Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ) ርእሰ ዓንቀጽ፡ ጭጒራፍሲ ባዕላ ሃሪማ ተእዊ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 01 July 2025

ርእሰ ዓንቀጽ፡ ጭጒራፍሲ ባዕላ ሃሪማ ተእዊ  

ጉጅለ ‘ፕሮስፐሪቲ’ ብዘቤታዊ መዋጥር ምሒር ተጨኒቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ህድማ ንቕድሚት መሪጹ ኣሎ። ብቅብጸተ ተስፋ፡ ጉዳያት ንምትሕልላኽ ከባርዖ ዝሕልን ዘሎ ኲናታት ንምምኽናይ፡ ብሰልበጣ፡ ሓሶትን ጠቐነን፡ ንኤርትራ ዝኸስስ ደብዳበታት፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ናብ ዝተፈላለየ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ክልእኽ ቀንዩ።  ከምቲ ምስላ ዓረብ ዝብሎ፡ “ሃሪሙኒ በኽዩ፡ ቀዲሙኒ ጠሪዑ” እዩ ነገሩ።

እዚ ስልቲ’ዚ ሓድሽ ክስተት ኣይኰነን። ናይ ሕጂ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ቃለ-መጠይቕ፡ “ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998፡ መጥቃዕቲ ባዕልና ጀሚርናዮ ከለና፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣጥቂዑና ክበሃል ሰሚዕና ‘መንግስቲ’ኸ ይሕሱ ድዩ ኢልና ኣብ ክንድኡ ሓፊርና” ኢሉ ነይሩ።

ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ተዂታዂ ዘመተ ‘ፕሮስፐሪቲ’ መን ይርስዖ?

“ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላወ ጉዳይ’ዩ፣ እንተስ ብሰላማዊ መገዲ እንተስ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወና ኣለዎ፣ ኣብ ግዜ ምኒልክ፡ ብመጠኑ ደርግን ኢህወደግን ኣፍደገ ባሕሪ ከንውሕስ ኣይከኣልናን፣ እቲ ምቹእ ግዜ ሕጂ እዩ፣ ናይ ጂኦግራፍ እሱራት ኴንና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፣ ባሕሪ እንተ ዘይሃብኩምና ውሕጅ ኴንና ክንጸርገኩም ኢና፣ ብዙሓት ስለዝኾንና ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኣህጉራዊ ሕጊ ይፈቕደልና እዩ፣ ዓባይ ሃገር ባሕሪ ዘይብላ ርትዓዊ ኣይኮነን፣ ናጽነት ኤርትራ ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ኣብ ረፈረንደም ህዝቢ ኢትዮጵያ ድምጹ ኣይሃበን፣ ወደብ ዓሰብ ናትና እዩ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ከነምልሶ ኢና፣ ኣብ ዓሰብ ኮሪደር ልምዓት ከነተግብር ኢና፣. . .” ሃለፍታ ናይቲ ጽላለ መወዳእታ የብሉን።

እዚ ኩሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን፡ ንረዚን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘቋናጽብ፡ ንኲናት ዝተዃቱዂ ቁዘማን ታህዲዳትን እናሃገገ፡ ኤርትራ፡ ካብ ሕሱር ዜናዊን ዲፕሎማስያውን ዘመተ ተሓዪባ ምንጻሓ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ተደጋጊሙ ከም ዝተራእየ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ብቅኑዕን ወድዓውን መገዲ ሽግራቶም ኣብ ክንዲ ዝፈትሑ፡ ዛዕባ ካብ ውሽጢ ንግዳም ንምቕናዕ፡ ንኤርትራ ክኸሱ እዮም ዝጓየዩ። የግዳስ ሎሚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ በዚ ብሉይን ፍሹልን ሜላ’ዚ ኣደናጊርካ፡ ናብ ሓዊ ክትጠብሶ ዝከኣል ኣይኮነን። ክፍለጥ ዘለዎ ሓቅታት፦

  • ኤርትራ ካብቲ ብብይን ኮምሽን ዶብ ዝተሓንጸጸን ዝተመልከተን ኣብ ካርታ ዓለም ዝሰፈረን ኣህጉራዊ ዶብ ወጻኢ፡ ዝሓዘቶ ስድሪ መሬት የለን። እዚ ሓቂ’ዚ ኩሉ ኣብ ፍትሕን ርትዕን ዝኣምን ኣማእዝዩ ዝፈልጦ ጉዳይ’ዩ። በዚ ዘሎ ቴክኖሎጂ ድማ ዘወላውል የብሉን መመሳመሲ ንኲናት’ውን ክኸውን ኣይክእልን።
  • እቲ ዝቐረበ ጠቐነ፡ “ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ተኸተመ፡ እቲ ንግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ዕድል ንምድኻም ኢትዮጵያ ዝረኣዮ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣዝዩ ተጻባኢ መገዲ’ዩ ክኽተል መሪጹ።” ይብል። እዚ ፍጹም ሓሶት’ዩ። ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝኽሰት ውጹእ ውሽጣዊ ሽግር ብዝምልከት፡ መርገጺ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ – ንጹርን ዘየሻሙን እዩ። ዘቤታዊ ጉዳያት ካብ ምእህጓርን ካብ ዘየድሊ ምትእትታውን ተሓዪብካ፡ ሰብ ጉዳይ ዘላቒ ፍታሕ ንኸምጽኡ ምትብባዕን ምድጋፍን እያ ትኣምን።

በዚ መትከላዊ እምነት’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ከውሕስ ዝኽእል ርእይቶኡን መትከላቱን ኣነጺሩ እናገለጸ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት’ዚ ዞባ፡ ሕውነት፡ ማዕርነትን ምትሕብባርን ዘደንፍዕ ባይታ ንምፍጣር፡ ብሃናጺ ጽምዶን ብግብርን ውፉይ ጻዕሪ ከካይድ ምጽንሑ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ኣብቲ ፈለማ ብልጽግና ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ምስ መጸ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘይተቘጠበ ደገፍ ዝሃቦ እውን ካብዚ መትከላዊን ቅዱስን ዕላማ ብምንቃል እዩ።

ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ መንጎ ጐረባብቲ ህዝብታት ጽልኢ ብምስዋር፡ ዛዕባ ካብ ውሽጢ ንግዳም ብምቕናዕ፡ ኣብ ገዛእ ህዝብኻ መትሓዚ ዘይብሉ ሓድሕዳዊ ኲናት ኣባሪዕካ ንቕድሚት ብምህዳም፡ ክፍታሕ ዝኽእል ግድላት የለን። ኣብ ክንድኡ፡ ብሰፊሕ ኣእምሮ፡ ቀይሕ መስመር ከይሰገርካ፡ ንሰላምን ምትሕብባርን ህዝብታት ምውፋይን ምትባዕን የድሊ። ከምቲ ኣሪስቶትል ዝብሎ፡ “ውግእ ካብ ምስዓር ንላዕሊ፡ ሰላም ምህናጽ እቲ ዝበለጸ ዓወት እዩ።”



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events