Dehai

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2022

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 31 December 2021

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት 2022


ዓመተ 2021፡ ኣብ ርእሲ ዓለማዊ ብድሆ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ዞባና ብዕንደራ ጃንዳ ወያነን ኣሸቀልቱን ዝተኸስተ ተደራቢ ብድሆን ግዳማዊ ሕንከራን ክምክት ዝተገደደላ ዓመት’ያ ነይራ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ብድሆታት’ዚ፡ ከም ቀደሙ – በቲ ፍቱን ናይ መኸተ ያታኡን፡ በቲ ተጻዋርነት፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ፡ ርእሰ-ተኣማንነት ዝመለለዪኡ ክብሪታቱን ሰጊርዎ’ሎ።

ነዛ ዓመተ ድርብራብ ብድሆታት ዛዚምና፡ ናብ ሓዳስ ዓመት 2022 ኣብ እንኣትወሉ ዘሎና እዋን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ንጅግና ሓይልታት ምክልኻሉን፡ መልእኽቲ ዮሃናን ሰናይ ምንዮትን ከመሓላልፍ ክብሪ ይስመዓኒ።

ዓመተ 2022፡ ተረፍ-መረፍ ብድሆታት፡ ኣብ መኸተ ፍትሒ ሓቒቖም፡ ኣብ ርጉእ ዞባዊ ሃዋሁ፡ ንዘላቒ ልምዓትን ገስጋስን እነንቅደሉ፡ ዝሓሸ ዕድል ከተርሕወልና ዘሎኒ ትምኒት እናገለጽኩ፡ ደጊመ – ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓላት ልደትን!

ዓወት ንሓፋሽ!



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events