ዘኪረ’ምበር ሙዑታት ጀጋኑ ንሃገር ንህዝቢ ዝመሓሉ ንነጻነት ክብሪ ተጋደሉ ሂይወቶም ዕድሎም ዝገበሩ ብሕሰም መከራ ከይተዳህሉ ሕልሚ ህዝቢ ህያው ዝገበሩ ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ ናፊቐ ‘ወ ኣባጽሕ ጨላቅዕ ሰብ ስረ ጅግንነቶም ዓለም ዘስተንከረ ጓሎም ወዶም ሰብ ቅያ ብማዕረ ዝሓለፉ ንሰላም ሓርነት ዝመከቱ ንኽብሪ ዜግነት ንምዕባሌ ንህዝቢ ሓድነት ተዘከርቲ ዉፉያት ኣብነት ዘኪረ ‘ወ ከመይ ዘይዝክሮም ተናፈቕቲ ዝፈጸሙ ሕድሮም ‘ተሰዉኡ ንሃገር ንህዝቦም ኤርትራ ኣብ ካርታ ኣስፊሮም
ወይ ጉድ! ናይ ወያነ ስርቅስ ንበይኑ እዩ! ቁሩብ ሕፍረት ዘይብሎም! እሞ ዳዊት ሽላን ብሂይወቱ ከሎ? እቲ ዘገርም እቲ ኤርትራዊ ሃገርዊ ደርፊ ንጸቢብ ክልላዊ ትግራይ መወዓዋዒ ከውዕልዎ ከለዉ እዩ ዘሐዝን። ብዝኾነ ኣመል ምስ መግነዝ እዩ። ስርቂ ናይ ኣቦኦም እዩ።
ቃና ጭፍራ ኣስተውዕሉ ስምዑ እቲ መዝሙር ቃንኡ ቅድሑ ከምዘልዎ ቁሩብ ከይሓነኹ የማን ጸጋም ብሩኡይ ይሰርቁ ክልል ትግራይ ስማ ከበርኹ ቅድሚ ኢትዮጵያ ትግራይ የቐድሙ ጸጋኣ ሺሻያ ዘሎ እንዳጣጠሙ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ኩዉን ንኽገብሩ ክፍንጨሉ ከም ሃገር ክቖሙ ብቕዓት ኣልቦ ትማል ዝፈሸሉ ብዓሌት ብቛንቋ ሃገር ዝመቐሉ ኢትዮጵያውነት ጉሁድ ዝቐተሉ በየናይ ሞጎት ሃገረ ትግራይ ክፈጥሩ? ሕማቕ ጭፍራ ብቒም ዝኻሓኑ ጸረ-ሰላም ናይ ጥፍኣት ጉሓሉ ጎይታ ስርቂ ህዝቢ ዘደንገሉ ኣሳቕዮም ዜጋ ኣብ ሃገሩ መሲልዎም ዘልኣለም ዝነብሩ
We all know this quote. “America has no permanent friends or enemies, only interests” ― Henry Kissinger
The rift that is created in the Arab World doesn't look good. We will see where this leads to.
https://www.youtube.com/watch?v=TF8LJ5AmBHw
https://www.youtube.com/watch?v=H82vLe_acjw
https://www.rt.com/business/391069-qatar-saudi-arabia-gas-dispute/
ሓርማዝ ዓቢዱ ======= ሓርማዝ ተጸሊሉ ዓቢዱ ሰኺሩ ቀይዲ-በተኽ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ኣብ ሃገሩ ባሕሪ ተሳጊሩ ብዓርሞሾሽ ሓይሉ ፍጡር ኣሸቑሪሩ ንግዝፉ ኣሚኑ ሓይሉ ተጠቒሙ ዓለም ኣሸቢሩ ተበልካዮ ዓገብ ብትዒቢት ይትብተብ ክውሕጠካ ይህንደድ ነቲ ሓደ ይድስቕ ሓሓሊፉ ይሕንፍጥ ንገለን ይቐትል ብእግሩ ይሕምትል የጋጩ ይሃርም ሓድነት ይብትን ፍትሒ-ኣልቦ ዑቡይ ተግባሩ ዘይሙዑሩይ ንኹሉ እንጉይ እንጉይ ሃንጎሊማ ስሱዕ ዓሚጹ ዝጐስዕ ንጉቱ ዘይሰርዕ
ኣፍሪቃዊት ዕንቊ ንእሽቶ ምጭውቲ ኩሉ ነብሳ ወርቂ ማእከላ ወሰና ጎደሎ ዘይብላ ኣብቲ ባሕሪ ዓሳ ጨው በንዚን ሓቚፋ መላእ ኩሉ ነብሳ ሽሻያ ኣፍሲሳ ከተዐንግል ህዝባ ንበርለይ ኤረይ ኩርዓት ኢኺ ክብረይ!
