Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
May 22, 2018 1:16 PM
148.184.174.61
ሂወት ዝተኸፍሎ
ኣካል ዝጎደሎ
'ቲ መስተንክር ውዕሎ ...
ነጻነት ሓርነት
ክቡር ልእላውነት
ነብዕሎ ብድምቀት

'ቲ ስደት ሰሃሮ
ዘይቁሱን መንብሮ
ግፍዒ ዝፈጠሮ
ኩሉ ንዘክሮ

'ቲ ጨካን ማእሰርቲ
ብስልኪ ማሕነቕቲ
ድምጺ ጠያይቲ
ተግባር ናይ ወረርቲ
ይዘከር በብሓንቲ
ይነገር፣ ይሰነድ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍቲ

ስእለ
May 21, 2018 5:19 PM
148.184.174.62

ድምጺ ጅግና

=======
'ቲ ትማሊ፡
ኣብቲ ጸልማት ተስፋ-ኣልቦ
ረዳኢ ዳናዪ ዘይርከቦ
መከራን ጸበባን ዝኸበቦ
ሓይሊ ናይ ዘራያት ዝዓጀቦ
ተቓሊሰ ንነጻነት ሓርነት
ከፊለሉ ሂወት መስዋእትነት
ሰንኪለሉ ዓይነ-ብርከይ ጉልበት
ኣሕሊፈሉ ዕድላት ንእስነት
ኣፍሲሰሉ ደም ርሃጽ ጅግንነት
ከስተማቕር ነጻነት ሓርነት
ክኾርዓሉ ኤርትራዊ ዜግነት
ሃልየ ሓሊፈ ኣብዛ ሕድሪ መሬት

ኤርትራ ብነጻነት ትምበር!

Happy 27th Independence Day to EDF & to the people of Eritrea inside & abroad!!

ስእለ
May 19, 2018 11:07 PM
108.48.36.197

ሕጉስ ብዓል ልደትን ነጻነትን ኤርትራ!!

ኣንቲ ውልዶ ሕዛል 
ናይ ትማሊ ሕንጫል
እግሪ-ተከል ህጻን
ከመይ ኪኢልክዮ ጋሻ ዉሕጂ ምስጋር
ናይ መረብ ናይ ባህሪ ብየማን ብጸጋም
እንጉይ ናይ ኣዛብእ ምስቲ በሊሕ ኣስናን 
ውልዶ መሓውርኪ መኪትዎ ዕብዳን

ኣኺልኪ ጎቢዝኪ 27 ገርኪ
ዓመጽ ዛንታ ኮይኑ እንኳዕ ኣብጻሓኪ 
ናብ በዓል ነጻነት ልደት መዓልትኺ

ፌስታ ይኹን ንሳዕስዕ ንደብል
ይከፈት ሻምባኝ ይተኮስ ‘ቲ ገምበል
ድምጺ ሓጐስ መዝሙር ይስማዓዮ ዓለም
ይቆረስ ሕብስቲ ‘ቲ ዳስኪ ይሰለም
ዑዙዝ ’ዩ ልደትኪ ኤርትራዊ ሓበን

ኩሉ ይትሓጐስ ‘ቲ ስዉእ ይሞጐስ
ክቡር ነጻነትኪ ኣብ ልብና ይንገስ
ስእለ
May 19, 2018 1:15 PM
108.48.36.197
ፍለጡለይ

ካብ ሓሰኻ ሳጋሚ
ቁሩሕ ስሚ እኽሊ
ሓረስታይ በዳሊ
መድሓኒቱ ሓዊ

ካብ ሰብ ቁጥሚ
ፍሉጥ መታለሊ
ናይ ህውከት መሰሪ
ባዕዲ ኣገልጋሊ
ኣሕዋት ዝፈላሊ
ከታሪ ብቐትሪ

መነ መን ‘ዮም
ተዓወቱ ፍለጥዎም?

ክነግረኩም?

