Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Jun 9, 2025 2:26 PM
174.219.251.18
"…መነደር ትሓግ"
==========
"ሕማቕ ሓረስታይ መነደር ትሓግ"
ሕማቕ መራሒ ሓናት መንድዓት
ነገር ይጽሕትር ህዝቢ ይማዓት

እወ

ሰላም ነጺጉ ይእዉጅ ኲናት
ሃገር የዐኑ ይህንድስ ጥፍኣት
ክሳብ ዝጉሓፍ ብህዝቢ ምጽኣት
ስእለ
May 30, 2025 1:16 PM
108.45.183.178
መኖም'ዩ ዓቢዱ
==========
መኖም'ዩ ሓሚሙ
ዓቢዱ ተጸሊሉ
እቲ ልኣኺ ድዩ ተላኣኺ
ወይስ ክሊቲኦንም ጸይቂ
ቀልቢ ዘየብሎም ተቛመርቲ፧

ይብሉ ኣለዉ ብዓውታ
ብዘይሕንከት ስክፍታ
ጠሓርናኩም 
ወረርናኩም
ባሕርኹም መሬትኩም

ዘገርም'ዩ ዘደንጹ
ባዓል ድሙ ሙጹ
ንዓመጽ ዝርህጹ

"ወየ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና"
ብሕጊ ብሓይሊ ሲዒርና
ሓንሳብ ዘይኮነ ደጋጊምና

እሞ እንታይ ድኣ ሕጂኸ ትብሉና
ሰላም ትኸልኡና
ትሕምሱ ሂወትና፧

እወ

ኣርኢናኩም እንዲና ሲሬና
ትብዓት ሓቅነትና
ዝምስክሮ ዓለምና

ስለዚ
ቀንጠብጠብ ወረራ
ጠሓርናኩም ፈኸራ
የብቅዕ
ኣይኮነን ረብሓኹም ረብሓና

እንተዘየለ
ክድገም'ዩ ናይ ትማሊ ጥፍኣት
ሞት ዕንወት 
ዘአቱ ናብ ድኽነት ጸልማት
ንወለዶ ነባሪ ስምብራት
ስእለ
May 22, 2025 9:30 PM
108.45.183.178
ዘይስርነቕ
==•••==
ኣየ ዓቕሊ ኣየ ጠባይ
ዘይስርነቕ ባሕሪ ቃላይ
ይከኣሎ ሙዑት ዋርሳይ
ተካእ ወለዶ ንኡስ መንደላይ

ዘይርበሽ ኣብቲ ወጥሪ
ዘይጅሃር ጎይታ ግብሪ
ዘመስከረ 
ኣብቲ መሬት ኣብቲ ባሕሪ

ደኺመ ዘይወጾ ሺኮ እግሪ
ወትሩ ትኩር ኤረና ባሃሊ
ኣብ ውሽጢ ኣብ ደገ ሓደ ሕብሪ

ይሕልዋ'ሎ ኤርትራ
'ቲ ወሰና እቲ ባሕራ
'ቲ ሰማያ 'ቲ ጠፈራ
ካብ ወረርቲ ካብ ኣሞራ

እወ

ኣንታ ሃብሮም ጽኑዕ ኤርትራዊ
ከብሳ ቆላ ትወናጨፍ ንህቢ
ሃናጽ ሃገሩ ተቐባል ሕድሪ

ሳላኻ
ክቡር መስዋእትኻ
ዕድልካ ግዜኻ
ህዝብኻ
የመስግን ኣሎ 
ነጻነቱ ይጽምብሎ
ኮሪዑ
ደስ እንዳበሎ!
ስእለ
May 21, 2025 3:18 PM
174.219.235.122
ትኽ ተበለ ማዕጺድ
====••••====
እቲ ግብዝ እቲ ምነ
ዑሱብ ሃሱስ ዝፈንተረ
ዘራጊቶ ፍቱሕ ስረ
ጸረ-ሃገር ዝኸሓነ
ተመኺሩ ዘይዕረ

