Thank you ድምጻዊ ዶክተር ንፍሲሄር በረኸት መንግስትኣብ! እስኻ እወ እስኻ ኩሉ ዝምስክሮ ድምጽኻ ዝነግሮ በረኸት ሃገር ጸጋ ባህሊ ኵርዓት ኤርትራዊ ሓበን ዜጋ ድምጹ ዘይበሊ ነርካ ኣለኻ ሎሚ ዘልኣለም ወትሩ ተዘካሪ ሓሊፍካ እምበኣር ሞት ኮይኑ ቀብሪ ስምካ ወቒርካ ኣብ ርእሲ ኤርትራዊ 'ቲ ጥዑም ዜማኻ ስምዒት ሰርሳሪ ሰሚዕካ ዘይምኖ ኤርትራ ኣፍቃሪ
In any event, thank you for your immeasurale services for the people of Eritrea! You will be terribly missed!
R.I.P.
ነዚ ሓዲሽ ቅዲ ኣቃርጻ ናይ ሕሳብ (ቁጽሪ) ከተኣታትዎ ተዳሊየ ዘለኩ ኣብ ኤርትራ፥ ሓዲሽ እኳ፥ እንተ ዘይኮነ ብዓይነቱ፥ ስለ ቅድሚ ሰለስተ ሚኢትጹሳን ዓመት (፩፮፮፭) ይማሃር ብምንባሩ፥ ሎሚ ሓዲሽ ኮይኑ እንተ ተሰሞዖ ሰብ ግን ኣይኮነን። እዞም ሎሚ ከም ሊቃዊንቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ናይ ሕሳብ (ቁጽሪ) ነቲ ሓዲሽ ቅዲ ኣቃርጻ ዘተኣታውዎ ካባኡ ኢዮም ኣመንጮም ኣብ ትሕቲ ሽም ፡ፍላክሽን፥ ብዝብል። ንሱ ድማ ትርጉሙ ካብ ቦታ ንቦታ እቲ መወሃሃዲ ናይ ሀንለን ወይ ኤክስን ዋይን ኣክሰስ እንዳ ተላዋወጠ ይህብ ስለ ዝነብርረ እቶም ነጥብታት እሞ ከኣ ንጥብታት ብሕንጣት ክተላግቦም ምስ ጀመርካ ጥውይዋይ ዝዓይነቱ ቅርጺ ስለ ዝ ህበካ ፍላክሽን ስም ተዋሂቡዎ እቲ ሓዲሽ ኣቃርጻ። ነቲ ኑቡርን ቀሊሊን ዝሓሸን ዝነበኣቃርትሳ ሰለስተን ካብ ሰለስተን ንላዕሊ ኩርናዓዊን ኣቃርጻ ተኪኡዎን ኣረሲዑዎን ሎሚ። ኣብዚ ሰዓት እዞ በቲ ብ፩፱፮፭ ዝተጀመረ ሓዲሽ ዓይነት ፍላክሽን ወይ ካልኩለስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ት ህማሃር ኣሎ ተማሃራይ ጥራሕ ሕጂ። ሕጂ ንሕሳብ ቁጽሪ ዋላ ኣፋታትሕ ኡ ዋላ እንተ ፈለጥካዮ ንጥቅሙ ረቂቅ ጌሩዎ። ካብ ዓይኒ ዝገለለ ካብ ልቢ ገለለ ከም ዝባሃል፣ ነዚ መብዛሕቱ ናይ ኤሌክትሪክ ባህሪያት ፈሊጥካ ብከምይ ከምትቃጻጸሮ ትክእል ናይ ስነ ሞጎት ናይ ቡሉወን ኣልገብራ ዝባሃል ካብ ምንታይ ዓይነት ኣቃርጻ ከምዘመንጭዎም ረቂቅ ጌሩዎ ኣሎ እቲ ናይ ቀደም ኣቃርጻ ስለ ተረሰዔ።