ኣስመራ ==== ኣስመራ ምጭውቲ ድራር ዓይኒ ባህጊ ወርቂ ማዓድኑ ከቢቡ ዙርያኺ ፈታዊ ጸላኢ ኩሉ ይሃርፈኪ ካብ ቀረባ ሩሑቕ ዓይኑ የውድቐልኪ ርእሲ ከተማና ኣስመራ ምንጫራ እጹብ ድንቂ ህንጻታት ኣየራ ዝመልከዐት ኣፍሪቃዊት ከተማ ዝሓለፋ ውሕልነት ኢጣልያ ኢሎሙኺ ፒኮሎ ሮማ ዝጸረኺ ከም ፓሪስ ቪየና ተናፋቒት ከም ፍቕሪ ፈለማ ተሃራፊት ከም መዓር ወለላ ክትጽብቒ ክሕደስ ህንጻኺ ጎደናታት ኩሎም ማርሻበዲ ዝኣረጉ ቱባታት ናይ ማይኪ ክቕየሩ ኩሉ ወፊሩልኪ ማእከል ናይ ቱሪስቲ ክገብረኪ ዩኖስኮ'ውን ዓይኑ የውድቐልኪ ኣብ መዛግብ ቅርሱ ከስፍረኪ ንውሉድ ወለዶ ክትኮኒ ህንጻ መወከሲ
ርእስኻ ፈትሽ ======= ንሻዕብያ ተጸልም ተናእስ ታሪኽ ህዝቢ ትጉዕጽጽ ተራኽስ ንግዝያዊ ረብሓ ክብርኻ ትቕሽሽ ኣይጥዕናን ኣእምሮኻ ፈትሽ ድሕነት ሃገር ቅድሚት ዝሰረዐ ረብሓ ህዝቢ ብግብሪ ዘጉለሐ ነጻ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ንኹሉ ዘስፋሕፍሐ ሕክምና ጹሩይ ማይ ዘውሓሰ ኩሉ ትሕተ ቅርጺ ዝሃነጸ መን’ዩ ከም ሻዕብያ ህዝቡ ዝሓገዘ፧ ዘይርበሽ ዑቡይ ዝገረሐ መንገዱ ዝፈልጥ ጸልመተ በረሀ ጐይታ መትከል ጽኑዕ ዝበለሐ ሓድነት ምስ ሰላም ኣብ ህዝቡ ዘስፈሐ ንጎራሕ ጎራሑ ቀዲሙ ዝጸንሕ ጸላእቱ ክብሪ ሕጊ ዝፈልጥ ኣዕሚቑ ዝመከተ ዑሱቡ ወሽላኹ ልቢ ግበር ንመን ከም ተናሹ
ቁንጪ ህዝቢ ====== ወይን ትዕቢተኛ ንእሽቶ ጉጂለ ኣገልጋሊ ባዕዲ ብሓገዝ ዝናበ ብብሄር ብቛንቋ ሃገር ዝኸለለ ኣብ ፍርሕን ሕልምን ወትሩ 'ተቓቐረ ጸሓይ ከላ ቀትሪ ዝዓወነ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ርእሱ ዘደንቆረ ዓማጺ ተግባሩ ህዝብታት ዘቕሓረ ኣድልዎን ወራርን መርሓ ዝገበረ ዜግነት ኮኒኑ ዓሌት ዘዐምበበ ቅንኢ ተንኮል ሓሶት ሕላገቱ ሑሱር ጭፍራ ዝሽምጥጥ ዘይናቱ ብቕዓት-ኣልቦ ዘይጥምት ኣርሒቑ ተላኣኺ ዓማጺ መንፈሱ
Wishing you all - a Happy 26th Eritrea's Independence Day... May 24th...
Z'Elalemawi Zikri Nisuwuatna!
Wetru Awet Nihafash!
በዲኖ === ኦይ ጉድ ገረ! ዘይግንጸል ገንጺለ ናይ ጉሓፍ በዲኖ ወያነ ዝምውሎ ዓወተ፣ ኣዝማሪኖ ኣሰና መቐሊኖ መስከረም ዕዋኖ… ርእይ እንተበልኩ ተዓጊሰ ተምበብኩ ክትኣምኖ ዘደንጹ! ጉዳም ዝሃድሃደ ሕማቕ ዝሸተተ ጸረ-ሃገር ጉድጉደ ተለጢፉ በብሓደ ወያንያዊ ዘመተ ናይ ወይጦ “ቀለተ” ዓርኩ “ንተወልደ…” ዘይሓንኽ ወይጦ ሓቂ ዝሓርበቶ ተኾርባ ኳዂቶ ርእሱ ዘይተጻህየ ጥፍኣት ዝሓረየ ለባማት ዘጉሃየ መድረኽ ዝነውነዎ ቀደም ብዓንቶቦ ናብ ሩሑቕ ጎደቦ ቁሩብ ዘየሕፍሮ ዘናእስ ወፋሮ ማሓዛ ሓንካሮ ቀለታ ኪዳነ ናይ እዋና ምነ ነዊሕ ዝዓወነ ግንዖ ዝመነ ገለ ከይዓመመ
Your links were not removed, only linked.
Note the difference between these two:
https://www.nytimes.com/2017/05/18/world/europe/sylvana-simons-netherlands-hate-speech.html?rref=collection%2Fsectioncollection%2Feurope
20 Are Convicted for Sexist and Racist Abuse of Dutch Politician
Dehai Admin