Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Apr 7, 2017 3:24 AM
173.73.175.84
ዱዑል   
===
ኣንታ እዚ ዱዑል ፈትሽዎ ርእሱ
ኣይጠዓየን ምጉናጽ ኣብዚሑ
ኣብ ቀረባ ሩሑቕ ሓሓሊፉ
ኣሳቕዩ ዕባራ ሱቡሑ

ተኣከቡ ሩኸቡሉ ፈውሱ
ተማህለሉ ጸሎትኩም ኣብጽሑ
ዉሕጅ መረብ ኮይኑ’ሎ ጉዕዙኡ
ለኪሙና ከይጠፍእ ምሱኡ

ስእለ
Apr 2, 2017 10:42 AM
173.73.175.84
መክት!
====
ወዲ ሃገር ዕጠቕ - ቅልጽምካ ኣሕብሮ
ደመኛ ጸላኢ - ሓይሊ ዘዐወሮ
ክብርኻ ክገፍፍ - ይንቊ የድሂ ኣሎ

ሰባብ'ዩ ጒሒላ - ዘይሓፍር ዓማጺ
ሕጊ ዘይዳንዮ - ዘይናቱ ኮላሲ
ናይ ዘመና ኣሞራ - ኣብ ኩሉ ዝዝምቢ
ዝብኢ ጽባሕ ፍጹም ዘየናሕሲ
ዘስደምም'ዩ ዘደንጹ ሰማዒ
ረጋጽ ሕጊ ንዉጹዕ ከሳሲ

ዝገሃሰ ክብሪ መንነትና
ንዓመታት ዘዛረየ ደምና
ከይንዓቢ ነጻ ሃገር ሒዝና
ብስዉር ብጉሁድ ዝተጻባኣና

መክት ወዲ ሃገር - ሎሚ'ውን ከም ቀደም
ክብሪ ወለዶታት - ክዕቀብ ክኽበር
ሃሊና ሓሊፍና - ኤርትራ ትንበር!
ስእለ
Apr 2, 2017 12:45 AM
173.73.175.84
ዓገብ ኣመሪካ!
=======
ኣመሪካ ቁሩብ ዘይትሓፍሪ
ዝወሰንኪ ንሓቂ ክትቀብሪ
ድቃስ ዝሰኣንኪ ኤረይ ክትብድሊ

ኤርትራ እንታይ እያ ገራ
ንመን ዓሚጻ ንመን’ያ ኣሸጊራ
ዝወሰንኪ ማዕቀብ ክትገብርላ፧

ክሳብ መዓስ በደልኪ ክቕጽል
ወልዶታት ክሳቐ ክነብር
ማሓርና ሂወትና ክምቅር

ሓሰኻ ዕነስ ናብ ዝለምለመሉ
‘ዚ ዓመጽኪ ኣኽፊኡ ሳዕሪሩ
በላዕ ናቱ ኣብ ጸልማት ሸሚሙ
ተዳነዪ ገደብ ግበርሉ
YHM
Apr 1, 2017 6:54 PM
50.156.45.134

Betri Haqis Tiketin Imber Aytisiberin!

The chifra was told and warned of by Shaebians as we know it. If they walked with their "Hilmi Abay Tigray" the people of Tigray will be stuck in a war and hate, and walk to their own destruction. But they persisted in heading towards it. It's clear now and they are ripping what they sow.

They clearly ignored Shaebians' advise and warning. Now on all fronts in Ethiopia the chifra Weyane is stuck in war, hate and lies.

The Kedemti Weyanes cannot get out of their own quagmire if they don't take the exit door.