እወ

ኣብቲ ወራር ዝተኣልመ
ብባዕዳውያን ብወያነ
'ተዋሲኡ ከይሓፈረ

ከይዓጀቦ 'ቲ ዝኾነ
እቲ ግፍዒ 'ቲ ጭካነ
ዝወረደ ህድግለነ
ሰናይ ኢሉ እንኳዕ ኮነ

ሰሚዐዮ ክወራዘ
ቃላት ጥፍኣት እንዳመዘዘ
ኣብ ፈይስቡክ ኣብ ዩትዩፕ
ቀለብ ከብዱ ንኽእክብ

በላዕ ውዳቕ ዝኾብለለ
ቅርጺ ማዕጺድ ትኽ ተበለ 
ሓው ፒላጦስ ኣደንገለ
 
ስእለ
May 11, 2025 7:09 PM
108.45.183.178
ሕቶ'ለኒ
====
ወያነ ንምታይ ተፈጢሩ 
Nምንታይከ ይቃለስ ነሩ፧

ንጥፍኣት ዶ ንልምዓት
ሕቶ ህዝቢ ክምልስ ብብቕዓት፧
ወይስ 
ታሪኽ ንምዝባዕ
ሰላም ስኒት ህዝቢ ንምንጋዕ፧

ወያነ
ቡቑል ክብል ፍጥር
እግሪ ካብ ዝተክል
መትከል ዘየብሉ
ነፋሒቶ'ዩ ግብሩ

ኣብ ነብሱ ዘይኣምን
ንሕጊ ዘይደንን
ጸቢብ ርእሲ ጋኒን

ወያናይ፡
ሙህሩ ካድሩ
ተማሃራይ መምህሩ
ፍልልይ ዘይብሉ
ዝሃድም ካብ ምስሉ 

ታሪኽ ኣብ ምዝንጣል
ዘይንስኻ ምምሳል
ቀዳማይ ምትላል

ወያነ ከዳሚ
ዘይከውን ሓላሚ
ህዝቢ ኣበሳቢሱ
ምዕባለ ደቝሱ 
መወዳእታስ
ንባዕሉ ፈሪሱ

 
ስእለ
May 10, 2025 2:28 PM
108.45.183.178
ጥራሕ ቁጻር
========
ዕባይ ወያነ፡
ባዶ ርእሲ ቀልቢ ኣልቦ
ጥራሕ ቍጻር ውሽጡ ዜሮ
ዘይርድኦ እቲ ዝብሎ
'ቲ ዘድምጾ 'ቲ ዘዕልሎ
ገረወኛ ፓፓጋሎ

ታሪኽ ሓቂ ዝኸሓደ
ጽውጽዋይ ዝመለኸ
ቆልዓ ትማል ዘይዓኾኸ

ዝተሓርሞ ቡሱል ሓሳብ
ዘኳማስዕ ቃላት ጥፍኣት
ምዕንጂሉ ኣልቦ ብቕዓት

መዕበይኡ ዝበደሎ
ሰናዕ ታሪኽ ዘይካኣሎ
ትጠራጠር ሰብ ክትብሎ 
ስእለ
May 8, 2025 4:55 PM
108.45.183.178
መን'ዩ፧
==#==
ካብ'ዞም ኩሎም ስርዓት
ናይ ሰላም መንድዓት
ብህዝቢ ጽሉኣት
'ቲ ጸሊም ድዩ እቲ ጻዕዳ
ወይስ እቲ ቀይሕ ብጫ፧

እቲ ጻዕዳ'ዩ ጨካን ግብረ-እከይ
ጸረ-ስኒት ዘይፈልጥ የኽፍኣለይ
ታሪኽ ምስክሩ ታሪኽ ዓመጽ ግዕዘይ

እወ!

