Dehai

ሓተታ፥ ግጭት ትግራይ – ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 08 October 2022

ግጭት ትግራይ – ዘቤታዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ
ሓተታ፥ ቀዳም 8 ጥቅምቲ 2022

ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ፡ ጃንዳ ወያነን ኣማለድቱን፡ ግጭት ትግራይ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሓሊፉ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻርን ንምዕብላልን ዝካየድ ውድድር ርእሰ-ሓያላን (ኣመሪካ፡ ሩስያን ቻይናን) ምዃኑ፣ ወያነ እንተተሳዒሩ ድማ ንኣመሪካን መሻርኽታን ዓቢ ስግኣት ከምዝፈጥር ንምእማን ዝዓለመ ሓድሽ ቃና ከጋውሑ ይስምዑ’ለዉ።

ወያነን ኣሳሰይቱን ኣቐድም ኣቢሎም፡ ግጭት ትግራይ ምስ ጉዳይ “ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት” ብምትእስሳር፡ ብመንገዲ “ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኢና” ዝብላ ትካላትን መጋበርያታት ማዕከናት ዜናን ዘጋውሕዎ ዝነበሩ ኣእዛን ማሕበረሰብ ዓለም ዘደንቆረ ኣውያት ክሰምዕ ንዝጸንሐ፡ እቲ ዘመተ ብሓንሳብ ናብ ካልእ ኣንፈት ምቕያሩ ክገርሞ ይኽእል ይኸውን። ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለታት ንዝከታተል ግን፡ ኣብ’ዚ መወዳእታ ሰዓት ግጭት ትግራይ ኣህጉራዊ መልክዕ ንምትሓዝ ዝደረኸ ስግኣት ምርዳእ ኣየጸግሞን።

ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ዘመተታት ኮነ እዚ ሓድሽ ቃና፡ ዕላማኡ ብቐንዱ፡ ሓቀኛ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ጸገም ብምዕብላዂ፡ ወያነ ዝፈጸሞ ገበናትን ከም ሳዕቤኑ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ዝወረደ ዕንወትን ዓባቢጥካ፡ ንወያነ ካብ ተሓታትነት ምድሓን’ዩ።

እንተኾነ ብግናዕ ኢድ ብርሃን ጸሓይ ምኽዋል ዝከኣል ኣይኰነን። ጠንቂን ኣመዓብብላን ግጭት ትግራይ፡ ብፕሮፖጋንዳዊ ምዕብላዂ ክሕባእ ዘይክእል እምብዛ ንጹር’ዩ።

  • እዚ ብቑጥዐ ህዝቢ ካብ ስልጣን ዝተባረረ ጸቢብን ገበነኛን ጉጅለ፡ ነቲ ኣብ 2018 ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንዞባና ተስፋ ሰላም ዘበሰረ “ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን” ንምትዕንቓፍን ንድሕሪት ንምምላስን፡ እልቢ ዘይብሉ ውዲታት ፈጺሙ።
  • ንህዝቢ ትግራይ ጀሆ ሒዙ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ደርጎኛ ሰራዊት ኣሰልጢኑ፡ ኣብ’ቲ ክልል ዓስኪሩ ንዝነበረ 80% ወተሃደራዊ ዓቕሚ ናይታ ሃገር ዝዓጠቐ ሃገራዊ ሰራዊት ብቓጻ ኣጥቂዑን ኣጽዋራቱ መንዚዑን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገስጊሱ መንግስቲ ንምግልባጥ፣ ድሕሪኡ ድማ ኣፈ-ሙዝ ብረቱ ናብ ኤርትራ ንምቕናዕ፡ ብዜማታት ጒራ ዝተሰነየ ዕንደራ ፈጺሙ።
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፈለማ ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 በይናዊ ውሳነ ምቊራጽ ተዂሲ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ድማ ምቊራጽ ተዂሲ ንሰብኣዊ ሕሳባት ብምእዋጅ፡ ነቲ ኲናት ንምህዳእ ስጒምቲ ምስ ወሰደ’ውን እንተዀነ፡ ጃንዳ ወያነ ንህዝቢ ትግራይ ንዝተለገሰ መግቢ ረድኤት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንዕኡ ንምብጽጻሕ ዝኣተዋ መካይንን ዝተላእከ ነዳድን፡ ኣብ ጨው ቀትሪ ዘሚቱ ናብ ሰራዊቱ ብምቕናዕ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2022 ክልተ ሰፋሕቲ ወራራት ኣበጊሱ።
  • ነዚ ንዓመት መመላእታ ዝተኻየደ ናይ ዓይኒ’ብለይ ስኒ’ብለይ ወራራቱ ዘገልግልዎ፡ መዓንጣ ዘይቈጸሩ ኣሽሓት ቈልዑ ካብ ሕቚፊ ስድራ-ቤቶም ብምምንዛዕ፡ ብድሑር ሜላታት ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ብሰብኣዊ ማዕበል ድራር ዓረር ብምግባር ኣህሊቑ።
  • እዚ ብሕሰም ህዝቢ ትግራይ ፋዕራ ዘይብሉ ኣገልጋሊ ጃንዳ፡ ነቲ ወራራቱ ኣብ ወርሓት ወቕቲ ማሕረስን ምእካብ ምህርትን ብምክያዱ፡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሕሰም ህዝቢ ትግራይ፡ መሊሱ ኣብኢስዎ።

