Dehai

ሃገራዊ ስኒት ፡ ሓደ ካብ መለለዪ ክብርታት ናጻ ኤርትራ እዩ !!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 19 May 2023

ሃገራዊ ስኒት ፡ ሓደ ካብ መለለዪ ክብርታት ናጻ ኤርትራ እዩ !!


ሃገራዊ ስኒት

“ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ” ተባሂሉ ከምዝምሰል፡ ሰባት ዝበዝሕ ግዜ ሽግርና እንተዘይኮይኑ ጣዕምና ኣይንርእን ኢና። ዘለናዮ ኩነት ውሁብን ብቐሊሉ ዝርከብን ገይርና ስለእንወስዶ. . . ኣይነድቖን። ብልጫናን ጸጋናን እንርዳእ፡ ካልእ መነጻጸሪ ኩነት ብግብሪ ከጋጥመና ወይ ብማዕዶ ክንዕዘብ ከለና ጥራይ እዩ።

ዘለናዮ እዋን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን እዋን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ረጽሚን፡ እዋን ሓድሕዳዊ ግጭትን ሕምስምስን ዘይምትእምማንን ዝርገትን፡ እዋን ግፍዒን በደልን እዩ። ብዓሌት፡ ወገን፡ ሃይማኖትን ካልእ ደቂቕ ማሕበራዊ ኣቃውማታትን ተጎጃጂልካ፡ ሓድሕድ ምጭኽኻንን ምቅትታልን፡ ሃብቲ ህዝቢን ሃገርን ህድግለነ ብዘይብሉ ብልሽውናን ስርቂን ንውልቃዊን ጉጅለኣዊን ጥቕሚ ምዝማት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ክውንነት እዩ።

“ዕግርግር ዕዳጋ፡ መፍቶ ሰራቒ” ከምዝበሃል፡ ካብ ህውከትን ሕንፍሽፍሽን “ንረብሕ ኢና” ዝብሉ ኣመሓደርቲ ቅልውላው፡ ንብዙሓት ኣህዛብ ዓለምና ናብ ህውከትን ዘይቅሱን ህይወትን ሸሚሞም ምዝመዛኦም ንምውሓስ፡ ብዝተፈላለየ ምስምሳት ንሕብረተሰብ ኣንቆራ ገሚሚዖም፡ ውሽጣዊ ርግኣት ዘውሕስ ባህሊን ክብርታትን ንምብሕጓግ ዝነዝሕዎ ስብከት ከኣ ነቲ ጸገማት ዘጋድድ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ ዘተኣማምን ሰላምን ዘቤታዊ ርግኣትን ምውሓስ ሓደ ካብ ዓበይቲ ግድላት ኣህዛብ ኮይኑ ይርከብ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሳላ’ቲ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ንናጽነት ብሓባራዊ መስዋእቲ ዝዀስኰሶ ተሪር ሃገራዊ ሓድነትን ምዕቡል ፖለቲካዊ ባህልን፡ ርጉእን ሰላማዊን ምንብባር ኣብ ምፍጣር ካብ ዝተዓወቱ ህዝብታት እዩ። ብመንጽር ዘለናዮ ዞባ ይኹን፡ ብመንጽር ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለምና ዘሎ ክውንነት፡ ኤርትራ፡ ብውሽጣዊ ሰላምን ርግኣትን፡ ስጡም ሃገራዊ ሓድነት፡ ውህደትን ስኒትን ህዝባ ብኣብነት እትጥቀስ ሃገር እያ።

ሃገር ናይ ምዃን መስርሕ፡ ነዊሕ ከቢድን ዝተሓላለኸን’ዩ። ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፡ ብሕልፊ ድማ እተን ብዘገምታዊ መስርሕ ዘይመጻ፡ ብመግዛእቲ ዝቘማ ሃገራት፡ ኣብ ውሽጠን ዝተፈላለዩ ኤትኒካውን ቋንቋኣውን፡ ባህላዊን ሃይማኖታዊን ኣቋውማ ዘለወን እየን። ክንዲ ዝኾነ፡ ብቑዕ ሃገር ንምህናጽ ዝሕልን ሕብረተሰብ፡ ዜጋታቱ ብዘይ ኣፈላላይ ወገን፡ ቀቢላ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ማሕበራዊ ቦታ ወዘተ. ብስኒትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዘነባብር፡ ኣብ ዜግነት ዝሰረተ ሃገራዊ ውህደት ዘረጋግጽ፡ መሰረታዊ ዕላማን መስመርን ምኽታል የድልዮ። መሰልን ማዕርነትን ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ፡ ኣብ ሃገራዊ ሕግታት ብምስፋር ጥራይ ግን፡ ሃገራዊ ስኒት ይረጋገጽ ማለት ኣይኮነን። ንትግባረኡ፡ ቅኑዕ ዕላማን ጽኑዕ መብጽዓን መንግስቲ፣ ንትሕተ-ሃገራውነት ጸብለል ኢሉ ውዲታትን ምትእትታውን ዘምክን በሪኽ ህዝባዊ ንቕሓት፣ ግዳማዊ መጥቃዕቲታት ብብቕዓት ዝከላኸል ሓያል ሃገራዊ ሰራዊት ይሓትት።

ሃገራዊ ስኒት እምበኣር፡ ሓደ ካብ መለለዪ ክብርታት ናጻ ኤርትራ እዩ። ዓለማዊን ዞባዊን ክውንነት ዘዘኻኽረና ሓደ ዓቢይ ቁም ነገር እንተሎ ከኣ፡ ነቲ ከም ውጽኢት ቃልስናን መስዋእትናን ከነረጋግጾ ዝኸኣልና ሃገራዊ ሓድነትን ውህደትን፡ ሰላምን ርግኣትን ከነድንቖ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንዕቅቦን ዝያዳ ከነሐይሎን ከምዘለና እዩ ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ



7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events