Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Mar 8, 2024 1:46 PM
108.45.183.178
ኣውራ መንጉዳ 
========
ጓል ኤረይ፡
እስኺ ኣደ - እስኺ ሓፍቲ
እስኺ ኣሚን - እስኺ ብጸይቲ
እስኺ ልግሲ - እስኺ ስንቂ
እስኺ ሓልዮት - እስኺ ፍቕሪ
እስኺ ብርሃን - እስኺ ክብሪ
ጐይታ መኸተ ዘይትድሃሊ

እወ

እስኺ ሓቦ - እስኺ ዕጥቂ
እስኺ ታሪኽ - እስኺ ሓቂ
እስኺ ጅግና - ዘይትህመሊ
ዕጥቕቲ ስረ - ታሪኽ መስካሪ

ጓል’ዞም ጀጋኑ ጓል ምድረ-ባሕሪ
ብረታ ተልዕል ነቲ ወራሪ 
ንዳግመ ህንጻ ንጉሆ ትወፍሪ
ኣብ ጸገም ራህዋ ኤረና ትብሊ
ክብሪ ንዓኺ ብሰማይ ምድሪ

ሃገርይ ኢልኪ - ዓወት ተግዝሚ
ኩርዓት ወገና - ሓብሓቢት ባህሊ
ቅዱስ ማህጸና - ሃብሮም ትፈሪ
ፈታዊት ስራሕ - ወትሩ ኣብ ጻዕሪ

እወ እስኺ
ጎይታ መኸተ - ኣጆና ትብሊ
ጽኑዕ ቅናታ ዘይትሕበሊ
ኣውራ መንጉዳ - ኣብ ሰላም ወጥሪ
ምሳኺ ይዅን እቲ ፈጣሪ
ሕሰም መከራ መታን ክበሊ
ስእለ
Feb 29, 2024 6:25 PM
148.184.174.62
ስደት ዝበደሎ
===00===
ኣየ ዘበን ሩቡጽ እዋን
ዝበዘሖ ሃሱስ ዓዋን
ኣንጻር ክብሩ ኣንጻር ሰላም

እወ

ሕማቕ ግዜ ደብዛዝ እዋን
ኩሉ ይብል ኣነ ለባም
ዘይከኣለ ጠባይ ምግባር

ዘየስተውዕል ቀልቡ ባዶ
ስነ-ስርዓት ዝወሓዶ
ዓቕሊ እንጣጢዕ ቀጥዒ-ኣልቦ

ከይብሉኒ ዝረሰዐ
ተጃሃሪ ቀዳድ ሚሐ
ኣድገ በቕሊ ዘይተገርሐ

ሕሱር ፍጥረት ፓፓጋሎ
ደጋም ቃላት ዝተባህሎ
ዝጸልመቶ ቀትሪ ከሎ

ኣጎናይ

ውዕሎ ጂግና ዘየኽብር
ክብሪ ሃገር ዝዘናጥል
ሰብ ክትብሎ ዘጠራጥር

ቀይዲ-በተኽ ዓቕሊ ሽሮ
መንደረጋሕ ዓንደረቦ
ሕጊ ስርዓት ዘይስቆሮ

ብደንጎላ ብጭኳሮ
በቲ ዱላ ብማርቴሎ
ሰብ ዝብድል ዘይበደሎ

ፍትሒ እንዳበለ ንፍትሒ ዝቐትል
ቀይዲ-በተኽ ፋሉል ከም ኣድጊ ዝሃልል
ስደት ዝበደሎ ኣብ ጫካ ዝነብር

እሞ
ነዝስ እንታይ ትብሎ
ሰብዶ ኣጎናይ ትቖጽሮ
ወይስ
ጻህያይ ሕብረትሰብ ኣበሳ መንሽሮ፧
ስእለ
Feb 22, 2024 3:41 PM
172.58.242.119
ታይ'ዩ ዕላማኻ፧
===========
ማይክ ሃመር ዝብሉኻ
ልኡኽ ኣመሪካ
'ታይ'ዩ ዕላማኻ፧

