Dehai

ጁንታ ንሰላም ህዝቢ ትግራይዶ ወይ ንክድምና ምዕራባውያን?

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Friday, 02 July 2021

ጁንታ ድሕሪ እዚ ኹሉ ክሳራ ሕጂኸ እንታይ ንምድጋም?
                                                                                           ተረፍ መረፍ ወያነ ተሞኩሮ ዘይምህሮም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኸፍኤ ናብ ዝገደደ ሂወት የእትውዎ ኣከዉ። ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ትግራይ ስልምንታይ ወጺኡ ከይተፈልጠ ባዕላዊ ትንተና እናሃብካ ዝንዛሕ ዘሎ ወረ ነተን ጁንታ ምስ ተቐጥቀጠ ካብ ምጥቓዕ ቆርየን ዝነብርራ ኣእዳው ሰዓብታ ምፍዋስ ማለትዩ።  ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዓወት ዘብጽሓና ዓቕሊ ገርካ ሓቂ ምጽባይ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።  ልዕሊ ዝምልከቶ ኣካል ከም ዝምልከተካ ኣምሲልካ መሰረተ ኣልቦ ትንተናታት ምንዛሕ ህዝቢ ምድንጋር እዩ። ነቶም ጸረ ሰላም ዝኾኑ ሓይልታት፡ ጉጅለታት፡ ባእታታት ምድጋፍውን"ዩ።  ካልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ፡ ንጸላኢኻ ብሓይሊ ብረት ጥራሕ ኣይኮንካን ትስዕሮ። ብፖሎቲካ፡ ብሜላ፡ ብቁጠባ፡ ... ወዘተ።  እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ዋላኳ ዑምቆቱ ኣይንፍለጦ እምበር፡ መንግስቲ ኣሜሪካን መሻርኽቱን ክወስዱዎ ዝቀራረብሉ ዝጸንሑ ህንዱድ ስጉምቲ ከም ዘበርዓነን ኣብ ዳግናማይ ርእይቶ ከም ዝሸመመን መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን።  ብኻልእ ኣዘራርባ ሕጂውን ኣሜርካን ሰዓብታን ቀርነን ተወቒዔን ፈሺለን።  ዓቕሊ ንኹሉ ክምልሶ ስለ ዝኾነ ካብ ባዕላዊ ትንተናታትን ስክፍታታትን ተርባጽን ክንእለ ይግብስእ።  

ጁንታ ዝሓዞ ዘይብሉ ዋላውን ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ መድረኽ ከይመመየ፡ ቀጻሊ ጉዕዝኡ ምስ ኤርትራ ክዋጋእ ምዃኑዩ መናፍሕ ዝነፍሕ ዘሎ።
ጁንታ ፍረኖ ዘይብላ ዓረብያ ደፋእቱ ምዕራባውያን ክሳብ እታ ጫፍ ገደል ክደፍኡዎ እዮም ካብ ምጽዳፍ ግን ኣይከድሕኑዎን እዮም።  ምኽንያቱ ካብ ሕጂ ንንዮም ገባቲ ኣተሓሳስባ ምዕራባውያን ኣብ ቀርኒ እፍሪቓ መሽሙሹ እዩ።  ህዝብታት እዚ ዞባ ተንኮልን ተግባራትን ምዕራባውያን ብፍላይ ናይ ኣሜርካ፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ መንቋሕቋሕቱኡ እናበረኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ ዞባና ናትና፡ ባኣና፡ ነዓና፡ ባዕልና፡ ዝብል ቅኑዕ ሓሳባት ሒዙ ንምትእትታው ባዕዳውያን ኣትሪሩ ይቋወሞ ኣሎ። 

ህዝቢ ትግራይ ክሓስበሉ ዘለዎ ነገር እንተሎ ብደገፍን ምርኩስና ምዕራባውያን ቀሲኑ ከምዘይነብር፡  ረዲኤ ምዕራቫውያን ጉልበትካን ኣእሙሮኻን ከምዘልምስ፡ ቅሳነትን ሕውነትን ከም ዝበታተኽ ዝገብር፥ ኣብ መወዳእታ ድማ ግዳይ ጌሩ ራሕሪሑካ ከምዝኸይድ፡ ኪዳን ዘይብሉ ኣረመሜናዊ ምሕዝነትዩ። ሎሚ እተን ንምዕራባውያን ከም መድሕን ሽግራተን ሓሲበን ባበን ከፊተን ዝተቐበላ መንግስታት፡ ህዝበን ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ መግለጺ ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን።