መንደላይ'ዩ ተመን
ፈጺምካ ዘይእመን
ካብ ጥንቲ ካብ ቀደም

ካብ ሰብ ክትብሎ 
ንሰይጣን ዝቐርቦ
ከይሲ ብዓንተቦ

ገበል'ዩ ዊሒጣ
ዓማጺ ቃቒጣ
ባዓል ቡዙሕ ኢንታ

ኣብ መሬት ኣብ ሰማይ
ኣብ ባሕሪ ኣብ ቃላይ
ምርባሽ ቀዳማይ

ኣድብዩ ኣዳህሊሉ
ልሳኑ ኣጥዒሙ
ዘናቝት ኮነ ኢሉ

ተንኮል ተጎልቢቡ
ሓይሊ ተጠቒሙ
ሃገራት ዘዐኑ

እወ እቲ ጻዕዳ!
ሩኹስ መታለሊ
ጨዋዪ ዓፋኒ 
ካብ ስርዓታት ቍጥሚ

እቲ መርዙ ሕንዙ
ዘይርከቦ ፈውሱ
እንድሕሪ ነኺሱ

ትዕቢተኛ ወራሪ
ዘይብሉ ፈጣሪ
ጭርናዕ ናይዛ ምድሪ

ብዕዳ ሓረጣ
ኣድልዎ ጸወታ
ዘሳቒ ኣምበጣ

ዓለም ክውንና
በይኑ ክብርብራ
ዘዘውትር ወረራ

ናብ ደቡብ ናብ ሰሜን
ናብ ማእከል ናብ ወሰን
ብምዕራብ ብምብራቕ
ይወፍር ንምዝማት
ጸጋ ንምግባት

ንሱ 
እወ ንሱ
ዘይቅሱን መንፈሱ
ዝቐትል ዘቃትል
ጨካን ካብ ሰብ ፍጡር

እወ
ሚልዮን ዝሃንኮተ
ዘይዓግብ ገበተ
ብሓይሉ ዝዕበ

ሺግር ህውከት ይፈጥር
ብረቂቕ ብሚስጢር
ይቕልሶ ባዕሉ
ሓላዪ መሲሉ
ጸጋ ከዕብየሉ

ሙዕቡል'የ ብሃሊ
እዝጊሄር ኣማኒ
ግና
ወንጀላት ፈጻሚ
ዕቡይ ኣዳኻሪ
ጸረ-እምነት ባህሊ

መን'ዩ ኣይትበሉ
እዚ ክፉእ ግብሩ
ኣስሓኮ ዘይብሉ
ዘናቝት ኣብ ኩሉ
ዶባት ተሳጊሩ
ኣውሮጳ'ዩ ስሩ 
ሃገር መደበሩ

ጨካን ዝወጸሉ
ንሕስያ ዘይብሉ
ታሪኽ ምስክሩ

ሰብ መሰል ጉደኛ
ጸረ-ሰላም መንቀኛ
ዘይብሉ ሕልና

ብመድፍዕ ብቦምባ
ብጥይት ኣድራጋ
ካብ ሩሑቕ ቀረባ
ኣብ ኤስያ ኣውሮጳ
ኣብ መላእ ኣፍሪቃ
ኣሺሓት ዘህለቐ
ዉሽጡ እንዳሰሓቐ
ንሱ'ዩ 'ቲ ጻዕዳ
ዓሌታዊ ቡዳ

ክትክሕዱ ክትኣምኑ ፍርድኹም ክትህቡ
ታሪኹ ጉዕዙኡ ብትኹረት ኣምብቡ
እቲ ወራር ዝምታ ሳዕቤኑ ሰበቡ
ናይ ሎሚ ናይ ቅድም 'ቲ ሓቂ ዝነግሩ
ፍጡር ዘሰክሑ ሙዉት ዘባህርሩ

