Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Jun 21, 2017 10:00 PM
108.48.36.197

ኣውጋዓኒ ሃብሮም
======== 
ኣዕልለኒ ሃብሮም ታሪኽ ንገረኒ
ኣዘንትዎ ውዕሎ መኸተ ትማሊ
ውዕሎ ጅግንነትካ ንነጻነት ገድሊ
ንድሕነት ኤርትራ ዝተኸፍለ ክብሪ
ክሰምዖ ጽን ኢለ ሓበን’ዩ ዝበኒ

ኣብ’ቲ በረኻታት ቅያ ዝተገብረ
ኣብ ሳሕል ኣብ ናቕፋ ፈንቅል ዘማእከለ
ኣብ ዓሰብ ኣብ ቡሬ ጭፍራ ዝሓምተለ
ኣብ ዓዲ በጊዖ ሬሳ ዝኾመረ
ኣብ ግምባር ጾሮና ዋይ ኣነ ዘበለ
ዘርዝረለይ ሓየት ክሰምዖ ሃርሂረ 

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣሶሳ ዝኾነ
ኣብ ጎላጉል ሽረ ወያነ ዘድሓነ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደርጊ ዝበተነ
ኤርትራዊ ዓቕሚ ሰማይ ዝሰቐለ
ኣውግዓኒ ኩሉ ‘ቲ ትብዓት ‘ቲ ስረ

ብለይቲ ወጋሕታ ጸሓይ ከይበረቐ
ብቐትሪ ብምሸት ጸሓይ ከይዓረበ
ምስ ሽሾ ሰራዊት እቲ ተሓምበለ
ንገረኒ ኩሉ እቲ ዝተኸፍለ

ጽወየኒ ሓንቲ ከየትረፍካ
ቀልዓለም ዘይብሉ ገለ ከይሓባእካ
ምረቱ ዓወቱ ከየቋናጸብካ
ታሪኽካ’ዩ ውዕሎ ኣቦታትካ
ነጻ ዝገበረ ኤርትራ ሃገርካ

ሓለፋ ኣውግዕኒ ናትኪ ብወገንኪ
ገድሉን መስገደሉን ንኹሉ ኺኢልኪ 
ኣብ’ቲ ውዕሎ ህጁም ጸላእቲ ዘሸንኪ
ብእልልታ ድምጺ ሓሞቱ ዘፍሰስኪ
ኣብነት ኮርዒዳ ነጻነት ዘግዘምኪ
እስከ ዳሕድሕዮ ሓበን ይሰማዕኪ
YHM
Jun 20, 2017 3:18 PM
71.202.43.232
Eternal Glory To Our Martyrs!
ስእለ
Jun 12, 2017 9:10 PM
108.48.36.197
ዘኪረ ሙዑታት
=======
ዘኪረ’ምበር ሙዑታት ጀጋኑ
ንሃገር ንህዝቢ ዝመሓሉ
ንነጻነት ክብሪ ተጋደሉ
ሂይወቶም ዕድሎም ዝገበሩ

ብሕሰም መከራ ከይተዳህሉ
ሕልሚ ህዝቢ ህያው ዝገበሩ
ዓወት ንሓፋሽ እንዳበሉ

ናፊቐ ‘ወ ኣባጽሕ ጨላቅዕ ሰብ ስረ
ጅግንነቶም ዓለም ዘስተንከረ
ጓሎም ወዶም ሰብ ቅያ ብማዕረ

ዝሓለፉ ንሰላም ሓርነት
ዝመከቱ ንኽብሪ ዜግነት
ንምዕባሌ ንህዝቢ ሓድነት
ተዘከርቲ ዉፉያት ኣብነት

ዘኪረ ‘ወ ከመይ ዘይዝክሮም
ተናፈቕቲ ዝፈጸሙ ሕድሮም
‘ተሰዉኡ ንሃገር ንህዝቦም 
ኤርትራ ኣብ ካርታ ኣስፊሮም
ስእለ
Jun 8, 2017 1:10 PM
148.184.174.61

