Dehai

ጋዜጣዊ መግለጺ – ኣልሓደስ፡ ዘስደምም ድራማ ዝተፈብረኸ ክስታት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 04 September 2023

ጋዜጣዊ መግለጺ – ኣልሓደስ፡ ዘስደምም ድራማ ዝተፈብረኸ ክስታት


ኣብ ስዑድያ ዝመደበራ ቴለቪዥን ‘ኣልሓደስ’፡ ኣብ ናይ ሎሚ ድሕሪ-ቐትሪ ፈነወኣ፡ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ ዝተፈብረኸ ድራማ ኣጋዊሓ። እዛ መደበር ቴለቪዥን፡ “ፈላጣት” እትብሎም እናጠቐሰት፡ ሓቅነት እትዝርግሖ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ቅንጣብ ጻዕሪ ከየካየደት ከም’ዚ ዓይነት ወንጃሊ ክስታት ኣንጻር ኤርትራ ክተቕርብ፡ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

ቴለቪዥን ‘ኣልሓደስ’ ኣብ ናይ ሎሚ ፈነወኣ፡ ምስ’ቲ ትማሊ ቀዳም ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ዘጒሂ ፍጻመ ብምትእስሳር፡ ቅድሚ ሕጂ ዝፈሸለ “ኣብ ኤርትራ ኣሎ” ብዛዕባ ዝበሃል መደበራት እስራኤልን “ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ስምምዓት ምስ ኤርትራን” ዝምልከት“ዜናዊ ትንታነ” ኣጋዊሓ።

መንግስቲ ኤርትራ ደጋጊሙ ከምዘረጋገጾ፦

  • ኤርትራ ምስ እስራኤል ምስጢራዊ ጸጥታዊ ዝምድና ኣይነበራን፣ የብላን’ውን።
  • እስራኤል፡ ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ መጸናጸኒ መደበራት ኣይነበራን፣ የብላን’ውን።
  • እዚ ጠቐነታት’ዚ፡ ገለ ሓይልታት ንኻልእ ኣጀንዳታቶም ኣንጻር ኤርትራ፡ ብተደጋጋሚ ከጋውሕዎ ጸኒሖም’ዮም።
  • ብዛዕባ’ቲ ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝቐጸለ ፈስቲቫልን ካልእ ሕጋዊ ንጥፈታትን ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ንምዝራግ ዝተፈጸመ ጐነጻዊ መጥቃዕቲታት፡ መንግስቲ ኤርትራ – ንዕላማታቱ ከምኡ’ውን ዘለዓዓልዎ ግዳማውያን መሓውራትን ሓይልታትን ዘቃልዕ ምሉእ መግለጺ ከውጽእ ምዃኑ ይሕብር።

ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ

3 መስከረም 2023
---------------

WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events