ምልስ ምልስ መቐለ
ሕግብግብ ምስ ወያነ
እንታይ ዝዓለመ፧

ሂወት ወይን ንምስኳዕ
ዕርቂ ሰላም ንምምጻእ
ወይስ
ሰላም ዞባ ምንጋዕ፧

መንዩ ትብል፧
መንግስቲ ኢትዮጲያ
ዘካይድ ጉዳያ
ብስርዓት ብሞያ፧

'ቲ ቆልዓ በሻሻ
ወያነ ሬሳ
ወይስ
እስኻ ኢኻ ቀሻ
ትሃንጻ ተፍርሳ፧

ተዛረብ!
ክፈልጥ ኩሉ ሰብ

እወ መን'ዩ፧
ኣዛዚ ፈጻሚ
ተንኮል ጥፍኣት ኣላሚ
ዘቃትል ዘሎ ዘዳሚ፧

እስኻ 
ወይስ
ልኡኻት ከማኻ
ስሱዓት ሰብ ረብሓ፧

ትፈልጥዶ
እስኻ ዘይብሉ
'ቲ መሬቱ ባሕሩ
ሞት
ዕንወት
ባእሲ
ዕልዋ መንግስቲ ...
ከም ዘይብሉ
ይነብር
ጸጥ ኢል፧

መይትካ ትሕተተሉ
ጉቦ ዘይትበሉ
ሓቂ ትኸብረሉ
ቤት ፍርዲ እንተልዩ
እስኻ
ፍርድኻ
ዕጫኻ
ግሃነም'ዩ ስፍራኻ
'ተኾነነ 
ብሰብ ፈጣሪኻ

ስእለ
Feb 20, 2024 1:56 PM
172.58.242.80
ሕልሚ ወያነ - ዕብዳንዶ ዓሻ ሃቐነ፧
=====================
ልኡኽ ጸላኢ
ዘይብሉ ራኢ
መዲሩ
ዓው ኢሉ ጨዲሩ
'ቲ ዝሓልሞ ኩሉ
ኤርትራውነት ከዐኑ

እወ
ኤርትራውነት ሃገራውነት
ኤርትራውነት ዜግነት
እቲ ሓርበኝነት
ትብዓት ቆራጽነት
ንሃገሩ ህዝቡ 
ንመሬቱ ባሕሩ
ዝኸፈሎ ኩሉ
ጸላኢና'ዩ ኢልዎ
ንሞት ፈሪድዎ

ወያነ
ጸረ-ሰላም መንቀኛ
ነውራም ገበነኛ
ተመንዩ ጥፍኣትና

ብሓሶት ዝቝዝም
ቃላቱ ዘይእሩም
ክትሰምዖ ዘርምም

ነውራም!

ኣብ ጥፍኣትና ክስስን
ክዕምብብ ክግብል
ዘይኮኖ ይዝምር

ጭፍራ፡
ኣብ ባዶ ዝምካሕ
ጸረ-ሲኒት ኩርኳሕ
 ፋልሶ ጭራሕ-ምራሕ

ዝስረቕ ሰሪቑ
ምልዮናት ኣህሊቑ
ህዝቢ ትግራይ
ኣብ ስቓይ ኣውዲቑ

ብርግጽ!

ወያነ
ግዳይ ጽውጽዋይ
ዘይጭበጥ ሓላማይ
ሓሳድ ተቛማራይ

ህዝቢ ትግራይ ንቓሕ
ተቛወም
ንወያነ ኣይትፍራሕ
ጸገምካ ክፍታሕ

ጸላኢኻ ኣለሊ
ኩን 
ለባም መስተውዓሊ
ብሰላም ክትነብር
ጎረቤትካ ኣፍቅር
  
እንተ ንሕና 
ንሰላም ክብርና
ኤርትራውነትና
ክንምክት ኢና 
ሓደ ኣካል ኰና
ስእለ
Feb 14, 2024 5:05 PM
172.58.242.228
ኣምስሉ መራሒ
===*****===
'ታይ ይብል ኣሎ ቆልዓ በሻሻ
ሓድሽ ከዳሚ ኣምስሉ ዋጣ
ቡዙሕ ዝዛረብ ዘይለባም ዓሻ፧

