Dehai

ቀርኒ ኣፍሪቃን ፖለቲካ ጸቢብ መንነትን ብ ዓብዱልሓይ ሃሽም

Posted by: Dehai

Date: Saturday, 24 April 2021

ቀርኒ ኣፍሪቃን ፖለቲካ ጸቢብ መንነትን

ኣብ ዞባና ንፋስ ሰላምን ስኒትን ምስ ተቐልቀለ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሶማልን ካብ’ቲ ዝጸንሐ ጸቢብ ኣብ ብሄር፡ ቀቢላን ሃይማኖትን ዝተሞርኮሰ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ወጺኦም፡ ምስ ጎረባብቶም ብስኒት ክዓብዩ ናብ ዘተስፉ ኣተሓሳስባ ክሰምሩ ምስ ጀመሩ፡ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ንኩሉ እቲ ኣንጻር ሃገራዊ መንነቱን ልኡላዊ መሰላቱን ዝተገብረ ተጻብኦ ብጽንዓት ሰጊሩ ምስ ተዓወተ፡ ሓድሽ ተጻብኦ ንርኢ ኣሎና። እዚ ተጻብኦ እዚ እምበኣር ብቐንዱ ኣንጻር ቃልስን ዓወትን ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ኢዩ። ኤርትራ፡ ሃገራት ዞባና ካብ ጸቢብ ፖለቲካ ወጺአን ናብ ዞባዊ ስኒትን ዕብየትን ከቋምታ ይግባእ ኣብ ዝብል መትከል ነኺሳ ኣብ ዝተጸመመቶ ቃልሲ ምስ ክልተ ዓይነት ሓይልታት ኢያ ገጢማ ተዓዊታ። ቀዳማይ፡ ምስቶም ኣብ ሶማል ብቐቢላ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብብሄራውነት፡ ኣብ ሱዳን ድማ ብስም ሃይማኖት ንህዝቦም ዓምጺጾም ጸቢብ ናይ ስልጣንን ንዋትን ህርፋኖም ዘኻዕብቱ ናይ ዞባና ነበር-ስርዓታት። ካልኣይ ድማ ነዞም ብዋጋ ሃገራውን ዞባውን ረብሓ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላኣውን መኽሰብ ዘናድዩ ሓይልታት ከም ተለኣኣኽቲ ብምዕሳብ፡ ጸጋታት ዞባና ክዘምቱ ዝዓዩ ኣህጉራውያን ዓብለልቲ ሓይልታት። ስለዚ መድረኻዊ መኸተና ኣንጻር ጸቢብ ናይ መንነት ፖለቲካን ኣንጻር ዓብላሊ ኣህጉራዊ ፖለቲካን ኢዩ።

ዞባና ናብ ትስፉው ናይ ሰላምን ርግኣትን መድረኽ ዝሰጋገረሉ ዕድል ረኺቡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቲ ብኸቢድ ዋጋን ሓያል ጽንዓትን ምጽማምን ዝተረኸበ ዓወት ከይዕንቀፍ፡ ኣንጻር እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቕሱ ሓይልታት መኸተና ነሐይል ኣብ ንብለሉ እዋን ከም ምኽርን መጠንቀቕታን ዝመጹ ክልተ ነጥብታት ኣለዉ።

እቲ ኣህጉራዊ ዓብላሊ ሓይሊ ገጢምና ክንስዕሮ ስለ ዘይከኣል ዘይንመሳሰል ወይ ክንመሓዘዎ ዘይንፍትን ዝብል ክኸውን ከሎ፡

ድማ እቶም ኣብ ዞባና ክረኣዩ ዝጸንሑ ሓይልታት ጸቢብ ፖለቲካ ምቅላስ ኣይውራይናን ኢዩ፡ ጎረባብትና ህዝብታት ባዕላቶም ኣለዉዎ ዝብል ኢዩ።

ክልቲኡ ስክፍታት ታሪኽን ፖለቲካን ዞባና ብዕምቆት ካብ ዘይምርዳእ ዝነቅል ድማ ኢዩ።

እቲ ዓብላሊ ኣህጉራዊ ሓይሊ ክንስዕሮ ኣይንኽእልን?

እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብመሰረቱ ኤርትራዊ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ንዓብለልትን ገበትን ኣሜን ኢሉ እንተ ዝሰግድ ሎሚ ልኡላዊት ሃገር ኣይምሃለወቶን። ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ሕቶ መሰል ርእሰ-ውሳኔን ናጽነትን ናይተን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበራ ሃገራት ክቀላቐል ከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቶም ኣብ መግዝእታዊ ሰራዊት ጥልያን ተዓስኪሮም ዝነበሩ ደቁ ኣቢሉ፡ ስዕረት ጥልያን ብምቅልጣፍ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔኡ ብኣጋ ዝሓተተ ህዝቢ ኢዩ። ድሕሪ’ዚ‘ውን ኣብ ግዜ ስርዓት እንግሊዝ ፖለቲካውን ሲቪካውን ማሕበራት ብምቛም ንናጽነቱ ዝተቓለሰ ክንሱ፡ ብዘይድልየቱ ናብ ፈደሬሽንን ጎበጣን ምስ ተገደደ ናብ ጎነጽን ብረታዊ ቃልስን ብምምራሕ ናጽነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ ኢዩ።

ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ኣህጉራዊ ዓብላሊ ሓይልታት ብምቅላስ ዕላማኻ ናይ ምጭባጥ ታሪኽ ኢዩ። ነቲ ንፈደረሽን ዝኣመመን ዘጽደቐን ሓይሊ ኣሜን ኣይበለን። ነቲ ፈደረሽን ክጉበጥ ንዝባረኸን ንጎበጥቲ ዘጣቐዐን ዘስነቐን ሓይሊ ኣሜን ኣይበለን። ተቓሊሱ ክቡር ዋጋ ብምኽፋል ንኹሎም ኣኣብ መድረኹ ኣንጻሩ ዝቖሙ ሓያላን ናይ ዓለም፡ መልሓሶም ኣሓዪኹ፡

1

መንነቱን ልኡላውነቱን ኣረጋጊጹ። ህዝቢ ኤርትራ ስለ መሰሉን ናጽነቱን ኣብ ቅኑዕ ዕላማ ክስለፍ ከሎ፡ ሓቂ ከም ትዕወት ኣሚኑ ደኣምበር፡ ዓቕምን ብርተዐን ተጻባእቱ ብምጽብጻብ ተዳሂሉን ተመሳኺኑን ኣይፈልጥን።

ታሪኽና፡ ኣብ 1940ታት-1950ታት እንተ ንመሳሰል እንታይ ምመሰለነቲ መድረኽ’ቲ ሰጊርና ብረታዊ ቃልሲ ኣበጊስና ናብ ዱርኩኺት ዓወት ምስ በጻሓና ኣብ መወዳእታ 1970ታት ንሓያላን ናይ ዓለም ፈሪሕና እንተ ንመሳሰል ሎሚ እንታይ ምመሰልናምስልና ንሓያላት ከተርድን ክተፍቱን ሓይልኻ ምንዓቕ ዘይኮነስ፡ ሓያል ኣብ ዝገጥመና መሊስና ብምሕያል ኢዩ ተሃኒጹ። ምስሊ ኤርትራውነት ንሓያላት ብምቅብጣር ዘይኮነስ እናሓደርካ ብምሕያል ዝተሃንጸ ኢዩ።