ነዚ ከም ሓዲሽ ጥውይዋይ ዝዓይነቱ ኣቃርጻ ዝተኣታተወ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ብ ባዓል ኣይዛክ ኑይተኒን ጎድፍርድ ዊልሄም ላይብዚንግ በሰንኪ ወዲ ፈረንሳ ሬነ ዲስካርተ ዝተባህለ ሕሳቤኛን ፈላስፋን ንመጀመርታ ዘላለየ ሀንለን ፈራቂን ኤክስን ዋይን ኣክሰስ ዝባሃል ዋልለየ ሓንቲ ፊደል ተ ትመስል፣ ሹዑ ነዚ ተገንዚቦም፣ኣንቲ ፊደልተ ነቲ ምር ኢት (ኢኮሽን) ከም ትዉይዋይ ዝዓይነቱ ክቀርጸኦ ጀመሩ። ሎሚ መምሃራናን ተማሃሮናን ኣብ ፊደል ተ ትመስል ጥራሕ ዝቅረጽ ዝመስሎም ሕሳብ ቁጽሪ ኣቃርጻ።
ንሕና ኤርትራዊያን ነቲ ናይ ቀደም ቅዲ ኣቅርጻ እንተ ኣተ ኣታቲናዮ ቡዙሓት ሊቃዊንቲ ከነፊሪ ጥራሕ ዘይኮና ብርግጽ ሕሳብ ቁጽሪ ቀሊሊን ስነ ሞጎታዊን (ሎጂካልን) ቡዙሕ ዓይነት ክለሰ ሓሳባት ካቡኡ ከነመንጩ ምካና ይዋሓሰኩም ኣነ። ሃገርና ድማ ዝማዕበለትን ዝሰልጠነትን ክትኮነልና እያ። ብቁጠባ ድማ ክትዓቢ እያ ብድሕሪኡ። እሞ ነተኣታትዎ ዶ እዚ ሓዲሽ ኣቃርጻ፧ See YouTube Link below:
https://youtube.com/shorts/oT_L0PtMylE?feature=shared
Yonatan Math
ክሳብ ማዓስ...፧ ========= ሻዕብያ ክሳብ ማዓስ ክትልቡሙ ዓቕሊ ጠባይ ክትገብሩ ኣርሒቕኩም ክትሓስቡ ምኽሪ ክትምጥዉ ንባዓል ገዋኑ ኣብ ጽምዶ ዘይኣምኑ እዚኦም፡ ፍጥር ቡቑል ክብሉ ሃገር ከይኮኑ ክወሩ'ዮም ዝነበሩ ስለዚ ዓመጽቲ ተዃሉ ሕጊ ዘየኽቡሩ ማዕሬኹም ክሓስቡ ዘይከውን'ዩ ፈጺሙ ኢሂን ክላመዱ ምስ ሓቂ ክጸምዱ ኣይፈልጥዎን መንገዱ ኩሎም'ዮም ጓሓሉ ጽውጽዋይ ዝኣምኑ ክልተ መልሓሶም ቀልቦም ዝተደፍኑ እወ! ጸረ-ሰላም - ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ ጸጋዕተኛ - ኣብ ነብሶም ዘይኣምኑ ተላኣኽቲ ባዕዲ ዘገልግሉ ስለዚ ዙሩጋት'ዮም ራኢ ዘይብሎም ምዕብልና ግዜ ዝጠንጠኖም ሓደ ካብቲ ሓደ ዝቐርዓነ ልቦም እሞ ደጀነይ! ሓበነይ! ግዜኹም ኣይተጥፍኡ ምስ ጠላማት ፈጺሞም ዘይሰምዑ ባህሎም ዝገበሩ ወቂሮም ክጎስዑ ጥራሕ ሓድነትኩም ይጽናዕ 'ቲ ዕጥቅኹኹም 'ቲ ዘይዕጸፍ ኒሕ ወናም መኸተኹም ዘምበርከኸ ኣባይ ደመኛኹም
እስኻ እወ እስኻ ኩሉ ዝምስክሮ ድምጽኻ ዝነግሮ በረኸት ሃገር ጸጋ ባህሊ ኵርዓት ኤርትራዊ ሓበን ዜጋ ድምጹ ዘይበሊ ነርካ ኣለኻ ሎሚ ዘልኣለም ወትሩ ተዘካሪ ሓሊፍካ እምበኣር ሞት ኮይኑ ቀብሪ ስምካ ወቒርካ ኣብ ርእሲ ኤርትራዊ 'ቲ ጥዑም ዜማኻ ስምዒት ሰርሳሪ ሰሚዕካ ዘይምኖ ኤርትራ ኣፍቃሪ
In any event, thank you for your immeasurale services for the people of Eritrea! You will be terribly missed!
R.I.P.
