Dehai Message Board (DMB)

ስእለ
Apr 29, 2019 1:15 PM
148.184.174.61
ወስላቲ ጸላእኩ -'ቲ ዘይእመን 
ኩሉ ንጥፈታቱ - ጸረ-ሃገር 
ዘይውርዚ እናሻዕ ዝጽለል 

ትዕቢተኛ - ሰነፍ መውደልደሊ
ፍቱሕ ስረ - ዝዓርቦ ክሓሚ
ፈታው ንዋይ - ናይ ምዕባለ ሓጒሊ

ዝዓወነ - ዓሚ ቅድሚ ዓሚ
ህሩፍ ስልጣን - ታሪኹ ዘይመሚ
ብቑሩብ ቁራቦ - ዝብል ልኣኹኒ

ሉኡኽ ጥፍኣት - ነውራም መታለሊ
ትዕቢተኛ - መን ከማይ በሃሊ
ምስ ኣትማን  ወጊኑ - ዝብል ስዓቡኒ

ዝጸልመቶ - ጽሓይ ከላ ቀትሪ
ናይ ሰብ ረብሓ - ወኪል ኣማኻሪ
ኩሉ ጻዕሩ - ኤርትራ ክትደሚ
ዘይምነ - ክትዕምብብ ክትፈሪ

ኣቕልቡሉ - ሰራም'ዩ መሰሪ
ዘራኸሰ - ታሪኽ ኩሩዕ ህዝቢ
ፎ በልዎ - ኣይግቦኦን ክብሪ
ግርማይ
Apr 27, 2019 9:12 PM
37.107.188.120
ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ
በዓል መን እዮም ዝጠከሙ
በዓል መን እዮም ዝሃደሙ
ከም ጹሉላት ኣኽላብ ዝነብሑ
ከም ኣዛብእ ኡንጉይ ኡንጉይ ዝብሉ ዘለዉ
መብጽዓ ጠሊሞም ኣብ ፍርቂ መንገዲ ዝተሰወሩ
ሕፍር ከይበሉ ብድሕሪ መስኮት ክዕወቱ ዝሓልሙ

ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ
ባዓል መንእዮም ዝጠለሙ
ባዓል መን እዮም ዝሃደሙ
ከም ዝብኢ ኡንጉይ ኡንጉይ ዝብሉ ዘለዉ
ኤርትራ ሃገረይ ኣለዉኺ ጀጋኑ
ዝከላኸሉልኪ ዝሃንጹኺ
ኔው በልዮ ባዕዲ
እዚ ረማሲ ዝኸውን ሓሳዊ
ኣንቱም ጠለምቲ ይኣክል ጥልመትኩም
ኣብ ሑጻ ኣይሕፈስን ስርናይ
ኣብ ወጻኢ ኮንካ ኣይስራሕን ቅያ
ይኣክል ንመደናገርቲ
ይኣክል ንጠለምቲ
ተናስሑ ካብ ሓጥያትኩም 
ሎሚ እያ ኣታማዓልቲ
ብዝወጻእክምዎ ከይትበልዩ ከም ጠይቂ
ስእለ
Apr 25, 2019 1:39 PM
148.184.174.62
እዞም ኣኽላባት፣
ይነብሑ ድዮም ዘለዉ የእዉዩ
የላግጹ ወይስ ይበኽዩ
መዓስ'ዮም ዝዓብዩ ዝውርዝዩ
'ቲ ቕኑዕ መንገዲ ዘለልዩ
ንጠቕሚ ሃገርን ህዝብን ዝዓዩ?