ወይ ጉድ! ናይ ወያነ ስርቅስ ንበይኑ እዩ! ቁሩብ ሕፍረት ዘይብሎም! እሞ ዳዊት ሽላን ብሂይወቱ ከሎ? እቲ ዘገርም እቲ ኤርትራዊ ሃገርዊ ደርፊ ንጸቢብ ክልላዊ ትግራይ መወዓዋዒ ከውዕልዎ ከለዉ እዩ ዘሐዝን። ብዝኾነ ኣመል ምስ መግነዝ እዩ። ስርቂ ናይ ኣቦኦም እዩ።

ቃና ጭፍራ ኣስተውዕሉ ስምዑ
እቲ መዝሙር ቃንኡ ቅድሑ
ከምዘልዎ ቁሩብ ከይሓነኹ
የማን ጸጋም ብሩኡይ ይሰርቁ
ክልል ትግራይ ስማ ከበርኹ

ቅድሚ ኢትዮጵያ ትግራይ የቐድሙ
ጸጋኣ ሺሻያ ዘሎ እንዳጣጠሙ
ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ኩዉን ንኽገብሩ
ክፍንጨሉ ከም ሃገር ክቖሙ

ብቕዓት ኣልቦ ትማል ዝፈሸሉ
ብዓሌት ብቛንቋ ሃገር ዝመቐሉ
ኢትዮጵያውነት ጉሁድ ዝቐተሉ
በየናይ ሞጎት ሃገረ ትግራይ ክፈጥሩ?

ሕማቕ ጭፍራ ብቒም ዝኻሓኑ
ጸረ-ሰላም ናይ ጥፍኣት ጉሓሉ
ጎይታ ስርቂ ህዝቢ ዘደንገሉ
ኣሳቕዮም ዜጋ ኣብ ሃገሩ
መሲልዎም ዘልኣለም ዝነብሩ

https://www.youtube.com/watch?v=VnsaJwXxlz8

YHM
Jun 7, 2017 3:53 PM
50.156.45.134
Turkey seeks faster troop deployment to Qatar base as Erdogan slams Doha isolation

https://www.rt.com/news/391246-turkish-troops-qatar-bill/

YHM
Jun 7, 2017 3:50 AM
50.156.45.134
Qatar calls Saudi, UAE, Bahrain withdrawal a 'big mistake'

https://www.youtube.com/watch?v=9Ur6dWO2q7U

YHM
Jun 7, 2017 2:22 AM
50.156.45.134

We all know this quote. “America has no permanent friends or enemies, only interests” ― Henry Kissinger

The rift that is created in the Arab World doesn't look good. We will see where this leads to.

YHM
Jun 7, 2017 2:12 AM
50.156.45.134
Is the Qatar boycott a precursor to invasion?

https://www.youtube.com/watch?v=TF8LJ5AmBHw

Qatar: Architect of its own isolation

http://www.arabnews.com/node/1111121

YHM
Jun 7, 2017 2:05 AM
50.156.45.134
Engulfed: How far will Qatar row go? (part 1)

https://www.youtube.com/watch?v=H82vLe_acjw

Is Saudi Arabia preparing an annexation of Qatar?

https://www.youtube.com/watch?v=cxGj4YyNxvY

YHM
Jun 6, 2017 7:14 PM
50.156.45.134
Saudi beef with Qatar may be about gas, not terrorism

https://www.rt.com/business/391069-qatar-saudi-arabia-gas-dispute/

YHM
Jun 6, 2017 7:07 PM
50.156.45.134
Middle East trip ‘already paying off’ – Trump on Qatar-Arab League rift

https://www.rt.com/usa/391146-trump-qatar-crisis-reaction/

ስእለ
Jun 5, 2017 12:10 AM
108.48.36.197
ሓርማዝ ዓቢዱ
======= 
ሓርማዝ ተጸሊሉ 
ዓቢዱ ሰኺሩ 
ቀይዲ-በተኽ ኮይኑ 