ነቲ “ዘይንመሓዞ” ዝብል ሕቶ ድማ፡ ምሕዝነት ብሓደ ሸነኽ ጥራይ ዝህነጽ ከም ዘይኮነ ምርዳእ ኢዩ መልሱ። ምሕዝነት ኣብ ልኡላዊ መዓርነት ዝተሰረተ ምስ ዝኸውን፡ ኣብ ምምዕባል እንርከብ፡ ዓቕምናን ጸጋታትናን ዘይነጋንን ምቕሉል ህዝቢ ስለ ዝኾንና፡ እንብህጎን እንሰርሓሉን ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ክብረትና ረጊጹ፡ ብዋጋ ሃገራዊ ረብሓና ረብሓኡ ከቐድም ምስ ዝህንደድ ዓብላልነት ዝመለለዪኡ ሓይሊ ዝፍጠር ምሕዝነት፡ ምሕዝነት ዘይኮነስ ባርነት ኢዩ። ባርነት ድማ እቲ ክነወግዶ መዋእል ዝተቓለስናዮ ኢዩ። ብስም ምሕዝነት ናብ ባርነትን ተመጽዋትነትን ምምላስ፡ ክብሪ ሃገር ምሻጥ ኢዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ልኡላዊ ክብሩን ሃገራዊ መንነቱን ንምርግጋጽ ድኣ’ምበር ላቄባ ካልኦት ንምዃን ኣይነበረን።

ሓይልታት ጸቢብ ፖለቲካ ምቅላስ ኣይውራይናን ኢዩ?

ብርግጽ ውራይና ኣሎና። ውራይና ድማ ሓድነትና ምሕያል፡ ግዝኣት መሬትና ምሕላው፡ ልኡላውነትና ምኽባር ኢዩ። ኣብ’ዘን ሰለስተ ዓንድታት ድማ ኢና ናሕሲ ማሕበራዊ ፍትሕን መናድቕ ቁጠባዊ ዕብየትን ንሃንጽ። እቶም ኣኣብ ሃገሮም ብሃይማኖትን ብብሄርን ተጎልቢቦም ዝገዝኡ ሰብ ጸቢብ ፖለቲካ ግና፡ ብስም ሃይማኖትን ብሄርን ንሓድነትና ካብ ምፍትታን ዓዲ ኣይወዓሉን። ካብ ሱዳን ዝነቅል ብስም ጀሃድ ዝመጻደቕ ሽበራዊ ስራሓት ኣብ ውራይና መጺኡ ክዘርግ ፈቲኑ እምበር ንሕና ኣይከድናዮን። ኣብ ብወያነ ትምራሕ ዝነበረት ኢትዮጵያ ዝጫጫሕ ዝነበረ ብስም ብሄር ንሓድነት ህዝብና ንምብራዝ ዝንቀሳቐስ ድኹም ምትእኽኻባት’ውን፡ ኣብ ልቦና ህዝብናን ደልዱል ሰረት ዘለዎ ሃገራዊ ሓድነትናን ስለ ንተኣማመን ሸለል ኢልናዮ መሪሽና እምበር፡ ውራይና ንምትዕንቓፍ ዘይኣተዎ መዓሙቕ ኣይነበረን። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ውራዮምን ውራይ እንዳሞቶምን ምፍላይ ስለዝሰኣኑ ዘይኮነስ፡ ሰብ ጸቢብ ፖለቲካ ካብ ጽበቶም ዝነቐለን ብለኣኽቶም ተደፋፊኦምን ዕንቅፋት ክፈጥሩሉ ስለዝጸንሑ ኢዩ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላምን ርግኣትን ዞባና ግዲኦም ንምብርካት ዝቃለሱ።