ሰጋሚ ባርኖስ
ወያነ ባዶሽ -- እዮም

ዝሓሰሙ ኣብ ምድሪ
ዘይፈልጡ ነውሪ
Yonatan Solomon Russom
May 17, 2018 4:19 PM
172.58.137.153

The Accumulated knowledge of Eritrean professional in Diaspora

To Eritrean Professionals

Eritrean professional who are in Linkin will be gathering to integrate our profession. Our goal is think together to exchange ideas and share with each other as well with Eritrea. Our accumulated experience can be shared among each other and to Eritrea. We will be thinking logically and scientifically. Therefore we will provide facts. We are going to commit ourselves positively and actively to the idea of integration. In the beginning we will meet once a year anywhere in the world. Each family will come to the Eritrean Professional Expo, and they will meet different professional and share information. The children will have a chance to meet and ask questions to the Eritrean professional who are Professors, Doctors, Computer Scientist, teachers Scientist, mathematician, etc. and those professional will be the role model for the children/students. In addition, we will bring research paper wide-ranging research in science, engineering and applied science and math.

This is an open invitation to anyone. Everyone is welcome to our meeting, “HOPE”. We’ll be announcing where our first meeting is going to be. I was going to invite them here in Minneapolis Minnesota, USA but there is another suggestion, it might be in London.

There are other professional are doing similar initiative around the country. For example in UK, a similar initiative is on the way to create a plat form for all Eritrean professionals in Diaspora to play. The next 2019 annual conference will be held in London. There are also professional who are engineers who do similar organization and our “HOPE” is also similar purpose of a broad education and professionalism to transmit to one not only the accumulated knowledge of Eritrean professional but also the accumulated experience of Eritrean living in Diaspora and Eritrea.

If you are interested to join us “HOPE”, please linkin “Asmara Africa”

Thank you

Yonatan Solomon Russom

ስእለ
May 14, 2018 9:34 PM
108.48.36.197

ኣቤት ዓመጽ!

ኣቤት ዓመጽ ገበን
ኣብ ልዕሊ ፍልስጢኤም
ክትነብሮ ዘይእመን!

ዮርሳሌም ማእከሉ
ርስቶም ተመንጢሉ
ብወረርቲ ጉሓሉ

ሰላም ነጻነቶም
ክብሪ መንነቶም
‘ታ ሃገር ኩርዓቶም
ከሉ ተዘሚቶም

ዓመታት ኮይንዎም
ቤቶም ከፍርስዎ
ጥይት ከብልዕዎም
ምምባር ክነግፍዎም

ረዳኢ ሲኢኖም
ፍትሒ ተሓሪሞም
ንሞት ተኾኒኖም

ገባቲ መንጣሊ
ንህውከት መዋሊ
ንፍትሒ ዓፋኒ
ዘሻደኖ ሓይሊ
ዘርይዎም ብዕሊ

ዘሐርቕ ዘገርም
ክትኣምኖ ዘጸግም
ሓያሉ ድኹሙ
እግዝኣብሄር ባዕሉ
ሰሚዑ ኣጽቂጡ
ሪኡ ተዓሚቱ
ምስ ሌባ መኪቱ
ስእለ
May 14, 2018 5:20 PM
148.184.174.62
ወያነ -
ኩርኳሕ 'ዩ - ጸረ-ሰላም ግኒ
ኣሕዋት ደቂ ሃገር - ዘባእስ ዘጓኒ
ረሃጽ ተራ ህዝቢ - ዝራሲ ብቐትሪ
ሌባ ዓመጸኛ - ብጻዩ ጠላሚ
ኣብ ሃገር ጎረቤት - ዘይብሉ ኣማኒ
ዘይሕሰብ 'ዩ ፍጹም - ግብሩ ከማዓሪ

ጸቢብ ገበነኛ - ቅንዕና ዘይብሉ
ቡቑል ክብል ዕብይ - ተንኮል ሰራውሩ
ኣይዕረን 'ዩ ፍጹም - ተስፋ ኣይትግበሩ
ገበኑ ቡዙሕ 'ዩ - መስፈሪ ዘይብሉ
ምምካት ጥራሕ 'ዩ ክሳብ መቓብሩ
ስእለ
May 13, 2018 2:50 PM
108.48.36.197

Happy mothers' day to all Eritrean mothers!