ስለዝዀነ፡ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ከቢድ ጸጥታውን ሰብኣውን ቅልውላውን ናይ ኲናት ገበንን ተሓታቲ፡ እዚ ዓንዳሪ ጉጅለ ጥራይ’ዩ። ግጭት ትግራይ እምበኣር ምስ ጂኦ-ፖለቲካዊ ውድድር ርእሰ-ሓያላን ዘተኣሳስር ምኽንያት የብሉን።

ንዞባዊ ጉዳያት ብዝምልከት፡ ፖሊሲ መርገጺ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ንጹርን ዘየሻሙን እዩ። ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን፡ ማእከል ዓለማዊ ጥሙሓትን ውድድራትን ኮይኑ ብምጽንሑ፡ ህዝብታት ዞባና እምብዛ ተጎዲኦም’ዮም። ንህዝቢ ኤርትራ መሰል ናጽነቱ ብምግሃስ፡ ነዊሕን ደማዊን ኲናት ዘስዓበ ጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ኣካል ናቱ’ዩ። ምትእትታው ዓበይቲ ሓይልታትን ሕንከራ መሻርኽቶም ዞባውያን ጎብለላትን፡ ነቲ ልክዕን ዝግባእን እጃም ህዝብታትን ሃገራትን ናይዚ ዞባ ንልዕሊ 80 ዓመት ጓንዩዎ’ዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ፡ “ዞባና መዐንደሪን መወዳደሪን ባይታ ዓለማውያን ሓይልታት ክኸውን ኣይግባእን” ዝብል ንጹር’ዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካልእ ዞባዊ ጉዳያት እውን፡ ዋላ ኣብ ዘቤታዊ ሽግራት ውልቀ-ሃገራት፡ “ፈጽሚን ፍታሕን ብቐንዱ ብሰብ ጉዳይ’ዩ” ዝብል መትከላዊ ኣረኣእያ ኣለዋ። ካብዚ መትከል’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ንምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታት ኮነ ምእህጓር ዘቤታዊ ጉዳያት ኩሉ ሳዕ ኣኽሪራ ምስ ተቓወመት’ያ። ግዳማዊ ምትእትታው ዘላቒ ሰላምን ጸጥታን ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ ጽኑዕ እምንቶ ኣለዋ። ኣብዚ ዞባ ዘሎ ኣራግጽ ዓበይቲ ሓይልታት ኣብቂዑ፡ ልኡላውነት ህዝብታትን ሃገራትን ናይዚ ዞባ ክብረት ክዋህቦ’ዩ ድሌት ኤርትራ። ሃገራት’ዚ ዞባ ከኣ፡ ሰላምን ጸጥታን ዞባአን ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ባዕለን ክስከማ፡ ኣብኡ ከይተሓጽራ እውን፡ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ዞባአን ብናይ ሓባር መረዳእታ ኪጸምዳ፡ ሓባራዊ ጸጋታተን ተመላሊኡ ዝሰርሓሉ ኣልያ (መካኒዝም) ክፈጥራ ትብህግ።

ርግጽ’ዩ ናብዚ ባህጊ’ዚ ንምብጻሕ ዝሕተት ደረጃ ብቕዓትን ምትሕብባርን ቀሊል ኣይኮነን። ብቐዳምነት ናይ ኩለን ሃገራት ሓባራዊ መረዳእታ፡ ኣመለኻኽታን ርድየትን ይሓትት። ግዳማዊ ሕንከራ ድማ ከብቅዕ የድሊ። ካብኡ ወጻኢ፡ ሰላምን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ብዘላቕነት ከውሕስ ዝኽእል መተካእታን ሕርያን የለን ዝብል እዩ – ዘይቅየር መርገጺ ኤርትራ!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events