እዞም ሰብ ጸቢብ ፖለቲካ፡ ካብ ጽበቶም ዝተላዕለ ካብቲ ለኣኽቶም ዝህብዎም ተልእኾ ክከላኸሉ ስለ ዘይክእሉ፡ ኣብ ስኑዕ ዶባዊ ኲናትን ዘይተደልየ ኣህላኺ ምስሕሓባትን ጸሚዶምና ጸኒሖም። እቲ ፍታሕ እምበኣር፡ ዓመት መጸ ነቲ ሓደን ነቲ ካልእን በብወገኖም ክኸስትዎ ዝኽእሉ ሓደጋታት ክትከላኸል ካብ ምንባር፡ ንህዝብታት ዞባና ዝግብኦም ክብሪ፡ ሰላም፡ ርግኣትን ዕብየትን ከምጽእ ዝኽእል ፖለቲካዊ ዕዮ ምስራሕ ኢዩ። ከምዚ ኣብ ምግባር ኢና ድማ ተዓዊትና ዘለና። ምስ ጸበብቲ ካብ ምትራኽ፡ ምስ ጎረቤት ህዝቢ ስለ ሓባራዊ ቅሳነት ምቅላስ ኢዩ እቲ ነባሪ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል። ስለዝኾነ ድማ፡ ጎረባብትና ህዝብታት ብቓልሶም ዋጋ ከፊሎም ንዘምጽእዎ ትስፉው ናይ ሰላምን ርግኣትን ሃዋሁው፡ ንድሕሪት ንኸይምለስ ምቅላስ ማለት፡ ነቶም ህዝቢታት ዞባና ዝግብኦ ሰላምን ርግኣትን ከይረክብ ኣብ ሓሸውየን ህውከትን ጸሚዶሞ ዝጸንሑ ምቅላስ ማለት ስለ ዝኾነ፡ ግቡእን ናይ ግድንን ይኸውን።

===

2

ጉዳይ ጸቢብ ናይ መንነት ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርዳእ፡ ቃልሲ ኤርትራ ተዓዊቱ ከም ልኡላዊት ሃገር ነቲ ዞባ ኣብ ዝተጸምበረትሉ እዋን፡ ፖለቲካ ጎረባብትና እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ። ሶማል ማእከላይ መንግስቲ ፈሪሱ ኣደዳ ብቐቢላ ዝተጎጃጀሉ ጎይቶት ኲናት ኮይና ጸኒሓ። ኣብ ኢትዮጵያ ብደም ዝጨቀወ ወተሃደራዊ ስርዓት ፈሪሱ፡ ንብዙሕነት እታ ሃገር መዝሚዙ ብጸቢብ ብሄራዊ ኣድልዎ ዝገዝእ ኣተፋናኒ ስርዓት ተተኺሉ። ኣብ ሱዳን ብስም ሸሪዓን እስልምናን ዝመጻደቕ ምልኪ ተተኺሉ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ሱዳን ኣብ ክልተ ተኸፊላ። ኣብ ጅቡቲ ነቲ ኣብ መንጎ ዒሳን ዓፈርን ዘሎ ሱር ዝሰደደ ፍልልይ መዝሚዙ ብስድራቤታዊ መርበብ ዝመርሕ ስርዓት ሰፊኑ።

ህዝቢ ኤርትራ ብ1991 ብቓልሱ ናጽነቱ ከረጋግጽ ከሎ እምበኣር ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢዩ ጸኒሑ። ኣብ ኤርትራ ዝተተኽለ ፖለቲካዊ ስርዓት ንጸቢብ ናይ መንነት ፖለቲካ ዝፍንፍን ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን ንህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዓንኬል ድሕረትን ስቓይን ሓሊኾምዎ ዝጸንሑ ክልተ ጸላእቲ፡ ማለት ጸቢብ ናይ መንነት ፖለቲካን ብሰንኩ ባብ ዝተረሓወሉ ኣህጉራዊ ምትእትታውን፡ ኣብ ቃልሲ ስለ ዝተመኮሩሎም ኢዮም ዝፍንፍንዎም።

