Dehai

ሓተታ፥ ንግዲ ብሰብኣውነት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 21 December 2021

ሓተታ፥ ንግዲ ብሰብኣውነት

ሓተታ፥ ሰሉስ 21 ታሕሳስ 2021

ኣብዚ እዋን’ዚ ከቢድ ኣህጉራዊ ጸጥታዊ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ ዓብይን ዝተሓላለኸን ጉዳይ፡ ብመርበብ ተኣሳሲሩ ዝካየድ ዝተወደበ ገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት (human trafficking) እዩ። ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኣብ ዓለም ቅልጡፍ ዕብየት ዘርኢ ዘሎ፡ ዓመታዊ ብገምጋም ኣስታት 150 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ዝርከቦ ዓቢይ ዋኒን’ዩ። ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ብሚልዮናት ዝቚጸሩ ሰባት፡ ኣብ ገበን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ብዝተዋፈሩ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ተታሊሎም፡ ውሕስነት ብዘይብሉ ሓደገኛ መገዲ ናብ ስደት የምርሑ። ብሰንኩ ድማ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ 24.9 ሚልዮን ሰባት ግዳይ ናይዚ ዘይሕጋዊ ንግዲ ብሰብኣውነት ኮይኖም ንሓሳረ-መከራ ተቓሊዖም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቖም ይርከቡ።

ቀዳሞት ግዳይ ናይዚ ብዋጋ ህይወት ደቂ-ሰባት ገዚፍ ኣታዊ ዝርከቦ ዘይሕጋዊ ኢንዳስትሪ ዝኾኑ ሰባት፡ እቶም ተሰዲዶም ቁጠባዊ ትሕዝቶኦምን መነባብሮኦምን ከመሓይሹ ዝሕልኑ ብድኽነትን ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰምን ዝሳቐዩ ዜጋታት ኣብ ምምዕባል ናይ ዝርከባ ሃገራት እዮም። ብማይ-ዘምዑግ ዘይተጨበጠ መብጽዓታት ተጎልቢቡ ዝካየድ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ንዓና ኤርትራውያን’ውን ከም ህዝብን ሃገርን ኣረኻኺቡልና እዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ብቁጽሪ ውሑዳት ዘይኮኑ ኤርትራውያን፡ ግዳይ ገበናት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ኮይኖም እዮም። ነቲ ኩሉ ጸገማትን ግፍዒን ሓሊፎም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተደኮኑ መዓስከር ስደተኛታት ተዓቒቦም ዝርከቡ ድማ መብዛሕትኦም፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ተጸበይቲ ረድኤትን ምጽወታትን ኮይኖም፡ ናይ ትምህርትን ስራሕን ዕድል ተነፊግዎም መጻኢኡ ዘይፍለጥ ከርፋሕ መነብብሮ የሕልፉ ኣለዉ። ናይ ኤርትራውያን ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ፍሉይ ዝገብሮ፡ እቲ ዝካየድ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ብቐንዱ ብምዕራባውያን ሓይልታት ተኣልዩን ተመዊሉን ዝካየድ፡ ከም መቐጸልታን መመልእታን ዘመተ ኩናት ብውክልናን፡ እገዳን ዘጠቓልል፡ ፖለቲካዊ ዕላማታት ዝተሓንገጠ ምዃኑ’ዩ።

ዕላማ ናይዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐ ኩሉ መዳያዊ ሽርሒ ብቐንዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ናጽነቱ ብቕልጽሙ ምስ ጨበጠ፡ ሓራ ፖለቲካዊ መስመር ዘረጋገጸት፡ ራህዋን ሰላምን ዝዓሰላ ብልጽግትን ምዕብልትን ሃገር ንምህናጽ ከካይዶ ንዝጸንሐ ሓያል ጻዕሪ ንምብርዓንን ኣብ ቀጻሊ ግጭትን ዘይምርግጋእን ሸሚምካ ሞራል ህዝቢ ብሓፈሻ መኸተን ሃገራዊ ወኒንን መንእሰያት ድማ ብፍላይ ንምስባርን’ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን፡ ብኣንጻር’ቲ ዝተገብረ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ዝተሓስበ ኣይተንበርከኸን። ብኣንጻሩ ሓድነቱ ብምትራርን መሳርዑ ብምስጣምን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተጠጀአ ሽርሒ ብሓያል ፖለቲካዊ ንቕሓት እናበድሀን እናፍሸለን ክጓዓዝ ጸኒሑን ኣሎን።