Thanks Amiche for sharing this video. Thanks Wendi Afom for making us proud to be Eritreans. Victory to the masses!

http://www.madote.com/2017/04/video-president-isaias-afwerki-speaking.html

ስእለ
Apr 1, 2017 12:03 PM
173.73.175.84
ኣምብዑ ብርዕኹም
=========
ሰብ ደሃይ ኣድህዩ ድምጽኹም ኣስምዑ
እተዉ ቅረቡ እግሪ ኣይተርሕቑ
ደሃይ ኣምቑዋ ብርዕኹም ኣምብዑ
ሓፋሽ መግብዎ ፍልጠትኩም ዘርግሑ

ዓሚቑን ሰፊሕን ጥበብኩም ይፈልፍል 
ኤርትራዊ ዜጋ ብፍልጠት ክሰስን
ብንቕሓት ኣፍልጦ ተጻብኦ ከምክን

ስእለ
Mar 30, 2017 9:58 PM
173.73.175.84
ይብልና ኣሎ
======
እቲ እሙን ኣሚኑ ዘእመነ
ኢደ እግሩ ሂይወቱ ዝሃበ
ሃገር ህዝቢ ነጻ ዝገበረ
ሕድሪ ይብለና ሕድሪ ከይግመ

ንሰላም ሓድነት ደው ዝበለ
ጒሒላ ወራሪ ድሎ ዝሳዓረ
ጎይታ ሓቂ ክብሪ ዝሓብሓበ
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ዘስመረ
ይብል ኣሎ ንስራሕ ንመክት ብሓደ

ዓቕሉ ሱንቁ ብብልሑ ዝልለ
ኣማን ህዝቡ ጽቡቑ ዝምነ
ኣብ ሎሚ ዝርህጽ ንናይ ጽባሕ ፍረ
ይብል ኣሎ ተማሃሩ ንማሃር ብማዕረ

ጉዕዙኡ ዘይስሕት ዝበጽሖ ዝፈልጥ
ሑሉፍን ህልዉን ብጉቡእ ዘንብብ
መትከላዊ ጅግና ኣብ ሽግር ዝሙንጉድ
ይላቦ ‘ሎ ታሪኽና ክነግር ክንስንድ
YHM
Mar 30, 2017 6:52 PM
50.156.45.134

A friend just shared with me these two links from youtube

https://www.youtube.com/watch?v=sHq88Y0ngvo

https://www.youtube.com/watch?v=frg2HLW15uc

YHM
Mar 30, 2017 6:37 PM
50.156.45.134

ስእለ you're welcome.

We're can-do people. We've found for Eritreans nothing-is-impossible attitude (one that tends to drive our enemies nuts) and what surprised me is that, The Ellites as musicians they have few opportunities to play for their success in their chosen field in some degree, that's (living in KSA). I admire their hard work. That's why I chose them. And I remember seeing them on Eri-TV singing traditional Tigre song-one of Wedi Sheik's. However, although they are great musicians who play a bit of everything, and as Eritreans - I believe we can watch or support their youtube channel. I wish them all the success in their future projects as well. As always with respect thank you, and enjoy your weekend.

ስእለ
Mar 29, 2017 9:10 PM
173.73.175.84

ክቡር YHM,

Thank you for the music treat from the Ellites. I listened to them, and it's lovely. I wish them success!

ስእለ
Mar 29, 2017 9:00 PM
173.73.175.84

ቃቒታ	
===
ኣምበጣ ነፋሪ ቃቒታ
ራሃጸይ ዘራእተይ ዝበላዕካ
ልቢ ግበር ክንደይ ከይጥዕመካ
ኣምላኽ ኣሎ ክሕጽሮ ዕምርኻ

ሽሻየይ ሪእየዮ ጠፊኡ
በሊዕካዮ ሸዊቱ ጭልቅዑ
ስድራ ሙሉእ ጥምየት ተቓሊዑ
 
ገሪሙኒ ‘ቲ ብልሒ ኣስናንካ
መጋዝ ድዩ መቐስ ቆማሚጣ
ትበልዖ ተውጽኦ ኣብ ደቒቓ

ጉዳም ፍጥረት ብእኩብ ትሃጅም
ልዕሊ ነብሱ ዝሽምጥጥ ዝጣጥም
በላዕተኛ ኣብ ስዓት ተባድም

ሓሰኻ ምድሪ ትበርር ትነፍር
ዓመጸኛ ብሊዑ ዘዕገንግን
ራሓቐለይ ጉህየ ኣለኹ ሕርር
YHM
Mar 29, 2017 12:55 AM
50.156.45.134

ስእለ this one is for you...