ገዛእቲ ሓይልታት ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ንምጉዕጻጽ ዝተጠቕምሉ ቀዳማይ ሜላ፡ ምምዝማዝ መንነታት ኢዩ ነይሩ። መጻኢ ናይተን ኣብ ትሕቲ ጥልያን ዝነበራ ግዝኣታት ክውሰን ኣብ ተደልየሉ እዋን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሃይማኖትን ብጆግራፋዊ ቅርጸመሬቱን ገዚዖም ንምምቃል፡ ከበሳን መታሕትን፡ ኣስላምን ክርስትያንን ብምባል ፈቲኖም። ብልቦና ናይቲ መድረኽ እቲ ሃገራውያን ሓርበኛታትን፡ ብስኒትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራን ፈሺሎም። ኣብ ዝሰዓበ መድረኻት ቃልሲ’ውን ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ኣንጻር እቲ ካልእ ብምዕጣቕ፡ ከምኡ’ውን ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ፈሊኻ ዓድታት ብምቅጻል፡ ሓድነት ህዝቢ ንምዝራግን መስመር ቃልሲ ንምትዕንቃፍን ተፈቲኑ ዋጋ ብምኽፋል ተሰጊሩ። ብረታዊ ቃልሲ መልክዕ እናሓዘ ኣብ ዝመጸሉ መድረኻት’ውን ኣብ ሜዳ ቃልሲ፡ ወገናዊ ስምዒታት ብምቕስቃስ፡ ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ፈሊኻ ብምጥቃዕ፡ ዓንኬላት ብምፍጣር ወተሃደራውን ፖለቲካውን ዕብለላ ንምርግጋጽ ተፈቲኑ፡ ብልቦና ህዝብን ብንቕሓት ተጋደልትን ተሳዒሩ። ኣብቲ ኣብ ሜዳ ቃልሲ ዝቀላቐል ዝነበረ ፈላላዪ ተርእዮ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ሓይልታት ግደ ስለ ዘይነበሮም ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ መሪሕነቱን ነቓዓት ኣብ ምሽፋን ስለ ዝሓየሉ ኢዮም በዲሆምዎ።

ድሕሪ ናጽነት ናይ ዝነበረ ዞባዊ ተመክሮ ፖለቲካዊ ክውንነት ድማ፡ ብፖለቲካ ብሄር፡ ቀቢላን ሃይማኖትን ኣብ ዝሕመስ ዞባ፡ ራእይ ሃገራዊ ስኒትን ውህደትን ከተስርጽ ምስራሕ ቀሊል ኣይነበረን። ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ውሽጣ ተገማሚዓ ንናይ ደገ ምትእትታው ባብ እተርሑ ንኸይትኸውን ዋጋ ከፊላ ኢያ። ኣንጻር’ዞም ክልተ ቀንዲ ጸላእቲ ዝኾኑ፡ ናይ መንነት ፖለቲካን ናይ ግዳም ምትእትታውን ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ብጉልባብ እስላማዊ ጅሃድ፡ ብምስምስ ዶባዊ ግጭታት፡ ብዓሎቕ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት፡ ብካሳታት ናይ ‘ግብረ-ሰናይ’ ማሕበራት፡ ናይ ‘መሰል ወዲሰብ’ መጋባእያታት . . . ወዘተዝተፈተነ ሽርሒታት ቀሊል ኣይነበረን። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ግን ሃገራዊ ረብሓ ብምቕዳም፡ ንዞባዊ ስኒት እናሰርሑ ንኩሉ ኣላሽ ኣቢሎምዎ። ኣብዚ መስርሕ ቃልሲ ድማ ናህሪ ፖለቲካውን ቁጠባውን ገስጋስና ዝዓንቀፈ ዋጋ ከፊልና፡ ሰሪርና። ኩሎም እቶም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ከም ሓዳስ ልኡላዊት ሃገር ክትጽምበር ከላ ዝነበሩ ስርዓታት ጸቢብ ፖለቲካ፡ ህዝብታት ነቒሕሎም ኣብቂዖም። ቅኑዕነት ፖለቲካዊ መስመር ኤርትራ እናጎልሐ መጺኡስ ካብ ጌጋ ርድኢት ተላዒሎም ከም ጸላኢት ዝጥምትዋ ዝነበሩ ወገናት ምሳና ክመኻኸሩን ሓባራዊ መስመር ዕብየት ክነድፉን ጀሚሮም። ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ሓባራዊ ራእይ ከሰላስላ ጀሚረን። ደቡብ ሱዳን፡ ሱዳንን’ውን ውሽጣዊ ኩነተን ኣብ ምርጋእ ተጸሚደን ደኣምበር፡ ካብ ሓባራዊ ዞባዊ ረብሓ ዘርሕቕ ምኽንያት ክህልወን ኣይክእልን።

