Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Oct 14, 2024 6:30 PM
108.45.183.178
ከኒና ሓንካሮ
=======
ንሕና
እወ ንሕና
ኤርትራውያን ስምና
ጻዕሪ ባህልና
ቊሊሕ ዘይንብል እንጀራ ልማኖ
ክብርኻ ዝቕንጥጥ በሊዕካ ትሸኖ
ብደውካ ዘልምስ ሰላሕታ መንሺሮ
መገዲ ድኽነት ምህዞ ናይ ጓሓሎ
ኣይቀትል ኣየድሕን ከኒና ሓንካሮ
ስእለ
Oct 6, 2024 2:21 PM
108.45.183.178
ሓቂ ጠቂራ
=======
ወገሐ ጸበሐ
ዘይሓለፎ ሚሐ
ወረ ተባራሪ
ዘይብሉ መእሰሪ
ርእስና ኣዚሩ
ገሩና እሱሩ

ኩሉ ኮይኑ ተንታኒ
ፖለቲካ ማሃሪ
ነቓፊ ኣራሚ

እዚ ተዛራባይ
ተልሜደን መን-ከማይ
ይብል ስምዑ ንዓይ

ሓቂ ተደዊና
ቆሲላ ማህሚና
ብሓሶት ደቢና

ከይብሉኒ ተሪፉ
መዳሪ በዚሑ
ዝነብር ለፍሊፉ

ዓመጽ'ውን ገኒኑ
ሂወት ዝጠፍኣሉ
ምኽንያት ዘይብሉ
ስእለ
Sep 21, 2024 1:03 PM
108.45.183.178
ህበየ" ወሊዱ
========
"ለባም ዓሻ ወለደ - ተዘምተ
ዓሻ ለባም ወለደ - ተቐልተ"
እሞኸ፧

እቲ
ሓያል ዘድነነ
ዓለም ዘእመነ
ህዝቢ ኤርትራ
'ቲ ሓያል ሰውራ
"ህበይ" ወሊዱ
እምኒ ዝስንዱ
መጕሃይ ዘመዱ

ተፈጢሩ፡
ሸለል ዝበለ ንመንነቱ 
ዘጥፈአ ክብሩ ጉዕዞ ሂወቱ
ኣብ ሩሑቕ ሃገር ኣብ ስደት ከይዱ

ዝተቓነየ ብወይን ርእሲ
መግቡ ቀለቡ ገንዘብ ዓመጽቲ
እሺ ባሃሊ ዱላ መወልቲ

"ፍትሒ" ይብል ፍትሒ እንዳቐተለ
ሕግን ስርዓትን ዘይፈልጥ ጥረ
ብምኽሪ ማዕዳ ኣብዲ ዘይዕረ

ነውራም ወጠጦ
ዘይብሉ እንዶ
ከም ሰብ ዘፍልጦ

ዕላማ-ኣልቦ ሓንካሪ ሰላም
ጽኪ ሃገሩ መንሺሮ ሕማም
ኣልግስ ንበሎ ሃሱስ'ዩ ጠላም 

ኣይውክልን'ዩ ክብርታት ኤርትራ
ክብርታት ሓፋሽ ዘዐወተ ሰውራ
ጽኑዕ ኣብ ቃሉ ዘይፈቱ ጉራ



ስእለ
Sep 17, 2024 11:31 AM
172.58.241.24
ቆልዓ ወያነ
=======
ትማሊ 'ቲ ብቕትማሊ
ዓሚ እቲ ቅድሚ ዓሚ
ኣብ ቅድሚ ዓለም ህዝቢ
ፈታውን ጸላእን ተዓዛቢ
ተጠሊዑ ከመስግን
"ሰናይ ተግባር ኤርትራ - ኣይንረስዕ" ክብል
ንህዝቡ ክነግር
ከምዛ ዘይመደረ ቡዙሑን ዉሑድን
መልሓሱ ዓጺፉ
ከጉባዕብዕ ክሕሱ
ከምዘይበለ "ኢሱ"
እንታይ ትብልዎ ነዚ ባዶ ርእሱ፧