ኣየ ሰብ! ===== ክበዝሕ ዓይነቱ ጠባይ ኣንደበቱ ሕልሚ ሓሳባቱ 'ቲ ራኢ ድፍረቱ ዘገርም ዘደንጹ! እወ 'ቲ ፍልጠት ክእለቱ ጥበቡ ብቕዓቱ ስፍሓቱ ዕምቀቱ ሰማይ'ዩ ደረቱ! ኩሉ ንጥፈታቱ ስንፍና ድኽመቱ ዕሺነት ብስለቱ ዝድነቕ ዝውቀስ ዝነኣድ ዝሙጎስ ዝርሳዕ ዝውረስ ኩሉ'ዩ ባዕሉ ዝሃንጽ ዘዐኑ ጨካን ዝወጸሉ ንሕስያ ዘይብሉ ካብ ፍጡራት ኩሉ ሰብ እወ እዚ ሰብ እንዳፈለጠ 'ቲ ክሳራ መኽሰብ ንሰላም ጎስዩ ሰራውሮም ምሕዩ ይብል ተሳነዩ ትኽ ተበለ ማዕጺድ ተግባሩ የሰምብድ ኲናት ውግእ የአንግድ ኣዕናዊ ዘስገድግድ ሰብ ተለመጸ ተመን ፍጹም ዘይእመን መርዛም እሾኽ መርገም መሬት ብገፋሓ ምስ ኩሉ ሺሻያ ዘጋኣ ኣይካለን ብሲኒት ክነብራ ክበልዓ
ዝኾነት ሃገር ንክስጉም ትብህግ ኣገዳስነት ናይ ሕሳብ (ቁጽሪ) ክፈልጥ ጥራይ ዘይኮነስ ኣየኖት ዓይነታት ሕሳብ (ቁጽሪ) ኣብዞም ዓውድታት እዚኦም ተግባራዊ ምዃኖም ክፈልጥ ኣለዎ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ታሪኽ ሕሳብ (ቁጽሪ) - ምስ ግዜ ብኸመይ ከም ዝተቐየረን መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ብቐሊልን ተበጻሒን መገዲ ብረቂቅ ኣገባብ ከም ዝምሃርን ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።
ደቂ ሰባት ከም ምሁራት ፍጡራት መጠን፡ ንኣረኣእያታት ክቆጻጸሩ ይኽእሉ። እቶም ዝያዳ ኣፍልጦ ዘለዎም ወይ ሓያላት ኮይኖም ክረኣዩ ዝደልዩ፡ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ከጉድል ዝኽእል ሓበሬታ ክኽልክሉ ይኽእሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ርእሰ ነገር እምነትን ምርዳእን እዩ ዝወርድ።
ንተማሃሮ ብዛዕባ ታሪኽ ሕሳብ (ቁጽሪ) ብኣድማዒ መንገዲ ንምምሃር፡ ቅድሚ 360 ዓመት ብኸመይ ከም ዝተማህረ ንድሕሪት ተመሊስና ክንጥምቶ ይግባእ፡ ብፍላይ ድማ ቅድሚ ምምጻእ ካልኩለስ ብመንጽር ስእላዊ መመዓራረይቲ ሕሳብ (ቁጽሪ)።
መሰረታዊ መትከላት ሕሳብ (ቁጽሪ) ምርዳእ ንመጻኢ ኣጣቃቅማ (ኣፕሊኬሽናት) ወሳኒ እዩ። ነቶም ከማይ ብዕምቆት ክድህስሱ ዝደልዩ፡ ቁጽርታትን ተለዋዋጢ ረቛሒታትን ብኸመይ ከም ዝተረኽበ ምድህሳስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ናብ መበገሲ ምንባብ፡ ምጽሓፍን ምሕንጻጽ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት ብመመዓራረዪታት ዝመርሓና እዩ።
If you want to comment, you can email me at ficocredit@yahoo.com