ኣሜርካ እትመርሔን ግብረ ኣበራት መንግስታት ማእከላይ ምብራቕ ኣፍሪሰን፡ ንላቲን እሜርካ ሓሚሰን፡ ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ረጊጸን፡ ንሃገራት ኣስያ ኣተፋኒነን፡ ክረኽብኦ ዝሓሰባ ረብሕስታት ከምዝተጸበየኦ ስዝአይኮነለን፡ ካብ ዞባና ንንርካብ እየን ዝጓየያ ዘከዋ።  ከምዚ እንሰምዖ ዘሎና ሰራዊት ኣሜርካ ፍረ ኣልቦ ኮይኑ ክሳራታቱን ስዕረቱን ተጎልቢቡ ካብ ኣፍጋኒስታን ይወጽእ ኣሎ ይበሃል።  ኣሜርካ ይኹን ሰዓብታ እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘውረድኦ ግፍዕታት ብስም ረዲኤት ኣምሲለን ይኣትዋ ኣብ መወዳእታ ናይ ሚልዮናት ሂወት ኣጥፊኤን ጥራሕካ ኣትሪፈን ይጉሕፋኻ። 

ወያነ ቆርበቱ ንዒቑ ቆርበት ጻዕዳ ዘኽብረሉ ምኽንያት፡ ጅቡኡ  ንኽመልእ ድኣንበር ንህዝቢ ትግራይ ሓልዩ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ናይ ኣሜርካን መሓዙታን ኣብ ትግራይ ዝገብርኦ ዘለዋ  ዘብዘብ፡ እንተድኣ ህዝቢ ትግራይ ብስርናይ ተጠቢሩ ስቕ ክብል ኮይኑ፡ ዕጫ ህዝቢ የመን ከየጋጥሞ ክሓስብ ኣለዎ። ፈትዩ ጸሊኡ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ፡ ንሱ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ብሰላም ክነብር ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያን ጎረባብቱ ክሰማማዕን ሓቢሩ ንልምዓት ክወፍርን ኣለዎ።  

እንተ እቲ ቀጺልና ንኤርትራ ክንወራ ኢና ዝበለቶ ጁንታ፡ ናይ ራዕዲ ዘረባ '' ዝገብር ነዲኡ ነይነግር "" ከምዝበሃል እዩ። ነቶም ደሪኾም ክጥቀሙላ ዝሓስቡ ጎይቶታ ንምሕጓስ እዩ።  ክንደይ ሳዕ ዘይተገርፈት፡ ክንደይ ሳዕ ርድኡኒ ዘይበለት፡ ከኣሊ የብልናን ዝብሉ ዝነበሩ ቀንዲ መራሕታ ሂወቶን ሓሊፉ ዳርጋ ህዝቢ ረሲዑዎም። ኣብ ክንዲ ሓዘን ጓይላ ይገብር ኣሎ።  እንተ ህዝቢ ኤርትራ ብታህዲድ ከደምቲ ይትረፍ ብታህዲድ ኣኸደምቶም ሪዒዱ ኣይፈልጥን። ተዛንዩ ኣይፈልጥን። ማሕልኡ ስለ እዛሃገር፡ ዝኽሩ ዝኽሪ ሰማእታቱ፡ ቃሉ ' ንኹሉ ድሉዋት ' ስለዝኾነ፡ እቲ ኲናት ኣይንምነዮን፡፡ ሃሊሉ ዝመጸ ኣድጊ ኣኽቢድካ ጸዓኖ፡ ከምዝበሃል፡ ተሃንዲዱ ንዝመጸ ግን መልሱ ባዕልና ንፈልጦ።

ጁንታ ሰማይ ሰማይ ስለ ትጥምት ብኸመይን ብምንታይን ተሓጺራ ከም ዘላ ኣይጠመተቶን። ዝሰረቐቶ ሜሬት ዋናታቱ መሊሶሞ ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ደም ዝጠዓሞም ሰባት ከም ዘለዉ ኣይፈለጠትን።  ብሰንኪ ኣረሜናዊ ጭካኔኣ ሕኒኡ ክፈዲ ኣስናኑ ዘሔርቅም ውሑድ ኣይኮነን። ነዞም  ቲፎዞ ጋንታ ኩዕሶ ዝመስሉ መጣቓዕታ ርእያ እትበጽሖ ቦታ የብላን።  

ነባሩ ዝኽሪ ንሰናእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events