Dehai News

“ኩሉንትናይ ንዓኺ”፡ መመሊሱ ዝኹላዕ ሃገራዊ ክብሪ!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 12 November 2026


“ኩሉንትናይ ንዓኺ”፡ መመሊሱ ዝኹላዕ ሃገራዊ ክብሪ!
ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ “ብዝሒ ሰራዊትኩም ክንደይ’ዩ?” ዝብል ሕቶ ንዘቕርብ የዋህ፡ “ቊጽሪ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ” ዝብል መልሲ ይወሃቦ ነይሩ። ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዳላይ ምዃኑ ንምግላጽ። ዳእላ ኣይኮነን፣ ጸላእን ፈታውን ዝምስክሮ ጭቡጥ ሓቂ’ዩ። ኣብ ታሪኽ መኸተ ኤርትራውያን፡ ትማሊን ሎሚን ጽባሕን ዘይቅየር ሓቂ! 

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብድሩት ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታቱ፡ ነቶም ብዓበይቲ ሓይልታት ተዓሲቦም፡ ትኳቦ ሰኒቖም፡ ክሳብ ዓንቀሮም ዓጢቖም ዝመጹዎ ወረርቲ ስርዓታት፡ በብተራ ናብ ጉሓፍ ታሪኽ ዝደርበዮም፡ ብልዑል ሃገራዊ ፍቕሩ፡ ስጡም ሓድነቱን ሓያል መኸተኡን እዩ - ወትሩ ዕዉት ያታ መኸተ!

ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዘመን፡ መሰል ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ብምጉዕጻጽ፡ መሬቱን ባሕሩን ንምምንዛዕ ውዲት ክእለም እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም’ዚ ናይ ሎሚ ዓቕምን ጉልበትን ኣይደለበን ነይሩ። ብዘይካ ‘ቀጢን በትሪ’ ጠበንጃ ኣይነበሮን። 

‘ዕጥቂ የብለይን! ሓገዝቲ የብለይን!’ ኢሉ ግን ነቲ ዓሎቚ ኣይረዓሞን፣ ርስቱ ኣሕሊፉ’ውን ኣይሃቦምን። ቃል-ቃል! ዝብል ሃገራዊ ፍቕርን መካቲ ያታኡን ዓጢቑ፡ “ንጸላኢ ብብረቱ ብጥይቱ!” ዝብል ኒሕ ተቐኒቱ፡ ነቶም ገዚፍ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራውን ፊናንሳውን ደገፍ ርእሰ-ሓያላን ዝነበሮም፡ ብብዝሒ ሰብን ኣጽዋርን ምሒር ዝተመክሑ ወረርቲ፡ ሺሾ ሰራዊቶም ናብ ድዅዒ መሬት ቀዪሩ፡ ዝኣመኑዎ ኣጽዋር መንዚዑ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ መሬቱን ባሕሩን ጸራሪጉ፡ ብገዛእ ቅልጽሙ ኣኽሊል ናጽነቱ ደፊኡ። ነቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ነዊሕ ተጻብኦታት ከኣ ብተመሳሳሊ ትውፊት ኣላሽ ኣቢሉ - ስዒሩዎ።

ታሪኽ መኸተ ኤርትራውያን፡ ታሪኽ መኸተ ሓፋሽ’ዩ። 

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ንሓለዋ ርስቱ፡ ነፍሲ-ወከፍ ወተሃደር’ዩ። ብዘይ ኣፈላላይ ዕድመን ጾታን፡ ኣብ ግንባርን ደጀንን እንተላይ ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ እናነበረ፡ ብሕቡር ቅልጽም - ክሳብ ናይ ህይወት መስዋእቲ እናኸፈለ መኪቱ’ዩ። ዲያስፓራ ብወገኑ፡ በብመድረኹ ኩሉ ድሕሪ ሃገር! ሃገረይ ስልማተይ! ንሃገረይ ዝበቆ የለን! ቅድም ቀዳድም ሃገር ትሃሉ!. . .ወዘተ እናበለ፡ ክሳብ 20 ሚእታዊት ካብ ደሞዙ ንሰውራ እናኣበርከተ ዝተቓለሰን ናብ ገድሊ ዝተጸንበረን፣ ድሕሪ ናጽነት’ውን በብመድረኹ ኣብ ዝነበረ ኩነታት መኸተ፡ ድራር ተጋዳላይ! ድራር ዋርሳይ! ማዕከን ምክልኻል ሃገር! ማዕከን ስዉኣት! መሕወዪ ግብሪ! ቦንድ. . . እናበለ ብዝተፈላለየ ተበግሶን ኣበርክቶን ብርኪ ሃገሩ ዘጽንዐ’ዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊታት ብምውዳብ፡ ፍትሒ እናድመጸ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ዜናውን ዲፕሎማስያውን ዓውድታት፡ ኣምባሳደር ሃገሩ ኮይኑ ይምጉት።

ኣበርክቶን ተሳትፎን ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ ኣብ ምምካት ወተሃደራዊ ዕንደራታትን ወራራትን ጸላእቲ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኰነን። ኣብ እዋን ባህሪያዊ ሓደጋታትን ለበዳታትን ክገብሮ ዝጸንሐ ኩሉመዳያዊ ውፉይ ኣበርክቶን ዘርእዮ ጥሙር ሃገራዊ ባህሪን፡ መርኣያ ናይ’ዚ’ዩ። ኣብ እዋን ለበዳ ‘ኮቪድ’ ድማ፡ ብዝበለጸ ጐሊሑ። 

ካሕዳይ ጉጅለ ብልጽግና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ኲናት ኣዊጁ፡ መዋጽኦ ኣብ ዘይርከቦ ዓዘቕቲ ተሸሚሙ ከምዘሎ ኩሉ ዝዕዘቦ ዘሎ’ዩ። እቲ ኩነታት፡ ካብ ረመጽ ናብ ጓህሪ እናዀኖ ድማ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኮን ዶኾን ኣቓልቦ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጢ ንግዳም ንምቕናዕ እንተጠቐመ ተባሂሉ ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዕሊ ወራር ኣዊጁ’ሎ። 

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢን ወጻእን ምስ ሓየት ሰራዊቱ፡ ንወራር ብልጽግና ብዝሓረዮ ቋንቋ ከዛርቦ ከም ልማዱ ድሉው’ዩ። እዚ ድሉውነት’ዚ፡ ሎሚ’ውን ንጸላእቲ ብዘርዓደ ስሙር ድምጺ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት ህዝባዊ መኸተ የንጎድጉድ ኣሎ። 

ህዝቢ ኤርትራ ኲናት ምርጫኡ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኣብ ታሪኹ ‘ተወሪሩ’ እምበር ‘ወሪሩ’ ዝብል ጽያፍ ዛንታ ኣይርከቦን። ዝገብሮ ምድላዋት ከኣ፡ ብቐንዱ ንዝተስገደደ ኲናት ንምውጋድ . . . እንተመጸ ድማ ንምስዓሩ ጥራይ’ዩ። ግድን ከኣ ይስዕር! ወትሩ ብዓወት ይወጽእ። ህዝቢ ስለ ዘይስዓር።


Permutation Law - ሕጊ ምልውዋጥ Math

Dehai Events