Dehai

መግለጺ ህዝባዊ ግንባር

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 01 September 2023

መግለጺ ህዝባዊ ግንባር

መበል 62 ዓመት ምጅማር ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልስና ኣብ እንዝክረሉን እንጽንብለሉን ዘሎና ናይ ሎምዘበን ባሕቲ መስከረም፡ ከም ወትሩ ብዛዕባ’ቲ ዘይበሊ ታሪኻዊ ኣገዳስነቱን ትርጉሙን ከነሰላስል ግቡእ እዩ። ባሕቲ መስከረም ኣብ ኤርትራዊ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ከም መዓልቲ ዝኽርን መብጽዓን፡ ከም ሃገራዊ ኣውደ-ኣመት ዕዙዝ ቦታ ስለዘለዋ፡ ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገርን ዲያስፖራን ብኽብሪ ምጽንባላ ሃገራዊ ያታና ኮይኑ ኣሎ።

ኤርትራ ብነዊሕን ዘይክኣል ዝብሃል ዝነበረን ቃልሲ ካብ’ቲ ተጎቢጣትሉ ዝነበረት ሕሱም ኲነት፡ ብሓይላን ጽንዓታን ህላወኣ ብምስግዳድ ካብ ረመጽ ብቓልሲ ዝተወልደት፣ ድሕሪ ናጽነታ ከኣ ተኸታታሊ ወራራት ኣፍሺላ፡ ግዳማዊ ተጻብኦታት ሓያላት መኪታ፡ ናጻ ህላወኣ ብቓልሳ ዘረጋገጸት፣ ሕጂ’ውን ናይ ራህዋን ብልጽግናን መጻኢ ንምህናጽ ኣብ ነብሳ ተኣማሚናን ተመርኲሳን እትቃለስ፣ ጽንዓትን መኸተን ዝመለለዪኣ ተቓላሲት ሃገር እያ። ኣብ ኤርትራ ልዕሊ ኩሉ ካልእ ዝስራዕን ዝኽበርን እቲ ረቂቕ ናይ ራእይ፡ ንቕሓት፡ እምነት ኣብ ዕላማ፡ ሓድነት፡ ጽንዓት፡ ምጽማምን ቆራጽነትን ሓይሊ እዩ። እዚ ረቂቕ ሓይሊ’ዚ ከኣ፡ መሰረት ሃገርን ፈጣሪ ልምዓትን ራህዋን እዩ። ነዚ ስለ ዝፈልጡ ከኣ እዮም ጸላእትና ነዚ ረቂቕ ሓይልና’ዚ ንምፍሓቚን ንምድኻምን ብውዲትን ጸቕጥን፡ ጠቐነን ስነኣእምሮኣዊ ኲናትን ዝረባረቡ ዘለዉ።

ቃልሲ ግን ቅኑዕ መሰረትን ጎደናን እንተዘይሒዙ ፍረ ክርከቦን ክዕወትን ከም ዘይክእል ፍሉጥ’ዩ። እዚ ከኣ ኣብ ገድሊ ኤርትራ ብመሪር ተመክሮ ተረጋጊጹ እዩ። ኣብ’ቲ ንጹር ሃገራዊ ራእይን ፕሮግራምን ውዳበን መሪሕነትን ዘይማዕበለሉ ቀዳምት ዓመታት ብረታዊ ተጋድሎ ዝተሰግረ ቅልውላውን ኲናት ሓድሕድን ከኣ መርኣያኡ እዩ። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ግን እቲ ንህዝባዊ ግንባር ከም መሪሕ ውድብ ዝሃነጸ፡ ሰውራዊ ራእይን ፕሮግራምን ውዳበን መሪሕነትን ስለዝማዕበለ፡ ሓርነታዊ ቃልሲና ብዓወት ተዛዚሙ። ሎሚ’ውን ንልዑል ባህግታትናን ክቡር መስዋእትናን እትብቅዕ ሃገር ንምህናጽ ቃልሲ ክቕጽል ግድን ስለዝኾነ፡ በቲ ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ተገሊጹ ዘሎ ራእይናን ፕሮግራምናን ተመሪሕና ከይተሓለልና ብጽንዓት ተቓሊስና ክንዕወት ኣሎና። ኣብ’ዚ ቃልሲ’ዚ ከኣ ህዝባዊ ግንባር፡ ከም ተሰካሚ ሕድሪ፡ ዋሕስ ትካል ሓድነትን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ኩሉ ትሕተ-ሃገራዊ ጸቢብን መቓቓልን ዝንባለታትን ተግባራትን ተቓሊሱ፡ ስምርትን ብልጽግትን ኤርትራ ንምህናጽ መሪሕ ተራኡ ክፍጽም ታሪኻዊ ተልእኾኡ እዩ።

