Dehai

"ናታ ገዲፋስ ናይ እንዳ'ማታ ትናፍቕ" ሓጺር ዛዕባ ጸወታ/ተዋስኦ "ደሞክራሲ"!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 31 March 2022

ኣብ ገለ ሃገራት፣ ዲሞክራሲ ኣብ ኣደራሽን መድረኽን ብመደረን ቕየቛን ዝጀመረ፣ ካብ ጸርፍን ምዝንጣልን ሓሊፉ ናብ ሓድሕድ ከም ድዑል ብርእስን [ቴስታን] ምጭልጋምን ጽፍዒትን ጉስጥን [ካሶቲን] ገጹ ጫፍ ማዕቢሉ፣ ባህርይ 'ልቢ ጎበዝ/ጎርዞ ናብ ደረቱ/ታ' ከም ዝበሃል ዓሪጉ፣ ናብ ጸወታ ጭርጭር ዓበደ | ሕንፍሽፍሽ | ዕሸላት ይቕየር!!! ወይ ጉድ፣ ሓሻካ 'ደሞክራሲ' መከራ ረኺባ!

    ብዛዕባ'ታ ሓቀኛ ደሞክራሲ ክንዛረብ እንተኼና፣ በላሕትን ለባማት ጥንታውያን ኣቦታትና ካብ ከባቢ 12 ኽፍለ-ዘበን ጀሚሮም፣ ኣብ ከከባቢኦም ብመልክዕ ኳደረ ህዝባዊ ባይቶ ጸዊዖም፣ ተኻቲዕምን ተዛትዮምን ተማይጦምን ንዓና የማሓድረና'ዩ ዝበልዎ ሕግታት እንዳባ፣ ብስምምዕ ተሊሞምን ጽሒፎምን ኣጽዲቖምን ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምን ዘማሓድርዎም መራሕቲ መዚዞምን፣ ተኻባቢሮምን እናተሓጋገዙ ብሰላም ብሓባር ይነብሩ ከም ዝነበሩ [ሕጂ'ውን እቲ ባህልን ስነ-ምግባርን ተዓቂቡ ከም ዘሎን]፣ ንሕና'ውን ዘርከብናሉን ንፈልጦን እዩ። 

ስለዚ ነብስኻ ብኣኻ ምምምሕዳር [ደሞክራሲ] ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ብግብሪ ዘዘውተሮን ዝንርባበረሉን ባህሉን ስለ ዝኾነ፣ ሓድሽ ቅዲ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ካልኦት ባዕዳውያን ትምህርትን ማዕዳን ቅዳሕን ኣየድልዮን'ዩ።

    እዚ ኣብታ ብርኽቲ ሃገርና ብግብሪ ኣብ ዝስረሓሉ ዝነበረ ኣገባብ ሕጋዊ ህዝባዊ ምምሕዳር ግን፣ እዞም ናይ ሎሚ መምሃራን "ሕግን ደሞኽራስን ኣኽበርቲ መሰል ደቂ-ሰባትን" ክኾኑ ዝደልዩን፣ ንዓና ከም ደናቑር ዘይንፈልጥ ቆጺሮም ወግሐ-ጸብሐ ክሰብኩና ላሕ ዝብሉ ገባቲት ኣማሪካን ኮራኹራ ምስሉያት ኮቦጃ ኣውሮጳን፣ ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓተ-ባርያነትን መስፍንነትን ርእሰ-ማልነትን ጨካናት ሰንሰለታዊ ስርዓተ-ኣልቦ ሕጊ መግዛእትታት ኣርዑት ተቖሪኖም፣ እናተሳቐዩ ይነብሩ ኔሮም።

    ኣብ ዝሓለፈ ታሪኾም ድማ ስስዐ ምግባት ባህርያዊ ጸጋታትን ማዕድናትን ዝሰረቱ፣ ብገጀራን ደሓር ድማ ብዘመናዊ ኣጽዋር ነንሓድሕዶም ዝዋግኡን ክተሃላለቑን  ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ጃምላዊ ህልቀትን ዝፍጽሙ ዝነበሩ እዮም። ሕጂ'ውን ገና ብዝተፈላለየ ኣገባብን ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ጣልቃ ብምእታውን እቲ ዕግርግርን ግጭትን ውግእን ካብ ገዝኦምን ከባቢኦምን ኣርሒቖም፣ ናብ ካልኦት ሃገራት ከም ዝውላዕ ጌሮም ነቲ ህውከት ንኽናዋሕ እናመሓደሩ፣ ኣጽዋሮም ብምሻጥ ዘይተኣደነ ንዋይ ብምግሓጥ፣ ጌና እቲ ኲናት ብኻልእ መልክዕ ይቕጽልዎ ኣሎዉ!

