Date: Tuesday, 01 July 2025
ጉጅለ ‘ፕሮስፐሪቲ’ ብዘቤታዊ መዋጥር ምሒር ተጨኒቑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ህድማ ንቕድሚት መሪጹ ኣሎ። ብቅብጸተ ተስፋ፡ ጉዳያት ንምትሕልላኽ ከባርዖ ዝሕልን ዘሎ ኲናታት ንምምኽናይ፡ ብሰልበጣ፡ ሓሶትን ጠቐነን፡ ንኤርትራ ዝኸስስ ደብዳበታት፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ጀሚርካ ናብ ዝተፈላለየ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለም ክልእኽ ቀንዩ። ከምቲ ምስላ ዓረብ ዝብሎ፡ “ሃሪሙኒ በኽዩ፡ ቀዲሙኒ ጠሪዑ” እዩ ነገሩ።
እዚ ስልቲ’ዚ ሓድሽ ክስተት ኣይኰነን። ናይ ሕጂ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ቃለ-መጠይቕ፡ “ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998፡ መጥቃዕቲ ባዕልና ጀሚርናዮ ከለና፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣጥቂዑና ክበሃል ሰሚዕና ‘መንግስቲ’ኸ ይሕሱ ድዩ ኢልና ኣብ ክንድኡ ሓፊርና” ኢሉ ነይሩ።
ናይ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ተዂታዂ ዘመተ ‘ፕሮስፐሪቲ’ መን ይርስዖ?
“ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላወ ጉዳይ’ዩ፣ እንተስ ብሰላማዊ መገዲ እንተስ ብሓይሊ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልወና ኣለዎ፣ ኣብ ግዜ ምኒልክ፡ ብመጠኑ ደርግን ኢህወደግን ኣፍደገ ባሕሪ ከንውሕስ ኣይከኣልናን፣ እቲ ምቹእ ግዜ ሕጂ እዩ፣ ናይ ጂኦግራፍ እሱራት ኴንና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፣ ባሕሪ እንተ ዘይሃብኩምና ውሕጅ ኴንና ክንጸርገኩም ኢና፣ ብዙሓት ስለዝኾንና ኣፍደገ ባሕሪ ክንውንን ኣህጉራዊ ሕጊ ይፈቕደልና እዩ፣ ዓባይ ሃገር ባሕሪ ዘይብላ ርትዓዊ ኣይኮነን፣ ናጽነት ኤርትራ ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ኣብ ረፈረንደም ህዝቢ ኢትዮጵያ ድምጹ ኣይሃበን፣ ወደብ ዓሰብ ናትና እዩ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ከነምልሶ ኢና፣ ኣብ ዓሰብ ኮሪደር ልምዓት ከነተግብር ኢና፣. . .” ሃለፍታ ናይቲ ጽላለ መወዳእታ የብሉን።
እዚ ኩሉ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን፡ ንረዚን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘቋናጽብ፡ ንኲናት ዝተዃቱዂ ቁዘማን ታህዲዳትን እናሃገገ፡ ኤርትራ፡ ካብ ሕሱር ዜናዊን ዲፕሎማስያውን ዘመተ ተሓዪባ ምንጻሓ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።
ኣብ ታሪኽ ተደጋጊሙ ከም ዝተራእየ መንግስታት ኢትዮጵያ፡ ብቅኑዕን ወድዓውን መገዲ ሽግራቶም ኣብ ክንዲ ዝፈትሑ፡ ዛዕባ ካብ ውሽጢ ንግዳም ንምቕናዕ፡ ንኤርትራ ክኸሱ እዮም ዝጓየዩ። የግዳስ ሎሚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ፡ በዚ ብሉይን ፍሹልን ሜላ’ዚ ኣደናጊርካ፡ ናብ ሓዊ ክትጠብሶ ዝከኣል ኣይኮነን። ክፍለጥ ዘለዎ ሓቅታት፦
በዚ መትከላዊ እምነት’ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰላምን ጸጥታን ዞባና ከውሕስ ዝኽእል ርእይቶኡን መትከላቱን ኣነጺሩ እናገለጸ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት’ዚ ዞባ፡ ሕውነት፡ ማዕርነትን ምትሕብባርን ዘደንፍዕ ባይታ ንምፍጣር፡ ብሃናጺ ጽምዶን ብግብርን ውፉይ ጻዕሪ ከካይድ ምጽንሑ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ኣብቲ ፈለማ ብልጽግና ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ምስ መጸ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘይተቘጠበ ደገፍ ዝሃቦ እውን ካብዚ መትከላዊን ቅዱስን ዕላማ ብምንቃል እዩ።