉ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ ይምነ፧

ዘሐፍር'ዩ ዘደንጹ
'ቲ ተግባር መንፈሱ
ኣድገ በቕሊ ይሕሹ

ምስ ምንታይ ይቑጸር
ከሽካዕልል
ክብሪ ኤሩ ክህረም ክድፈር
እቲ ትማል ዝሰረሐ ሃገር፧

እንታይ'ዩ 'ቲ ዕላማ
እዚ ኹሉ ህላ
ኣንጻር ሃገር ኤርትራ፧

ክትፈልጥ! ክትፈልጡ!
ኤርትራ ሃገርነት
ዜግነት መንነት
ዝተኸፍሎ ሂወት
ነባሪ'ዩ ንዘንትእለት!
ስእለ
Sep 8, 2023 9:42 PM
173.73.27.183
ዓገብ!
====
ባዓል ዕንኪሊል
ተስፋ-ኣልቦ ጽንጊሊል
ዕንቅፋት ምዕባለ
ዉሕጅ ዘይእለ
ደዊንኩም ክብርና
እቲ ጽቡቕ ስምና

'ታይ ዝበለ ርእሲ
ሰላም ዘየሳሲ
ክብርታት ደቛሲ፧

ኣይግባእን ክትዕሾ
ብርፍራፍ ኮረንሾ
ብቑሩብ ቁራቦ
ሰሪሕካ ትረኽቦ

ንባዕዲ ምግልጋል
ወገንካ ምሽጋር
መን'ዩ ኢሉካ ሓላል፧

ኣብ ክንዲ ትማሃር
ብፍልጠት ትሳሓል
ዓለምና ንምግጣም
ስለምንታይ
መሪጽካ ምዕግርጋር፧

እሞ 
ክብሪ ዘየብሉ
ፍረ ትረኽበሉ
መፍቶ ጓሓላሉ

ዓገብ!
በጃኻ ተወደብ
ተሰራዕ ተኣደብ
ረብሓ የብሉን መኽሰብ
ስእለ
Sep 6, 2023 4:31 PM
148.184.174.62
ኣስተውዕል!
=======
ጎበዝ!
"ቅድሚ ምዝላልካ ጠምት፣ ኣበይ ከም ትዓልብ"
ክባሃል ዶ ሰሚዕካ ትፈልጥ፧