የብዝሕ ኣሎ ዘረባ ዓውዓው
መእሰሪ-ኣልቦ ዘይብሉ መጽዓን
ሰላም ዝኸልእ ዓዳሚ ጸላም

ሕልሚ ተንኮሉ
መልሓሱ ግብሩ 
ወያነ ባህሩ

ውላድ በሻሻ ዘይብሉ ጣቋ
መደናገሪ ዓቕሙ ዘይፈልጣ
ክሓዲ ሓቂ ናይ ህዝቡ ዕዳ

ታሪኽ ክዝንጥል ሕፍር ዘይብል
ዘይናቱ ይምነ ባሕሪ ይዝምር 
ኣፉ ከፊቱ ሃቡኒ ይብል

ክዛረብ ሓምየን
ኣምስሉ ተመን
ፍጹም ዘይእመን

ህዝቢ ኢትዮጲያ ዘይተዓደለ
ወትሩ ኣብ ኲናት ዘይብሉ ፍረ
ስቓይ የሐልፍ ራህዋ ክምነ

እወ

ይነብር ኣሎ ፍትሒ እንዳበለ
ሰላም ቅሳነት እንዳሓለም
መራሕቱ ደቁ እንዳረገመ

ኩሎም መራሕቲ
ሓደ ካብ ሓደ ዘይሕሹ ዕነ
ነጋውስ ሓሶት ዓመጽ ጠቐነ
ልኡኻት ባዕዲ ብጥረምረ

ኣብ ወራር ኲናት ህዝቦም ሸሚሞም
ለሚንካ ምምባር ገረሞ ባህሎም
ለኪሞሙና ራኢ ዘይብሎም
ስእለ
Feb 12, 2024 8:15 PM
108.45.183.178
ሃገረይ
****
ኤሩ ማዓረይ
ኵርዓተይ ክብረይ
ተስፋ መጻእየይ
"Wrong or right"
ወርትግ ኣብ ልበይ

ይምጥወኪ 
ኣይበቀልክን
እታ ሂወተይ
ሩሖይ ትንፋሰይ

እስኺ እንዲኺ
ክብሪ መንነተይ
መልክዐይ ሕብረይ
ኵርዓት ሓበነይ

ኤሩ!

ጸሓይ ብርሃን ኢኺ
ከም ኮኾብ ድምቕቲ
ዕንቊ ባሕሪ! 
ኩሉ ዝሃርፈኪ

ትማሊ ሎሚ
ብጽሓይ ቀትሪ
ኣብ በረኻ ባሕሪ
ጸልማት ዓይኒ ኣንቍሪ
ከርተት ዝበልኩ
ሕሰም ዝጸርኩ
ኣካለይ ዘጕደልኩ
ደመይ ዘፍሰስኩ
ዝተሰዋእኩ
ንዓኺ እንድዩ ነሩ
ኣንቲ ሽኮር ኤሩ

እወ
ትሽዓተ ሕብረይ
እስኺ
ስምቡኦይ ልበይ
ምስቀል ታቦተይ
ገዳም መስጊደይ
ዓቃቢት ክብረይ

እሞ
ኤሩ ወለላይ
ማዓር ጺጌናይ
ሰላም ኩንለይ
ሸማሕ በልለይ
ክቐስን ልበይ

ንሱ'ዩ ድልየተይ
‘ቲ ባህጊ ትምኒተይ
ከምቶም ኣቦታተይ
ጀጋኑ ኣዴታተይ
ኣሕዋት ኣሓተይ
ስእለ
Feb 8, 2024 9:25 PM
108.45.183.178
ኣድሓ
=*=
ሓባ ዓጽሙ
ሓቂ ቅልጽሙ
ዕጥቁ ማዕተቡ
መልክዑ ሕብሩ
ዓመጽ ስዒሩ

ዕሱብ ሃስሱ
ሽዩጥ መንፈሱ
ክሓዲ ኩሉ
ኢዱ ኣረኪቡ
ክሳዱ ኣድኒኑ
ንሻረኽ ኢሉ

ሓቂ መትከሉ
ህዝቡ ጽላሉ
ኵርዓት ሓበኑ
ዓለም ኣእሚኑ
ዋዕዋዕ ዘይብሉ

እቲ ወሽላኽ ‘ቲ ሓሳዊ
ግዙእ ረብሓ መታለሊ
ተሳዒሩ ብዘይክብሪ
ስእለ
Feb 7, 2024 1:29 PM
108.45.183.178
ስሪሒት ፈንቅል
==***==
ፈንቅል
ባዕዲ ዝፈንቀለ
ዕድሚኡ ዘሕጸረ
ከምዛ ዘይነበረ
ኣብ ወደብ ሃገርና
ሉል ባጽዕ ስማ