The Ellites!

It is always great to discover that we've very talented and beautiful young Eritreans... we can all be proud of... What makes my day is to know that we've many awesome youg Eritreans like The Ellites. They're amazing! I believe they're all very talented and beautiful musicians and singers... and stars of the future. I am now a fan and love all their work. However, their guitarist... Moses wow! He's incredibly very talented... He has a unique playing style, and I can't wait to hear more of his/their work.

You can check all their music/work on youtube. You can see he is amazing guitarist that probably some of you know... him, and his sibling... The Ellites!

https://www.youtube.com/watch?v=L35AfzpsXlU (Kirar)

https://www.youtube.com/watch?v=aVSpDAVJrIs

https://www.youtube.com/watch?v=p0k0kkSlbGo

ስእለ
Mar 27, 2017 9:09 PM
173.73.175.84
ሸያብ’ዶ ክናብ፧
=======
ሕማቕ ጥሪትካ ትሸጦ ትልዉጦ
ሸያብ ኣቦኸ እንታይ ትገብሮ፧

ሸያብ ኣቦ ዝዓወነ ኣብ ምምባር
ዝለመደ ምሕሳው ምትላል
ዝሓንገደ ዳዊቱ ካብ ምድጋም
‘ታይ ትገብሮ ክወጽእ ካብ ጸላም፧

መጉሃይ ሰቡ እንቋቑሖ ኡጋል
ራኢ-ኣልቦ ሕማም ዓባይ ሳዓል
እንታይ ትብሎ ክጽሊ ክመሓር፧

ወሽለኽለኽ ስንቁ መኸተ መርዘኑ
ነውራም ሸያብ ዝጭድር ከዐኑ
ብድሕሪ ሚድያ ትዕቢት ተጎንጒኑ
መሻረዊ ኣነ ፈልጥ ብርዑ
‘ታይ ንበሎ ከዐሪ መስርዑ

ብሓሶት ጸለመ እቶት ዘኻዕበተ
ንሃገር ከይሰርሕ ኣይፋልን ዝበለ
ብቑሩብ ቁራቦ ክብሩ ዝደለለ
ምስ ተማምን ገበል ሓቢሩ ዘዐመ
ኣብ’ቲ ቀውጢ እዋን ኢዱ ዘጣመረ

ጸረ-ሃገር ናይ ቃላት ወሓለ
ዕብየት ኤርትራ ብኾፉ ዝምነ
ሓደ ካብ ዑቡያት ቀለታ ኪዳነ
ዓርኪ ተኹላ ተወልደብርሃን ገብረ

‘ታይ ንበሎ ሸያብ ዝዓወነ
ሓሰር ንፋይ ሕልሙ ዝቖንቆነ
ኣብ መፈንጢ ካይላ ዘይበሰለ

ዝፈልጦ ዘይብሉ የገማድሕ በይኑ
ጫፍ ሒዙ ይውጭጭ ንነብሱ ኣእሚኑ
ብቐረባ ማዕዶ ዝሰምዖ እዝኑ

ዘይሓፍር ግብዝ ዘይፈልጣ ንነብሱ
ይውርዚ ይምድር ኣብ ዓራት ደቂሱ
ሃብሮማት ሰብ ስረ ብኾፉ የናሹ
ስእለ
Mar 24, 2017 8:58 PM
173.73.175.84
ናቕፋ
===
ሓወልቲ ስዉኣት ናይ ህልዋት ሓበን
ናይ ጽንዓት ምልክት ዘይትድፈር ደጀን
መላግቦ ታሪኽ ናይ ሎሚ ናይ ቀደም
ኩርዓት ኢኺ ናቕፋ ታሪኽኪ ይተንተን