ኣነስ
ክንቲቲ ጨርቂ
ከዳሚ ወስላቲ
ጸጋዕተኛ ሓቢ
ምበልክዎ - ክሓዲ ዘርጊ

ዓቢዪ
ብቕዓት-ኣልቦ'ዩ ከም'ቶም ኣቦታቱ
ሃይለስላሴ ደርጊ መንግስቱ
መለስ ዜናዊ ወይን መጉዚቱ

ኣምስሉ እከይ ጠላም ቀሻሺ
ክልተ መልሓሱ ውዕል ኣፍራሲ 
ካብ'ቶም ወልዱ ዘይፍለ ጋህሲ 

ወዲ በሻሻ
ቆልዓ ወያነ
ዑብታ ዓጢነ
ዘይእሩም ምነ

ሓቂ ክዛረብ
ታሪኽ ክግንዘብ
ዘይብሉ ኣመት

Yonatan Solomon Russom
Sep 16, 2024 5:44 PM
209.76.51.142

መግዛእቲ ዘተኣታትዎ ሰዓታት ስራሕ

ንህዝብና ክነገልግሎ ከለና ካብ ልብና ክከውን ይግባእ። ብጊዜ ጥልያን ዝተኣታተወ ሰዓታት ስራሕ ክነማሓይሾ ይግባእ። ብሕልፊ ናይ መንግስታዊ ስራሓት ከየቃረጽና ንሸሞንተ ሰዓታት ክንሰርሕን ክንከፍቶን ይግባእና። እዚ ኣብ ሞንጎ ዓጺናን ቡኡ ጌርካ ምዕጻውን ድሕሪ ቀትሪ እሞ ናይ መንግስታዊን ባንክታት ክተርፍ ይግባእ። ንህዝብና ብስርዓትን ጉቡእን ክነገልግሎ ይግባኣና ኮይኑ ይስማዓኒ። ስለዚ መግዛታዊ ኣገባብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክማሓየሽ እላቦ

ዮናታን ሰለሙን ርእሶም
ሕሳበኛ(ቁጽሪ) Mathematician

ስእለ
Sep 14, 2024 1:50 PM
108.45.183.178
ምንጪ ናዕቢ
========
ኣመሪካ ተዕለብጥ ኣላ
ዝልኣኻ ሲኢና ዝውክላ 
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሞተላ

እወ
ኣብ መቐለ ኮይኑ ምውዓላ ምሕዳራ
ከዳሚ ክትምልምል ሓባቢላ
ረብሓኣ ዝሕሉ ዘገልግላ 

ግና ኣይሰመረን ሓሳባ ድልየታ
ሙዉት ዕሱብ ኣይሃበን ኣወንታ
ክወናጀል ስልጣን መን ባሓታ

ኣመሪካ ዘይብላ ሕልና
ትርፎ ንዓይ ዘይትብል ንዓና
ራህዋ ሰላም ነፊጋ ዓለምና

'ቲ ስስዐ እቲ ክፉእ ግብራ
ከተሳሲ ብሩሑቕ ቀረባ
ብሰብኣዊ መሰል ኣሳቢባ
ሃገር ኣሕዋት ተናቝት ኮነ ኢላ

እወ
ብራድ ሸርማን እንድዩ ምስክራ
ጸረ-ሰላም ናይ ሲኒት ሓበላ
ምንጪ ናዕቢ መዋሊ መከራ
 
ስእለ
Aug 31, 2024 12:15 AM
172.58.241.83
ሓብሪ ዝሓሸ
=======
ኣንቲ ኤርትራ
ሓቂ ዝናራ
ፍትሒ መትከላ
ንሕናን ንስኽን
መሬት ባሕርኽን
ጸጋ ሃብትኽን
ተጠመቲ ኰና
ብፈተውቲ ጓና

እሞ
እንታይ ኢና ንገብሮ
ኣበይ ኢና ንሰፍሮ
ዘይብሉ ዓጣሮ፧

እቲ ንቐስነሉ
ህውከት ዘይብሉ
ኣበይ'ዩ ዝርከብ
ክንከዶ ክንቅሰብ፧

እወ
ዓመጽቲ ሰሲኖም
ሕልና ዘይብሎም
ካብ ህውከት ድራሮም
ናብራና ሓንኪሮም

ተረባረብ ኮይኑ
ግዜና ባኺኑ
ክንምክት ገዋኑ

ሓደ ድሕሪ ሓደ
ቅልጽሙ ዘሕበጠ
ክንምክት ብእብረ
ኣይተረኽበን መብረ

እሞ ኤሩ፡
ሓብሪ ዝሓሸ
ቦታ 'ተቐደሰ
ሰላም ንነብረሉ 
ከደምቲ ዘይብሉ
ሃሱስ ክፉእ ግብሩ
😁😁😁😁😁

ስእለ
Aug 23, 2024 3:28 PM
172.56.32.240
ወይ ጸገምምም!
==========
"እንተተዓመትካ ዑረት
ኣርሒቕካ እንተጠመትካ ቅርጸት" መምህር ኣስረስ ተ.

