Dehai

(ሻባይት) ሓተታ፥ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ወያነ – ስለምንታይ? ንምንታይ ዕላማ’ኸ?

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 17 May 2022

ሓተታ፥ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ወያነ – ስለምንታይ? ንምንታይ ዕላማ’ኸ?

ሰሉስ፡ 17 ግንቦት 2022

ጃንዳ ወያነ ናይ ‘መጨረሽታ’ዩ’ ንዝብልዎ ሓድሽ ወተሃደራዊ ዕንደራ ይዳለዉ ከምዘለዉ ምስጢር ኣይኮነን። ወግሐ-ጸብሐ ተጠሊዖም፡ ‘ካብ’ዚ ንላዕሊ ክንጻወር ኣይንኽእልን ኢና፣ ንጸላእትና ኣብ ዝሓጸረ እዋን ደምሲስና ብዓወት መሰስ ኢልና ክንወጽእ ኢና’ እናበሉ ክጀሃሩ ኩሉ ይሰምዖም ኣሎ።

ብኸምዚ ዝበለ ዕሙት ሕልምን ዘይተኣደነ ፈኸራን ናብ ህጉም ክኣትዉ ፋልማዮም ኣይኮነን። ቅድሚ 24 ዓመት – ኣብ 1998፡ ዝምድና ክልቲኡ ሃገራትን ውድባትን ብመጠኑ ጽቡቕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ መንገዲ ጥልመት መሪጾም፡ ‘ዝተኸፍለ ይከፈል፣ ዝጠፍአ ይጥፋእ፣ ዝዓነወ ይዕኖ’ ኢሎም ዝኣወጅዎ ኲናትን ውዒሉ-ሓዲሩ ናብ ውድቀቶም ዘምርሐ ኣዕናዊ ሳዕቤናቱን ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ኲናት ብስምምዕ ኣልጄርስ ደው ኢሉ ናብ ፍርዲ ምስተኸደ’ውን፡ ኣብ ክንዲ መገዲ ሰላምን ጣዕሳን ዕርቂን ዝመርጹ፡ ነቲ ስምምዕ ጠሊሞም፣ ንብይን ዶብ ነጺጎም፣ መሬት ኤርትራ ጎቢጦም፣ ከንቱ ተጻብእኦም ን20 ዓመት መመላእታ ምቕጻሎም’ውን፡ ናይ ትማሊ ዝኽሪ ኢዩ።

ኣብ ሕዳር 2020፡ ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ድማ፡ ኣዋጅ ምሕዝነትን ሰላምን ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓሲሞም፡ ‘በጃኹም ግደፉ፣ ኲናት ኣየዋጽእን’ዩ’ ዝብል ምኽርና ንዒቖም ውግእ ክጅምሩ ከለዉ፡ እዚ ሰሜን ደምሲሶም፣ ንኢትዮጵያ በጽቢጾም፣ ንኤርትራ ኣንበርኪኾም፣ ጎብለላት ዞባ ክኾኑ፡ ብቐትሩ ሓሊሞም ኔሮም ኢዮም። ኣይሰለጦምን፣ ከቢድ ስዕረትን ክሳራን ወሪድዎም። ድሒሩ፡ ብሰንኪ ግዳማዊ ጸቕጥን ዝተገብረ ጌጋታትን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ኣውጺኡ ምቊራጽ ተዂሲ ምስ ኣወጀ፡ ካልኣይ ወፍሪ መጥቃዕቲ ኣበጊሶም፣ ኣዲስ ኣበባ ክቈጻጸሩ ውዱእ ወሲዶሞ ነይሮም። ሽዑ’ውን ማይ ዓዂቶም ተሪፎም፣ ብጸረ-መጥቃዕቲ ድማ ናብ’ቲ ዝተበገስሉ ተመሊሶም።

ካብ ሕሉፍ መሪር ተመኲሮኦም ስለዘይተማህሩን ዘይመሃሩን፣ ህልቂት ናይ’ቲ ብስሙ ዝመጻደቑ ህዝቢ ትግራይ ስለዘየሕምሞም፣ እቲ እንኮ ዝዓጦም ነገር ስልጣኖም ጥራይ ስለዝኾነ፣ ሕጂ ንሳልሳይ ግዜ ከበሮ ኲናት ይሃርሙ ኣለዉ።

ጃንዳ ወያነ ንኲናት ኣንቂዶም ከምዘለዉ ጥራይ ኣይኮነን ኣግሂዶም ዘለዉ። ዕላማታቶም’ውን ኣይሓብኡን። ቀንዲ ዒላማኦም፡ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ኢዮም። ኣህጉራዊ ሕጊ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ምዃኑ ንዘረጋገጾ መሬትና ዳግም ምጒባጥ፣ ክቱር-ጽልኦም ዝድርኾ ዝምታን ግፍዕን ኣብ መሬት ኤርትራ ዳግም ንምፍጻም – ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ዝገበርዎ፡ ንኤርትራ ምንብርካኽ፣ ጽባሕ ድማ፡ ንኤርትራ ዝጎበጠት፣ ኣፍደገ ባሕሪ ዘለዋ ዓባይ ትግራይ ምህናጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ 27 ዓመት ግዝኣቶም ገበን ምጽናት ደቂ-ሰብ ዝፈጸሙሉ ወልቃይት፡ ጸገዴን ሑመራን ዳግም ብምቁጽጻር መስመር ሱዳን ምኽፋት፣ ነታ ሃገር ኣብ ዘይውዳእ ህውከትን ምብትታንን ምሽማም፣ ኢዩ ህርፋኖም።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ፡ ነቲ ኣብ 2018 ዝተቐላቐለ ጩራ ሰላምን ምትሕብባርን ዓቢጥካ፡ ንመላእ ዞባ ናብቲ ዝነበሮ፣ ንሳቶም ዘካውስዎ ህውከትን ዘይምርግጋእን ሓድሕዳዊ ምንቛትን ምምላስ’ዩ እቲ ውጥን።

ኣሸቀልቲ ወያነ ዝኾኑ ምዕራባውያን ሓይልታት፡ ምስዚ ናይ ወያነ ገደል-ዝኣፉ ጥሩፍን ኣዕናውን ዕላማታት ምሉእ-ብምሉእ ኣይሰማምዑን ይኾኑ’ዮም። ዘየማትእ ድልየቶም፡ እዚ እሙን ኣገልጋሊኦም ዝኾነ ጃንዳ ድሒኑ ክቕጽለሎም ስለዝኾነ ግን፡ እዚ ወያነ ዝዳለወሉ ዘሎ ዕንደራ ናቶም ቡራኬን ደገፍን ከምዘለዎ ግሉጽ ኢዩ። ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ፡ ዘድልዮ እኽሊ፡ መድሃኒት፡ ነዳዲን ካልእን ብስም ረድኤት ከብጽሕሉ ድማ ይጓየዩ ኣለዉ።

ንሕና ኤርትራውያን – ህዝብን መንግስትን፡ ኣብ ታሪኽና ኲናት ናፊቕናን ንኲናት ተሃንጢናን ኣይንፈልጥን ኢና። ክቡር መስዋእቲ ተኸፊልዎ ህያው ንዝኾነ ህላዌናን ናጽነትናን ልኡላውነትናን ክብረትናን ንምክልኻል ግን፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዘረጋገጾ መሰልን፣ ሃገራውን ሰብኣውን ግቡእን ኣለና።
------

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events