ሰውራ ኤርትራ ዘዕኮዅኪ ሓቚፍኪ
ገድልና ክዕወት ኣጆኹም ዝበልኪ
ብመድፍዕ ብቦምባ ኩሉ ተፈተንኪ

ሽግ ነጻነት ኢኺ ናይ ሓርነት ደወል
ጸግዒ ተጋዳላይ ኣብ መኸተ ጸገም
ማዕጾ ደጀን ሳሕል ከርስኺ ዘይድፈር

መናሃርያ ሰውራ ዝኾስኮስኪ ጅግና
ሓንሳብ ንሓዋሩ ደርጊ ዘይደፈራ
ብቐረባ ሩሑቕ ሪኡ ዝስኣና

ፍተውራሪ ዓወት ጸላእቲ ዘጽነትኪ
ናቕፋ ኢሉ ክብገስ ሓሞቱ ዘፍሰስኪ
ተኸፊሉ ዋጋ እስኺ ሲዒርኪ
ነጻ ኤርትራ ኣብ ካርታ ኣስፊርኪ

ስእለ
Mar 22, 2017 9:09 PM
173.73.175.84
ክሓጽር ስሃሮ
=======
ኩሉ እንሓልሞ - ንጽዕሮ ንገብሮ 
ኣብ ሓደ ንጥመሮ - ብዘይ ሓንሳብ’ሞ

ጉልበትና ዓቕምና
ኣብ ሓደ ወዲብና
ከምታ ናይ ቀደምና
ንበገስ ንዕዮ 
ኣብ ግብሪ ነርእዮ
ክንበጽሖ ንደልዮ

ንድገሞ ‘ቲ ታሪኽ 
ኣብ ኩሉ ብሰፊሕ
ክብርና ክብርኽ

ኣይንበል ሰንደልደል - ኣብ ሓድነት ንዕሰል
ጸላኢ ክኹምተር - ዓወትና ክኹመር!
New
Mar 21, 2017 9:12 PM
166.107.163.3
ስእለ, I just want to say thank you, and please keep writing.
ስእለ
Mar 20, 2017 9:15 PM
173.73.175.84
ንሓጐስ’ዩ
=====
እዚ ኹሉ ኮለል
ላዕሊ ታሕቲ ሕምበለል
ሸቐልቀል ጸለለል 
ኣብ’ዛ ኩርኳሕ ዓለም

ንሓጐስ’ዩ ደስታ
ንራህዋ እፎይታ
ክሳብ ሞት ስንብታ

ዘስደምም ጸደፍደፍ
ስስዐ ሃነፍነፍ
ንምጭባጥ ሓጐስ


መዓልቲ ሓጺሩ
ለይቲ ንውስኸሉ
ይኣኽለኒ ዘይብሉ
ስእለ
Mar 17, 2017 11:44 PM
108.45.183.55
ግዜና’ዶ ተሻምዮሞ፧
==========
በይንና፣ ሓቢርና፣ ዕላል ጸወታና 
ሓጺርን ሰፊሕን ትንታኔ ጽሑፉና
ፖለቲካ ኮይኑ ወግዒ ዘረባና

ኢዶም ኣይስኣኑ ጭፍራ ጎረቤትና
ዕላሞኦም ወራር፣ ቅንኢ፣ ሕስድና
ተሻምዮሞ ወርቃዊ ግዜና

ጃንዳ ክሕስዉ ንፍትሒ ክዓብጡ
መሬትና ወሪሮም ደቂሶም ክሓድሩ 
ሃገር መቓቒሎም ኣብ ስልጣን ክነብሩ
ኣይፈቐድናን ክንርእዮም ክዓብዱ
ተገዲድና ክነግሮም’ቲ ሓቁ

ብቕዓት-ኣልቦ ጊሓት ተደርበሹ
ጸቢብ ርእሶም ታሪኽ ዘራኽሱ
ፍጮ ትግራይ ኣብ ሓቂ ዝንእሱ 
ናይ ስርቂ ጉጂለ ካብ ባዕዲ ዘይሕሹ
ግዜና ሰሩቖም ናበይ ከይግስግሱ 