ኣደይ

ጽሓይ ኢኺ - ተስፋ ጥዑም ንፋስ
ሽታ ሪሓን - ናይ ሂወተይ ትንፋስ
ዋልታ ክብረይ - ናይ ቅሳነት ፍርናሽ 
ንበርለይ ምምባረይ ክዋሓስ

ማዕከን ፍቕሪ - ልቦና ትቕዳሕ  
ባህታ ልቢ - ሓንቲ ዘይትራባሕ  
ህጠሪ ዓምብቢ - መዋእልኪ ይስፋሕ
ኣብ ሕቝፊ ፍቕርኺ - ክሕጎስ ክፍሳህ
ስእለ
May 9, 2018 5:47 PM
148.184.174.61

ምኽሪ ንኣብዪ

"ንምንያ ኮለል" ኢትዮጵያዊ

"ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ"
ትፈልጥ'ዶ እንታይ'ዩ ትርጉሙ?

ሽግር ኢትዮጵያ ክትፈትሕ ካብ ሱሩ
ሕቶ ህዝቢ ክትምልስ ንኹሉ
ብሕጊ ተገዛእ EEBC ቀልቢ ግበረሉ

ኮለል ኣይትበል ዘረባ ኣይተብዝሕ
ላዕሊ ታሕቲ መገሻ ነይነጅሕ
ሰላም ምስ ኤርትራ'ዩ ሽግርካ ዝፈትሕ

ወያነ ኣልጊሱ 'ቲ ሰላም ክሰፍሕ
ህዝቢ ኢትዮጵያ ሂወቱ ክመርሕ
ስረ ዕጠቕ - ወስን ንኹሉ ዘርብሕ

ስእለ
Apr 28, 2018 10:30 PM
108.48.36.197

ኤርትራዊ ደራሲ

=======
ዝንገር ኣለካ ዝጽሓፍ ዝዝንቶ
ዝቕረጽ ዝስነድ ብካሜራ ቪድዮ
ውዕሎ ህዝቢ ታሪኽ ተሓንገጦ
ጽባሕ ግደፍ ሎሚ ኣሳልጦ
ንታሪኽካ ቀዳምነት ሃቦ

ተበራበር ጀምር ቅረጾ ስኣሎ
ሰራሕ ታሪኽ ብሂወቱ ከሎ
ተወከስ ቅረቦ ብጽምዋ ኣዕልሎ
ሓላፋይ’ዩ ጽባሕ ከሎ ኣይትስኣኖ

ዓመጽ በደል ወራሪ ዘውረዶ
ሃብሮም ተጋዳላ ቅያ ዝሰነዶ
ጽሓፎ ኣስፊሕካ ክፈልጦ ወለዶ

‘ቲ እምነት ‘ቲ ጽንዓት ህዝብና ዘስመረ
ታንኪ ሓጺን ኮይኑ ኣባይ ዝሰዓረ
ነጻ ኤርትራ ክዉን ዝገበረ
ኣዕሚቝካ ግለጾ ‘ቲ ውዕሎ ‘ቲ ስረ
ኣምቢቡ ክፈልጦ ኩሉ ዘይነበረ
ስእለ
Apr 24, 2018 6:38 PM
148.184.174.62
ኣየ ክጥዕም፡
ሰላም ኮይኑ ምስ ኣብቅዐ ኩራ
ሕሰም ስቓይ ምስ ኮነ ኣቦራ
ክትሕንፍፎ እቲ ወይኒ ቢራ
ክትምገቦ መኣዲ እንጀራ
ቡን ኣፍሊሕካ ተዕርፎ ኣብ ገበላ
ወጃዕ ትብሎ ምስ ፈታዊ ስድራ...

