Dehai

ሓተታ፥ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈጠሮ ስንባደን ዘንቀሎ ዕንደራን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 09 July 2022

ሓተታ፥ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈጠሮ ስንባደን ዘንቀሎ ዕንደራን 


 ቀዳም: 9 ሓምለ 2022


ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን

ዘስዓቦ ስንባደን ዕንደራን

ቅድሚ 4 ዓመት፡ ብ9 ሓምለ 2018፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ን20 ዓመታት ዝኣክል ኣብ መንጎአን ዝጸንሐ ኩነተ-ውግእን ተጻብኦን ምብቅዑ ዝእውጅ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ንምኽፋት ዝዓለመ 5 ዓምድታት ዘለዎ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ምኽታመን ይዝከር።

ዕዙዝነት ናይዚ ታሪኻዊ ስምምዕ’ዚ፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንናይ ግዳም ኣጀንዳ፡ ብዶባዊ ምስሕሓብ ተመኽንዩ ኣብ ዝተወልዐ ናይ 1998-2000 ኲናት ዝደመይዎን ዝኸስርዎን ከይኣክል፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ፡ መዕለቢ ምስ ተገብረሉ’ውን፡ ካብ ሕጊ ንምህዳምን ትግባረኡ ንምዕንቃጽን ንዓመታት ዝቐጸለ ሕብረ-ብዙሕ ተጻብኦታት ሰጊርካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምንባሩ’ዩ። ካልእ ፍሉይነቱ፡ እቲ ስምምዕ፡ ብቃልሲ ክልቲኡ ህዝብታት ንዝመጸ ለውጢ ስዒቡ፡ ብዘይ ናይ ግዳም መንጎኛን ዓራቒን፡ ብድሌትን ተበግሶን መንግስታት ክልቲአን ሃገራት፡ ዝተበጽሐ ምዃኑ እዩ።

ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈረመሉ፡ ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ዝፈጠሮ እፎይታን ባህታን ዓለም ዘስተንከረሉ እዩ። ኩሎም ደለይቲ ሰላምን ምዕባለን ከኣ፡ ንካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነት ዝርከቡ ወገናት፡ ጽቡቕ ኣርኣያ ምዃኑ ብምግላጽ ሞጒሶሞን ኣድኒቖሞን።

ኣዕኑድ ናይቲ ስምምዕ ነዚ ዝስዕብ ዓበይቲ ነጥቢታት’ዚ ዘጠቓለል’ዩ፦

  • ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነተ-ውግእ ከኽትም፣
  • ኣብ 2002 ብኮምሽን ዶብ ዝተዋህበ ብይን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትግበር፣
  • ዲፕሎማሲያዊ ርክባት፡ ንግዲ፡ ትራንስፖርትን መራኸቢታትን ናብ ንቡር ክመለስ፣
  • ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኩሉ መዳያት ዕብየት፡ ብሽርክነትን ተመላላእነትን ክሰርሓ፣
  • ዞባዊን ኣህጉራዊን ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ብሓባር ክጽዕታ።

እዚ ሰናይ ተበግሶ’ዚ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ዞባዊ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይነበረን። ደድሕሪ’ዚ ስምምዕ’ዚ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ንዞባዊ ምትሕብባር ዝምልከት ስምምዕ ክፍርሙ እንከለዉ፡ ካልኦት ሃገራት ጎደቦ ነቲ ተበግሶ ክጽንብርኦ ድማ፡ ንጡፍ ዲፕሎማሲያዊ ስርሓት ክሰላሰል ጀሚሩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ በዚ ሓድሽን ትስፉውን ናይ ሰላም ሃዋህው ዝኸሰሩ ወገናት፡ ስንባደኦም ስውር ኣይነበረን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ጉሓፍ ታሪኽ ዝደርበዮ ወያነን፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ ዞባ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥሙሕ ዘለዎም ናይ ቀረባን ርሑቕን ሓይልታት በዚ ምዕባለ’ዚ ደቂሶም ኣይሓደሩን። ነቲ ዝተፈጥረ ሰላማዊ ሃዋህው ዘሪጎም፡ መንኰርኰር ታሪኽ ንድሕሪት ክመልሱ ድማ፡ ናብ መግለጺ ዘይርከቦ፡ ምስ ዕብዳን ዝዳረግ መስደመም ወተሃደራዊ ዕንደራ ኣምሪሖም።