ኣብዚኣ'ሞ? ====== ሻዕብያ ናይ ጽንዓት ኣርኣያ ደጀን ኤረትርያ ገለ'ዶ ግበሩ ፖሊሲ ቀይሩ እወ ኣብዞም ዘይምዕቡሉ ኣብ ወራር ዝኣምኑ ሰላም ዝጽይኑ ጎረቤት ደባሉ ፖሊሲ ወድኑ ይኣኽለና! ሎምስ መሪሩና 'ቲ ስቓይ መከራ ክጸሮ ኣካልና ናይዞም ጎረቤትና ከልበትበት በዚሑ ወለዶ ሰኪሑ ዓቕሉ ተጓሕጒሑ ክሳብ ማዓስ ብኣና ብዋጋ ሂወትና መጻኢ ዕድልና ኤርትራ ሃገርና ከሽካዕልል 'ዚ ጓና እቲ ስደት ከርተት መስዋእቲ ድኽነት ክሳብ ማዓስ ጽሮት እወ ክሳብ ማዓስ ኣብ ረጽሚ ክንሺገር ክንጠሚ ክንውጋእ ክንደሚ ይኣክል! ግበሩሉ ፈጽሚ ዝመጸ መራሒ ከዳሚ ዓብላኺ ወራሪ ኣስፋሕፋሒ ክንደይ እዋን ክብድል ሰብ ፍትሒ፧ 'ቲ ኲናት ዕግርግር ሂወት ሰብ ዝምንጥል ሰላምካ ዝሕንክር እጎድዎ ኣብ ውሽጦም መታን ክስወጦም እወ ፋሕ ብትን ይበሉ ስኒቶም ይስኣኑ ሺዑ ክፈልጥዎ 'ቲ ኲናት ዘዐኑ
"ሸርሒ ማይክ ሃመር ብሕንጻይ..." =================== ቆልዓ በሻሻ ኣግሂድዎ ትልሙ ሸርሒ ማይክ ሃመር ክትግብር ጀሚሩ ኤርትራ የናእስ የቃልል ኮነ ኢሉ እወ ሻዕብያ ይዝንጥል ክብሪ ብዘይብሉ ዓሰብ'ውን ይሰሚ ባሕሪ ደጋጊሙ ክውላዕ 'ቲ ኲናት ቃላት ይመርጸሉ ረሲዕዎ ዕንዱ ከም ዘሕጽሮ ዕምሩ ሕልሙ እወ ሕልሙ ኣብ ስልጣን ክነብር'ዩ 'ቲ ጻዕሩ ክነግስ ክመርሕ ዝቃጸጽ ዘይብሉ ንእሽቶ ዓብዪ ኩሉ ክሰግደሉ ግና ዘይከውን! ሕሹኽ ግዳ በልዎ ናብ ልቡ ክምለስ ምኸርዎ ንሰላም ክሰርሕ ማዓድዎ ኲናት ዋጋ ይብሉን ረብሓ ዝቦ ወይ እለይዎ ኣይተጣቕዕሉ ውሰድዎ ናብ ሓኪም ዶክተሩ ሰናይ ተግባር ኩሉ ዝዓግበሉ ዓብዪ፡ ልኡኽ ጥፍኣት ዕሱብ ዝወጸሉ ሓልዮት ህዝቡ ፍጹም ዘየብሉ ክንዲ ሰላም ህውከት ይመኽረሉ ክወርር'የ ይብል ተገቲሩ ሕጊ ዓለም ጢሒሱ ሰቢሩ ባሕሪ ወደብ ክትውንን ሃገሩ፧ ዘይትርጎም ሕልሚ! ድፍረት ድዩ ድርቅና ዕሺነት ድንቁርና ትምክሕቲ ኣነነት ኣብዚሕዎ ፈኸራ ወስለትለት ብቑጽሩ ብብዝሑ ተመኪሑ ግና እቲ ጽንዓት! ጥርዚ ብቕዓት! ብልሒ መንፍዓት! ናይቶም ዉሑዳት ዘንጊዑ ረሲዑ ዓለም ዘዛረቡ ንኣእላፍ ዝገርሑ ክሓዲ'ዩ ጠላም እምነት ዘየብሉ ክልተ መልሓሱ ዝቐያይር ሕብሩ ሕፍረት-ኣልቦ ወረኛ ኣምስሉ ንምዃኑ መን'ዩ ዘሎ ኣብ ጎኑ ድሕሪኡ ዘቐብሎ እቲ ዶላር ስንቁ ረብሽ ዝብሎ ዘቃልሕ ቋንቁኡ፧ ኣመሪካ'ያ ጸረ-ሰላም ሕንጉጉ! ዕንዱ ይዓብድ ኣሎ ይፍክር ክፋእ ተንኮል ይፍሕስ የሳውር ቀይሕ መስመር ይጥሕስ ይሰግር ኣቕልቡሉ ልሳኑ ቃላቱ ፈትሺዎ ትሕዝቶ ኣመቱ እንታይ ይብል ትርጉሙ ዕምቀቱ ብወያነ ዝጀመረ ጥልመት ብልጽግና ዝቐጸሎ ክሕደት ይጋዋሕ ኣሎ ብኣብዪ ገስረጥ ዝገርም'ዩ! ኣብ ስልጣን ኮረቻ ክንዲ ዘቐመጥና ንሰላም ምዕባለ ሓገዝና ዝሃብና ተነኺሱ ዘኾለሰ ኢድና ወይ ንሕና ንረኽቦቦቦ! ተሳቒና ብጥልመት ጎደቦ ጋዶ ኮይኑ ቅሳነት ክነብሮ
ኤረይ === ሃገረይ ትንፋሰይ ሩሖይ መልክዐይ ሕብረይ መንነት ክብረይ ወትሩ ትዘሪ ኣብ ደመይ እስኺ እወ እስኺ ሓበን ኵርዓተይ ተስፋ ሂወተይ ወናኒት ክብረይ ሺታኺ እምነትኪ መትከልኪ ፍቕሪ ሓድነት ሰላም ነጻነት ፍትሒ ማዕርነት ኤሩ ኮኾብ ኣፍሪቃ ዘይብልኪ ኢንታ ሓቂ ቅናታ ናይ ባዕላ ጎይታ ኩሉ ኢኺ ንዓይ ሓጎሰይ ተስፋይ ዓርኪ ማሓዛይ ኣብዛ ዓለም ግናይ ብዘይቀልዓለም ሎሚ ትማሊ ብቕትማሊ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ንዘልኣለም