እወ ክምቅር፡
ንገድ ሕረስ ስክፍታ ዘይብሉ
ብቐትሪ ብለይቲ ገሽካ ትኣትወሉ
ኤርትራዊ ሂወት ተስተማቕረሉ

ኣጆኻ ህዝበይ ክጋሃድ'ዩ ኩሉ
ድቅስ ትስእ ጽባሕ እንዳኣሉ
ጽናዕ ጥራሕ ስምረት'ዩ ሚስጢሩ
ጻዕሪ ስራሕ ፍረ ትሓፍሰሉ
እነሆ'ኳ ድሮ ክቕንጠብ ጀሚሩ
ስእለ
Apr 16, 2018 11:05 PM
108.48.36.197
ኣምስሉ
ደማስቆስ ደብዱቡ - ሕነ መን'ዩ ፈድዩ?

ትማሊ ትማሊ ዝሓሰወ
ኣብ መጋባኣያ ዓለም - ከይሓፈረ
ዓይኒ ኣንቊሪ - ብሓሶት ዝልለ
መን ይኣምኖ ሎሚ - መልኣኽ'የ ተበለ?

ናይ ሓሶት መደረ - ወርትግ ተደርጉሐ
ኣብ ቲቪ ኣብ ረድዮ - ድምጹ ተቃለሐ
ገበኑ ኣይክወልን - ዓለም ዘሰከሐ

ብጸገም ካለኦት ተጋዓረ
ኣብ ሩሑቕ ቀረባ - ሃገር ተወንጀለ
ተሓላቒ ፍትሒ'የ ተበለ
መን ይኣምኖ - ኢራቕ ዝወረረ
ኣፍጋኒስታ ሶማል ዝደገመ
ኣብ ዩጎዝላቭያ፣ ልብያ... ሰማያት ዝዓንደረ
ናይ ዓለምና ሰላም ዝሓንከረ

ሓደ ካብ ነርቪ ጋዝ - ኣፍራዪ መሃዚ
ንህዝቢ ሂሮሺማ ናጋሳኪ
ዘሕረረ ብኒኲለር ቦምቢ
ኣየምሕርን ፍጹም - ብሶርያውያን ክምድር ክበኪ!

ኣባ-ጓይላ ዓመጽ - ባዕሉ ኣሳዋሪ
ዝኣጎደ ኲናት - ኣብ ማእከሎም ሓዊ
ዘምበድበደ ህውከት - ከይጠፍእ ከይሓዊ
ኣይግባእን ፍጹም - ብስሞም ከአዊ

በመዳፍዕ ቦምባ - ብድሮን ነፈርቲ
ዝጭፍጭፍ ዝቐትል - ቆልዓ ምስ ሰበይቲ
ዝዳረገ ኣህዛብ - ንስደት መቕዘፍቲ
ምስክር'ዩ ህዝቢ - ‘ቲ ሰላም ናፋቒ
ኩሉ ዝረኣያ - ዘይክሕዳ ኣዒንቲ

ብሕጊ ዘይቅየድ - ኣዕናዊ ኣፍራሲ
ቀይዲ በተኽ ፋሉል - ገበተ ኮላሲ
ኣባ ጓይላ ህውከት - ዘይናቱ ዝራሲ

ዓመጸኛ ሕልና ዘይብሉ
ፍትሒ ሰላም - ዘይውክሎ ግብሩ
ሃገር ህዝቢ - ዓለም ኣሸቢሩ

ድሕሪ ሶርያ ናበይ'ዩ 'ቲ በትሩ
ክቕደስ ድዩ ከብቅዕ ገበኑ
ጉራዲኡ ክመልሶ ኣብ ሽተሉ
ወይስ ክዕንድር'ዩ ክቕጽል ኣመሉ?