ስእለ
Mar 16, 2017 3:04 AM
108.45.183.55

ገናሒ ሲኢኑ
======
ኣንታ ‘ታይ ዘመኑ ‘ታይ እዋኑ
መፈጠርካ ከም ሰብ ትጸልኣሉ
ወዲ ኣዳም ሓሲሙ ጨኪኑ
ናብራ ዓሳ ሪዒምዎ ኩሉ

ማሃይም ሙሁሩ
ድኽኡ ሃብታሙ
ሓርገጽ ተቐይሩ

ሰብ ቀቲሉ ሓሪዱ ዘልዚሉ
ዕዳጋ የውርድ ኲሊቱ ኣካሉ
ክሽየጥ ክልወጥ ገንዘብ ክኸስበሉ

ሱሱዕ ዓሻ ንሕስያ ዘይብሉ
ተጸሊሉ ገናሒ ሲኢኑ
ረሲዕዎ ሓላፊ ምዃኑ
ስእለ
Mar 14, 2017 5:39 PM
108.45.183.55
ፎ በልዎ! 
===== 
ሰሚዐዮ 'ቲ ወይጦ ክምድር 
በጨቕ ክብሎ ዝነበሮ ሕዱር 
ዉዱቕ ዓንጃል ተበላጺ ምሁር

ሕማም ወገን ኣውራጃዊ ጠባይ 
ድሑር ባህሊ ናይ ሓድነት ተጻይ 
የኳማስዕ ንጹህ ንምግጋይ 

ሰነፍ ፍጥረት ኣርሒቑ ዘይጥምት 
ሕሉፍ ታሪኽ ዘይውከስ ዘይፈልጥ 
ኣብ ናይ ጥፍኣት ዓንኬል ንበይኑ ዝዕገሽግሽ 

ፎ በልዎ እዝኒ ኣይትሃብዎ 
ኣይትቕረቡ ፍጹም ረሓቕዎ 
ፌራ'ዩ ፈውሲ ዘይርከቦ 

ፈላላዪ ጸረ-መላግቦ 
ድሑር ፍጥረት መድረኽ ዝጠንጠኖ 
መኣዝን ዘጥፈአ ህውታትያ ዕዋኖ 

ዓኽ በልዎ ቀልቢ ኣይትሃብዎ 
ኣይትቕረቡ ፍጹም ረሓቕዎ 
ዓባይ-ስዓል ፈውሲ ዘይርከቦ
ስእለ
Mar 12, 2017 4:04 PM
108.45.183.55
ሃለውለው ማዕዶ የለን ዝፍይዶ
===============
መሸላ ኣይሕሎን ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ
ኣብ’ቲ ግራቱ’ዩ ኣብ’ቲ ዝሸወቶ
ብዋሪ ጨራሩ ከይብላዕ ህንኩቶ

ሃገር’ውን ኣይዓብን ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ
ኣብ ውሽጢ ኰንካ’ዩ ኣብ ርስቲ ዓደቦ
ራሃጽ እንዳፍሰስካ ‘ቲ ዕዮ ዝሓቶ

ቀለታ ኪዳነ፣ ተወልደብርሃን ገብረ
ናይ ሓሶት መሲሃን ናይ ጥፍኣት ወሓለ
ዓጀውጆው ግደፉ ብተግባር ዘይስነ

ኣብ ኢንተርነት ቡዙሕ ተለፍለፍኩም
ሰራሕ ቅያ እንተኣቋናጸብኩም 
ቃና “ትውጋሕ’ሞ” ተደገምኩም
ለውጢ ኣይመጽእን ገምቢ ተጸጊዕኩም  

ምዕባሌ ስልጣኔ ኣብ ባይታ ክትርእዩ
ኣብ ታሕቲ ወሪድኩም ምስ ሃብሮም ጉየዩ
ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ እዝኒ ኣይተጽሙሙ
መዝሙር ልኣኽትኹም ኣይትደጋግሙ
ቀደም’ዩ ፈሺሉ ሰማዒ ሲኢኑ


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events