Yonatan Solomon
Apr 24, 2025 2:24 PM
144.15.253.24

The Eritrean Priest Cross:

It has been a while since I wrote something educational informative to my people and followers. All civilization comes and goes, and we learn from each other and develop it a little more but the base remains the same and just represents differently. If you asked me what makes us different than the rest of living things because we can read and write. We can express it in words, formulate with equations and laws of nature, etc. The word Science is a Latin word for "to know" How we call it in Tigrinya is "Seane Filtet" I always like to understand the base of something, if I don't know the base, it doesn't matter I will not understand properly. What is the origination off most alphabets and numbers what helps us write information and write mathematical equations.

When we say most of the alphabets like
Tigrinya - Geez
Latin
Greek
Hebrew
Arabic, etc.

This is very crucial for Eritrean Scholar to know this, if we are interested in advancing in science and technology. I would like to dissect the Eritrean Cross and refined by expressing the geometric shape how it holds important information for understanding. Once we are aware of this shape and by applying the theory of number and we can come up with sub theory of the number theory with it over two thousand new theories which we can apply it to a lot of things of science and technologies.

ስእለ
Apr 8, 2025 11:28 AM
108.45.183.178
"ዘራፍ" - ዘይብሉ ምዕራፍ
======oooo======
መርገም ድዩ ምረቓ ኣጋጣሚ ዕድል
ጎረቤትና ኩሉ ኣይጥዑይ ኣይጽሉል
ልኡኻት ባዕዳውያን ከደምቲ ጎባልል 

ቅዱስ ቅንዒ ፍጹም ዝረሓቖም
ክንዲ ስራሕ ዝበልዑ ሸምጢጦም
ክንዲ ሰላም ካብ ህውከት እተቶም

ሕስድና ዝሰረጸ ኣብ ደሞም
ወራር ዓመጽ ዝገበሩ ባህሎም
ሺርካ ዕብየት ፍጹም ዘይርድኦም

ተሳዒሮም ዘራፍ ዘይቅደሙ
ወረርናኩም ጥሓርናኩም ክብሉ 
መግቢ ዕለት ትኾቡልና ይብሉ

ቅድሞም ድሕሮም ገዛእቲ መራሕቶም  
ማሃይም ሙሁሮም ንኣሽቶም ዓበይቶም
ሕፍረት-ኣልቦ ምሕሳው ክእለቶም
ባሕሪ ክብሉ ሂወትና ሓሚሶም

ይምድሩ
የኽፍኣልና ዘይበሉ
ተራ ህዝቦም ወርትግ የታልሉ

"ወሪርና ኣይንፈልጥን ተሳዒርና
እወ ኣይንፈልጥን
ንባዕዲ ኣውሮጳ ተምበርኪኽና
ናይ ሰለስተ ሺሕ ነጻነት ዘለና
እንኮ ኣብ ኣፍሪቃ ንሕና ኢና"
ክብሉ ክትሰምዕ 
ትሓፍር  'ቲ ሓሶት ድርቅና



ስእለ
Apr 3, 2025 9:05 AM
108.45.183.178
ሳላ ገምቢ
==•••==
"ዝብኢ ክትቀትል ገምቢ ተጸጋዕ"

ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ኣብቲ ኽባ ኣብቲ ወጥሪ
ኣብቲ ማዕቀብ ቀታል ሕልሚ 
ከምኡ እንዲና ገርና
ገምቢ ተጸጊዕና
እንዳሸተተና
ጉዳይና ኣሳሊጥና