ግጥም ጻጸ ሓርማዝ
ዳዊት ምስ ጎልያድ
ብርሃን ገሩ ጸልማት
ኤርትራዊ ንያት

እወ

ታሪኽ ተፈጺሙ
ብሙዑታት ጀጋኑ
ሃገሮም ዘፍቅሩ

ክዝከር ዝነብር
ዘዅርዕ ዘሐብን
ወታሃደራዊ ግጥም

ፈንቅል
ዝነግር ዝሕብር
ጽንዓት ኤርትራዊ
ናይ ልቡ ገባሪ
ኣብ መሬት ኣብ ባሕሪ
ስእለ
Feb 6, 2024 7:56 PM
108.45.183.178
ካብ ሰብ ጨካናት
===00===
ኣመሪካ ዝመራሒቶም
ምዕራባውያን ኩሎም
ብሰብኣዊ መሰል
ዲሞክራሲ ጸብለል
ክዛረቡ ከዕልሉ
ተጣበቕቲ ኢና ክብሉ
ሞራላዊ ብቕዓት
ሕልናዊ ንቕሓት
ፍጹም የብሎምን
ክምድሩ ኣይክእሉን

ዓይኖም የዐሚቶም
ሕልንኦም ሸይጦም
ህዝቢ እንዳሃለቐ
ብጥይት ኣድራጋ
ብናይ ታንኪ ቦምባ
ኣብ ፍልስጢአም ቃዛ
ስቕ ኢሎም ይርእዩ
ብግህዶ ይዘርዩ

ጨካናት’ዮም ካብ ሰብ
ክትኣምኖ ዘይሕሰብ
ዝርአ ኣብ መሬት
ጸረ-ሰላም ዕብየት
ተጻባኢ ፍጥረት
ስእለ
Feb 5, 2024 2:58 PM
108.45.183.178

ልእኽቲ ጥፍኣት
===//===
እዛ ጭፍራ
ልሙስ ኣካላ
ባዶ ሓንጎላ
ክብሪ ዘይብላ
'ታይ ትብል ኣላ፧

ሓሳድ ከዳሚት
መሰረት ትዒቢት
መንቀላወጢት

ንስልጣን ከብዳ
ትህብ ክብረታ
ሕስሪት ጃንዳ

ጭፍራ፡
ዘይብላ እንዶ
ሕልና ኣልቦ
መጋበርያ
ናይቶም ነጋዶ

ዓለም ክሕምበብ
ብፍልጠት ጥበብ
ወይን
ድሕሪት ትጉተት

ጽሊኢ ትጽሕትር
ሓሶት ትዅምር
ሓቂ ትቐብር

ልእኽቲ ጥፍኣት
ሕማም መንድዓት
ናይ ትግራይ ኣበር
ኣልቦ ቁምነገር

ስም ኤርትራ ትዝንጥል ኣላ
ስዕረት ትማሊ ኪሒዳ ቁስላ
ኣብ ቅድሚ ዓለም ዘየምሕረላ

ኤርትራውነት
ሃገራውነት
ልእላውነት
ዜግነት
ሓድነት
ዝተርንዐ ብመስዋእትነት
ዝረገጸ!
ኣብ ድልዱል መሰረት
"ተመንያ"
ከተጥፍኦ ብዘይ ሕፍረት

ወጣም ደረቐኛ!
ዘይብላ ሕልና
ጭፍራ ኣስተውዕሊ!
ምትንካፍ ክብርና
ዋጋ ኣለዎ ዘይብሉ መዘና
Yonatan Math
Feb 2, 2024 3:12 PM
166.196.110.102

ትምህርቲ ት/ም

እቲ ጹቡቅ ነገሩ ንሕና ኤርትራዊያን ት/ም ንፈቱ ሰባት ኢና።

እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ት/ም፥ ኣፍረይትን ፈጠርትን ከምእዉን ሕልና ዘለና ተማሃሮ ክነፍርይ ኢና ንደሊ። ንምንታይ'ሲ ሃገርና ብልጽግትን ምዕብልትን ክትኮነልና ስለ ንደልይ።