ኣብ ውሽጢ ኣብ ሃገሩ 
ባሕሪ ተሳጊሩ
ብዓርሞሾሽ ሓይሉ 
ፍጡር ኣሸቑሪሩ 

ንግዝፉ ኣሚኑ 
ሓይሉ ተጠቒሙ 
ዓለም ኣሸቢሩ 

ተበልካዮ ዓገብ 
ብትዒቢት ይትብተብ 
ክውሕጠካ ይህንደድ 

ነቲ ሓደ ይድስቕ ሓሓሊፉ ይሕንፍጥ 
ንገለን ይቐትል ብእግሩ ይሕምትል 
የጋጩ ይሃርም ሓድነት ይብትን

ፍትሒ-ኣልቦ ዑቡይ 
ተግባሩ ዘይሙዑሩይ 
ንኹሉ እንጉይ እንጉይ 

ሃንጎሊማ ስሱዕ 
ዓሚጹ ዝጐስዕ 
ንጉቱ ዘይሰርዕ
ስእለ
May 31, 2017 6:57 PM
148.184.174.61
ኣፍሪቃዊት ዕንቊ
ንእሽቶ ምጭውቲ
ኩሉ ነብሳ ወርቂ

ማእከላ ወሰና
ጎደሎ ዘይብላ

ኣብቲ ባሕሪ ዓሳ
ጨው በንዚን ሓቚፋ

መላእ ኩሉ ነብሳ
ሽሻያ ኣፍሲሳ
ከተዐንግል ህዝባ

ንበርለይ ኤረይ
ኩርዓት ኢኺ ክብረይ!

ስእለ
May 31, 2017 3:39 PM
148.184.174.61
ኣስመራ
====
ኣስመራ ምጭውቲ ድራር ዓይኒ ባህጊ
ወርቂ ማዓድኑ ከቢቡ ዙርያኺ
ፈታዊ ጸላኢ ኩሉ ይሃርፈኪ
ካብ ቀረባ ሩሑቕ ዓይኑ የውድቐልኪ

ርእሲ ከተማና ኣስመራ ምንጫራ
እጹብ ድንቂ ህንጻታት ኣየራ
ዝመልከዐት ኣፍሪቃዊት ከተማ
ዝሓለፋ ውሕልነት ኢጣልያ
ኢሎሙኺ ፒኮሎ ሮማ

ዝጸረኺ ከም ፓሪስ ቪየና
ተናፋቒት ከም ፍቕሪ ፈለማ
ተሃራፊት ከም መዓር ወለላ

ክትጽብቒ ክሕደስ ህንጻኺ
ጎደናታት ኩሎም ማርሻበዲ
ዝኣረጉ ቱባታት ናይ ማይኪ
ክቕየሩ ኩሉ ወፊሩልኪ
ማእከል ናይ ቱሪስቲ ክገብረኪ

ዩኖስኮ'ውን ዓይኑ የውድቐልኪ
ኣብ መዛግብ ቅርሱ ከስፍረኪ
ንውሉድ ወለዶ ክትኮኒ ህንጻ መወከሲ

ስእለ
May 29, 2017 3:40 PM
108.48.36.197
ርእስኻ ፈትሽ
======= 
ንሻዕብያ ተጸልም ተናእስ
ታሪኽ ህዝቢ ትጉዕጽጽ ተራኽስ
ንግዝያዊ ረብሓ ክብርኻ ትቕሽሽ
ኣይጥዕናን ኣእምሮኻ ፈትሽ

ድሕነት ሃገር ቅድሚት ዝሰረዐ
ረብሓ ህዝቢ ብግብሪ ዘጉለሐ
ነጻ ትምህርቲ ኣብ ኩሉ ንኹሉ ዘስፋሕፍሐ 
ሕክምና ጹሩይ ማይ ዘውሓሰ
ኩሉ ትሕተ ቅርጺ ዝሃነጸ 
መን’ዩ ከም ሻዕብያ ህዝቡ ዝሓገዘ፧

