ዝተረትዔ ዝመስሎም ቀጠፍቲ ከግሩዑን ክጭድሩን ንርእን ንሰምዕን ኣሎና። ምኽረይ ነቲ ረሳሕ መልሓስኩም ብጹሩይ መንዲ መንዲል ኣጽርዩዎ። ዕንቁርዖብ ዝበልዔት እንተበልዔት ክንዲ ሓርማዝ ኣይትኸውንን እያ። ወኻርያ ዘጣቖሰት እንተ ኣጣቖሰት ነንበሳ ኣይተታልሎን እያ። ዝምዶ ንቁንጣሮ ትማል ዝበልዎ ረሲዕም ሎሚ ከም ጽንጽያ ኣብ ክቢ መብራህቲ ዘዕነኒ ክሳብ ዝጥበስ የዕነንዩ ኣለዎ። ጽባሕ ዕድል ጽንጽያዩ ከጋጥሞም።