ህዝቢ ኤርትራ፡ መኸተኡ ብወተሃደራዊ ሓይሊን ብቁጠባዊን ፖለቲካዊን ሽርሒን ስለዘይተጻዕደ ካልእ ዝተኣልመ ወዲት፡ መንእሰይ ወለዶ ብብዝሒ ካብ ሃገሩ ሃጽ ኢሉ ዝጠፍኣሉ፡ ብግዳም እናተመወለን እናተኣለየን ዝሰላሰል ሰፊሕ መርበብ ፍልሰት እዩ። ከም ኣካል ናይዚ ሽርሒ’ዚ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣመሪካ ካብ ኤርትራ ሰባት ክሃድሙ ኣብ ምትብባዕ ተጸሚዶም ነይሮም’ዮም። ኣብ 2004፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ብምትሕብባር፡ ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ማለት “ንብሄረ ኩናማ” ብጅምላ ንምግዓዝ ክሰርሓሉ ፈቲኑ ነይሩ። ኣብ ለካቲት 2009 ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝሃድሙ መንእሰያት ኤርትራ 10,000 ናይ ዑቕባ መሰል ከምዝመደበ ብወግዒ ምፍላጡ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ፡ ብዙሓት ሃገራት ምዕራብ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ 2009/2011፡ UNHCR ብምስጢር ኣዳልዩ ዝዘርግሖ፡ ንኤርትራ ብምስይጣን ዜጋታት ኤርትራ “ብቐጥታ መሰል ዑቑባ” ክረኽቡ ከምዝግባእ ዝሕብር ሰነድ ምርኩስ ዝገበረ ፖሊሲ ብምትእትታው፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ፍልሰት ንከቕንዑ ኣተባቢዐን። ነዚ ንምትግባር፡ ብጉልባብ ናይ ሕ/ሃ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት፡ ኮምሽን በቲ ንኤርትራውያን ዝግበር ዝነበረ ሓለፋ ተደሪኾም፡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከይተረፉ መሰል ዑቕባ ንምርካብ “ኤርትራውያን ኢና” ናብ ዝብሉሉ ደረጃ በጺሖም’ዮም። ከም UNHCR ዝኣመሰሉ ትካላት ከኣ፡ መጋበርያ ናይቲ ውዲት ብምዃን፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራ፡ ኣብ መሬት ኢትዮጵያን ሱዳንን መዓስከር ስደተኛታት ብምቛምን ነቲ ዝጸንሐ ብምስፋሕን፡ ኣብ ምትብባዕ ፍልሰት ዜጋታት ኤርትራ ተጸሚዶም ጸኒሖምን ኣለዉን። ካብ 2007 ጀሚሩ ናብ እስራኤል፡ ብምድረ-በዳ ሳይናይ፡ ንኩሉ’ቲ ጽንኩር ጽጥታዊ መሰናኽላት ናይ’ታ ሃገር ሰጊሮም ክሰልኩ ዝተገብረ ውዲት’ውን፡ ክፋልን መቕጸልታን ናይዚ መደብ’ዩ ኔሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ “ኣብተን ከም ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ዝኸፍኣ ሃገራት፡ ደቀንስትዮ፡ ቆልዑን መንእሰያትን ሃዲሞም ንኸምልጡ ምስ ዝሰርሑ መሻርኽቲ ንተሓባበር ኣለና. . . ውጽኢት ድማ ንረኽበሉ ኣለና” ክብል ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ዝተፈላለየ ኣስማት ተሓንጊጠን ብስም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝንቀሳቐሳ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ክሳብ ክንደይ መጋበርያ ውዲት ሃገራት ምዕራብ ብምዃን፡ ኣብ ትግባረ እኩይ ኣጀንዳታት መወልተን ተጸሚደን ከምዘለዋ ዘረጋግጽ ጭቡጥ ኣብነት እዩ። እዚ ድማ እቲ ንኤርትራዊ መንእሰይ ዕላማ ዝገበረ መርበብ ፍልሰት ሰፊሕን ኢድ ዓበይቲ መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዘለዎ ዝተወደበ ምዃኑ ዘመልክት’ዩ።

ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ቢልዮናት ዶላር ኣታዊ ዝርከቦ ዓቢይ ኢንዱስትሪ’ዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ሕቡእ ኣጀንዳ መወልቶም ንምትግባር ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን መቐበሊ ስደተኛታት ዝደኰኑ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታትን መሻርኽቶም ሰበስልጣን ናይተን ሃገራትን ብስም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብምርካብን ሰፊሕ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣርን ቀሊል ዘይኮነ ረብሓ ከኻዕብቱ ጸኒሖም እዮም።

“ምምሕዳር ስደተኛታትን ጉዳያት ተመለስቲን” (Administration for Refugee & Returnee Affairs – ARRA “ኣራ”) ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ብካድረታት ወያነን ብኣባላት ድህንነት ክልል ትግራይን ዝመሓደር ትካል፡ ምስ ሰራሕተኛታት ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምትሕብባር፡ ብስም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ረብሓ ጸወታ ንኣብነት፡ ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ናይቲ ሰብኣዊ ሓልዮት ዝመስል ንጥፈታት UNHCR ዘሎ ገዚፍ ረብሓታት ዘቓልዕ’ዩ።

ኣራ – ARRA ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መሬት ብምክራይ ኣርባዕተ መዓስከራት (ሽመልባ፡ ሕንጻጽ፡ ማይ- ዓይኒን ዓድ ሓርሽን) ብምቛም፡ ምስ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምትሕብባር፡ ኤርትራውያን ዝቕበል ዝነበረ ትካል እዩ። ክራይ ናይዚ መዓስከራት’ዚ፡ UNHCR ዝኸፍሎ ኮይኑ፡ ንሓደ መዓስከር ስደተኛታት ዓመታዊ 2.4 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ይኸፍለሉ ነይሩ። በዚ ድማ፡ ናይ ኣርባዕቲአን መዓስከራት ዓመታዊ 9.6 ሚልዮን ዶላር፡ UNHCR ብመንገዲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኣራ – ARRA ኣታዊ ይገብሮ። ኣራ – ARRA ድማ ክራይ ናይቲ መሬት ንምምሕዳር ክልል ትግራይ ይኸፍሎ።

ኣራ – ARRA፡ ንነፍሲወከፍ ስደተኛ ወርሓዊ 150 ዶላር መሻርፍ ካብ UNHCR ይቕበል ነይሩ። ነቶም ስደተኛታት ዝወሃብ ግን ኣብ ወርሒ 80 ብር ጥራሕ’ዩ። እቲ ዝተረፈ ከኣ ናብ ካዝና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይኸውን ነይሩ። ካብዚ ክፍሊት’ዚ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወርሓዊ ካብ 4.5 ክሳብ 6 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ነይርዎ። ብዘይካ’ዚ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ብስም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዝተፈላለያ ለገስቲ ማሕበራት ዝመጽእ ማእለያ ዘይብሉ ዓይነታዊ ሓገዛት’ውን ሓለፍቲ ኣራ – ARRA ምስ ወኪላት UNHCRን ምስ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይን ተመሻጢሮም ናብ ዝደለይዎ የውዕልዎ ነይሮም። ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ንህጻናትን ትሕቲ ዕድመን ተባሂሉ ብUNICEF ዝወሃብ ዝነበረ ደገፍ’ውን፡ ብምሉኡ ናብቶም ዝምልከቶም ከይበጽሐ፡ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት ኣራ – ARRAን UNHCRን ጁባኦም ከህጥሩሉ ጸኒሖም እዮም።