ኣነስ ደንጊጸልካ ልበይ ሓዚኑልካ
መንገዲ ምስሓትካ ሂወት ምሕማስካ
ሓዲግ-መዲግ ምትራፍካ መጻኢ ዘይብልካ

ሰበይ!
ሕሰብ
ዘለዎ መኽሰብ
ብዓቕሊ ጥበብ

እወ ሕሰብ
ክልተ ግዜ ደጊምካ
ክብሪ ዝህበካ
ዘየጣዕሰካ

ደንጎላ ምስንዳው
ንብረት ህዝቢ ምዕናው
ምስ ፖሊስ ምግጫው
ቅርሕንቲ ምርራው
ዕሽነት'ዩ ጥፍኣት
ዝጎደሎ ንቕሓት 

ይኣክል!
ኣርሒቕካ ዓልም
ስራሕ ዝጠቅም
ሂወት ዘማዕብል

ምስ ጸላኢ ኰንካ
ምንሻው ሃገርካ
ዕሽነት'ዩ ፋሕታ

መርምር!
መን ኣሎ ብድሕሪት
'ቲ ክርቢት ዝሽርጥጥ
ዘጣፍእ ዘናቚት

ኣለዉ ዝተሞኮሩ
ሰብ ረብሓ ጓሓሉ
ጽልኢ ዝምዉሉ 
ሰብ ከይሓልፈሉ

ኣብ ክንዲ ተማሃር
ዝብሉኻ ስራሕ ጽዓር
የትሩፉኻ ድሓር

ሕሰበሉ!
ኣብ ትገብሮ ኩሉ
ግዜ ተጥፋኣሉ
ክሳራ መኽሰቡ 

ኣስተውዕል!
እቲ ንሰርሓሉ ነፍረየሉ
ዕድሜና ሓጺር'ዩ ብግዜ ተመኑ
ስእለ
Sep 5, 2023 6:41 PM
148.184.174.62

ነዊሕ ግዜ ይገብር ሓቲ ስሓቢት/ኣገዳሲት ዛንታ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ነቢበ ነረ። ንሳ ድማ ኣርእስታ "ንወዲ ሓራም ወዲ ሓራም ይፈልጦ" እያ ትብል ነራ። ሕጂ ድማ እንሆ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኣብ መንጎ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝግበር ዘሎ ኣንጻር ክብርታቱን ህዝባዊ ባዓላቱን ዕግርግር ኣእዳው ናይ ወጻኢ ስለይቲ ትካላት ብድሕሪት ኮይኖም ዘሳውሩን ኡፍ ዝብሉን ከም ዘለዉ ኣተምቢሁልና ኣሎ። ከም በዓል "ሞስዓድ" ናይ ኢስራኤል ናይ ስለያ ትካል። እቲ ጽቡቕ ግን ካብ ዓይኒ ንስሪ ሻዕብያ ዝስወር እከይ ተግባራት ዘይምህላዉ'ዩ። ከምቲ "ንወዲ ሓራም ወዲ ሓራም ይፈልጦ" ኮይኑ። Long live Shaebia!

ስእለ
Sep 3, 2023 9:00 PM
173.73.27.183
ኣጀንዳ መን'ዩ፧
==========
መንእሰይ ዝንጉዕ እምኒ ትስንዱ
ልኡኻት ባዕዲ ካብ ዝሓንገዱ
ሰላም ምርባሽ 'ታይ 'ዩ እቶቱ፧

ኣብ ክንዲ ምምሃር ሂወት ምምቃር
ብስራሕ ራኢ ቅድሚት ምስጓም
ኣጀንዳ መን'ዩ ምህዋኽ ሰላም
ቆልዓ ሰብይቲ ኣኽቢብካ ምህራም፧

እንታይ ድዩ ነሩ 'ቲ ዕላማኻ
ንሩሑቕ ስደት እግሪ ዘምራሕካ
ንዕብየት ራህዋ ወይስ እምኒ ሲኢንካ፧

ዝገርም'ዩ ኣይ ሰብ እንስሳ
ከም ኣድገ በቕሊ ህላ ኣብዚሕካ
ዕላማ-ኣልቦ ዘይብሉ ጣቋ
ስእለ
Sep 3, 2023 12:47 AM
172.58.241.255
"ገረብ ብሓኽላ"
==========
ህዝቢ ኤረይ ኣስትውዕለሉ
ዝነፍስ ዘሎ ጥፍኣት ሓዚሉ
ገረብ ብሓኽላ ተንኮል ጓሓሉ

ብሓድነትካ 'ቶም ዝተሳዕሩ
ብኽብርታትካ ቅንኢ ዘሕደሩ
ሕማቕ ሓሊሞም ክብሪ ዘይብሉ
ኣብ መንጎ ኣሕዋት ጽልኢ ክተኽሉ

ከም ትማሊ ከምታ ቀደምካ
ኣብ ሰላም ጸገም ሓደ ድምጽኻ
ብድሆ በሎም ንቕሓት ዓጢቕካ

እወ
ኣይትተሃመል ጽናዕ ከም ቀደም
ኣእዳው ዓመጽቲ ኣደብ ኣትሕዘን
ዓወት ናትካ'ዩ ጸላኢ ይእለም
ስእለ
Aug 29, 2023 6:16 PM
173.73.27.183
ራህዋ ሃሚሙ
========
ሕጂ ግርም!
ጸገም ኣኽቲሙ
ራህዋ ሃሚሙ
ኣብ መሬት ኤሩ