ርኣይዋ'ሞ ኣቕልቡላ
እዛ ዓለም እንታይ'ያ ትኸውን ዘላ፧

ሓሚማ ድያ ተጸሊላ
ተኸሲኣ ጥዕና ሲኢና
ወይስ
ከምኡ 'ዩ 'ቲ ጠባያ ባህራ፧

ፍጡር ተገፊዑ ኣብ ማእከል ወሰና
ይሳቐ ኣሎ ብሕሰም መከራ
ብዓመጽቲ ሱሱዓት ጒሒላ
ንዕብለላ ንሓደ ዕላማ

እወ
 
ኣመሪካዊ ኣነነት
ምዕራባዊ ቅጥፈት
መን ከማይ ግብዝነት
ኩሉ ንዓይ ዘይፈልጡ ሺርክነት
ሸሚምዋ ዓለም ናብ ደልሃመት

ሰላም ተሳኢኑ ሪሒቑ ቅሳነት
ዓመጽ ወራር ቢሒትዋ መሬት 
ጋዶ ኮይኑ ምስትምቓር ሂወት

ፍትሒ ተረጊጹ 
እምነት ተበሪዙ
 ኲናት ስደት ኣብ ኩሉ ነጊሱ
እዚ ኣምላኽ ኣሎ ዲዩ ደቂሱ፧

እንድዒ፧

ግና
ይደጋገም ኣሎ ዓመጽ ግፍዒ
ሰላም ተሳኢኑ ሲኒት ርትዒ
ሳላ ኣመሪካ ጸረ-ፍትሒ
ኩሉ ንዓይ ዝብል ተራጋሒ
ስእለ
Aug 21, 2024 1:18 PM
172.56.33.88
ቀልቢ-ኣልቦ
=======
እቲ ወይጦ ዝወጸሉ
ሕፍረት-ኣልቦ ዘይበትከሉ
ኣብቲ ስደት ዝነብረሉ
ጠፊእዎ ማኣዝኑ

ክንዲ ምምሃር ስራሕ ፍትወት
ምምሕያሽ ዓቕሚ ክእለት
እምኒ ይስንዱ ጸረ-ዕብየት

ኣቤት ርእሲ ኣቤት ንዴት
ዘይስቆሮ ሓሳር ውርደት
ዝበደሎ ቀልቢ ስእነት

እወ

ልኡኽ ጥፍኣት ጸረ-ሰላም
ካብ ጌግኡ ዘይማሃር
ዘመስከረ ዓሻ ብሃም
ብደንጎላስ "ፍትሒ" ምህዳን፧

ብላሽ!

ክብሪ ሃገር ዘይስወጦ 
መጉሃይ ሰቡ  ሃሱስ ወይጦ
ጸሓይ ከላ ዝጸልመቶ

ሉኡኽ ኣባይ ኮንቶ-መንቶ
ህዱእ መንፈስ ዝሓርበቶ
ኣውሎ-ንፋስ ዘራጊቶ
ስእለ
Aug 9, 2024 12:53 PM
108.45.183.178
ነቐዝ
===
እቲ ወይጦ ዝወጸሉ
ሕፍረት-ኣልቦ ዘይበትከሉ
ኣብቲ ስድቲ ዝነብረሉ
ጠፊእዎ ማኣዝኑ

ክንዲ ምምሃር ስራሕ ፍትወት
ምምሕያሽ ዓቕሚ ክእለት
እምኒ ይስንዱ ጸረ-ዕብየት

ኣቤት ርእሲ ኣቤት ንዴት
ዘይስቆሮ ሓሳር ውርደት
ዝበደሎ ቀልቢ ስእነት

እወ

ልኡኽ ጥፍኣት ጸረ-ሰላም
ካብ ጌግኡ ዘይማሃር
ዘመስከረ ዓሻ ብሃም
ብደንጎላስ "ፍትሒ" ምህዳን፧

ስሕዊ!