እንድዒ?
ስእለ
Apr 10, 2018 7:19 PM
148.184.174.61
ክሰርቀኒ ዝረኸብክዎ፣ ክመልሰለይ ነይኣምኖ"
ኣዴታት ኣቦታት ቀደም መሲሎሞ

ትማሊ ትማሊ ዝሓሰወ
ኣብ መጋባኣያ ዓለም ከይሓፈረ
ዓይኒ ኣንቊሪ ዝበለ እንተበለ
መን ይኣምኖ ሎሚ - መልሓስ ተቐየረ?

ናይ ሓሶት መደረ እናሻዕ ተደርጉሐ
ኣብ ቲቪ ኣብ ረድዮ ድምጹ ተቃለሐ
ገበኑ ኣይክውልን ዓለም ዘሰከሐ

ብሓጥያት ካለኦት ተጋዓረ
ተሓላቒ ፍትሒ'የ ተበለ
መን ይኣምኖ ኢራቕ ዝወረረ
ኣፍጋኒስታን ልብያ ዝደገመ
ናይ ዓለምና ሰላም ዝሓንከረ

ሓደ ካብ ነርቪ ጋዝ - ኣፍራዪ መሃዚ
ንህዝቢ ሂሮሺማ ናጋሳኪ
ዘሕረረ ብኒኲለር ቦምቢ
ዘደንጹ 'ዩ! 
ብሶርያውያን ክምድር ክበኪ?

ኣባ ጓይላ ዓመጽ ባዕሉ ኣሳዋሪ
ዝኣጎደ ኲናት ኣብ ማእከሎም ሓዊ
ዘምበድበደ ህውከት ከይጠፍእ ከይሓዊ
ኣይግባእን ፍጹም ንሓቂ ክጠዊ 

በመዳፍዕ ቦምባ ብድሮን ነፈርቲ
ዝጨፍጨፈ ቆልዓ ምስ ሰበይቲ
ዝዳረገ ንስደት መቕዘፍቲ
ንሶርያ ደብዱቡስ ሕነ መን ክፈዲ?
ዘስደምም 'ዩ ዘገርም ብሓቂ! 
Yonatan Solomon Russom
Apr 3, 2018 8:55 PM
172.56.13.28
ኤርትራና

ህዝቢ ኣለና
ዕላማ ኣለና
ሃገር ኣላትና
ጀጋኑ ኣለዉና
ሕድሪ ኣለና


ክንደይ ፈተና ይሕሊፍና
ግን ኣይተዛረብናሉን

ክንደይ ዓመት ተጋዲልና
ማዓንጣና ሸት ኣቢልና

ክንደይ ጀጋኑ ተሰዊእና
ዓወት ንሓፋሽ እንዳበልና

ክንደይ ሰብ ሰንኪልና
ምእንታ እዛ ሃገር ኢልና

ክንደይ ሰብ  ተጋዲልና
ምእንቲ እዚ ህዝቢ ኢልና

ክንደይ ጸገማት የሕሊፍና
ማዓንጣና ሸጥ ኣቢልና

ክንደይ ተሰዊእና
ዓወት ንሓፋሽ እንዳ በልና

 