እወ

ኣባይና ዲሂኽና
እቲ ደመኛና
ዝወጠነ ጥፍኣትና
ዝደፈረ ክብርና
መሬትና ንብረትና

ኣፍንጫና ሒዝና
ፍሺኽ እንዳበልና
ዓቕሊ ጠባይ ገርና
ክሳብ ዝሰልጠና
ገምቢ ተጸጊዕና
ቀጺዕና ኣባይና
ኣውሒስናዮ ዶብና

ምስ ገምቢ
'ቲ ነቲሕ ሸታቲ
ወጊናዮ ጸይቂ

እንተ ገምቢ
ኣይገበረን ለውጢ
ኩሉ ሪሒቕዎ 
ብጀካ ዓመጽቲ
ስሱዓት ከተርቲ
A. Makonnen
Mar 29, 2025 10:28 PM
148.167.132.223
Test
ስእለ
Mar 28, 2025 8:54 PM
108.45.183.178
ባዶ ሃንቀውታ
========
ሓሶት ወዲ በሻሻ
ዘይብሉ መሰታ
ፉንፉን ዕነ ዒታ

ንሓቂ ዝቐብር
ክትሰምዖ ዘሐፍር
ዘቖጥዕ ዘነድር

ዘይናቱ መሬቱ
ወደብ እንዳማቱ
ዝጥምት ኣዒንቱ
ከምቶም ኣቦታቱ

ቁሩብ ከይሓፈረ
ቃላት ከይቀየረ
ከምዘለዎ ጥረ
ይብል
ወደብኩም ሃቡኒ 
ኣብቲ ቀይሕ ባሕሪ
ክሳድ መሳገሪ

ደረቐኛ!
ልኡኽ ዓመጸኛ
ብዓውታ መደረ
ከም እተጸለለ
ይብል እንዳፈከረ፡
"እንተ ብሰላም ወይ ብሓይሊ
ተጠቒምና 'ቲ ብዝሕና ቍጽሪ
ክንውንና ኢና ዓሰብ ቀይሕ ባሕሪ"

ድሓን ንርኢ!

ባዶ ሃንቀውታ ክትሰምዖ መስደመም 
ብዘይሕንከት እናሻዕ ዝደጋገም
ህርፋን ባሕሪ ዘይጭበጥ ዘይትርጎም

ዘደንጹ'ዩ!

ደቂሰ ተሲአ
ብቕንዕና ሪአ
ዝፈልጡ ኣውኪአ
ኣይረኸብኩን መልሲ
ዘዐግብ ፈዋሲ
ሕርቃነይ ደባሲ

ወዲ በሻሻ
ሙጹጹላይ ጣሻ
ክትቀብጽ ክትፈልጥ
ሓሳብካ ክትልውጥ
ዓሰብ፡ 
ኣካል ኤርትራ'ያ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ
ዶባ 'ተነጸረ ብዉዑል መግዛእቲ
ንነጻነት ክብራ 'ተኸፍላ መስዋእቲ

ስእለ
Mar 9, 2025 12:44 AM
108.45.183.178
ጋዛ - ናይ ጽንዓት በጃ
====••••••====
ጋዛ ሕማቕ ረኺብኪ
ክልተ ግዜ ተራኢኺ
ነቢዐ ሓዚነ ምሳኺ

ከም ማይ ኣይህ ቦምባ ዘኒቡኪ
ዉቁባት ህንጻኺ ፈሪሶም ዓኒኺ
ንጹህ ህዝቢ ተደብዩ ኣብ ትሕቴኺ

ደም ነቢዐ ዝብሎ ሓርቢቱኒ
ለይቲ ቀትሪ ልዋም ሪሒቑኒ 
ዝፈረሰ ገጽኪ እንዳተራእየኒ

'ዚ ዓማጺ ወራሪ ግፍዐኛ
ዓሌታዊ ዘየብሉ ዳኛ
ደምሲሱኪ መሲልዎ ጂግና

ግና
እቲ ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር
'ቲ ቃልሲ ይኽበድ ይምረር
ክዕወት'ዩ! ገድሊ ፍሊስጢኤም