ክብሪ ሃገር ዘይስወጦ 
መጉሃይ ሰቡ  ብላሽ ወይጦ
ጸሓይ ከላ ዝጸልመቶ
ስእለ
Aug 3, 2024 1:28 PM
108.45.183.178
====
ቢኒ፡  
ንዓወትካ ክዝርዝሮ
ሓርቢቱኒ እቲ ዝብሎ
ሲኢነሉ ቃላት ዉዕሎ

ሰብ ዲኻ ንፋስ-ኣውሎ
ሲዒርካዮም ሓዝ ብድሎ
ኣብቲ ሜዳ ኣብቲ ጎቦ
ርሃጽ ድኻም ዝሕለቦ

ብንያም ጂግና ወዲ ህዝቢ
ሓበን ሃገር ፈጻም ሕድሪ
ኣዛሪብካ ሂብካ ክብሪ

ንበረልና ዕድመ ይሃብካ
ሃገር ጽንዓት ኣጸዊዕካ
ብዳንጋኻ ብርሃጽካ

ተሓጒሱ ኩሉ ዜጋ
ጸሊም ህዝቢ ናይ ኣፍሪቃ
ድንን ኢሉ ሞጊሲካ
ኣንቃዕሪሩ ጸልዩልካ፡
"ዓይኒ ሓሳድ ክድፈነልካ
ልኡል ኣምላኽ ከጽለካ"

እዛ ኤሩ ተዓዲላ
ዉፉይ ጂግና ክኾነላ
ክቡር  ዋጋ ትኸፍሉላ
ንድሕነታ ነቲ ክብራ


ስእለ
Jul 20, 2024 3:22 PM
108.45.183.178
ቃላት ርኸቡለይ
==========
ሓረግ ርኸቡለይ ፍሉይ ቃላት
ንቢንያም ዝገልጽ ክእለት ብቕዓት
ዓለም ዘገረመ  ብስለት ትብዓት

እወ ርኸቡሉ ሙሩጽ ቃላት
ኣቃልሑ ቡኹሉ ቋንቋታት
ቻምፕ ተወሊዱ ጸሊም ኣልማዝ

እወ ንገሩሉ
ነዚ ከኾብ መንእሰይ
ዘበረኸ ስመይ
ምስ ኤርትራ ሃገረይ

ቢኒ እዩ ቢኒ
ዝፈጸመ ሕድሪ
ንሃገሩ ክብሪ
ዘልኣለም ነባር

ዘምበልበለ ባንዴራ ኤርትራ
ዘሳዕሰዐ ኣብ ገዛ ጎደና
ቢኒ'ዩ እዚ ሃብሮም ጂግና

ኣየ ዳንጋ ኣየ ሳምቡእ
ጥዑይ ልቢ ሓደ ምዕሪት
ኣብ ዕላማ ሓደ ቅኒት 
ሩጉእ ምአንፈስ ዘይስምብድ
ቢኒ ጅግና ሰራሕ ታሪኽ
ኵርዓት ሃገር እምባ በሪኽ

ኣብ ዙር-ፈረንሳ ዓለም ዘዛረበ
ንሰለስተ ግዜ መድረኽ ዝደየበ
ብቐጠልያ ማልያ ዝወቀበ
ኣብ ከተማ ኒስ 
"ብዓወት ንሓፋሽ" ዝጸምበለ
ቢኒ'ዩ ቢኒ ባዓል ስረ

እወ
ገለ በሉ ቃላት ርኸቡሉ
ንብቕዓቱ ዝገልጽ ነጺሩ
ንጉስ ሳይክል 
ማስተር ሺኳ 
ናይ ቅጽበት ምዃኑ

ግና ሓደራ
"ኣምበሳ ኣይትበልዎ" - ዓማጺ ኣይኮነን
"ነብሪ'ውን ኣይመስሎን" - ዕጉስ'ዩ ዝምስገን 
ሚዛን'ዩ ቢኒ ብራኢ ዝምእዘን
በሊሕ መስተውዓሊ ናይ ጸለምቲ ሓበን

ስሙ ዘበረኸ ኣብ ሳይክል ውድድር
ጥምጥም ገጢሙ ምስ ከምኡ ጎባልል
ኣብ መሬት ፈረንሳ ኣብ ዓቐበት ቁልቁል
ኣብ ጥውይዋይ ጉዕዞ ኣጻድፍ ጎላጕል