እስኺ ዳዕሮ ጽላል ኢኺ ኣርጊጸ ይኣምን ብርሃነይ ዓይነይ ትርግታ ልበይ ክብሪ ዝፋነይ ምዃንኪ ናተይ ይፈትወኪ ይኣምነኪ ካብ ልቢ የፍቅረኪ ለይቲ ምስ ቀትሪ ይዝክረኪ ይጽልየልኪ ወግዒ ዕላለይ ኩሉ ብኣኺ ሩሑቕ ቀረባ እንተሳገምኩ መለለይየይ ሃልየ ሞትኩ እስኺ ኤሩ ህዝባ ትፈቱ መቓሬት ሂወት ኤሩ ዘይብሉ ክቡር ህዝብኺ ዘይሕጎሰሉ ምምባር ኣብ ዓለም እንታይ ትርጉሙ፧ ከምቲ ትማሊ ኣብ ወራር ጸገም ዝመከቱልኪ ራህዋ ምስ ደጀን ኣነ'ውን ሂወት ይበልኪ ብዘይ ቀልዓለም ኤሩ፡ ከም ሸዊት መንገዲ ኰንኪ ተሃራፊት ካብ ሩሑቕ ቀረባ ቆንጆ ተጠማቲት ጋዶ ኮይኑ ሃላኽ ወረርቲ ክንምክት ብዝኾነ ኤሩ፡ ንዅርዓተይ ንኽብረተይ ንናጽነት መንነተይ ሰላም ኩንለይ ተሰለምለይ እንተ ኣነ ድሉው'የ ንኹሉ እንተታት ከም ዝቐደሙ እቶም ኣያታት ወዶም ምስ ጓሎም እቶም ሙዑታት ቃሎም ከኽብር ሕድሪ ሰማእታት
ዝደጋገም ቅጥፈት ========== ናይ ትማሊ ጌጋ ክደጋገም ክትሰምዕ ክትርኢ ትግረም ሕቶ ተልዕል እንታይ'ዩ 'ቲ ጸገም፧ ዕሺነት ድዩ ድንቁርና ትዕቢት ቅጥፈት መን ከማና ወይስ ተልእኾ ሓያላት ክድምና፧ ብባድመ ኣመኽኒኻ ተንኮል ሓሶት ኣሰኒኻ 'ተወለዐ ወራር ብፍብረኻ 'ታይ ፈየደ - 'ታይ ኣምጽአ ረብሓ፧ ጸራጋጊዎም ከም ዉሑጅ መረብ ነበረ ኮይኖም ዘይብሉ ሰረት ኣብ ታሪኾም ነባሪ ውርደት ተወሪረ ብባድመ ሸርሒ ኲናት ዘይጠቐመ ባሕሪ ኣልዒልካ ዝደኸመ እዉጅ ወራር ብሰብ ጥረ ውጺኢቱ ዝመረረ ክድገም'ዩ እቲ ህልቂት እቲ ውርደት 'ቲ ጽፊዒት ብዘሐፍር ብዘሐትት ስለዚ ግደፉ ኲናት ወራር ተጸየፉ ረብሓ የብሉን ዝጥቀሱ ዕንወት ህልቂት'ዩ ትርፉ
"ዕፉን ከም ሰብኣይ የጭሕም ከም ቆልዓ ይሕዘል" ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ድማ ይመሳሰል መራሕቲ ኢትዮጵያ ናይ ወራር ኣርኣያ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝገደደ ከደምቲ ፍቱሓት ሰብ ስረ ወርትግ ኣብ ማሕዘል - ቆልዓ ዘይተረረ ብባዕዲ ቺቸቶ ምኽሪ ዘራጊቶ ዝታተዩ ኮንቶ ክብርታቶም ሸይጦም ሃገር ኣዋሪዶም ዝገዝኡ ኣይግዶም ሃገር ካብ ዝኾኑ ቡቑል ፍጥር ክብሉ ኲናት ምስ ዘመሩ ስለዚ ኢና ሰጢምና ንሕሉ መሬትና ባሕርና ሉል ነጻነትና ተረባረብ ኮይኑ መዋእል ኣቝጺሩ ይቕጽል መኸተ ዕረፍቲ ዘይብሉ ዓቕምናን ብቕዓትናን ሰንፈላል ደው ኢሉ ኣእላፍ ኢና ይብሉ 'ቲ ብዝሖም ይነግሩ ከፋራርሑና ከምዛ ዘይፈልጡና ወየ ተቓሊስና ትዋዲቕና ፊት ንፊት ብድሎ ገጢምና ኤርትራ ነጻ ሃገር ገርና ስለዚ ኢትዮጵያ፡ ግደፉና ኣይትተንኩፉና ሰላም ልዋም ቅሳንት ሃቡና ንልምዓት ክንሰርሕ ብኽልተ ኢድና