ሺዑ፡
ክህነጽ'ዩ ዝዓነወ ህንጻኺ
ክምለስ'ዩ ተሰደ ህዝብኺ
ሰላም ኮይኑ ክትመርሒ ሂወትኪ 

ስእለ
Mar 4, 2025 3:02 PM
174.219.235.198
ብዓሰብ ኣሳቢብካ ህውከት
======******======
ወደባዊት ከተማ ኵርዓትና ግርማና
ሉል ቀይሕባሕሪ ሓንቲ ካብ ሃብትና
እንታይ ኢና ነድምጽ ንሰምዕ ዘለና
ኩርኳሕ እዝኒ ረባሺ ሕልና

"እንተ ብሰላም ወይ ብሓይሊ
ተጠቒምና 'ቲ ብዝሕና ቍጽሪ
ክንውንና ኢና ዓሰብ ቀይሕ ባሕሪ"

ይብሉና ኣለዉ ወረርቲ ዓመጽቲ 
ስሱዓት ጎረቤት ሉኡኻት መወልቲ
ፋሉል ቀይዲ-በተኽ ዘይዓጦም ሕጊ

ዓሻ ዘረባ ክትሰምዖ መስደመም 
ብዘይሕፍረት እናሻዕ ዝደጋገም
ሕልሚ ወደብ ባሕሪ ዘይጭበጥ ዘይትርጎም

ጎረቤትና ሓቂ ዝሃደሞም
ወራር ዓመጽ ዝገበሩ ባህሎም
ጣሓርናኩም ዝብሉ እንዳዓረቦም

ሓሶት ዘራፍ መለለዪ ስሞም 
ክንዲ ስራሕ ዝበልዑ ዓጢሮም
ብምልማን ዘንዉሑ ኣጽፋሮም
 
'ቲ መልስና፡
ኣይትድከሙ!
ኣስተውዕሉ!
ብሕጊ 
ብስርዓት
ተማእዘኑ

እወ
'ቲ ሕሉፍ ገምግሙ
ዝተኸፍለ ኩሉ
ክሳራ መኽሰቡ

እንተ ዓሰብ 
ኣካል ኤርትራ'ያ ካብ ቀደም ካብ ጥንቲ
ዶባ 'ተነጸረ ብዉዑል መግዛእቲ
ንነጻነት ክብራ 'ተኸፍላ መስዋእቲ
ስእለ
Feb 28, 2025 10:44 AM
108.45.183.178
እቲ ሓቂ ብሓጺሩ
===•••••===
ኣብ ኤርትራ
ኣብዛ መሬት ሓራ
ኢንተርነት መብራህቲ
መጓዓዝያ መንገዲ
ጽሩይ ማይ ንጥሪት ንህዝቢ ...
ኣይረሃወን ይቕጺል 'ቲ ጻዕሪ

እወ የለን!

ዘብረቕርቕ ጎደና
ዝሕጸብ ብመኪና
ንምነዮ ኩሉና

የለን ገዛውቲ
ዝደጕሕ ኣዒንቲ
ዋላ ናይ ብሕቲ

'ቲ ምኽንያት፡
እገዳ ኣመሪካ
'ቲ ማዕቀብ ኣውሮጳ
ድሕሪት ደቝስና
ከይምዕር ሂወትና

እወ

ዘሎ ትሕዝቶና
'ቲ ሰብና ንብረትና
በረኻ ወፊሩ
ዶባቱ ክሕሉ
'ቲ መሬቱ ባሕሩ

ስለዚ
ኤርትራ ማዕሪጋ
ማዕቢላ በልጺጋ
ከም ጸሓይ ደሚቓ
ኣይከኣልናን
ክንርኢ ብኣጋ

ካብ ሩሑቕ ቀረባ
ሰብ ቡዙሕ ዛዕባ
ጸላእቲ ረኺብና
ዝምነዩ ሺሻይና

ኣይመለአን ኢድና 
ሰላም ሪሒቑና
ከይነግህድ ሕልምና
ትጽቢትና ድልየትና

ግና 
እቲ ንምነዮ
ክንበጽሖ ንደልዮ
ክኸውን'ዩ ክንርእዮ
ብመኸተ ዕዮ
ስእለ
Feb 25, 2025 7:33 PM
108.45.183.178
ሃገረይ
====
ሃገረይ ኤርትራ
ናይ ሓቂ ኣውራ
ኩሉ ዝምነዮ
መሬታ ባሕራ