ዘይርበሽ ዑቡይ ዝገረሐ
መንገዱ ዝፈልጥ ጸልመተ በረሀ
ጐይታ መትከል ጽኑዕ ዝበለሐ
ሓድነት ምስ ሰላም ኣብ ህዝቡ ዘስፈሐ

ንጎራሕ ጎራሑ
ቀዲሙ ዝጸንሕ ጸላእቱ
ክብሪ ሕጊ ዝፈልጥ ኣዕሚቑ
ዝመከተ ዑሱቡ ወሽላኹ
ልቢ ግበር ንመን ከም ተናሹ
ስእለ
May 26, 2017 10:40 PM
108.48.36.197
ቁንጪ ህዝቢ 
======
ወይን ትዕቢተኛ ንእሽቶ ጉጂለ 
ኣገልጋሊ ባዕዲ ብሓገዝ ዝናበ 
ብብሄር ብቛንቋ ሃገር ዝኸለለ 

ኣብ ፍርሕን ሕልምን ወትሩ 'ተቓቐረ 
ጸሓይ ከላ ቀትሪ ዝዓወነ 
ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ርእሱ ዘደንቆረ 

ዓማጺ ተግባሩ ህዝብታት ዘቕሓረ 
ኣድልዎን ወራርን መርሓ ዝገበረ 
ዜግነት ኮኒኑ ዓሌት ዘዐምበበ 

ቅንኢ ተንኮል ሓሶት ሕላገቱ 
ሑሱር ጭፍራ ዝሽምጥጥ ዘይናቱ 
ብቕዓት-ኣልቦ ዘይጥምት ኣርሒቑ
ተላኣኺ ዓማጺ መንፈሱ
YHM
May 24, 2017 3:35 AM
50.156.45.134
Deki Ere!

Wishing you all - a Happy 26th Eritrea's Independence Day... May 24th...

Z'Elalemawi Zikri Nisuwuatna!

Wetru Awet Nihafash!

ስእለ
May 24, 2017 12:02 AM
108.48.36.197
በዲኖ
===
ኦይ ጉድ ገረ!
ዘይግንጸል ገንጺለ
ናይ ጉሓፍ በዲኖ
ወያነ ዝምውሎ
ዓወተ፣ ኣዝማሪኖ
ኣሰና መቐሊኖ
መስከረም ዕዋኖ…

ርእይ እንተበልኩ
ተዓጊሰ ተምበብኩ
ክትኣምኖ ዘደንጹ!

ጉዳም ዝሃድሃደ
ሕማቕ ዝሸተተ
ጸረ-ሃገር ጉድጉደ
ተለጢፉ በብሓደ
ወያንያዊ ዘመተ
ናይ ወይጦ “ቀለተ”
ዓርኩ “ንተወልደ…”

ዘይሓንኽ ወይጦ
ሓቂ ዝሓርበቶ
ተኾርባ ኳዂቶ

ርእሱ ዘይተጻህየ
ጥፍኣት ዝሓረየ
ለባማት ዘጉሃየ

መድረኽ ዝነውነዎ
ቀደም ብዓንቶቦ
ናብ ሩሑቕ ጎደቦ

ቁሩብ ዘየሕፍሮ
ዘናእስ ወፋሮ
ማሓዛ ሓንካሮ

ቀለታ ኪዳነ
ናይ እዋና ምነ
ነዊሕ ዝዓወነ
ግንዖ ዝመነ
ገለ ከይዓመመ
YHM
May 22, 2017 5:08 AM
50.156.45.134
Dehai-Admin, I see it and is working now. Thank you.
Dehai-Admin
May 21, 2017 12:34 PM
173.66.182.224
YHM,

Your links were not removed, only linked.

Note the difference between these two:

https://www.nytimes.com/2017/05/18/world/europe/sylvana-simons-netherlands-hate-speech.html?rref=collection%2Fsectioncollection%2Feurope

20 Are Convicted for Sexist and Racist Abuse of Dutch Politician

Dehai Admin

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events