3

===

ከምዚ ዝበለ ካብ ጸቢብነት ርሒቑ ንረብሓ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘቐድም ፖለቲካዊ ሃዋህው ክቀላቐል ምስ ጀመረ እምበኣር፡ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ምስ’ቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብ1998 ዝተኣልመ ኩነታት ዝመሳሰል ዶባዊ ግጭት ፈኸም ክብል ንዕዘብ ኣሎና። ኣብ ሶማል ነቲ ትስፉው ዞባዊ ስኒት ዝመረጸ መንግስቲ ተጻብኦ ይበዝሖ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ዋና ጸቢብነት ዝኾነ ህወሓት ካብ’ቲ ብርእሰ ቅትለት ዝኣተዎ ሳንዱቕ ሬሳ ንምውጻእ ተኣንጎት ተሸብሸብ ይበሃል ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ከም’ቲ ኣብ ጎረባብቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ስለ ዝተሳእነ፡ ፈለማ ናብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምውጣጣ ዒላማ ሮኬታት ከም ትኸውን ተጌሩ። ንዕኡ ጸማም እዝኒ ምስ ሃበት ከኣ፡ ምስ’ቲ ብቐደሙ ንምድምሳሳ ዝተዶኮነ እዚ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተኸስተ ውግእ ኣማኽኒኻ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ዕላማ ከቢድ ብረት ኮይኑ። ህወሓት ብገዛእ ርቡጽ ስጉምታቱ ምስ ጠፍአ’ውን፡ ነቲ ኩሉ ዓይነት ምትኹታዃት ብውሕሉል ተሳትፎን ምኩር ርእሰ-ምግታእን ዝሰዓረ መንግስቲ ኤርትራ ኣካል እቲ ቀውሲ ናይ ንምግባሩ ዝካየድ ዘሎ ሽርሒ ኣየብቀዐን።

ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትያሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ግፍዕታት የካይድ ኣሎኩነታት ትግራይ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጻኢ ኮይኑዝብልን ካልእ ምስ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ክብርታት ህዝቢ ኤርትራን መትከላት ፖለቲካዊ መሪሕነቱን ዘይከይድ ወቐሳን ክስን ንሰምዕ ኣሎና። ዕላማኡ ፍሉጥ ኢዩ። እቶም ብጸቢብ ፖለቲካ መንነት ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሕምስዎ ዝጸንሑ ተላኣኣኽትን ለኣኽቶምን፡ እቶም ኤርትራ ዝፈንፈነቶም ክልተ ጸላእቲ ስለ ዝተሳዕሩ፡ ቅኑዕ መስመር ኤርትራ ስለ ዝተዓወተ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ኤርትራ ኣንጻር ኩሉ እቲ ፈተናታት ጸብለል ምባላ ከይኣክል፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ንዞባዊ ሰኒትን ዕብየትን እንተ ሰሪሐን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ጸቢብ ናይ ምትፍናን ፖለቲካ እንተ ተገላጊሉ’ሞ ህዝቢ ዞባና እንተ ረቢሑ፡ ረብሓኦም ዝትንከፍ ወገናት ኢዮም ዝጻብኡ ዘለዉ።