ሰበ መዚ ኣራ – ARRA፡ ምስ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምምሽጣር ክፍጽምዎ ዝጸንሑ ካልእ ዘስደምም ውዲት፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስጋር ዕድላት፡ ብስም ኤርትራውያን፡ ገንዘብ እናኽፈሉ ማሕፉዳታቶም የህጥሩ ወይ ድማ ብሰበይ ሰብካ እቲ ዕድል ንካልኦት ተጋሩ ይህብዎ ምንባሮም’ዩ። በዚ ድማ፡ ፋይሎም ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳን ኣመሪካን ዝኸደ፡ ሂወቶም ግን ኣብተን መዓስከራት ዝበለየ ኤርትራውያን ብቁጽሪ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ወያነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ እዚ ፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ቃጻ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ኣብ ዝተወልዐ ግጭት፡ ብትካላት ረዲኤትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢና በሃልቲ ውድባትን ዝተሰምዐ፡ “ኤርትራውያን ስደተኛታት ይቕተሉ፡ ይጋፍዑን ብኣስገዳድ ናብ ሃገሮም ይምለሱን ኣለዉ” ዝብል ጫውጫውታ እምበኣር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዘለዎም ሰብኣዊ ሓልዮት ዝተበገሰ ዘይኮነስ፡ ብኣውራኡ ውልቃዊ ረብሓታቶም ስለዝተተንከፎም’ዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራጽ ተዂሲ ብምግባር ሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምውጽኡ፡፡ ዕጡቓት ኣባላት ወያነ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝፈጸምዎ ዛጊት ብዝርዝር ዘይተጸውየሉ ዘስካሕክሕ ቅትለትን ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ገበናትን ወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት ረድኤትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢና በሃልቲ ውድባትን፡ ኣፍ ኣውጺኦም ዘይምኹናኖምን ጎላቢቦም ክሓልፍዎ ምምራጾምን ድማ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ዘግህድ’ዩ።

ቀዳማይ ፖለቲካዊ ዕላማ ውጥን ፍልሰት፡ ብዘይተጨበጠ መብጽዓታት ሃምን ቀልብን መንእሰያት ብምስላብ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ሃገር ምድኻምን ዓያዪ ጉልበት ምዝቛቚን’ዩ። እቲ ካልኣይን መሰረታውን ዕላማ ድማ፡ ኣብ ደገ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝብድህ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ጠፍጢፍካ ሽግር ብምፍጣር፡ ኤርትራ ብዛዕባ ልኡላዊ መሬታ ሕቶ ከይተልዕል ኣፋ ንምዕባስ እዩ ነይሩ።

እዚ ሽርሒ’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን መንእሰያትን ዘውረዶ ማህሰይቲ ኣቃሊልካ ዝርአ እኳ እንተዘይኮነ፡ ምስቲ ኩሉ’ቲ ዝፈሰሶ ገዚፍ ማልን ዝተኻየደሉ ጻዕርን ዕላማኡ ኣይወቕዐን። ቁጠባዊ ጸገማቶም ንምፍታሕን መነባብሮኦም ንምምሕያሽን ብምሕሳብ፡ ናብ ስደት ዘቕንዑ ዜጋታት፡ ኣብቲ “ምድረ-ገነት” ተባሂሉ ዝንገረሉ ቦታ ድሕሪ ምብጽሖም፡ መጋበርያ ፖለቲካዊ ሽርሒ ሃንደስቲ ፍልሰት ኣይኮኑን። እኳ ድኣ እቶም ዝበዝሑ ካብ ህዝቦምን መንግስቶምን ከይረሓቑ፡ ስድራቤቶም ክሕግዙን ኣብ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ብንጥፈት ክዋስኡን ጸኒሖምን ኣለዉን። ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ልምዓት ሃገሮም ከይተሓጋገዙ፡ ብገለ ሃገራት ዝተወስደ 2% ግብሪ ናይ ምዕጋት ስጉምቲ ከኣ፡ ውጥን ፍልሰት ሒዝዎ ዝተበገሰ ዕላማ ብዘይምስማሩ ዝፈጠሮ ናይ ጭንቀት ግብረ መልሲ እዩ ነይሩ።

ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት-Human trafficking፡ ንስለ ረብሓ ንድሕነት ህይወት ደቂ-ሰባት ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝዓበየ ገበንን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን’ኳ እንተኾነ፡ መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ገበን ዝተጸምዱ ገበነኛታት (ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ትካላት) ብገበን ተሓቲቶም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክቐርቡ ኣይረኣዩን እዮም። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ’ዩ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ገበናት ንግዲ ብሰብኣውነት ብናጻ ኣካል ክጻረን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ተደጋጋሚ ምሕጽንታታት ዛጊት እወታዊ መልሲ ዘይረኸበ።

ሓተታ፡ ንግዲ ብሰብኣውነት



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events