Dehai

ህዝብና ክሳብ ክንደይ በሊሕ ምዃኑ!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 13 February 2024

*** ህዝብና ክሳብ ክንደይ በሊሕ ምዃና ***
ኣብ እርግተተት ትበሃል ምስ ዋዝንተት ጽግዕ ኢላ ንእስ ዝበለት ዓዲ ኣላ። ካብ ፀባብ ንወገን ሰሜን ትርከብ። ኣብዛ ዓዲ ምናልባት ምስ ግዜ ምንዋሕ ስሙ ከይርስዖ እናተሰከፍኩ ማሕሙድ ዝበሃል ለጅና ኔሩ። እቲ ግዜ 1976 እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ጸላኢ ካብ ከረን ተፍቲሽ ክገብር ናብቲ ዓድታት ወፍሪ ከካይድዩ ዝብል ወረ ስለ ዝተሰምዔ፡ ተቐማጦ እተን ዓድታት ዘራእቶም ቀልጢፎም በቲኾም ሻቊጦም ኣብ መሸማዓት መልእዎ።  ጥሪቶምን ነብሶምን ድሉዋት ኮይኖም ተቐሪቦም ጸላኢ ምውጽኡ ክጅምር ከሎ ካብቲ ዓድታት መታም ኣርሒቖም ክኸዱ። ኣብቲ ኣጓድኦም ምስ ጉርዲ ዝተሓወሰ ዝሃጎገ ቡልቱግ ኣብ መሸማዕ መሊኦም ኩድም ኩድም ኣበሉዎ። እዚ መግበሪኦም ዘራእቲ ጽቡቕ ከምዘይነበረ ንምምሳል ድኣንበር እቲ ጽሩይ እኽልስ ወጊኖሞ ኔሮም። እቶም ኣብኡ ዝነበርና ተጋደልቲ እንትርፎ ድንጋጸ ካልእ ንፈልጦ ነገር ኣይነበረናን። ኣነ ምስ ብጾተይ ኣብቲ እዋንቲ ኣባል ክፍሊ ናብራ ዕቤት ስለ ዝነበርና መብዛሕትኡ ስርሕና ምስ ህዝባዊ ጉዳያት ዝተኣሳሰረ እዩ ኔሩ።   ለጅና ማሕሙድ ብጣዕሚ በሊሕ ሰብ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስ ጀብሃ ዝተሓባበር ዝነበረ እሙን ሰብዩ። ሓደ ማዓልቲ ካብ ኩቱር ሻቕሎት ዝኣክል ንማሕሙድ ፍልይ ኣቢለ ክዛረቦ ኣብ ልግስ ዝበለ ቦታ ከድና ኮፍ በልና።  ስማዕ ማሕሙድ እዚ ኣብ ገዛኻ ዝረኤኹዎ መሸምዓት ዝሃጎገ እኽሊ እዩ ሒዙ ዘሎ፡ ሓጋይ ከመይ ገርኩም ክትሓልፍዎ ኢኹም? ንብሙሉኦም ነበርቲ እታ ዓዲ ማለተይ እየ። ረቢ ፈራጅ ወድ ካሕሳይ ኢሉ መለሰለይ። ወድካሕሳይ ኣብ ገድሊ ዝነበረ መጸዊዒዔ እዩ። ላኪን እዚ ኩነታት ምስ ሓለፈ ክንዛረበሉ በለኒ። ጸላኢ ከም ምብጋስ ተበጊሱ ግን ጸባብ በጺሑ ተመሊሱ።  ድሕሪ ሰሙን ኣቢሉ እቲ ስግኣት ምስ ተቐንጠጠ ማሕሙድ ጸዊዑ ወድካሕሳይ እታ ብቀዳማይ ዝሓተትካኒ ሱኣል(ሕቶ) መልሲ ኣይሃብኩካን፡ ረቢ ፈራጅ ጥራሕ ኢለካ። ሎሚ ዓመት ካብቲ ዝሓለፈ ክልኦት ሰነት ( ክልተ ዓመት) ዝበለጸ ቡልቱግ ኣእቲና።  ዋላሂ ረቢ ፈራጅ እዩ ኢሉ ዘረብኡ ቀጸላ። ረቢ ሪኢሲ ሂቡና ክንሓስበላ። ጠብዓን ንዓኣ ተጠቒምና ጦርሰራዊ ነቲ ዘእተናዮ ቡልቱግ ከይተንድዶ ሓቢእና፡ ነቲ ኣብቲ ገዛ ዝረኤኻዮ ቀሪብናላ፡ እንተንደደቶ ተንድዶ ሓተ ኣለቡ (ሓንቲ የብሉን)፡ እንተ ገደፈቶ እግል ኑዋይና ገብእ ( ንኸብቲ ይኸውን) ኢሉ ሒዙኒ ኣብቲ ግራት ከድና። እቲ ግራት ቁሩብ ጸዳፍ መሳሊ ኮይኑ፡ ሓሙሽተ ደረታት ማይ ምስ ሃረመ ዊሒዙ ከይከይድ ንምዕጋት ዝተነድቁ፡ መንደቕ ከይመስሉ ብሓመድን ቆጥቋጥን ዝተማሳሰሉ እዮም። ንዘይፈልጥ ሰብ መጺኡ መንደቕ ከምዘሎ ዝግመት ኣይኮነን። ኣብ ነብሲ ወከፍ ደረት ንሱ ጥራሕ ዝፈልጣ ቦታ ኣላ።  ኣብኣ ጽግዕ ኢሉ፡ በል ወድካሕሳይ ኣብዚኣ ምስጢር ኣላ ኢሉ፡ ብመጫኾራ ዝመስል ነቲ ዓውል ግልህ ግልህ ኣቢሉ ማዕጾ እንዳማሓስእ ትመስ ከፊቱ ላምፓዲና ወሊዑ ብበጠበጥ ኣትዩ እቶ በለኒ ኣቶኹ። ዘገርም'ዩ።  ሓቂቕ ዝመስል እኽሊ ኣብ ሻሽ ዝመስል መሸምዓት ተኾሚሩ ርእየ። ብጣዕሚ ገሪሙኒ። እዝስ ከመይ ገርኩም ሓሲብኩሞ ምስ በልኩዎ፡ እዋእ ረቢ ሓንገል (ሓንጎል) ሂቢና ክንሓስበላ ኢሉ እናሳሓቐ መለሰለይ። ኣነ ኮምኡ ርእየ ስለ ዘይፈልጥ፡ ልዕሊ ምግራም ተገሪመ።  ድሕሪኡ ግን እቲ ዓድታት ኮምኡ ገርካ ጸላኢ ከይረኽቦ ምሕባእ ምስጢራውን ልሙድን ምዃኑ ተማሂረ። ህዝብና ክሳብ ክንደይ በሊሕ ምዃኑ ተሓቢነ ኮሪዔ። ልዕሊ ኩሉ ግን ማሕሙድ ክሳብ ክንደይ ከም ዝኣመነኒ ተገሪመ። ምኽንያቱ ሳሕቲ ኢዶም ንጸላኢ ዝህቡ ተጋደልቲ (ወዶ ገባ) ተመሊሶም ጸላኢ መሪሖም ህዝቢ ዘወድኡ ኔሮም'ዮም።  

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡
ዓወት ንሓፋሽ፡
ገ/መስመር፡
2/13/2024


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events