ት/ም ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዝተካ እለ መጠን መስተውዓልቲ ተማሃሮ ምፍራይ እዩ።

ነቲ ንማሃሮ ዘለና ት/ም እንተኮነ'ዉን ከነስተዉዕለሉ ዘለና ጥቅሙ ክንፈልጦ። ብሕልፊ እዚ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ (Mathematics) ት/ም። ምክንያቱ ነዚ ሕጂ ኣብ ቤት ት/ም ዝማሃር ዘል ዓይነት ኣቃርጻ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ 358 ዕድመ ጥራሕ ዘለዎ ኢዩ። ንሕና ክንፈልጦ ዘለና ግን ቅድሚ ኡ ዝነበረ ዓይነት ኣቃርጽ እዩ። መታን ክንፈጥርን ክንምህዝን ብዓቢ ኡ ድማ ጥቅሙ ክንፈልጦ።

Yonatan Math

ስእለ
Feb 2, 2024 12:16 PM
108.45.183.178
“ጂግና ኣይነብርን’ዩ ታሪኹ’ዩ ዝውረስ!”
==================
እወ ኣይነብርን
ሰብ እንድዩ ፍጡር
ሰጋ ዝለበሰ - ዝመውት ዝሓምም

ጂግና’ዩ ንሱ 
ሓያል መንፈሱ
ዘይዕሉቕ ዘይሕሱ

ዕላማ ዘቐድም
ነብሰ-ፍትወት ዝዅንን
ሰራሕ ቅያ እሩም

ውፉይ ኣብ ስርሑ
‘ቲ ጽንዓቱ ብልሑ 
ጸላእቲ ዝገንሑ 

ሃብሮም’ዩ ኣብ ኩሉ
ጽኑዕ ኣብ መትከሉ
ዝወጾ ዘይብሉ

ንጹር ዕላምኡ
ዘየርኢ ቃንዝኡ
ዓወት ንሓፋሽ ጭርሖኡ

ተፈታዊ ብኹሉ
ብሃገሩ ህዝቡ
ቀልዓለም ዘይብሉ

ታሪኹ ዓብዪ
ማሓዛ ነብዪ
ወርትግ ተዘካሪ
ብታሪኽ ብህዝቢ

ታሪኹ ዝወራረስ
ዝነብር ክጥቀስ
ክጽዋዕ ክውደስ

ሓበን’ዩ ኵርዓት
ኣብነት መንፍዓት
ናይ ህልዋት ጽዓት 

ኤሩ ዝደኮነ
ካብ ወራር ዘድሓነ
ብፍትሒ ዝዳነ

"ጅግና ኣይነብርን ታሪኹ’ዩ ዝውረስ!"
ስእለ
Feb 2, 2024 1:23 AM
172.58.188.204
ናይ ልቢ ይግበሮ
==========
ይነፍስ ኣሎ ንፋስ ጥዕና
ንፋስ ሰላም ሰናይ ዝበና
ካብ ዋሽንግቶን 'ቲ ዓመጸኛ
ካብ ኣውሮጳ 'ቶም ገበነኛ
ንዓመታት ዝበደሉና

ናይ ልቢ ይግበሮ ናይ ብሓቂ
ተበደለ ዝኽሕስ ደባሲ
ይቕረ ዝብል ንሰላም ዘሳሲ

እንድዒ፧

"ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ" እዩ።
Alemseged Makonnen
Jan 23, 2024 11:20 PM
148.167.132.223
TEST
ስእለ
Jan 6, 2024 5:40 PM
108.45.183.178
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንመን፧
=================
ነቲ ድኻ በሊዑ ዘይሓድር
ዕሩቕ ዝባን ኣብ ደገ ዝነብር
ወይስ 
ነቲ ጽጉብ ዓሚጹ ዝሃጥር 
ዓለምና ክብሕታ ፈጺሙ ዘይሓፍር
ኩሉ ትሕዝቶኣ ንዓይ ዝብል፧

ዋላስ 
ነቲ ጭቝን ፍትሒ ዝሰኣነ
ዘየቋርጽ ጸሎት ራሃወ ሓሰመ
ሰላም ዓለም ካብ ልቢ ዝምነ፧

እወ
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንመን፧

ነቲ ዓገብ ዘይብል ሃርጋፍ ስሱዕ
ገንዘብ ዓመጽ በሊዑ ዝጎስዕ
ኣሸባሪ ኣብ ሬሳ ዝስዕስዕ፧

ኣነስ ኣይብልን 
ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንኹሉ ብሓበራ
ነቲ እሾኽ መርገም ዓማጺ ጒሒላ
እዝጊሄር ዘይፈትዎ ኣምስሉ ዘረባ