    ካብ'ዚ ሓሊፎም ሃንደስቲ ዓሌትነትን ጨካን ኣረሜንነትን ገባትነትን መግዛእትን ከም ከብቲ መሸጣ ደቂ-ሰባትን ....ወዘተረፈ ብትልሚን ብዕላምን ምሂዞምን ጽሒፎምን ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ ንሳቶም'ዮም። ምስሉያት ኣውሮጳውያን ንኣህጉር ኣፍሪቃን ካልኦት ክፍለ ዓለማትን ኣብ ትሕቲ ጨካንን ኢሰብኣዊ ኣርዑት መግዛእቶም ኣእትዮም፣ ብዓሰርተታት ምልዮናት ደቀ'ባት ብጅምላ ዝቐዘፉን ብገዛእ ሪሞም [መሬቶምን ርስቶምን] መሬት-ኣልቦ ጌሮም ናብ ባሮትን ተተኮብቲን ዝለወጥዎምን፣ ባህርያዊ ጸጋታቶም ንልዕሊ 300፡ 200፡ 100፡ 50 ዓመታት ነቲ ስቡሕ ስጋኡ መንጭቶም ዓጽሚ ጥራይ ጌሮም ናብ ድሕረትን ድኽነትን ደቕዲቖሞን፣ ዘይሓዊ በሰላ ገዲፎምሉ እዮም ከይዶም።

     ካብ'ዚ ሓሊፎም ርእሰማላውያን ሃገራት ኤውሮጳ ከም ዓዲ እንግሊዝ ነዃል ሰልዱ ስፓኛ ፖርቱጋልን ካልኦት መሰልቶምን፣ ንእፍሪቃውያን ከም ሰብ ዘይኮነስ ከም እንስሳ [ከም ኣቑሑት] ቆጺሮም፣ ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ኣእጋሮምን ክሳዶምን ብሰንሰለት ቀይዶም ብዘስካሕክሕን ኣረሜናዊን ኢሰብኣውን ኣገባብ፣ ናብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜርካ ሰሪቖም ወሲዶም፥ ካብቶም ደቀ'ባት ዝሃገሩዎ መሬት ከም ባርያ ክሰርሑሎም ጌሮም፣  ብግዳያትን ጸጋታትን ኣፍሪቃን ህዝባን መሰልቶምን ንሃገራቶም ኣብ'ዚ ንርእዮ ዘሎና ምዕባለን ህብትን ኣብጺሖማ።

     እቲ ኣብ'ዚ ግዜ'ዚ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘሐዝንን ግን፣ እቲ ኩሉ ናይ ዘመናት ኣርዑት ባርነታዊ መግዛእቲ ሓሊፉ፣ ንናጽነትናን ሓርነትናን [ናጽነት ኣፍሪቃን ካልኦትን ከይረሳዕኩ] ማእለያ ዘይብሉ ኩለንትናዊ ኽቡር መስዋእቲ ኸፊልና እንክንበቅዕ፣ ኤውሮጳውያን ቀደም ከም ባሮት ኣገዲዶም ካብ ኣፍሪቃ ሰባት ዝወስዱ ዝነበሩ ኣብቂዑ ከይኣክል፣ ሎሚ ድማ ኣብ 20ን 21ን ኽፍለ-ዘበናት ክፋል ህዝብና ነታ መተካእታ ዘይብላ እንኮ ሓንቲ ኽብርቲ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ሞት ኣእትዩ 6,10, ስጋብ 30 40 ሽሕ  ዶላራት ኸፊሉ፣ ንኽነብር ምእንቲ ንሃገሩን መንግስቱን ብሓሶት ኣጸሊሙን ደዊኑን ናውኣቶም ምስጋዱን፣ ብሓቂን ብዘይ ሕብእብን ንምዝራብ ድማ "ዳግማይ ባርነት" ብወለንትኡ ምምራጹን እዩ። 

