Dehai

"ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ [ህ•ግ•ሓ•ኤ•]/ሻዕብያ]" ማለት ብሓጺሩ፣ት

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 23 July 2021

"ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ [ህ.ግ.ሓ.ኤ./ሻዕብያ] " ማለት ብሓጺሩ፣
============================
መበገሲ ዕላምኡ ብግቡእ ዝፈልጥን ንኸዕውቶ ብዘይ ተጉላባ ጸኒዑ ዝቃለስን፣ ጸላኢ 'ብብረቱን ብንብረቱን' ምቅላሱ፣ 'ሕማቕ ሰብን ዘይጠቅም ብረትን/ሓጺንን የሎን' 'ካብታ ዝነኣሰት መርፍእ ስጋብ'ታ ዝዓበየት መድፍዕ' ብግቡእ ምጥቃም ብዝብል ጭርሖ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ኣብ ባይታ ዝሰርሓሉ፣ ተመጽዋትነትን ጽግዕተኛነትን ወሽለክለኽን ዝጽየፎን ኣንጻሩ ዝቃለስን ኣብ ገዛእ ርእሱ/ነብሱ ዝተኣማመንን ብመትከል ኣሚኑ ግምባሩ ሂቡ ዝቃለስ፣ ብጃህራን ፈኸራን  ዘይጸዓድን ዘይብርከኸኽን፣ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ገስጋሲ ስነ-ሓሳብ ወኒኑ ብመትከል ዝሰርሓሉ፣ ንኹሉ ወዲ ሰብ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ብማዕረ ዝጥምትን ዘምህርን ብሓባር ኣብ ስራሕ ዘሳትፍን ዘንቕሕን ዝውድብን ዘዕጥቕን ርእሰ-ተኣማንነት ዘስንቕን፣ ንኽወግእዎን ንኸጥፍእዎን ዝመጹ ተጻያት [ጸላኣቱ] በቲ ዝፈልጥዎ ቛንቋ ኣዔጊሱ ማሪኹ ተከናኺኑ ኣምሂሩ ኣንቂሑ ኣእሚኑ ኣብ ጐኑ ኣሰሊፉ ዘቃልስን፣ ንዓሌታውያንን ወገናውያንን ጸበብትን ንጥሩፋት ሃይማኖታዊ ኣረሜናውያንን [Ultra Religous Faschists] መርዘን ሕማም ርእሲ ዝኾነ ኣንጻሮም ብትብዓትን ብግብርን ዝቃለስን መድሃኒት ሂቡ ዘዕግስን ውድብ [ባእታ] እዩ።  

ሓንቲ ካብ ማእለያ ዘይብሉ ተግባራት ህግሓኤ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ድማ፣ ነቶም ተሃንዲዶም ክቐትሉዎን ክድምስስዎን ከጥፍእዎን ኣብ ዓውደ-ውግእ ዝመጹ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወትሃደራት ደርግ ኢትዮጵያ ማሪኹ፣ ኣብ 1980ታት ዓምፈ ከመይ ጌሩ ብሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ይኣልዮም ይምህሮም የንቕሖም ነብሶም ክኢሎም ህይወቶም ከም ዝመርሑ የብቅዖም ከም ዝነበረ ናይ ትማሊ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ። ብተንቀሳቓሲ ስኑድ ስእሊ ድማ ነዚ ዘይፈልጦ ክከታተላ ይዕድም።
°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°
•√ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

•√ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናት ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!

•√ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

•√ዓወት ንሓፋሽ!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
----------------------------------------------------
• "ውድብና" ኣብ ሜዳ ዝተዘመረ√

• "ዓይኖም ሰለም ከየበሉ" ኣብ ሜዳ ዝተዘመረ√

• "መርከብና" 1977 ዓምፈ√
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ሙሉጌታ በይን [ወዲ ዛግር]

• "ካላሽነይ"√
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ተመስገን ያሬድ

• "ዑፈይ ስመርለይ" ክባሃል ዪ ጽባሕ ደወል ብስራትኪ ግድን ዩ ክጋዋሕ ኤረየ ኤረየ ኤረየ√
ብስነ ጥበባዊትን ድምጻዊትን ሳባ ዓንደማርያም

• ብዓሰርተታት ኣሽሓት ምሩኻት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ 1980ታት ኣብ ትሕቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ√

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=3063970500324636&id=100001351497949

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events