ሎሚ ዱባሩባ
ብሻ ምስ ዛራ
ሺሻየን ይባ

ጽባሕ
'ተን ዝተረፋ
ከባቢ ኣስመራ
ባርካ ዓንሰባ
ብተራ ይባ

ሃብቲ ኮለሊ 
ዘይውዳእ ገምሪ
ጸግኡ ክህብ
ሰብ ማል ይስሕብ

ኤሩ፡
ክሳዳ ኣቕኒዓ
ወርቂ ነቲዓ
ክትህነጽ ሺዓ

ህዝበይ ተሓጐስ
ጸጋኻ ሕፈስ
ብኣካል መንፈስ

ጉዕዞ ክሰልጥ
ሩሑቕ ንጠምት
ኣወ
ብሓሳብ ግብሪ
ዕብየት ክዛሪ
ስእለ
Aug 25, 2023 2:40 AM
173.73.27.183
ሓቂ ደሚቓ!
======
ሓቂ ተቓሊሓ
ደሚቓ በሪሃ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
ኩሉ ሰብ ክሰምዓ

ሓቂ
ትሳግም ኣላ ትጋዋሕ
ሓይሊ ስሕበታ ክራባሕ
ፍትሒ ክነግስ ዓመጽ ክሽንዳሕ

ሱራ ኣስፋሕፊሑ
ሌባ መሊሑ
'ቲ ቅጥፈት ጉርሑ

ይድሂ'ሎ ድምጻ ተስፋ ሓዚሉ
ኣብ ምብራቕ ምዕራብ ኣእዛን ፈንቂሉ
'ቲ ደቡብ ዘሎ ይርሓሰና ኢሉ

ዕድመ ንጅግና ንመራሒና
ምስቲ ህዝብና
ንፍትሒ ሓቂ ዝተቓለሰ
ዝቃለስ ዘሎ
ንመዋእሉ ዕረፍቲ ኣልቦ
ስእለ
Aug 24, 2023 4:49 PM
148.184.174.62
መን ከም ሻዕብያ!
==========
ጸወታ ፖለቲካ
ካብ እግራ ክሳብ ርእሳ
'ቲ ደጊኣ ውሽጣ
ኣብዛ ዓለም ጣጣ
ዓመጽ ሃይማኖታ
ብዕምቆት ዝፈልጣ
ሻዕብያ'ዩ ጎይታ

ማዓስ ከም ዘጥቅዕ
ደቂሱ ይትስእ
ጸላኢኡ ይፈግእ
ብሓሳብ ብግብሪ
ዝፈልጥ'ዩ ንስሪ
ጅግና ኣባ-ዳህሪ
ስእለ
Aug 23, 2023 1:05 PM
173.73.27.183
ሃቡኒ ደዋኒ ክብሪ
==========
"ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ"
ንመዋእል ዕምሪ

እዚ ምስላ
ኣበሃህላ
'ታ ዝስቆራ
ኤሩ'ያ በይና
ኣብ ኣፍሪቃና

ሃገረይ፡
ሓላዊት ክብራ
ወትሩ ብጽፍራ
ዕዳ ዘይብላ
ዘጓጥጠላ

እወ
"ሃቡኒ ህበይ ይገብር"
ክብሪ ይብልል
ርእስኻ የድንን

ነዚ ፈሊጣ
ኤሩ ምስ ደቃ
ስራሕ'ዩ ዕጥቃ

ንብስኻ ምኽኣል
ሰሪሕካ ምምባር
ኤርትራዊ መትከል
ዘይክለስ ዘይቅየር

እወ
መንገዲ ምዕባለ
ንሱ ስለ ዝኾነ
ቅኑዕ ዘመስከረ

ስእለ
Aug 22, 2023 1:31 AM
173.73.27.183
ከብዲ ኣደ ጉራምራ
=========
ኣደ ተዘሚትኪ
ዘይረብሕ ወሊድኪ
ከዳዕ ተላኣኺ
ወገኑ ሃዋኺ

