Dehai

ጅግና ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያን መቐጸልታኡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ'ውን ህዝባዊ ግምባር/መንግስቲ ኤርትራ ምስ'ቲ ዝጋጠሞ ኣድማሳውን ዞባውን ተጻብኦታትን ውዲታትን ሸርሕታትን........

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 02 March 2022

ጅግና ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያን መቐጸልታኡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ'ውን ህዝባዊ ግምባር/መንግስቲ ኤርትራ ምስ'ቲ ዝጋጠሞ ኣድማሳውን ዞባውን ተጻብኦታትን ውዲታትን ሸርሕታትን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ወዲቡን ምሂሩን ኣንቂሑን ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን፣ ከምቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቓልሲ ንጸላእቱ ኣላሽ ኣቢሉ ምሕኩልቶም ሰቢሩ ዝሰዓሮምን መሰስ ኢሉ ዝወጸን ብዓወት ዛዚሙ ናጽነትን ሓርነትን ዘምጽአን፤ ድሕሪ ናጽነት'ውን ኣብ ጉዕዞ 30 ዓመታት እንደገና ንዝገጠሞ ዝተሓላለኸ ተንኮላት/ውዲታት ብዓወት ደጊሙዎ እዩ!!!
••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••

   ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ ኣብ'ቲ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ፍትሓውን ህዝባውን ብረታዊ ቓልሲ ብሓፈሻ ተደመሮ ዕድመ 30 ዓመት ናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ድማ ብፍላይ፣ ንመንግስቲ ኤርትራን መሪሕ ህዝባዊ ግምባርን ኣብ'ቲ ብሓሶትን ሕሉፍ ጸለመን ዝተነድቐ ኳና ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ብዞባውያን ኮራኹር ምዕራብ [ብከደምትን ባሮትን ዓሌታዊት ስርዓት ህ•ው•ሓ•ት ነበርን ሱዳንን ጅቡቲን የመንን ናይ ውግእ ራእስታት ሶማልን  ኪዳን ገለ ዘይቅዱስ ኪዳን ተበለጽትን ግዙኣት ተለኣኣኽቲ ዘቤታውያን ጉጅለታትን ካልኦት ኣፍሪቃውያን ሃገራትን] ተጠንሲሱ ብሓያላን ሃገራት ዝተጻዕነ ኣድማሳዊ መቕጻዕትን እገዳ ተጻዊሩን፣ ስኑ ነኺሱን ማዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉን ብዕጥቅን ህዝባዊ መኸተን ብጽንዓት በዲህዎ እዩ። ነዚ ዝፈጸሞ ድማ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተኣማሚንኑን ህዝቢ ኤርትራ መሰረተ-ምንጪ ሓይሉ ጌሩን ንድሕነቱ  እናተቓለሰ፣ ብርእሰ-ምርኮሳን ብዘይ እኹል ናይ ደገ ሓገዝን ዓቅሚ ሰቡ ወዲቡን ኣንቂሑን ኣሰልጢኑን ኣምሂሩን ኣዕጢቑን ንኹሉ እንተታት ድሉው ብምግባር፣ ንመንጠሪ ቀጻሊ ምዕባለ ዝኸውን ኩለንትናዊ ትሕተ-ቕርጽታት ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝዝርጋሕ ብዓቕሙ ሃኒጹ እዩ'ሞ ስኽፍ ኣይበልኩም! እቲ ኣዎንታዊ ውጽኢቱ ድማ ብግብሪ ኣብ ባይታ ተርእዩ'ዩ።