     እቶም ዝወለድዎምን ዘዕበይዎምን ወለዲ እቲ ብዙሕ ንዋይ ኣፍሲሱ ብናጻ ዘምሃሮምን ዘሰልጠኖምን መንግስትን ህዝብን ተመሊሶም ኣብ ክንዲ ዝኽሕስዎን ብናይ ወሎዶታት ኲናት ዝዓነወት ሃገሮም ዝሃንጹን፣ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ነቶም ዋላ ሓንቲ ሳንቲም ዘየውጽኡሎም፣ ኣይትሓዙለይ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢልና ከም ዘመናዊያን "ባሮት" ኣብቲ ንሳቶም ዘይትንክፍዎ ዓውደ-ስርሓትን ዋላ ኣብቲ ተራ ስራሕ ከምኦም ብምውፋር ነገልግሎም ኣሎና። 

    እቲ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ብቕንዕና ዝሓስብ ኤርትራዊ ይኹን ወድሰብ ዘስደምም ግን፣ ስድራቤትካን ህዝብኻን ንድሕሪ ገዲፍካን ጠንጢንካን ዓድኻን ሃገርካን ኩቦ ደርቢኻለን ሃዲምካ [ገሊኣ ድማ ደቃን ቤተ ሰባን ኣዝማዳን ጠርኒፋን ጓሒጊኡሓ ካብ ሃገር ኣውጺኣ] ናብቶም ቀዳሞት "ጎይቶትካ" ነበር መጺእካስ፣ ኣብ'ዚ ተኾይጥካ ኢድካ ከይሓወስካ ብማዕዶ፣ "ስለ ምንታይ ሃገርና ኣህጉርና ዘይማዕበለት? ማይ የለን ዝደለኻዮን ዝመረጽካዮን ዝብላዕ ሕብስቲ የሎን ....ወዘተረፈ" እናበልካ ብኣጋንኖ ዝዝረብ ዝዝርጋሕ ሕሱር ናይ ሓሶት መናፍሕን፣ ነቲ ዝመርሕ ዘሎ መንግስትን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ሃገር ተዋፊሩን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተዘርጊሑን ኣብ ዝተፈላለ ዓውድ-ሞያ ኾይኑ ዝነጥፍን ሃገር ዝሃንጽን ካብ ጸላእቲ ዝከላኸልን ውፉይ ሰራዊትን ዓቃል ህዝብን፣ ዝድርበ መርገምን ዘለፋን ጸርፍን ማእለያ ዘይብሉ ብምዃኑ እዩ! 

    እቲ ዝኸፍአን ጫፉ ዝሰሓተን ድማ፣ ዘምጽኣካ ገዲፍካ ብባዕዳውያን ተጻያት ንገንዘብ ንጥቕሚ ብስስዐ ተዓሲብካን ባርያ ኮንካን፣ ኣንጻር'ቲ ለዋህ ህዝብኻን ብርኽቲን ሃብታም ሃገርካን ጽኑዕ 
መንግስትካን ጅግና ሰራዊትካን ብሸርሕን ውዲታትን ብምስላፍ፣ ከተዕንዎም ከንቱ ፈተነ ምግባርን እዩ። 

    እቲ ቀንዲ ዘስደምም ናይ ዓያሹን ቦሶሮታት ዘስሕቕ ተዋስኦ ዕስለ ዕንኪላሎ ዘቤታውያን ድማ "ሰብኣይ ደሊኽን ጭሕሚ ሰብእይ ግና ጸሊእክን" ከም ዝብሃል፣ እቶም ገለ ዕሱባት ዕስለ ዕንኪላሎ ምስ ዓሳቢቶም ከዳሚት ባርያ ጓኖት ሓይልታት ዝኾነት ዓሌታዊት ህ•ው•ሓ•ት/ማ•ሌ•ሊ•ት• ኮይኖም ንመንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግምባርን ከዕንዉ ንጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ከዳኽሙን ከጥፍኡን ንህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ገዲፉ ከም ዝፈልስን ክባታትንን ን20 ዓመታት ከንቱ ፈተነ ጌሮም ከይኣኽሎም፣ ሎሚ ድማ ዝጸውይዎ ዝነበሩ ረሲዖም ግልብጥ ኢሎም "ህዝብናን ሃገርናን ሰራዊትናን ንፈቱ ኢና፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን መንግስቲ ኤርትራን ህ•ግ•ደ•ፍን/ሻዕብያን መሓውራቱን ግን ጸላኢና'ዩ" ምባሎም እዩ። ወዳጀ ውርዝይና! 