"ጥፋእ ዝበሎ" ========= "ጥፋእ ዝበሎ ሓሩጭ ምስ ንፋስ ይባኣስ" ተባሂሉ ቀደም ተመሲሉ 'ቶም ዓቕሞም ዘይፈልጡ ከስተውዕሉ ትዝክሩዶ፧ ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ ዓሚ እቲ ቅድሚ ዓሚ ብተደጋጋሚ ወራሪ ምሳና ገጢሙ ክበታተን ክማረኽ - ምስ ጋዓ-ገልጠሙ ምስ ታንክታት ሓጺነ-መጺኑ፧ እወ ንፋስ ኰና ህቦቡላ ዕኮት ንስሪ ነብሪ ሺላ ረመጽ ጓህሪ 'ቲ ጎመራ "ኣላህዮሙና" ከነብሎም ስዕረት ምርኮ ዘይበትከሎም ሲዒርናዮም ሓደ ኰና ኣውሒስናዮ ነጻነትና 'ቲ ሰላምና ሓድነትና 'ዞም ዓመጽቲ 'ዞም ወረርቲ እንዳማቶም ኣቋመቲ በሊግናዮም ብመቕዘፍቲ ጃህራ ኣይኮነን ትዕቢት - ስቕ ኢልካ ፈኸራ ተራ ዕላል ስእላዊ ፈጠራ ምስክር'ዩ ሰውራ ኤርትራ ዝጨፍለቖም ወረርቲ ኣሞራ ኢትዮጵያውያን፡ 'ቲ ተራ ሙሁሮም ገባራይ ዓስከሮም ካብ ጌገኦም ዘይማሃሩ ንስዕረቶም ምኽንያት ዝፈጥሩ ዝወሰኑ ኣብ ክሕደት ክነብሩ ሓደ ድሕሪ ሓደ ዝነገሰ ኣብ 4 ኺሎ 'ተኾየጠ ዘራፍ ይብል ዋላ እንዳሞተ መን ከማና ዝዓብለሎ ቀልቦም ሓሶት ጃህራ ፍጹም ዘየሕፍሮም ዝኸሓዱ ክግምግሙ ዓቕሞም ብዝኾነ "ዓዲ ዋዓሉ" ይብል ኣሎ ዋርሳይ ከይኸውን ዳሕራይ ዋይ ዋይ ዝተለምደ ድምጺ ካብ ባሕሪ ሓላማይ
"ወጠጦ" ====== ኣንታ ወጠጦ ዘይብልካ እንዶ ህውከት ሃገሩ ፍጹም ዘይዓጦ መን'ዩ ልኣኺ እንታይ'ዩ ሂቡካ ክንድዚ ዉሕ ዉሕ ምስ ኣኽላባትካ ኤሩ ክትወርር ዓሰብ ዘልዓልካ፧ ኣይፋልካን ዕንዱ ክልተሳዕ ሕሰብ ሰላም ዘንግሱ ይትረፍካ ኲናት ቡዙሕ መዘዙ ታሪኽ ትወከስ 'ቶም ዝወረሩ ካብ ቡሱል ጥረ 'ቶም ዝድሓኑ ከዘንትዉልካ 'ታይ ከምዝኾኑ ተወከስ ደርጊ ተወክስ ወይን 'ቶም ዝፈከሩ እዝኒ ዘጽምም ዝተጎልበቡ ስዕረት ዘስደምም ሕጊ ረጊጽካ ሃገር ወሪርካ ወደብ ከተውሕስ እንተሓሲብካ ሕልሚ'ዩ ቀልዲ ኵዓት ጉድጓድካ
ኣብ ኤርትራ ናይ ቅርጺ (ጂኦሜትሪ) ምር ኢት (ኤግዚቢሽን) ንምውዳብ ይሰርሕ ኣለኹ፡ ኣመጻጽኣ ፊደላትን ቁጽርታትን፡ እንተላይ ግዕዝ (ኤርትራዊን ኢትዮጵያን ንጥቀመሎም) ዋላ ናይ ላቲን፡ ዓረብኛን፡ እብራይስጥን ግሪኽን ፊደላት፡ ከምኡ’ውን ምስ (ጂኦሜትሪካዊ) ቅርጽታት፡ ቅጥዕታትን ጥንታዊ ፍልጠትን ብኸመይ ከም ዝራኸቡ ዝድህስ ትምህርታውን ባህላውን ፍጻመታት ዘተኮረ የተሓሕዝ።
እዚ ምርኢት እዚ፡ ኣብ መንጎ ሕሳብ፡ ቋንቋን ስነ፡ጥበብን ኣብ መንጎ ስልጣነታት ዘሎ ዓሚቝ ምትእስሳር ንኽፈልጥ ድሌትን ኣድናቖትን ንምልዕዓል ዝተዳለወ እዩ። ንተማሃሮ፡ ተመራመርትን ሕብረተሰብን ነቲ ኣብ ቅርጺን (ጂኦሜትሪን) ስርዓተ ጽሕፈትን ዝተሰረተ ናይ ሓባር ሰብኣዊ ውርሻ ዳግማይ ንኽረኽብዎ ዕድል ክህብ እዩ።
እዚ ምርኢት ስነ፡ጥበብ ናብቲ ጥንታዊ ጊዜ ስለ ዓለም ይመልሰካ ኮይኑ ክስምዓካ፡ ብናይ ሳባዊ ጽሑፋትን ባህላዊ ጽልዋታትን ነቲ ቀዳማይ ርክብ ደቂ ሰባት ዝቐረጸ ጉዕዞ እዩ። በጻሕቲ ኣብ መንጎ ስነ፡ጥበብ፡ ፊደላትን ብቅርጽን (ጂኦሜትሪን) ቅርጻዊ ህያው ዝኾነ ቁጽርታትን ዘሎ ምትእስሳር ክርእዩን ክስምዖምን ዝኽእል፡ መስተንክር፡ ምጥሓል ተመክሮ ክኸውን እዩ።
ነዚ ምርኢት ንምውዳብ ምስ ሚኒስትሪ ትምህርትን ዝተፈላለዩ መሻርኽትን ብምትሕብባር፡ ትምህርታዊ ጽምዶ ንምጥንኻርን ዋጋ ባህላዊ ትምህርቲ ቅርጽታትን (ብጂኦሜትሪን) ስነጥበብን ንምዕባይን ዝዓለመ ክኸውን እፈቱ።
