Dehai

ዓቕሊ ዘይስዓር ምርዋግኢ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 30 June 2021

ኣብ ፖሎቲካ ግምት ሒዝካ ኣብ መደምደምታ ኣይብጽሕንዩ። ጪብጢ ከይሓዝካ ምርባጽ ስንኩፍናዩ፡ እንዶ ዘይብልካ ነገራት ምኩምሳዕ ናይ ሰነፋት ተግባርዩ። ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ትግራይ ስልምንታይ ወጺኡ ከይተፈልጠ ባዕላዊ ትንተና እናሃብካ ዝንዛሕ ዘሎ ወረ ነተን ጁንታ ምስ ተቐጥቀጠ ካብ ምጥቓዕ ቆርየን ዝነብርራ ኣእዳው ሰዓብታ ምፍዋስ ማለትዩ።  ብፍላይ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዓወት ዘብጽሓና ዓቕሊ ገርካ ሓቂ ምጽባይ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን።  ልዕሊ ዝምልከቶ ኣካል ከም ዝምልከተካ ኣምሲልካ መሰረተ ኣልቦ ትንተናታት ምንዛሕ ህዝቢ ምድንጋር እዩ። ነቶም ጸረ ሰላም ዝኾኑ ሓይልታት፡ ጉጅለታት፡ ባእታታት ምድጋፍውን"ዩ።  ካልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግብኦ፡ ንጸላኢኻ ብሓይሊ ብረት ጥራሕ ኣይኮንካን ትስዕሮ። ብፖሎቲካ፡ ብሜላ፡ ብቁጠባ፡ ... ወዘተ።  እዚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ዋላኳ ዑምቆቱ ኣይንፍለጦ እምበር፡ መንግስቲ ኣሜሪካን መሻርኽቱን ክወስዱዎ ዝቀራረብሉ ዝጸንሑ ህንዱድ ስጉምቲ ከም ዘበርዓነን ኣብ ዳግናይ ርእይቶ ከም ዝሸነመን መግለጺ ዘድልዮ ኣይኮነን።  ብኻልእ ኣዘራርባ ሕጂውን ኣሜርካን ሰዓብታን ቀርነን ተወቒዔን ፈሺለን።  ዓቕሊ ንኹሉ ክምልሶ ስለ ዝኾነ ካብ ባዕላዊ ትንተናታትን ስክፍታታትን ተርባጽን ክንእለ ይግብስእ።

ሰማእታትና ንዘልኣለም ክዝከሩ ይንበሩ፡
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ ነስመር

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events