እዞም እንትርፎ ጸቢብ ረብሓታቶም፡ ሓልዮት ህዝቢ ዘይዓጦም ወገናት፡ ብመቕዘፍቲን ስቓይን ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ኣዋርሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጠርዎ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ሽግራትን ሰብኣዊ ህልቂትን ማሕበራዊ ቀውሲን እምብዛ ዘሕዝን ጥራይ ዘይኮነ ብገበን እውን ዘሕትት እዩ። የግዳስ ዕንደራኦም ተኸርቲሙ፡ ፋይዳኡ ነውጺን ሰብኣዊ ቅልውላውን ምስ ኮነ እውን፡ ሓኒኾም፡ ኣይዓረፉን።

እዞም ካብ ተደጋጋሚ ፍሽለት ገና ልቦና ዘይገዝኡ ተጣላዕቲ፡ ኣገልጋሊኦም ብጽዑቕ ክንክን ትንፋስ እንተሰዂዐ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያውን ቁጠባዊን ጸቕጢ ኣዕሪጎም፡ ብመገዲ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኢና ዝብላ መጋበርያታት፡ ጽዑቕ ናይ ጠቐነ ዘመተታት እናካየዱ፡ ብጉልባብ ሰብኣዊ ሓገዝ ነዚ ገበነኛ ጃንዳ’ዚ ደገፍ እናስነቑ፡ ህይወት ከዝርእሉ፡ እንተቐዶ’ውን ዳግማይ ዕንደራ ክህቅን ናብ ዘኽእሎ ቁመና ንምምላሱ፡ ዝባኖም ቀሊዖም ክሰርሕዎ ዝጸንሑ ድራማ፡ ዓለም ብኣንክሮ ዝተዓዘቦ እዩ።

ኣውጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፈጠሮ ስንባደን ዘንቀሎ ዕንደራን እምበኣር፡ ነቲ ተኸሲቱ ዝነበረ እምብዛ ትስፉው ሃዋህውን ሰላምን ብምዝራግ ኣስዒብዎ ዘሎ ቕዝፈትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ንሃንደስቱ ዘሕንኽ ኮይኑ፣ ኣብ ህዝብታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን፡ ዞባናን፥ ኣውሪድዎ ዘሎ ናይ ግዜን ዕድላትን ክሳራ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። በቲ ካልእ መዳይ ግን፡ ናይዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ተሞኩሮ፡ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ብድሌትን ባህጊን ጥራይ ከምዘይብጻሕ፡ ክገጥሞ ዝኽእል ብድሆታት ንምስጋር፡ ዝሓቶ ጽንዓት፡ ትብዓትን ተወፋይነትን ጽቡቕ ገይሩ ኣጉሊሕዎ ኣሎ።

ብኣጋጣሚ ራብዓይ ዓመት ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን እምበኣር፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንተላይ መላእ ህዝብታት ዞባና፡ ንሽርሒን ተንኰለን ናይዞም ተቛመርቲ፡ ብንቕሓትን ትብዓትን ጸብለል ኢሎም፡ ንውሑስን ዘላቒን ሰላም፡ ንሓባራዊ ዕብየትን ብሩህ መጻኢን ጻዕሮም ከዛይዱ ምዝኽኻር ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ ጎይታ ምዕባለን ብሩህ መጻኢን ንምዃን፡ ንቕሓትን ትብዓትን ምዕዛዝ ሕርያ ዘይኮነ ግዴታ እዩ።

ቀዳም: 9 ሓምለ 2022


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events