ሺሻይኪ በዚሑ
መሊኡ ኣስፋሕፊሑ
ኢድ ዓመጽ ኣንዊሑ

እሞ
ሰላም ክወርሰኪ
ክርኢ ዕብየትኪ
ምስ ጭዋ ህዝብኺ
ናበይ ከግዕዘኪ፧

ናብ ሰማይ ናብ ጠፈር
ናብ ባሕሪ ዘይስገር
ወይስ
ናብ ማርስ ዘይሕኮር፧

እወ

ካብ ዓመጽቲ ተዃሉ
ኣዛብእ ጓሓሉ
ፍጡር ዘደንገሉ
ክትርሕቒ
ሎሚ ንሓዋሩ

ብሰላም ክትነብሪ
ሕሰምኪ ክበሊ
ሂወትኪ ክምዕሪ 

ኤሩ ሃገር ፍቕሪ
ወናኒት ክብሪ
መፍትሕ ሓብሪ
ሰላምኪ ክዛሪ
ስእለ
Feb 20, 2025 3:09 PM
108.45.183.178
ካብ ሃመማ ማዓር ዝጽበ ንሃመማ ዘይፈልጥ ጥራሕ'ዩ!
============••••••••••••===========
ካብ ዝጠፈሹ ዝነደዩ
ብሕማም ኣውራጃ ዝጨቀዩ
ሃሱሳት ዑሱባት ዝኾረዩ
ካብዚኣቶም እንታይ ትጸበዩ፧

ዋላ ሓንቲ!

እወ ኣይንጸበን
ክንዲ ጣፍ ትዅን ክንዲ ኣድሪ
ዝደቐቐት ኣብዛ ዓለም ምድሪ
ባዶ'ዮም ጥርሖም
ቁምነገር ዘይብሎም

ክንዮ ኣፍንጮኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩ
ተላእኽቲ ንኸብዶም ዝጎዩ
ብደንጎላ ፍትሒ ዘናድዩ
ሓኽሊ ድሙ ፈጺሞም ዘይዓብዩ
በላዕ ውዳቕ ብላሽ ዝነደዩ

መልክዕ ሃገር ዘይሕብሩ ዝለኽዩ
ስዉእ ጂግና ኣይፈልጦን'የ ዝብሉ
ዉዱቓት'ዮም ክሓድቲ ጥረ ዘይበሰሉ 

ብርግጽ!

በትሪ ዘርጊ ኣባይ ዘገልግሉ
ጸረ-ሰላም ከም ኣድጊ ዝሃሉ
ተስፋ-ኣልቦ ራኢ ዝተሓርሙ
ጸገም ልምዓት ዕንቅፋት ኣብ ኩሉ
ብላሽ ፍጥረት ኣይረብሑ  ኣይጠቕሙ


ስእለ
Feb 19, 2025 4:54 PM
108.45.183.178
ጉድ ረኺብና!
========
ኤሩ ጉድ ረኺብና
በዛ ወዛል ጎሬበትና
ኢትዮጵያ ዝብልዋ
ቆለ ወራር ዘለዋ