ነዚ ተበግሶ ዕዉት ንኽኸውን ክትሓባበሩና ሓገዝን ደገፍን ኣዝየ እየ ከይፍለየና ቡዙሕ እዩ ተስፋና። ብፍላይ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ኤክስፖ ኤርትራ ንምርኢት ፍቓድን ቦታን ክንረክብ ንጽፎ።
ቤተ መዘክርና ብዘለዎ ተወፋይነት ንስነ-ጥበብን ታሪኽን፡ ከምዚ ዓይነት ምርኢት ኣብ ምዕባይ ባህላዊ ምልውዋጥን ሞሳን ክሳብ ክንደይ ትርጉም ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ፍሉይ ኣረኣእያን ርድኢትን የቕርብ።
ነዚ ኣገዳሲ ትምህርታውን ባህላውን ፕሮጀክት ኣብ ምድንፋዕ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክተሓባበር ክብሪ ይስምዓኒ። ስለቲ ግዜኹምን ሓልዮትኩምን የቐንየልና።
ብቕንዕና፣
ዮናታን ሰሎሞን
ሰብ ድዩ ዋጭል፧ ========== ዓብዪ 'ዚ ሕንጫል ብቕዓት-ኣልቦ ወዛል ዜሮ ክብሪ ሚዛን ሰብ ድዩ ውጫል፧ ዘይኮኖ ክመስል ዝሃልኽ ዝጽዕር ንፉስ ዘየስተውዕል ሕሉፍ ደረቐኛ ዕሸል ኣበረኛ ዘይብሉ ሕልና ሓሊሙ ክውንን ባሕርና መሬትና ወደብና ብሓይሊ ብዊንታ ወደብኩም ሃቡንስ ጥዕናዶ ሃለፍታ፧ ናይ ዘበና ዕንዱ ኲናት'ዩ ኣዉጁ ከሐጽር ሺመቱ ጎበዝ ዘይተገርዐ ታሪኽ ዝዘንግዐ ሕልሙ ዝቖለዐ ዝገርም'ዩ! ሂወት ዝበለዐ ኣሺሓት ዘምበዐ መኸተ ቃልስና ናይ ትማል ናይ ቀደም ከመይ ይርስዖ እዚ ዘርኢ መርገም፧
ወይ ጸገም! ====== ወይ ጸገምምም! ዕድል ድዩ መርገም፧ ጉድ እኮ ረኺብና ሰላም ሓርቢቱና በዛ ጎረቤትና መራሕቲ ኢትዮጵያ ናይ ዓመጽ ኣርኣያ ካብ ሃይለስላሴ ክሳብ ደርጊ ወያንያዊ ስርዓት ጸቢብ ርእሲ 'ቲ ቆልዓ በሻሻ ተላኣኺ ዝነበሩ ኩሎም መሳፍንቲ ስርዓት-ኣልቦ ወረርቲ ዓጠርቲ ኣብ ሊዕሌና ዘውረዱ መቕዘፍቲ ስኒት ሰላም ፍጹም ዘይስቆሮም ሕጊ ዉዑል ዘይፈልጡ ኣኽቢሮም ዘራፍ ይብሉ ዋላ ተሳዒሮም ኣስሓኮ ዘይብሎም ተቛመርቲ ምስ ኩሉ ጎረቤት ተናኸስቲ ዘይእመኑ ጠላማት ወቀርቲ መዋእል ኮይንዎም ክወሩ ክዘምቱ ጥሓርናኩም ክብሉ ሰብ ድሓን ከጽንቱ ራህዋ ምዕብልና ገዲፍዎም ከይዱ ክንዲ ጻዕሪ ኣብ ስራሕ ዘድህቡ ፍቕሪ ሰላም ስኒት ዝሕብሕቡ ኲናት ውግእ ህውከት ይዝሙሩ ዘሐፍር'ዩ! መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ፈጠራ ታሪኽ ዝዕንድሩ ዝሓለፈ ዕንወት ዘይዝክሩ ወርትግ ኣብ ወራር ኣብ ዓመጽ ጋም ማን ይብሉ
"ዓዲ ዋዓሉ!" ======= ዝገርም'ዩ ዘሐንኽ ጽውጽዋይ እዝንኻ ዝዅርኵሕ ንኽትሰምዖ ዘቖጥዕ ዘፍልሕ እዚ ግብዝ ዝብል ዘሎ ትልኽ ዝተጸልአ ብህዝቡ ብሰፊሕ መልሓሰኛ ክምድር ዘይሓንኽ የማራስሕ ኣሎ ንሓቂ ንታሪኽ ታሪኽ ኤርትራ ካብ እምባ ዝብርኽ ወርቂ ጥማዕ ዘይብሉ ሕርኽርኽ ይብል ኣሎ ክወርር'የ ብግብሪ ናብቲ ቀይሕ ባሕሪ መሬት ሕድሪ ርስቲ ኤርትራ ዝተኸፍሎ ክብሪ መስዋእቲ ጀጋኑ ዘየብሉ ቍጽሪ ብልጽግናዶ ብዕልግና፧ ጥራሕ ወዓላ! ኣብኣ ትረኽባ! ከምቶም ዝሓለፉ ጭፍራ ሓደ ድሕሪ ሓደ በብታራ ኣብ ሳሕል በረኻ መሬት ኤርትራ