ንሕና ንእክብ ንሓዋውስ
ነቲ ቀዳድ ንሽቅጥ ንፍውስ
ንዕብየትና ንሓስብ ንግስግስ

እንተ
በዓል ዕደ ብድሕሪት የፍርሱ
"ይኣክል" ይብሉ ጸገም የካውሱ
ምስቲ ኣባይ ኮይኖም ይናኸሱ
ኣብ ክንዲ ዝስጉሙ ይሕንክሱ

ድኻታት ኣእምሮ ዝጠፈሹ
ታሪኽ ኲሩዕ ህዝቢ ዘራኽሱ
ካብ ከልቢ ካብ ድሙ ዘይሕሹ
ብስንቂ ምጽወታ ዝኸረሹ

ተስፋ ኣልቦ ብደዎም ዝሞቱ
ዑሩባት ሕልና ዝሃውተቱ
ሓተላ 'ቲ ጽራይ ዝኸርደዱ
ካብ ሩሑቕ ካብ ማዕዶ ዝሽትቱ
ክብሪ መንነቶም ዝኸሓዱ
ሉኡኻት ወያነ ድሙ ሙጹ
ስእለ
Apr 15, 2019 2:39 AM
173.73.28.168
Dear Dehai Admin; Thank you for the platform you providing me to express my thoughts. In the mean time I would like to ask you a big favor that ALWAYS to post my latest EDITED poem/comment ONLY. Any other similar poems posted previously should be discarded/or ignored. I appreciated your help ስእለ
ስእለ
Apr 15, 2019 2:27 AM
173.73.28.168
ኣሕሕ!
ስለምንታይ ኩሉ ይመዉት?
እዝስ ኣይፍትሕን ፍርዲ ዕሙት!

ዋላ፡
እቲ ለባም እቲ ጥይት
እቲ መጽሓፍ እቲ ዳዊት
እቲ ጎብለል እቲ ዕዉት
እቲ ብርሃን እቲ ክርቢት
እቲ ሞተር እቲ ዕፍሪት
እቲ ፍቕሪ እቲ ስኒት
እቲ መምህር እቲ ህርኩት
እቲ ንህቢ መዓር ዝህብ...
ይመውት?

እዋእ!

ዋላ፡
እቲ ደራሲ ዘመስከረ
ፈታው ሃገር ተጋደለ
ወርቂ ጥማዕ ጎይታ ስራሕ
ፍልጠት ሩባ 'ቲ ዝቕዳሕ 
ወዲ ኤረይ፡
ኵርዓት ትማል፣ ሎሚ፣ ጽባሕ...
ተኪአ በየነ ዘይራባሕ
ይመዉት?

Thank you for your service, and for the great books (ሶፍያ & ካብ ሪቕ-ሕፍንቲ) you gave us.
R.I.P.
ስእለ
Apr 11, 2019 6:57 PM
148.184.174.61
እቶም ዝዓጠሩ - ቆልመጽመጽ ዝበሉ
ንፍትሒ ረጊጾም - ህዝቢ ዝበደሉ
ብቑሩብ ቁራቦ - ክንልኣኹ ዝብሉ
ንዂናት ዕግርግር ሰንዓ ዝወዓሉ
ብዓሎቕ ብሸፈጥ - ንብረት ዝገበሩ
ንድሕረት ድኽነት - ሃገር ዝሸመሙ...
በሪሶም ጠፊኦም - ግዝይኦም ኣኽቲሙ
ሰብ መትከል ሲዒሮም - ዓለም ተገሪሙ
ዑፍ ሰላም ሰፈራ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ
ዘየቋርጽ ደወል ዓዲ ሃሎ ሃጽሚሙ

ቪቫ ኤርትራ!
ኣምባቢ
Apr 9, 2019 11:11 PM
172.58.43.163
ፈቅል ዝዋዓልካ
ናይ ትማል ተዘክሮካ
ሓመድ ከይለበስካ
ኣብቅድሚ ዓይንካ

ንጋኖት ክዕደል ባሕርካ
ደቂስካ ዋላስ ኣሳፊሕካ
ንከንቱ ድዩ ዛርዩ ደምካ
ነዚ ድዩ ሰንኪሉ ኣካልካ

ብዝ ኣመንካዮ ተጠሊምካ
ክልተ ሞት ተፈሪድካ
ገለ ግበር ከይደንጎካ
ኦሮማይ ከይከውን ዝክርካ
ስእለ
Apr 9, 2019 12:58 PM
148.184.174.62
ሳላ ትዊተር ሳላ ፈይስቡክ ...
ወረ በዚሑ ሓንጎል ዘናውጽ
መእሰሪ-ኣልቦ የዋህ ዝርብጽ