ዕላማ ኣለና

ህዝቢ ኣለና

ሃገር ኣላትና

ጀጋኑ ኣለዉና

ሕድሪ ኣለና

ኤርትራና ኣላትና

 
ስእለ
Apr 3, 2018 2:34 PM
148.184.174.62

ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ጠቕላይ ሚንስተር ናይ ኢትዮጵያ ኮይኑ ምምራጹ ሓደ ነገር ኣዘኻኺሩኒ። ንሱ ድማ ናይ ባራክ ኦባማ መራሕ መንግስቲ ሃገረ ኣመሪካ ኮይኑ ምስ ተመርጸ ዝነበረ ተስፋታትን ሓጐስን እዩ። ኣብ ሰሙናት ዘይኣክል'ውን ናይ ኖቤል ናይ ሰላም ስልማት ተሰሊሙ። ቡዙሕ ሰብ'ውን በቲ ተግባር እንታይ ምስ ገበረ ድኣሉ ኣይዓመት ክልተ ዓመት ኣብ ሰሙናት ተሰሊሙ ኢሉ ሓቲቱን ተገሪሙን እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ናይ 8 ዓመተ ስልጣኑ ዘፍረዮን ዝረኣናዮን እንተነሩ ኣብ ኢራቕ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ሊብያ፡ ሶርያ፡ የመን፡ ሶማልያ ... ዘሎ ኩነታት ዕንወት ህያው ምስክር እዩ። እዚ ድማ ነቲ ገለ ገለ ውሽጣዊ ዘቤታዊ ጸገማት ዝነበረ ዝገበሮ ጽገናታት ከይረሳዕካ (ሕጂ ብትራምፕ ዝፈርስ ዘሎ) እዩ። ብዝተረፈ ከም'ቲ ዝተነብረሉ ትጽቢታት ዝጭበጥ ዋላ ሓንቲ ኣይገበረን ባሃላይ እየ። ነቲ ዝጸነሐ ስርዓት/ስይስተም ከም ዘለዎ ኣገልጊሉ'ዩ ሓሊፉ። እቲ ቡሽ ዝጀመሮ ኦባማ ዝሓብሓቦ ጸገማት ድማ እንዳተሓላለኸ ይቕጽል ኣሎ። እንተ እቲ ልቡ ካራ መልሓሱ ወለላ ዘረብኡ ግን ኣይርስዓን እዩ።

ሕጂ ድማ ኣቐዲምካ ምምስጋን ንሕምየት የሸግር ከይከውን ኩሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣብዪ ኣሕመድ ህዉኽ ተስፋታት ከንብር ኣይግባእን። ነፍስ-ወከፍ ሰብ ኣናብብኡ ከማዓራሪ ይግባእ። ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስርዓት ወየነ ዝዓኾኸን ዘገልገለን ወያነ ወያነ ዝጨኑ ውልቀ ሰብ ቅያር እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ኢሉ ኣይኮነን መይቱን ዝቃለስ ዘሎን። ኣብ ስሮዓት ወያነ ሱር-ነቀል ዝኾነ ለውጢ ንምምጻእ እዩ። ናይ ኣብዪ ኣሕመድ ምምራጽ ንትጽቢታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይዕወት ተሃንደሰ ማሕለኻ እዩ። ኣብዪ ኣሕመድ ብኣግኡ ቁምንገር ከይፈረየ ዝሃጎገ ዘርኢ ወያነ እዩ።

Biniam Tesfagabr
Mar 27, 2018 3:28 PM
73.163.163.128
what do you think of this "ኣብ ዘይምልከተና ኣይንእቶ" defense mechanism? Is it legitimate ? Does the closure of 450 businesses in Asmara and other cities matter to people? I read the article by gebrengus mesmer and would like to hear your opinion.
Yonatan Solomon
Mar 19, 2018 11:35 PM
73.94.200.59

Bring Fruit Seeds to Eritrea

Fruit Trees For Desert Climates - Eritrea

Among the best varieties for our hot, dry climate are plums, pomegranates, peaches, apricots and figs — they all grow beautifully in Eritrea.

Few years ago when we visited Sawa, we planted lemon tree about 3000. We only planted lemon tree. Why didn’t we mix it with plums, pomegranates, peaches and apricots and figs? . The best variety to plant is the ‘Wonderful’. Pomegranates can take all day sun and will grow in alkaline soil. Even better, they do not need a lot of watering.

Every year a lot of Eritrean (Beles) will come to Eritrea. Why isn’t our government do not request the visitor to bring with them some seeds from around the world. This can become a habit for our visitors. In the long term this can become a culture to bring something with us for Eritrea.

This can be handle it by our Agriculture Department of Eritrea at the airport. Next year we can request pencil and pen by Education Department and so on. The question is what can bring for donation when we come visit to Eritrea.

We can open tutoring classes during the summer for math, English, music, etc. We need to be productive while we are in Eritrea. It shouldn’t be just eating, sleeping and having fun.