    ንተወሳኺን ዝያዳን መረዳእታ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሰርንሰለታዊ ሕጥበ-ጽሑፍ ኣምብብ።

•>>> https://www.facebook.com/100001351497949/posts/4444470502274622/?sfnsn=scwspmo
•••••
    እዚ ድማ ብዕስለ ዕንኪላሎ ብኻልእ ፈሽኳል ውዲት ካብ ተስፋ ምቑራጽ ዝነቐለ፣ ብፍላጥን ብዕላማን ኣብ ሞንጎ መንግስትን ውድብን መሓውራቱን ሰራዊትን ህዝብን ሕልኩስ ጋግን ፍልልይን ፈጢርካ፣ እንተ ሰሊጡካ ሰተት ኢልካ ብሑጓ ምእታው ማለት እዩ።

    ሓያልን በዓል ጽኑዕ መትከልን ውፉይን መንግስትን ውድብን ጥርኑፍን ብወትሃደራዊ ስነ-ፍልጠትን ቅድን ስልትን ሰነ-ስርዓትን ስነ-ምግባርን ቆራጽነትን ነቕ ዘይብል ስነ-ኣእምሮኣዊ እምነትን ዝተሃንጸ ሰራዊትን ተባዕን ዓቃልን ብሓድነቱ ስጡም ህዝቢ ዘይብላ ሃገር፣ ከምዚ ዝበታተንን ፋይዳ [ጥቕሚ ዘይብሉ] መእሰሪ ዘይብሉ ዝበታተን ማእዶ ማለት እዩ። ስለዚ ትካል ምሕደራ ሃገርና ኤርትራ፣ ብመንግስቲን ህዝባዊ ሰራዊትን ህዝብን ዝቖመ ስሉሳዊ ኩርናዕን ሓድነታዊ መንግስቲን እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ነንሓድሕዱ እናተመጋገበ ዝኸይድን ዝጐዓዝ ባእታ'ዩ።

    ናትና ኣብ'ዚ ደገ ድሕረ-ገጻት ዘሎ ናይ ገለ ውሑዳት ናይ ጽሑፍን መልሓስን "ውግእ ሓድሕድ" መሾንጎጓን ምኩሻሕን፣ ግን ከኣ ጥይትን መድፍዕን ተወንጫፍን ዘይትኮሶ ኣካላዊ ቁሱልን ሞትን ዘይረኣዮ ውግእ-ኣልቦ፣ ነዛ ካልኣይቲ ተንቀሳቓሲት ስእሊ ብተዛማዲ ትመስል። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቀኛ ህይወት ኤርትራውያን ግን፣ ብርግጽ ካብቲ ኣብ መሳኹቲ ኮንካ ዝጽወን ዝጸሓፍን ዝተፈልየ ኮይኑ፣ እቲ መብዛሕትኡ ዘምጽኦ ጉዳይን ስርሑ ብስሩዕ ዝገብርን ህይወቱ ብኣገባብ ዝመርሕን ጻዕራምን ሕርኩትን ሕብረተሰብ እዩ።

    "መልሓስ ዓጽሚ የብላን፣ ብኣግባብን እዱብነትን እንተ ዘይተጠቒምካላ ግን ዓጽሚ ትሰብር" ዝበሃል ምሳለ ኽቡራት ኣቦታትናን ወራዙት ኣዴታትና ኣሎ'ዩሞ፣ ንኹሉ ትብልዎን ትሕንጥጥዎን ቅድም ቀዳድም ሓሲብኩምን ጸሚቕኩምን ብተዛማዲ ጭብጢ ኣሰኒኹምን ኣመሓላልፍዎ ኢኹም፣ ሰብ ምእንቲ ክመሃርን ማሕበራዊ ኣፍልጦኡ ከስፍሕን!

ስለዚ ስነ-ልቦናን ስነ-ምግባርን ውርዝይናን ይሃብኩም።

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም
~~~~~~~~~~~~~~~
• ደርፊ:

   *ኣይ ናትናን እዩ"

ስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ እስቲፋኖስ ኣብርሃም [ዘማች]

https://youtu.be/ZQWSuup4X6U

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events