ካበይ ነቒሉ መን'ዩ ኢልዎ
ሑሙም ድዩ ጥዑይ ኣቃሊሕዎ
ምጽራይ የለን ኩሉ ይደግሞ

እንተሓተትካ ብዓቕሊ ህድኣት
እንተመርመርካ ትሕዝቶ ቃላት
መደናገሪ ወረ ሕሱራት
ሓሻሺ ግዜ ዘይብሉ ብቕዓት

ስለዚ
ተርባጽ ግደፉ ዓቕሊ ኣጥርዩ
ሕቶ ሕተቱ ልቢ ኣዕብዩ
ምስ ዝሃውተቱ ኣይትፋጽዩ
ስእለ
Apr 5, 2019 2:37 PM
148.184.174.62
እርምያስ/ነብሲ፣

ብድሕሬኻ፡
ስምካ ተላዒሉ - ደሚቑ ከቢሩ
ዓብዪ ዕሸሉ - እርምያስ ኢሉ
ኩሉ ሰብ ሓዚኑ - ነቢዑ ቃዚኑ
ሓቲቱ፣
ስለምንታይ ኢሉ?

እቲ ዝዓበኻሉ - ልውሃት ዘርኣኻሉ
ማእከሉ ወሰኑ - ጸሊም ዝነብረሉ
ካብ ልቢ - ነቢዑሓዚኑ!

እቲ ዝፈልጠካ - ዓርክኻ ሓውኻ
ድኻ መሓዛኻ - ጐረቤት ገዛኻ
ኤርትራዊ ሰብካ - ሎስ ኣንጀለስ ከተማኻ
ዝሰመዐ ሞትካ - ሃንደበት ምኻድካ ...

ሽምዓ ኣብሪሁልካ - ዘኪሩ ተግባርካ
ጸሎት ኣዕሪጉልካ - ክምሕር ነብስኻ
ኣብ ሙሉእ ኣመሪካ - ኤርትራ ሃገርካ

Rest in Peace!!
ስእለ
Apr 3, 2019 6:42 PM
148.184.174.62
እዛ ቀጠር ዝብልዋ
እንታይ'ዩ ጸገማ
ትምጠጥ ልዕሊ ዓቕማ
ንመን 'ያ ኣሚና?

ሓይላ ድዩ ቅልጽማ
ትዕቢት ሰርኒቕዋ
ወይስ ሃብቲ ኣዕሽይዋ
ዝርብጻ ዘሎ ዘቕለውልዋ?

ብዛዕባ ሃገር ኤርትራ - ባሕሪ ተሳጊራ
ወጠምጠም ዘብላ - እንታይ'ዩ ሽግራ?

"እዘን እንቃዓ መሸላ ዘይውድኣ ይመስላ"

እዘን ፎሲል ዒላኺ - ትሕዝቶ ሃብትኺ
ክውድኣ'የን ክነጽፋ - ተቐዲሐን ናብ ዕዳጋ
ኣውዕልየን ኣብ ፍቕሪ ሸመታ - ኣየድልን ክትዕድጊ ቂምታ
 
ተወከሲ ቅድሜኺ ዝፈተና
ቀንጠብጠብ ዝበላ 
ኤርትራ ክብድላ
እንታይ ከም ዝኾና?

እንተ በሽር ጒሒላ 
ጐይታ ብልሽውና
ወርትግ ኣብ ታኼላ
ልኡኽ ናይተን ዝዓንተራ
ብሃይማኖር ገንዘብ ዝምዉላ

ቱርኪ ኦርዴጋን
ኩሉ ግዜ ኣብ ዕብዳን
ዝረኣዮ ሓይሊ ናይ ኦቶማን
ዘይከኣሎ ኣውሮጳዊ ምኳን
ዝባህረረ ብሓይሊ ኩርዲስታን
ኣበይ ንምብጻሕ'ዩ ብኤርትራ ምምካር?
ስእለ
Apr 1, 2019 2:48 PM
148.184.174.62
ሂወት ሓጻር ‘ያ - ክበሃል ሰሚዐ
ብዓይነይ’ውን ሪአ - ሂወት ተመንዝዐ