ኣገናዕ በልዎ
ክብሩኹም ሃብዎ
ሃብሮም'ዩ
ዓለም ዝምስከሮ!
ስእለ
Jul 9, 2024 12:33 PM
148.184.174.62
ሓበን ጸሊም
=======
ብንያም፡
ሕብሪ ጸወታ
ኮኾብ ናይ ጋንታ
ሓበን ኣፍሪቃ
ኣብ ሺክለታ

ክአለት ወናኒ
ቀልቢ ስሓቢ
ብስራሕ ግብሪ

እወ

ወዲ ማይባሕሪ
ፈጻሚ ሕድሪ
ናይ ሃገር ህዝቢ

ብርግጽ!

ቺታ ኢኻ ነብሪ
ብሺኳ እግሪ
መድረኽ ወናኒ

በል
ታሪኽ ይደለብ
ቀጽል ተሓምበብ
ኣብ ዓወት መርከብ
ስእለ
Jul 7, 2024 11:46 AM
108.45.183.178
ኤርትራ ኣብ በሪኽ
===========
ኣብ ሃገር ፈረንሳ
ቅድድም ሺግለታ
ታሪኽ ተሰኒዱ
ንዓለም ዘደንጹ
ብብንያም ቆራጹ

ጻዕዱኡ ጸሊሙ
ኩሉ ተገሪሙ
ብቕዓትካ መስኪሩ
ብንያም ጅግና ኢሉ

እወ ኢሎሙኻ፡
ሓበን ኤርትራ
ተወርዋሪ ሺላ
ናይ ሺኳ ኪኢላ

ብኒ ሰራሕ ታሪኽ
ሃገርካ ተበርኽ
ከምቶም ኣቦታትካ
ብጾት ማሓዙትካ

ኤሩ ተሓቢና
ኣብ በሪኽ ኮፍ ኢላ
ብሳላ ራሃጽካ
ኩሉ ዝመጠኻ

እወ ኤርትራ፡
ኣብ ጉያ ሺግለታ
ኣብ ዓለም ኣውሮጳ
ከም ኮኾብ ደሚቓ
ወኪላ ኣፍሪቃ
ስእለ
Jul 2, 2024 6:22 PM
172.56.33.100
ሎሚ፡
ቱር-ዲ-ፍራንስ'ዩ ተጣሒሱ
"ጽባሕ"፡
ጠፈር'ዮም ክፍተሹ
ጥራሕ፡
ዓመጽ፡ ሕስድና፡ ወራር፡
ውግእን ወረ-ውግእን ኣቋርጹ
ስእለ
Jul 2, 2024 4:57 PM
172.56.2.212
መን ከም ሻዕብያ!
===========
ሻዕብያ
ናይ ጽንዓት ኣርኣያ
ኣንጻር ኩሉ ጉጥያ
ካብ ገድሊ ክሳብ ሎሚ
ብመትከል ብግብሪ

ዊድታት ዘይስዕሮ
ተንኮል ናይ ሓንካሮ
ቀባእቲ ጸለሎ

ኣብ ሺግር 'ተወልደ
ሕሰም ዝጨለጠ
ኣባዩ ዘስግድ - ብዘይ ደገፍ ሓደ

ራሃወ ጸበበ
ዝብኢ ተነቀወ
ዘይርበሽ ዘይርዕድ
መንገዱ ዘይስሕት

ብኤሩ ዝመጸ
ፍጹም ዘይዋገ
ምስ ትዃን ምስ ሕንጸ

ምጽወታ ዘይጽበ ክሰርሕ ዘይህከ
ብዓወት ዘይሰክር ዘይምካሕ ዘይዕበ
ዓለምና ዘንብብ እንከይተሃንደደ
ሻዕብያ'ዩ ንሱ እቲ እንኮ ሓደ!