እወ ኣይብልን ነቲ ስሱዕ መደናገሪ
መትከል-ኣልቦ ወቒዑ ዘአዊ
ንጹህ ህዝቢ ዘሳቒ ዘድሚ

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ነቲ ተበደለ
ስኒት ራህዋ ሰላም ዝሰኣነ
ዕዉት ኮይኑ ብፍትሒ ክዳነ 
ስእለ
Dec 19, 2023 12:30 PM
172.58.187.62
ሂትለር "ኣይሞተን" 
===========
ሂትለር "ኣይሞተን" ኣይተረሰዐን
ይዝከር ኣሎ 'ቲ ገበኑ ይድገም
ኣብ ቃዛ መሬት ፍልስጢኤም

ብታንኪ ብመድፍዕ
ብቦምቢ ዘናግዕ
ህዝቢ
ይሃልቕ ኣሎ መከርኡ ይበልዕ

ቃዛ ተደምሲሳ
ዓንያ ፈሪሳ
ሂወት ኮሊሳ

ጉዳም ጭካነ
ክትርኢ
ክደጋገም ትማሊ ዝኾነ
ኣብ ኢራቕ ኣብ ሶርያ
ኣብ ኣፍጋኒስታን ልብያ....
ኣሽሓት ዘህለቐ ዘይብሉ ንሕስያ

እወ
ኣስካሕካሒ ገበን
ዘጸግም ክእመን
ኣብዚ ምዕቡል ዘበን

ኢስራኤል ወራሪት
ኣመሪካ ኣጆኻ ባሃሊት
ፈሪዶሞ ፍልስጠኤማዊ 
ክመውት ክጸንት

ዓለም ዓገብ ኢሉ
ጃምላ ቅትለት ኮኒኑ
ግና ኣመሪካ 
ተጠቒማ ድምጻ
ቪቶ ገራቶ
ህዝቢ ፍልስጥኤም ኮይኑ ህንኩቶ
ስእለ
Dec 13, 2023 5:19 PM
108.45.183.178
ጅግና ሓሊፉ
======
ሃብሮም ከይዱ
ታሪኽ ሰኒዱ
ለበዋ ኣኽቢዱ

እወ ሓሊፉ
ብርሃን ወሊዑ
ህዝቡ ኣዅሪዑ
እንዳበለ ጽንዑ

ሃብሮም ኣብ ኩሉ
ኣርሓ ተዃሉ
‘ቶም ንሕና ዝብሉ

ተሰዊኡ
ጸላእቱ ኣብክዩ
ኣብ ጉድጓድ ደብዩ
እንዳኣእወዩ

ጽኑዕ ኣብ መትከል
ኣብ ክብሪ ሃገር
ዘይደናገር

ሓቂ መንገዱ
ሙሉእ ሓመቱ
ከም ኣቦታቱ

ኣብ ዝኣምነሉ
ዝመሓለሉ
ዘይዓጽፍ ቃሉ

ሃብሮም ኮርዒዳ
ሕጹብ ማዓንጣ
ዘይብሉ ዕዳ

ሓሊፉ
ታሪኽ ኣጽሒፉ
ቅያ ሰሪሑ
ብደሙ ብልሑ
ስእለ
Dec 9, 2023 1:43 PM
172.58.191.19
ኣውርሰኒ
=====
ዎ ኣምላኸይ ኩሉ ክኣሊ
ዝኣምነካ 
ካብ ውሽጢ ካብ ልቢ
ዓቕመይ ደርዕ ጸጋኻ ሃበኒ
ከም ሰብ ፍጡር ባህጊ ሕልሚ'ሎኒ