‘ቲ በሊሕ ምስ ሞተ - ዓለም ዝለወጠ
‘ቲ ጅግና ምስ ከደ - ንኣባይ ዘርዓደ
ህጻን ምስ ተገንዘ - ሓንቲ ዘይኣበሰ
ምልዮናት ምስ ሞቱ - ዕድመ ዘይጸገቡ
ኣሚነ - ሂወት ሓጻር’ያ ኢለ!
ኢርምያስ (ነብሲ) ሓደ ካብ ኦም ምስ ኮነ 

ነብሲ እርምያስ ኣስጎዶም ይምሓር!
ጽንዓት ንስድራ ቤትን ፈተውትን ይሃብ!
ስእለ
Mar 28, 2019 7:12 PM
148.184.174.61
ኣጣቑዑላ እልል በሉላ
ባቡር ሓላላት ትሕምበብ ኣላ
ኣብ ሓዲድ ስራሕ ሰላም ዓቲራ

ኩሉ ክትበጽሖ ናይ ትማል ሕልማ
ጉዕዞ ምዕባለ ብመስመር ሓራ
ነብሳ ክትክእል ክዓቢ እንጀራ
ስእለ
Mar 28, 2019 5:49 PM
148.184.174.61
"ስራሕ ዝሰኣና ኣእዳው፣ ሰይጣን ስራሕ ይፈጥረለን"
ተባሂሉ ብወልዲ ቀደም
ዘስተውዓሉ ስእነት ስራሕ ጸገም

ኣብ ከባቢና ሩሑቕ ገደቦ
ኣብ ሾሻል ሚድያ ኩሉ ዝሃቦ
ዓጀውጆው ይብሉ ይግዕሩ ካዕቦ

ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ህድእ ኢልካ
ንሎሚ ጽባሕ ዕብየት ዝበካ
የጋውሑ ጸገም ዘይብሉ ጣቋ
ስእለ
Mar 28, 2019 3:49 PM
148.184.174.61
ዓሉሉላ ኣጣቑዑላ
ባቡር ሓላላት ትውንጨፍ ኣላ
ኣብ ሓዲድ ፍቕሪ ሰላም ዓቲራ
ኩሉ ክትበጽሖ ናይ ትማል ሕልማ
ጉዕዞ ምዕባለ ብመስመር ሓራ
ነብሳ ክትክእል ክዓቢ እንጀራ
Twin Cities St. Paul & Minneapolis
Mar 28, 2019 10:51 AM
73.37.181.254

"ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ"

ማሕበር ፍቱሓት
"ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ"
እንኻን ምስ ሃገርኹም ምስ ቃል ኪዳንኹም
እንኻን ምስ ህዝብኹም ምስ ቤቴሰብኹም
ሃገርም ኣክቡሩ ቃልኺዳንኹም አጽንዑ
ህዝብኹም አፍቁሩ ስድራኹም ሕቀፉ  
ምስ ኩሉ ኣትባኣሱ ናብ ልብኹም ተመለሱ
እንተ ሓመምኹም ንስድራኹም
እንተ ሞትም ንህዝብኹም
ይኣክለኩም ይቅረ ሕተቱ
ናብ ልብኩም ተመለሱ
ዕቡያት ኣይትኩኑ ቱሑታት እምበር

Message from Minnesota 
ንማሕበር ፍቱሓት

MIK
Mar 26, 2019 5:39 AM
72.80.222.144

Weyane and their messengers,

Yi'akhlekum'ba nisikhatkum! When are you going to stop taking as a stupid!