እወ

ሻዕብያ 
ናይ ሓፋሽ ሕርያ
እሙን ዋርድያ
ናይ ኤርትርያ

ህግደፍ ክሳብ ዘሎ
ትብዓት ሕላገቱ
ኣብ ህዝቡ እምነቱ
ኤረና፡
እዛ ሃገር ሕድሪ
ናይ ስዉኣት ቡቝሊ
ውሑስ'ዩ ክብራ
የለን ዝዳፈራ

ክዕቀብ'ዩ፡
መሬታ ምስ ባሕራ
ማእከላ ወሰና
ካብ ወረርቲ ቃርማ

እወ
ክትደምቕ'ያ ኤሩ
ክብራ ብዝሕሉ
ሎሚ ንሓዋሩ
ጸሓይ ሰማይ - ትጸልምት ትሃሉ
ስእለ
Jun 25, 2024 10:33 AM
108.45.183.178
ፍቕርኺ ኣሎ ኣብ ልበይ
===============
ኤሩ ሃገረይ ኵርዓተይ ክብረይ
ጽኑዕ ፍቕርኺ ኣሎ ኣብ ልበይ 
ኣብ ኣካላተይ ኣብ መትኒ ደመይ

እወ

ወኒንክዮ ውነይ 
ቀልቢ ሃለዋተይ  
ኩሉ ህዋሳተይ

ኤሩ

ብኣኺ'የ ዘዐልል ዝዝምር
ጸጽቡቑ ዝምነ ዝሓልም
ክትስውዲ ጉዕዞኺ ክምዕር

ከም ትፈልጥዮ፡
ንዓኺ እንድዩ ዛርዩ ደምና
ሕሰም መከራ መቑሕ ኣብሊና
ኣሽሓት ኣፍላ ሂወት ዝሃብና

ስለዚ'የ
ካብ ውሽጢ ካብ ልቢ 
ከም ፍቕሪ ወላዲ
ፍቱውውው ዘብለኪ!

ንህላዌኺ ኣቤት ዝብለልኪ
ድሕር ዘይብል ክስዋኣልኪ
ከምቶም ጀጋኑ ኩሎም ሰማእቲ

በሊ
ማዕብሊ ኤረይ  ቅድሚት ሰጉሚ
ሎሚ ዘልኣለም ብሰላም ፍቕሪ 
ዕግበት ኩልና ደቂ ማይ ባሕሪ 

በቲ ሃሱስ በቲ ኣዳኻሪ
ልኡኽ ዓመጽቲ እቲ ከዳሚ
ንህላዌኺ ኣይቲሻቐሊ
ዕጡቕ ዜጋኺ ከሎ ኣባዳህሪ
ስእለ
Jun 15, 2024 3:56 PM
108.45.183.178
የመስግነካ
=======
ስዉእ፡
ጸሊም ኣልማዝ ጂግና ኤርትራዊ
ዝሓለፍካ በጃ ንሃገር ንህዝቢ
ምስጋናይ ይብጻሕካ ካብ ማዓሙቕ ልቢ

እወ

ንናጻነት ሓርነት መስዋእቲ ዝኾንካ
ዝወፈኻ ኩሉ ዕድመ ንእስነትካ
የመስግን ደኒነ ንሰናይ ውዕለትካ

ስዉእ

ብጹእ ኢኻ ዘይትጠልም ሕድሪ 
ጽኑዕ ቃሉ ንኹሉ ክኣሊ
ሓበን ሃገር ወርትግ ተዘካሪ

ይዘከር ይዘመር ጽንዓት ጂግንነትካ
ብዉሉድ ወለዶ ኤርትራዊ ዜጋ 
ሎሚ ንሓዋሩ ኣሰንዩ ስምካ

እንተ ኣነ
ብኣካል ኣእምሮ 'ቲ ዝኸፈልካዮ
ክትስዋእ ከለኻ ኩሉ ዝበልካዮ
ኣብ ግብሪ ከውዕሎ እንተኺኢለዮ
ይጽዕር ኣለኹ 'ቲ ዓቕመይ የዕብዮ

ግና ቅሰን!
'ታይ ተሪፉኒ ኣይትበል
ታሪኽ ዓወታትካ ኣሎ ይደጋገም
ፍረ መስዋእትኻ ዓምቢቡ'ዩ መቕሰን
ይተኻኻእ ኣሎ ይምክት ብሓበን
ኣንጻር ኩሉ ሓሳድ - ሓሸራ ምስ ተመን
ዮናታን ሰለሙን ርእሶም
Jun 14, 2024 2:29 PM
63.65.79.230