ኣብ ምህናጽ ሃገር፡ ህዝባዊ ግንባር ዘለዎ ተልእኾን ሓላፍነትን፡ ብታሪኽ ዝተወሰነ ውድዓዊ ደኣ’ምበር ብዊንታ ዝመጸ ኣይኮነን። ብዓሚቚ ኣረኣእያ፡ ህዝባዊ ግንባር ማእከል-ስሕበት ሃገራዊ ፖለቲካ ኮይኑ ምቕጻሉን ምድልዳሉን፡ ንመሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራን ዘላቒ ምዕባለኡን ዘገልግል ታሪኻዊ ኣድላይነት እዩ። ህዝባዊ ግንባር እምበኣር፡ ካብ ህዝቢ ከይተነጸለን ንረብሓታቱ እሙን ብምዃንን፡ ኣብ ሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ዝተመስረተ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈና ድልድልትን ምዕብልትን ኤርትራ ናይ ምህናጽ ተልእኾኡ ክቕጽል ግድን እዩ።

መበል 62 ዓመት ኣብ ነኽብረሉ ዘለና ዕለት፡ ዝኸድናዮ ነዊሕን ዕዉትን ጉዕዞ ክንዝክርን ክንሕበነሉን ግቡእ እዩ። ንቕድሚት ብምምዕዳው ድማ፡ ብሰፊሕን ውዱብን ጽኑዕን ተሳታፍነት ህዝብና ናጽነትናን ልኡላውነትናን እናኣደልደልና፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝመሰረቱ፡ ህዝቢ ዝዓንዲ ማእከሉ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ ክንሃንጽ ንሰርሕ ኣለና።

ኤርትራ ብታሪኽ፡ ንዞባዊ ርግኣትን ምትሕግጋዝን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማዕርነትን ምምልላእን ዝተመስረተ ሓድሽ ፍትሓዊ ኣህጉራዊ ስርዓት ንኽህሉ ብዓቕማ ምቕሉል እጃማ እትገብር፡ ንሰላምን ምትሕግጋዝን ህዝብታት ዝተወፈየት ሃገር እያ። ዞባና ሎሚ’ውን ብግጭታትን ዘይምርግጋእን ይህወጽ ስለዘሎ፡ ኤርትራ በቲ ዘይቅየር መስመራ ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን፡ ኪንዮኡ ድማ ሓድሽ ዞባዊ ናይ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ስርዓት ንምንዳቕ ከይተሓለለት ክትጽዕር ግድን እዩ። ኣብ ኣህጉራዊ ጽፍሒ ከኣ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ’ዚ እንኮ-ቁጥባዊ ስርዓት ናብ ቅልውላውን ምንቁልቋልን ኣትዩሉ ዘሎ ናይ ምስግጋር መለጋግቦ’ዚ፡ ኤርትራ ምስ ኩሎም ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ህዝብታትን ሓይልታትን ብምዃን፡ ኣንጻር ብውሑዳት ሰብ ፍሉይ ረብሓ ዝምራሕ ሓይልታት ዕብለላን ስሰዐን ብምቅላስ፡ ኣብ ናጽነትን ማዕርነትን ዝተመሰረተ ፍትሓዊ ኣህጉራዊ ስርዓት ንምህናጽ ግደኣ ክትገብር ኣድላዪ እዩ።

ኣብ’ዚ መበል 62 ዓመት ልደት ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልስና እንጽንብለሉ ዘሎና ባሕቲ መስከረም፡ ነቲ መሰረት ናጻ ሃገራዊ ምዕባለና ዝዀነ፡ ምእንቲ ህዝባዊ ዕላማን ፍትሕን ሰብኣዊ ክብረትን ዝተኻየደ ጽኑዕ ቃልስን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትን እናዘከርና፡ ብምህናጽ ስልጥንቲ ኤርትራ ክንድብሶ ሕድሪ ኣሎና። ህዝባዊ ግንባር ከኣ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ተሳታፍነትን ርድየትን ህዝቢ ኤርትራ ተመስሪቱ፡ ብምሉእ ዓቕሙ ንምህናጽ ኤርትራ ተወፍዩ ብምስራሕ፡ ሕድሪ ዝቕበልን ታሪኽ ዝቕጽልን ዝሰርሕን ብቑዕ ወለዶን ድልዱል ሃገራዊ ትካላትን ብምዂስኳስ ታሪኻዊ ተልእኾኡ ንምፍጻም ሕጂ’ውን ቃልሱ ክቕጽል እዩ።

ሕድሪ ባሕቲ መስከረም ብምህናጽ ስልጥንቲ ኤርትራ ክንፍጽሞ ኢና!
ሰማእታትና ብስራሕ ይደበሱ!
ዓወት ንሓፋሽ!

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን
1 መስከረም 2023

ኣስመራ

----------



WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events