ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን ዝምድና ሩስያን ኣፍሪቃን ዘተኰረ ቃለ- መሕትት፡ ንቴለቪዥን RT ሂቡ
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኩነታት ሱዳን፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ዝምድና ሩስያን ኣፍሪቃን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጉዳያትን ዘተኰረ ቃለ-መሕትት፡ ንቴለቪዥን ‘ሩስያ ቱደይ’ (RT) ሂቡ።
ንኩነታት ሱዳን ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ሱዳን ውሽጣዊ ግጭት ከምዘየለ፣ እቲ ኩነታት ብደገፍ ናይ ግዳም ሓይልታት ዝጎሃሃር ዘሎ እምበር ናይ ህዝቢ ሱዳን ከምዘይኮነ ብምንጻር፡ እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ከኣ ንሱዳን ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ንኸሰጋግር ሓላፍነት ዝተሰከመ ግዝያዊ መንግስቲ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ናይ ግዳም ሓይልታት፡ ሰላምን ርግኣትን ኣፍሪቃ ንምዝራግ፡ ንጎይቶት ኲናት እናሓገዙ፡ ብጉልባብ ሃይማኖት፡ ቀቢላ፡ ብሄርን ካልእን ግጭት የሳውሩ ከምዘለዉን እዚ ደው ክብል ከምዝግባእን ጸቒጡ ብምዝራብ፡ ኩነታት ቀይሕ ባሕሪ ብኽልቲኡ ሸነኽ ንዝዳወብኦ ሃገራት ጥራይ ከምዝምልከት፣ እዘን ሃገራት ከኣ ጸጥታኡን ርግኣቱን ንምውሓስ ግቡእ ተርአን ክጻወታ ከምዝግባእ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣረዲኡ።
ኣብ ዞባዊ ጉዳያት፡ ብስም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን ዝግበር ምትእትታዋት ዕንቅፋት ይፈጥር ከምዘሎን “ይኣክል” ክበሃል ከምዝግባእን ብምጥቃስ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም መሳርሒ ተጠቒምካ፡ ብጉልባብ ግጭት ዝግበር ምትእትታዋት ጠንቂ ዝኸፍአ ዕንወት ይኸውን ስለዘሎ ክዕገት ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ንዝምድና ሩስያን ኣፍሪቃን ብዝምልከት፡ ሩስያ ምስ ኣፍሪቃ ሽርክነታዊ ዝምድና ክትምስርትን ክትሕግዝን ሞራላዊ ግዴታኣን ሓላፍነታን ከምዝኾነ፣ እንተዀነ ኣፍሪቃ ንጸገማታ ዝኸውን ፍታሕ ካብ ወጻኢ ክመጽኣ ክትጽበ ከምዘይብላን መንግስታት ሽግራቶም ባዕሎም ክፈትሑ ከምዝግባእን ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ንማዕከን ዜና ‘ስፑትኒክ’ ናይ ሩስያ ኣብ ዝሃቦ ቃለ- መሕትት፡ ምኽባር ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገራት መሰረታዊ ዓንድታት ኣህጉራዊ ሕግን ግሎባዊ ስርዓትን ከምዝዀነ ገሊጹ’ዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ “ንሰላም፡ ጸጥታን ምዕባለን” ብዝብል ቴማ ብ28ን 29ን ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ሩስያን ከምእተሳተፈ ዝፍለጥ’ዩ።
==