Dehai

ምሕበረ ኮማትናን ቤተ መቕደሳትና መሕቢ ከድዓት ከይኮና ንጠንቀቕ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 16 August 2023

ኣእሙሮ ሃሱሳት ከም ብሽብጢ ተሓጺቡ ዘይጸሪ ደጋል ድርዕቶ ዝደገለ ስለ ዝኾነ ነዚኦም ፖሎቲካዊ ሕጽቦ ምግባር ማለት ግዜ ብኮንቱ ምብኻን ማለትዩ። እዚ ከብለኒ ዝኸኣለ ገለ ሰባት ኣለዉ ኣተዓረቕቲ መሲሎም ኣሕዋትና እንድዮም ክንዕገሶም ኣሎና ክሳብ ኣብልቦም ዝምለሱ ዝብሉ ስለ ዘለዉ እየ።  ልቢ ዘይብሉ ኣበናይ ልቢ'ዩ ክምለስ? እዚ ዝረኤ ዘሎ ግዝያዊ ሸርዳዕዳዕ፡ ከምቶም ተራእዮም ዝጠፍኡ ክጠፍእ እኳ እንተኾነ ምቕልጣፍ ዘድልዮ'ዩ። ኩሉኹም ሃገራውያን ኣሓትን ኣሕዋትን ካብዚ ኣብ ፈስቲቫላትና ዝገበርዎ ገበን ዝዓቢ ስለ ዘየለ ኣብ እትንነብረሉ ሰፈር ዘለዉ ከድዓትን ሃሱሳትን ብውሕሉል ኣገባብ ሰኒድና ንዝምልከቶ ኣካል ክሳብ ዘየተሓላለፍና ስርሖም ክቕጽሉ እዮም።  እዚኦም ከድዓት ኣብ ቤተጾሎትና ማሕበረ ኮምና ውራያትና ከይዕደሙን ንሕናውን ከይንኸዶምን መርገጽ ክንወስድ ኣሎና። ብፍላይ ኤርትራውያን ማሕበረ ኮማት መሕብኢ ጸረ ሃገርን ህዝብን ዝኾኑ ሽዩጣት ክኾና ኣይግብኤንን። ማሕበረ ኮምና ካብ ፖሎቲካ ነጻዩ ዝበሃል ዘረባ ተቐባልነት የብሉን።  እንተ ጉዳያትና ግን ብዝላዓለን ዝዓበየ ፍናን ክቕጽል እዩ።
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events