ስለዚ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ መንግስቲ ሰልፊ ብልጽግና፡ ክትሓልሙ ክትምነዩ መሰልኩም እዩ። ክሳብ ሕልምን ትምኒትን ነጻ ዝኾነ። ግና "ሕልሚ ኣየናብር፡ ማይ ኣይስምብር" እዩ'ሞ ካብ ሕልምን ትምኒትን ተባራቢኩም ኣብ ክውንነት ኣሚንኩም ክትነብሩ እቲ ዝሓሸን፡ዝበለጸን ዝሰልጠነን መንገዲ እዩ። ብፍላይ ንዓኹም ብዓብይኡ ድማ ንህዝብኹምን ንሃገርኩም ዘርብሕ እዩ።
ብዝተረፈ ብሓሶት፡ ብምጉዕባዕን ብናይ ልቢ-ወለድ ታሪኽን ዝርከብ ወይ ዝውነን ባሕርን መሬትን የለን።
እንተ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን ንመሬትና፡ ንባሕርናን ንሰማይናን ከም ቀደምና ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ኩነት ከንኽብር ድልዋት ኢና።
ስለዚ ካብ ኲናትን፡ መንገዲ ጥፍኣትን ዕንወትን ስጉምቲ ተቖጠቡ። "ዓዲ ዋዓሉ!" ብሕግን ስርዓትን፡ ዉዑላት ዓለምን ተገዝኡ። ንናይ ሓባር ዕብየት ሕሰቡ።
ዕንዱ ኣስተውዕል! ========== ዕንዱ ወጠጦ ቆልዓ በሻሻ ታኒካ ባሕሪ ዘይብሉ ጣቋ ንኲናት ወራር ክንድዚ ዒግታ 'ታይ'ዩ 'ቲ ሓቂ እቲ መኽሰብካ፧ ታሪኽ ተወከስ ሓሶት ገዲፍካ ዘይናትካ ምድላይ ኣለዎ ዕዳ ሂወት ዝቐዝፍ ዘይትመን ዋጋ ክልተሳዕ ሕሰብ ዕብዳንካ ኣቋርጽ ብተንኮል ሸርሒ የለን ዝሰልጥ ካብ ህውከት ኲናት ሰላም ይበልጽ ዕንዱ ኣስተውዕል! ትዕግስቲ ግበር ውሽጥኻ ፈትሽ ዓቕምኻ ምዘን ዕንወት ዝዕድም ገበን ኣይትግበር ንብለካ ኣለና ሕሰብ ተኣደብ ወረራ ኲናት የብሉን መኽሰብ ኣብ ሃገር ህዝቢ ኣለዎ ሰበብ ሎሚ ብሂወት ጽባሕ ምስ ሞትካ ወለዶ ታርኽ ክዝክረካ ትጽቢቱ መልስ ሰላም ኣንጊስካ እንተ ንሕና ኤርትራውያን ኩልና ከም ትማሊ ከም ቀደምና ንመሬትና ንባሕርና ንነጻነት ንኽብርና ዋጋ ክንከፍል ድልዋት ኢና
ምትሕሓዝ
ሕማቅን ጽቡቅን ክንፈልጥዶ ንደሊ፧ ንሓደ ነገር እኮ እንተዘይ ተመራሚርናሉን ኣቅልብናሉን ኣየነስተብህለሉን ኢና፥ ቡኡ ከኣ እቲ ነገር ረቂቅ ይከዉን። ክተስተብህለሉ እንተ ጀሚርካ ግን ቅርብ ኢልና ዛይዳ ከነስተብህለሉ ንጅምር፥ ንመጀመርታ ድማ ትርጉሙን ጥቅሙን ትሕዝትኡን ክራኣየና ይጅምር እሞዛይዳ ጥልቅ ኢልካ ክትንትኖ ምጀመርካ ድማ ኣዚዩ ዓሚቅን ረቂቅን ምካኑንንመጀምርታ ክራ ኣየካ ይጅምር እሞ ብልሓቱ ኣዚዩ ነዊሕ ምካኑ ይራኣየና።
እንታይ ንክብል ደሊየ፥ ነዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌታት ናይ ቀመርቲን ጸሓፍትን ስነ ኪነታት፥ እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ ትብሉ ነዛ ንሕና ማዕተብ ኢልና ኣብ ክሳድና ንለብሳ ወይ ድማመስቀል ኢልና ንሳለማ፧ ሕጂ እንታይ ክብል ደሊየ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተንቲነዮ ዘለኩ ተመሊስኩም ኣንብ ብዎ በጃኩም።
የቀንየለይ
ሓዉኩም ተመራማሪ nay ሕሳብ (ቁጽሪን ኣሃዝን ቅርጽን) ዮናታን ሰለሙን
Yonathanmath@gmail.com