ሽጣራ ኣብ ትምህርቲ

ሽጣራ

ኣብ ትምህርቲ ሽጣራ ክህልዎ ኢልኩም እዶ ሓሲብኩም ትፈልጡ፧ እታ ኢንኮ ጽብቅቲ ንጥቢ ዘምጻ ኣላ ዝነበርኩ ዓይነት ትምህርቲ ሕሳብ (ቁጽሪ) ኢያ ኔራ። ድሕሪ ቡዙሕ ምምሃርን ፈተና ምሕላፍን ግን ጡቅሙ ዋላ ክፈልጦ ኣይካኣልኩን ጥዊዋይ ወዲ ጥዊዋይ ምቅራጽ ጥራሕ፨

ሓንቲ ማዓልቲ ግን ብኣእምሮይ ማለት ብሓሳብ ንክልተ ወይ ሰለስተ ቁጽሪ ብርእሱ ኣራቢሔ መልሱ ክረክቦ ፈተንኩ። ድሕሪ ቡዙሕ ፈተነ ነቲ መልሲ ብሓሳብ ክረክቦ ከኣልኩ። እቲ ኣዚዩ ነገር ዘሔጎሰኒ እቲ መልሲ ምርካብ ዘይኮነ፥ ኣገባብ መልሲ ምፍላጠይ እዩ። ከይፈልጥኩ፥ ሓደ መስተንከር ነገር ክምዝፈለጥኩን ዝረከብኩን ዋላ ሓንቲ ኣይተሰቆረንን ንሹዑኡ። ድሕሪ ቡዙሕ ምምርማር ግን እዛ ኣጋባብ ካብ ክልተ ቁጽሪ ምፍላጥ ማለት ኣዚዩ ኣገዳስን ጠቃምን ብምካኑ ኣብ ፍልጠትን ምህዞን ስንዔን ኣገዳስነቱን ብቀሊሉ ክርድ ኣኒ ኪኢሉ።

ሃገርና ኤርትራ ሓንቲ ብልጽግትን ምዕብልትን ንክትኬዉን ሕሳብ(ቁጽሪ) ከም ሓደ ኣድማሳዊ ቋንቋ ምካኑ ተረዲኢና ቡዙሕ ኣተኩረት እንዳ ሃብና ንቁጠባና ብምህዞን ስንዔን እናገብርና ቁጠባ ሃገርና ብቀሊሉ ክንዕብዮ ንክእል ኢና።

ስለዚ ክንምህዝን ክንስንዕን ድማ ጥበብን ምስጢሩን ናይ ሕሳብ(ቁጽሪ) ክንፈልጦ ኣለና። እቶም ነቲ ናይ ኣገባብ ሕሳብ (ቁጽሪ) ዝፍልጡ ሕሳበኛታት ነቲ ናይ ሕሳብ (ቁጽሪ) ቅድሚ ፫፭፱ (359)ንኣቃርጽ (ኣሳእል ኡ) ቀይሮሞ እዮም። ንሱ ድማ ከመይ ኔሩ ቅድሚኡ ክንፈልጦ ናይ ግድን አለና።

ሓዉኩም ኤርትራዊ
ዮናታን ሰለሙን ርእሶም
ከምእዉን ዮናታን አሰፋው ዮሴፍ
My Youtube Channel: Mukur ELAL
ስእለ
Jun 12, 2024 1:02 PM
108.45.183.178
ተዓዊቱላ
======
ኤሩ ሃገረይ ተዓዊቱላ
ርሑቕ ቀረባ ትዛውን ኣላ
ኣብ መላእ ዓለም ክሳዳ ኣልዒላ
ነቶም ዓመጽቲ ጉዶም በሊላ

ጉዕዞኣ ንጹር ሓንቲ እምነታ
"ፍትሒ ማዕርነት ይንገስ ኣብ ባይታ
ሓቢርና ንዕበ ሰላም'ዩ ጸጋ"

እወ!

ንሓቂ ፍትሒ ትስየፍ ሃገር
ብዓሎቕ ታህዲድ ዘይትደናገር
 መቓልሕ ድምጻ "ሕጊ ይከበር"

'ዛ ሃገር ፍቕሪ ወደር ዘይብላ
ኣብነት ጽንዓት ኣብ ስምረት ሓይላ
ስሱዕ ዓማጺ ጸረ-መትከላ

ትመንጉድ ትኽበር ወትሩ ዘልኣለም
ኤሩ'ያ ንሳ ዘይትመሻኸን
ፍረ መስዋቲ ናይ ዉጹዕ ሓበን
 ሓቂ ዕጣቓ ሎሚ ይዅን ቀደም


ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events