   በን'ጻሩ ደመኛ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ብሕሉፍ መርዛም ጽልኢ ተመሪዛ ዝሰኸረትን ርእሳ ብኸቢድ ሓሚማ  ዝዓበደት መስፍናዊትን ዓሌታዊትን ስርዓት ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ን27 ዓመታት ዝኣክል ኩሩዕ ባህሊ ሕብረተሰብ ጀሊሓን  ኣፍሪሳን  ግብረ-ሶዶማውን ናይ ለይታዊ ጥራሕ-ነብሲ ሳዕስዒትን ወልፊ ጫትን ጐዳእቲ ዕጸ-ፋርስን ኣብ ፎቒድኡ ኣተእታትያን ኣብ ምሉእ ሃገር ከም ዓለባ ሳሬት ዘርጊሓቶ እያ። ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፣ ዘይልሙድን ዝኸፍአ ናይ ዓሌትን ቀቢላን ሃይማኖትን ጽልኢ ዘሪኣ፣ ሓድሕድ ምትፍናናን ምንቛትን ምቅትታልን ኣንጊሳ፣ ንሃብቲ ኢትዮጵያ ከም ዓጽሚ ስጋ ግሂጻ ነቲ ዓጽሚ ዝደርበየቶን፣ ብጽዑቕ ንዋይ ጎይቶታ ገባቲት ኣማሪካን ምስሉያት ምንጪ ዓሌትነት ኮበጃ ኤውሮጳን ኣእላፋት ሰልዲ [Hundred's of Billions] ተተዂቡላ እንክበቕዕ፣ ዓቢ ኽፋል ካውኡ ዘሪፋን ሰሪቓን ናብ ባንክታት ምዕራብ ኣህዲማ ከዚናቶ እያ።

   እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሚልዮናት ሰልዲ ፈሲሱዎ ዝተሰርሐ ትሕት-ቕርጺ ከም በዓል ጽርግያ ድማ፣ ድሕሪ ውሑድ ዓመታት ክበላሾ እንከሎ፣ ካብቲ ዝሃነጸቶ ካልኦት ጽፍሕታት ድማ ደርጎኛ ነጨ-ለባሽ ኣረሜናት ህውሓት ነበር ብዝወልዓቶ ኲናት፣ ኣብ ዝኣተወቶ ኽፋል ኢትዮጵያ ካብ ዓበይቲ መመስርሒታት [Industries Fabrics heavy and medium Machines Hospital Equipments...etc.] ስጋብ ጨው-በርበረ ብሑቕ ከይተረፈ ነቒላን ዘሪፋን ብእትናብለታትን [ማኻይን] መጽዓኛን ጽሒና ናብ ትግራይ ኣጓሪታቶ እያ። ነቲ ዝተረፈ ዘይንቀሳቐስ ንህይወት ህዝቢ ኣዝዩ ኣድለይቲ ዝኾኑ ህንጻታትን ትካላትን ድማ፣ ብኣባት ነብሲ ክቱር ጽልእን ሕነ-ምፍዳይ ወልፊ ዝዓበደት ዓሌታዊት ወያነ ትግራይ ብነቶግቲ [ፈንጂታት] ኣዕንያቶን ኣጥፊኣቶን እያ!

   እምበኣርከስ እቲ ኣብ ሞንጎ ኣካይዳ ጽግዕተኛን ተተኳቢትን ከዳሚትን ባርያ ምዕራብ ስርዓት ኣረሜናዊትን ዓሌታዊት ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበርን፣ ብርእሱን ህዝቡን ርእስኻ-ምኽኣልን ርእሰ-ምርኮሳን ዝተኣማመን በዓል ጽኑዕ መትከል ህዝባዊ ግምባር/መንግስቲ  ኤርትራን  ሓያልን ዓቃልን ህዝቢ ኤርትራን ብዕቱብ ኣንደበት እንተ ተነጻጺሩ፣ እቲ ፍልልዩን ውጽኢቱን ንኹሉ ዝሓስብን ብስነ-ሞጐትን ምኽንያትን ጭብጥን ዝኣምን ሰብ ብሩህ እዩ።

   ስለዚ ኽቡር ሓው፣ ግዲ የብልካን በዞም ማእዝኖም ዘጥፍኡ ውሑዳት ኣሕዋትና ኣይትሰከፍ፣ ንሃልኪ መልሓስ እንተዘይኮይኑ ዝገብርዎ ነገር ፍጹም የልቦን! ኣበይ ኮይኖም'ከ? ኣብ'ቲ ታሪኽ ዝስርሓሉ ዘሎ ባይታ ዘየለዉ!

•√> ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

  •√> ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊን ምክልኻል ልኡላውነትን ኲናት ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!

 •√> ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን ተብዓት ጀጋኑ መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

  •√> ዓወት ንሓፋሽ!

እዚ ዎ'ደሓንኩም ኽቡራት ኤርትራውያን!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
•••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••
   >>> https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4844907452230923&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events