Recently, I was watching youtube about Air Layering and tree grafting method how you can basically multiply one tree into one hundred by Air layering of plants. Air layering is a method of propagating new trees and shrubs from stems still attached to the parent plant. The stem is wrapped with damp moss to encourage roots to form and the Grafting technique is two separate plants are made to unite by tightly pressing the cut side surfaces of the stems.

This summer a lot of Beles will come visit Eritrea from around the world. Please bring with you seeds this year. Let us be productive and open tutoring classes. Let’s think ahead.

Awet Nihafash
Yonatan Solomon Russom, 
Minneapolis Minnesota, USA
ስእለ
Mar 9, 2018 3:21 PM
148.184.174.61
https://www.youtube.com/watch?time_continue=483&v=1DowCZlBdpo

ዝረገአ ጸባ ጠስሚ የውጽእ እዩ። ስለ ዝኾነ ስትራተጂ መንግስቲ ኤርትራ/ሻዕብያ፣ ምጽማም ህዝቢ ኤርትራ፣ ስቓዩን ምስዋእቱን ፍረ ዘሪኡ፣ በቚሉ፣ ዓምቢቡ ፍረ ጻማኡ ከርኢ ጀሚሩ። እንኳዕ ኣርኣየና። ጭፍራ ወያነ ብውሽጥን ብደገን ብህዝቡ ክሕተትን ክመከትን ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ትማሊ ደርግን ኣማኸርቱን ኣብ ሓደ ቅልዒትን ዝሓጸረ እዋንን ከጥፍኡናን ከሕቑቁናን ሓሊኖም ነሮም። ንሕና ግን ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ስዒርናዮም። ንሕና ኣለና፣ ንሳቶም የለዉን። ሕጂ ድማ እንሆ ታሪኽ ተደጊሙ። ናይ ወያነ ፈራዕራዕ፣ ራኣዩኒ ራኣዩኒ ሕቡኡኒ ኣድሕኑኒ ኮይኑ። ዉሑሉል ስኒ ምንካስ ተዓዊቱ። ጽንዓት ኣብ መትከል ይንዋሕ ይሕጸር ዓወት ናይ በዓል መትከል እዩ። በሉ ክሳብ ፍጹም ዓወት ኣብ ሓድነት ርኻብ ረጊጽና ብጽንዓት ንመክት።

ስእለ
Mar 8, 2018 9:55 PM
108.48.36.197

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ሸሞንተ መጋቢት ዘልኣለም ትዘከር!

ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ
እስኺ ኣደ
እስኺ ሓፍቲ
ሃርበኛ ብጸይቲ
ኣብ መኸተ ሕብንቲ
ናይ ሂወት መብራህቲ...

ንበሪ ክበሪ
ታሪኽኪ ይዛሪ
ኣብ'ዛ ወዛል ምድሪ

ዋልታ ክትኮንኒ
ሂወተይ ክምዕሪ
ፍቕሪ ሰላም ክዛሪ
ዘልኣለም ንበሪ
ብማዕርነት ክብሪ

 ክብርን ዝኽርን ንጅግና ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ!

ስእለ
Mar 2, 2018 12:46 PM
108.48.36.197
ኣመሪካ ኣውሮጳ
መንዳዓት ኣፍሪቃ
ዝቖሰለ ኩርኵር ትሕብሕባ

አንታይ’ዩ እዚ ኹሉ ዕበጦ ክደኖ
ክሳብ መዓስ ጭቁን ክጽመሞ?
ወያነ ዘይከይድ ዘይኣኽሎ

ሓልዮት ድዩ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይባላዕ
ወይስ ከዳሚ ወያነ ዕድሚኡ ንምንዋሕ?

ዓገብ!

ጭፍራ ኣይከኣለን ክመርሕ ክሰርዕ
ጠበንጃ ኣሚኑ ህዝብታት ከጋፍዕ
ሃገር መቓቒሉ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ

ስለዚ፡
የልግስ ግደፍዎ
ከባቢ ክርህዎ
ስዓል’ዩ መንሽሮ
ህዝቡ ዝፈንፈኖ

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events