ዘሐዝን'ዩ ተግባሩ
'ቲ ሓሳቡ ሕልሙ
ቁምነገር ዘየብሉ

ክንዲ ምምሃር ምስራሕ
ሂወቱ ምብራኽ
ብደንጎላ ይራጋሕ

ጉዳም ስደተኛ
ሰነፍ ኣበረኛ
ዘየብሉ ዳኛ
ዕላማ ሕልና

እወ ወድኺ፡
ፍጹም ኣይጥዓየን
ራኢ ኣየጥረየን
ብስርዓት ክምእዘን

ጸሎት ግበርሉ
ሲሒቱ'ዩ መስመሩ
ሰብ ሰላም ኣቕሒሩ

እዝስ
ብኻ ነይተወልደ
ብላሽ'ዩ ዕደ
ሰቡ ዘዋረደ

ኩሉ ኪዒብዎ
ከዳዕ ፈሪድዎ
ኪድ ራሓቕ ኢልዎ
ስእለ
Aug 17, 2023 4:04 PM
148.184.174.62
ሓቂ ተዛረብ!
=======
ሓቂ ተዛረብ
ኣለዎ መኽሰብ
ኣብ ሰማይ ኣብ መሬት

'ቲ ትማሊ
ካብ ኤርትራ ምድሪ
ብለይቲ ብቐትሪ
ጸላም ተኸድኒካ
መራሕቲ ከፊልካ
ክትስደድ ከለኻ
'ታይ ነሩ ሕልምኻ
ዕላማ ትምኒትካ፧

መንግስቲ ንምዕላው
ሰሪሕካ ምህብታም
ጨርቅን ወርቅን ምኳን፧

ወይስ
ትምህርቲ ንምምሃር
ስድራ ቤት ምጥዋር
ካብ ውግእ ኲናት ምህዳም፧

ተዛረብ ዝስማዕ
ዝድገም ዘይጽላእ
ኣብ ታሪኽ ዝኹላዕ

መን'ዩ ጨውዩካ
ክትቅይር ሓሳብካ
ኣንጻር ሃገር ህዝብኻ፧

'ቲ ውድቀት 'ቲ ፍሽለት
ምስ ተሳእነት ዓወት
ኣብቲ ሩሑቕ ስደት፧

ዶስ
ሰብ'ዩ ኣጋጉዩካ
ግንዖ ሂቡካ
ክትሃርም ኣሕዋትካ፧

ዝገርም'ዩ ዘደንጹ!
ፍጹም ኣየምሕርን ደንጎላ ክትስንዱ
ኣንጻር ፖሊስ ህዝቢ ሕጊ ዘይጣሓሱ
ኣብ ዓዲ እንዳማትካ ዕቑባ ዝለገሱ!

ሓወይ
ናይ ብሓቂ ኣኽፊእካ
ኩሉ ኪዒቡካ
ዕሽነት ዘርዩካ
ናብ ቀልብኻ ተመለስ ሰላም ይሕሸካ
ስእለ
Aug 15, 2023 3:42 PM
173.73.27.183
== ኣይተዓደልናን ==

"መባእስተይ ለባም ይግበረለይ"
ንሰላም ዝመርጽ ጸያን ግብረ-እከይ
ይሎም ይምስሉ ባዓል ኣቦ ኣደይ

ግና ኣይተዓደልናን
ዕድል ኣይገበርናን
ኣይሰመረን -
ድልየትናን ትምኒትናን

ገጢሞሙና "ኣእዱግ ንሓመዶም" 
እምኒ ዱላ ዝዓተረ ኢዶም
ጸረ-ሰላም ዘይፈልጡ መንገዶም
ብርሃን ከሎ ሂወት ዝጸልመቶም

ነውራማት!

ሕጊ ዘይፈልጡ ስርዓት
ናይ ሰላም መንዳዓት
ካብ ሰብ ፍጥረት ዘየብሎም ብቕዓት

እወ!

ተጋግዮም ዘጋግዩ
ወቒዖም ዘእውዩ
ይርብሹ ኣለዉ መልሲ ክንበሉ
ዘየሐጕስ ፍረ ዘየብሉ
ዝለኻኽም ንቑጹ ጥልሉ


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events