ስእለ
Mar 25, 2019 5:32 PM
148.184.174.62
ክርህጽ'የ ክደክም ክጽዕር
ከም ሃገር ከም ህዝቢ ክዕምብብ ክግርም
ክብርኽ ክደምቕ ብነብሰይ ክሓድር 

ክቕጽል'የ ክዓቢ ክስጒም
ኳዂቶ ኣልጊሰ 'ቲ እግሪ ዘሐምም
ዕንቅፋት ምዕባለ ዝሰልጦ ከቚረምርም

'ቲ ራህዋ ክብጻሕ 'ታይ'ሎ ዘጸግም
ሓፋሽ ተጎዝጒዝካ ንኹሉ ዝዓምም
ምስ መትከል ሻዕብያ ኣብ ስራሕ ዝኣምን

ወትሩ ኣብ ጻዕሪ ውሽጡ ከበራብር
ምጽወታ ትኳቦ ካብ ልቢ ዝፍንፍን
ብዓል ነዊሕ ራኢ ኤርትራ ዘቐድም

ኣብ ጽንኩር ኣብ ራህዋ ብጽፈት ዝእምም
ዓቕሊ እንጣጢዕ ሽሮ ኣብ ጎኑ ዘይዕደም
ናይ ኣፍ ወሓላሉ ዘይሰምዕ ዝጽይን

ብመትከል ዝጓዓዝ ሰላም ንኽሰፍን
ንፍትሒ ማዕርነት መስዋእቲ ዝኸፍል
ምስ ርሑቕ ጎደቦ ንሕበር ፍቕሪ ዝብል
ሻዕብያ'ዩ ንሱ ሎሚ ይኹን ቅድም
ስእለ
Mar 22, 2019 12:54 PM
148.184.174.61
መጽሓፍ "ግፍዒ" ኣምቢበያ
ንኣፍልጦይ ኣዕብያ
ንውሽጠይ ተንኪያ
ንብዓት ዝኽሪ ኣዛርያ

'ቲ ግፍዒ 'ቲ ስቓይ
'ቲ ብኽያት ዋይዋይ
'ቲ ጭካነ ኣባይ
ኣይሃበንን ሰናይ

ብጥይት ብሳንጃ
ብሓዊ ብቦምባ
ስድራ ቤት ክሃልቃ
ንስደት ክግዕዛ
ዓድታት ክነዳ
ተራእዩኒ 'ቲ ዝምታ
'ቲ ጸበባ ዋጭዋጭታ
ኣሕሪቑኒ
ናይ ዓለምና ስቕታ

ስእለ
Mar 19, 2019 5:11 PM
148.184.174.61
ባቡር ሰላም...

ኣብ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ
ኣብ ሃገር ሱዳን ኣብቲ ሶማልያ
ኣብ ጂቡቲ ሃገረ ኬንያ
ሰላም ሰፊኑ ናይ ሓባር ሕርያ
ምስ ተገለፈ 'ቲ ዘርጊ ጭፍራ
ሓሳድ ጒጂለ ፈጣር መከራ

ዒፈል 'ዩ ነሩ ጒልሕንጣ ሰላም
ጸቢብ ኣእምሮ መዝማዚ ትኳን
ዘማቲ ሽፍታ ብቐትሪ ጸላም

ብዝኾነ፡

ባቡር ሰላም ባቡር ኣስመራ
ንሰላም ፍቕሪ ትፋጺ ኣላ
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጎዶቦና

በሉ መርሓባ - ተቐበልዋ
ብፍቕሪ ሓጐስ ኣእንግድዋ
ረብሓ ህዝቢ 'ዩ ረብሓ ኩልና
ካብ ጸገም ሽግር ዘናግፈና

ስእለ
Mar 18, 2019 6:25 PM
148.184.174.61
ሓደ ነገር ተማሂረ
ፈሊጠ ኣስተብሂለ
ኣብዛ ዓለም ዕረ

ዒፈል ሰብ ከም ዘሎ
ሕልና ዝጎደሎ
ኣብ ምጽያቕ ዝዓርቦ

ሓውላል ጠምባር ዓይኑ
ጉልሕንጣ ኣብ ኩሉ
ዕብየት ዘጽልኣሉ
ንሱ እንተዘይብሉ

ሩሑቕ ወሰን ኮይኑ
መንፈሱ ቀቲሉ
ዘጸልም ሃገሩ
ዑሱብ ጓሓላሉ

ተልመዴን ፖለቲካ
ናይ ሰላም ማሕለኻ
ዘይልካዕ ገበንካ
ደጊም ይኣኽለካ
ኣብቂዑ'ዩ ግዜኻ
ምስ ጭፍራ ጎይታኻ

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events