Dehai

ግዜ ዓጋቲ የብሉን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 06 July 2023

""ግዜ ዓጋቲ የብሉን""
ትማልን ሎምን ነንበይኑ መዓልቱ፡
ጽባሕን ድሕሪጽባሕን ኣይኮነናን ማነቱ፡
ኩሉ መግለጺታት ኣለዎ ነናቱ።

ትማሊ ስራሓ ወዲኣ ምስ ከደት፡
ሎሚ ናታ ሒዛ ምስ መጸት፡
ጽባሕ ትዳሎ ከይተታኸሰት።

እዚ ካብ ኮነ ዙሮት ማዓልታት፡
ነፍሲ ወከፈን ዝውንና 24 ሰዓታት፡
ዑደተን የትምማ ብፍጥነት ብስርዓት።

መዓልታት ከምዘይ ጽበ ፈሊጥና፡                              ፍጥነትና እንተ ዘየማዓራሪና፡     
ሰዓታት ምስ ከደ ቀዲሙና፡
ንድሕሪት'ዩ ዝኸውን ስጉምትና።

ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል ኩልና፡
ዝሓለፈ ሕሰም ይኣኽለና
ንህነጻ ኤርትራ ሃገርና፡
ቀሲና ክንነብር ክሳብ ዘለና።


WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events