እቲ ብቕዓት ሻዕብያ ኣዕጥቐኒ
ዘመስከረ 
ኣብቲ ጸልማት ወጥሪ
ዝሰዓረ ዓማጺ ወራሪ

እወ
ጸላኢ ዘርዓደ 
ሓፋሽ ዘነየተ
ኣብ ስራሕ መኸተ 

ሻዕብያ፡
ፍቕሪ ሰላም ሓድነት ጠማሪ
ዘንጸባርቕ ኤርትራዊ ክብሪ
ጎይታ ጽንዓት ዝሕደስ ዘይበሊ

ዘይንቕነቕ
ኤርትራዊ ጽንዓት
ተወፋይነት ብቕዓት
ንሌባ መንድዓት

ኣዕጥቐኒ
መንፍሱ ሓመቱ
'ቲ ራኢ ክእለቱ 
ዘይተምበርካኽነቱ

እወ 
ክከላኸለሉ ኤርትራ ሓራ
ካብ ዓመጽቲ ካብ ኣሞራ ሺላ
ሃንቀው ዝብሉ 'ቲ ሰማያ ባሕራ 
ክውንኑ  ወርቂ ማዕድና
ስእለ
Dec 4, 2023 2:18 PM
108.45.183.178
ዕዝዝቲ ምህዞ
=======
ሰብ ከይድቅስ ኣስተርሕዩ
ስክፍታ ዘይብሉ ተገምብዩ
እንተ ጸጊቡ ወይስ ጠምዩ
ትማሊ ደርሆ
ሎሚ ስዓት ትንቕንቖ
ኣፍርዩ ሰኒዑ
ድቃስ ተመንዚዑ

ስዓት ገዛና
ኣብ መንደቕ ዘላ
ኣብቲ ከብሒ ኣብቲ ጣውላ
ኣብቲ ኢድና ተኣሲራ
ቲክ ቲክ
ቂም ቂም ትብል
ንግዜ ትነግር
ክሓልፍ ከሎ ክበርር
'ቲ ዕድሜና ክድመር ክጎድል

ስዓት

ኣብዚ ምዕቡል ዘበን
‘ቲ ጥቕማ ክንገር
ዘየብላ ወደር

ብዘይሃወኽ ብዘይ ዝላ
ብትዕግስቲ ህድእ ኢላ
ክንሰርሕ ትነግረና
ከይባኽን 'ቲ ግዜና

እወ ትነግረና
ብስዓት ብደቒቕ
ብንኡስ ክልኢት
ቁምነገር ክንገብር
ዝረብሕ ዝጠቅም
ሂወትና ዘመቅር

ንስዓት ዝእዘዝ
ዘኽብር ዝምእዘዝ
በሊሕ'ዩ ጎበዝ
ኣፍራዪ ዘይግበዝ
ስእለ
Nov 28, 2023 12:22 AM
108.45.183.178
ሕድሪ'ለና
======
ዜጋ ኤረይ ጉድ ረኺብና
ሰላም ራህዋ ተሓሪምና
ብሱሳዓት ጎረቤትና

ብዋሕድና ተዓሺዮም
ሕግን ፍትሕን ወጊድ ኢሎም
ብዝሒ ህዝቢ ማእከል ገሮም
ተሃለቑ ዘይሓሙሎም
ይወሩና ኣብ ዝጠዓሞም

ግና 
ሓቂ ሒዝና ተወዲብና
ምስ ሓብሓብቶም ዘረይትና
ሲዒርናዪም ሓደ ኮይና

ምኽንያቱ፡
ንመሬትና ንባሕርና
ንነጻነት ንኽብርና
ደው ክንብል ሕድሪ 'ለና
ሕድሪ ስዉእ ሕድሪ ጂግና

እወ

ሕድሪ ኣለና ሕድሪ ጂግና
ሕድሪ ስዉእ 'ቲ ሓርበኛ
ኣብ ዕርፈቱ ዝበለና፡
"ኤርትራ ሓልውዋ
ኣልምዕዋ ሰልምዋ
ልዕሊ ማንም ክብሪ'ለዋ"

ስለዚ ኢና፡
ኣብ ቃሉ ዘለና ኣብ መትከሉ
ንትግብሮ ዕላማ መደቡ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ቀልዓለም  ዘይብሉ

ስዉእ፡
ዕዙዝ'ዩ ቃሉ ስሩሑ ተግባሩ
ዓወት ንሓፋሽ ጭርሖ መዝሙሩ
'ተበጀወ ንሃገሩ ህዝቡ 
ኤርትራ ዘልኣለም ክትህሉ

Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events