ዝገበርና ዘይብልና
ሰላም ድቃስ ሲኢና
ዕምሪ መዋእልና
ኣብ ገዛእ ሃገርና

ወትሩ ጥሓርናኩም
መጻና ኣጥፋእናኩም
ክብሉና እናሻዕ
ተረባረብ ኮይኑ
መዋእል ኣቓውጺሩ

'ቲ መሬት ባሕርና
ማዕድን ጸጋና
ከይሓፈሩ
ናትና'ዩ ይብሉና

ግና
ንሃገርና ንኽብርና
ንነጻነት ንመሰልና
ንምክቶም ሓደ ኰና

እወ
ትማሊ
'ቲ ብቕትማሊ
ተቓሊስና መኪትናዮም 
ሓደ ኰና ሲዒርናዮም

ኣይተማህሩን ጎርቤትና
ምውራድ ኣብዮም ካብ ርእስና
ይቕጽሉ 'ቲ ፈኸራ
እቲ ዘራፍ እቲ ጉራ

እንተ ንሕና
ከም ትማሊ ከም ቀደምና 
ኣብ መሬትና ኣብ ባሕርና
ከም ንስዕሮም ሓደ ኰና
ምስክር'ዩ 'ቲ ታሪኽና


ስእለ
Feb 17, 2025 9:10 PM
108.45.183.178
ልኡኽ ገናዞ
=======
ቆልዓ በሻሻ ትኳዕ ወያነ
መትከል ዘይብሉ ጉዕ ዘይበሰለ
ወረጃ ይመስል እንተመደረ

ጣልማይ ሸቓጢ ዘይእመን ግብሩ
ሕማቕ መራሒ እንዶ ዘይብሉ
ህዝቡ ዘናቝት ከንውሕ ዕምሩ 

ታሪኽ ሃገሩ  ዘይገናጸለ
ኣብ ጽዊጽዋይ ዝኣምን ዕነ
ንጉስ'የ ይብል ሕፍር ከይበለ

ስሱዕ ጒሒላ ኣብ ከባቢና
ዘይበልየሉ 'ቲ ዓመጽ ጉራ
ሓሊሙ ዓሰብ ናቱ ክገብራ

ዝገርም'ዩ!

ሃላሊ ወደል ዕባይ ድርጎኛ
ክልተ ልሳኑ ንፋስ ፍሕኛ
ልኡኽ ገናዞ ኣብዚ ዞባና

'ቲ ሕሉፍ ስዕረት 
ኣብ ኤሩ መሬት
ቅያ ጂግንነት
ዝተፈጸመ
ኩሉ ረሲዕካ
እንተፈቲንካ
ዶብና ሰጊርካ
ኣብኣ ትረኽባ
ስዕረት ጸበባ
ከም ወለድኻ
'ቶም ደገፍትኻ
ስእለ
Feb 17, 2025 3:24 AM
108.45.183.178
ነብስኻ ምኽኣል
==========
ኤርትራ፡
ቀደም'ያ ወሲና
ኣጽኒዓ መርሚራ
ንህዝባ ሚሂራ
ክሰርሕ ክጽዕር
ብነብሱ ክሓድር
ምጽወታ ክጽይን

እወ

ነብስኻ ምኽኣል
ምጽወታ ምጽያን
ኵርዓት'ዩ ክብሪ
ኣብዛ ዓለም ምድሪ
ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ

ምኽንያቱ፥
"ካብ ሰብ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ"
"ሃበኒ ህበይ ይገብር"
"ስራሕ የብልዕ ነጻነት የዅርዕ"
እኳ ተባሂሉ
ቀደም ተመሲሉ

ስለዚ
ሓርኮትኮት ምባል
ምብልሓት ምጽዓር
ነብስኻ ምኽኣል 
ዋላ
ኣብቲ ጽንኩር እዋን 
ምስቲ ውግእ ጨካን
ኣብ መሬት ኤርትራ
ኣዐዊቱ እንድዩ ሰውራ

ነብስኻ ምኻል፡
"ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ"
ብመድፍዑ ብታንኩ
ሃገር እንድዩ ኣውሒሱ

ዲጋታት ሃኒጹ
ዝብላዕ ኣውሒሱ
"ገናዞ" ኣልጊሱ



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events