ስለምንታይ ንኤርትራ ምጽላምን ምኽሳስንኤርትራ ስለ ዝተዓወተት ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ሳላ ጽንዓቱን ተጻዋርነቱን ዝረኸቦ ዓወት ከይጽምብልን ከይሕበንን ዝዓለመ ጸለመ ኢዩ። ሰራዊት ኤርትራ ሰሪቑ፡ ዘሚቱ፡ ዓሚጹ፡ ረሺኑ እናበልካ ዝግበር ዘሎ ዘመተ፡ ሞራል ህዝብን ስራዊትን ኤርትራ ንምስባር ዝዓለመ ኢዩ። ስራዊት ኤርትራ ኣንጻር ህወሓት ተዓዊቱ ኢዩ። ነዚ ዓወት እዚ ድማ ናብ መሬት ትግራይ ስለ ዝኣተወ ወይ ኣብዚ ህወሓት ተዃቲኻ ዝዓደመቶ ኲናት ስለ ዝኣተወ ኣይኮነን ረኺብዎ። ካብ 1998 ክሳብ 2018 ልኡላዊ መሬቱ ኣብ ምሕላው ለይትን መዓልትን ከይደቀሰ ብጽንዓት ስለ ዝመከተ ኢዩ ተዓዊቱ። ሰራዊት ኤርትራ ናብ’ዚ ዓወት’ዚ ንምብጻሕ ባህግታቱ ኣወንዚፉ፡ ዓለም ከምዘይናቱ ርእዩ፡ ሓቂ ናብ ምዕራፋ ንምብጻሕ ህይወቱ በጃ ጌሩ ኢዩ ተዓዊቱ። ብ2002 ከኣ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያ እቲ ዝተወረረ መሬቱ ተፈሪዱሉ ከብቅዕ፡ ኣውሓስቲ ስምምዕ ዝነበሩ ሓያላን ጸማም እዝኒ ምስ ሃብዎ፡ ከም’ቲ ዝተመነይዎ ረብሪቡ ኢዱ ስለ ዘይሃበ ኢዩ ሰራዊት ኤርትራ ተዓዊቱ። ነዚ ጸቢብ ናይ መንነት ፖለቲካ ፈንፊኑ ስለ ልኡላውነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝጸነዐ ሰራዊት፡ ብዘመዝገቦ ዓወት ከይሕበንን ከይኮርዕን ኢዩ እምበኣር እዚ ኩሉ ጸለመን ወቐሳን ክስታትን።

ነዚ ወፍሪ ጸለመን ወቐሳን ዝህንድሱ ዘለዉ ወገናት፡ ናብ ሰራዊት ኤርትራ ኣቶኪሮም ከምኡ ዝገብሩ ዘለዉ ሓደ ሓቂ ስለ ዝፈለጡ ኢዩ። ንሱ ድማ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ብዝፈጠረቶ ሓያል ህዝባዊ ሰራዊት ኢያ ልኡላዊት ሃገር ኮይና። ዝሰዓር ዘይመስል ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝሓየለ ሰራዊት ዝበሃል ዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝሰዓረ ህዝባዊ ሰራዊት ኢዩ። ዞባናን ዓለምን ንኤርትራ ከም ልኡላዊት ሃገር ክትቅበል ዝገበረ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኢዩ። በብመድረኹ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረተ ሶቭየትን ምሉእ ደገፍ ዝሃብዎም ስርዓታት ዝሰዓረ። ንኤርትራ ንምድኻም እምበኣር እዚ ኒሕ’ዚ ክስበር ኣለዎ በሃልቲ ኢዮም። ነዚ

4

ሰራዊት’ዚ ኣብ ኲናት ክስዕርዎ ከምዘይክእሉ ኣዳዕዲዖም ስለ ዝፈለጡ፡ ሞራሉ ንምስባር ክዓዩ ጸኒሖም። ዕጥቁ ክሰንፍ እገዳ ፈሪዶምሉ ኣይተሳዕረንናብ መዓስከራት ስደት ጸዊዖምዎ፡ ኣይተታለለንብብሄር ብሃይማኖት ብኣውራጃ ክፈላልይዎ መርዚ ነዚሖም፡ እዝኒ ኣይሃበንካብ ፍርሒ ዝተላዕለ ኤርትራ ሰራዊት የብላን ህዝባ ጸኒቱ ኢዩ ኢሎም ነፍሶም ኣጸናኒዖም፡ ዕጅብ ኣይበሎንባርያ ኢኻ ደሞዝ የብልካን ሃገርካ ኣይተሓሉ ኣይተልምዕ ኢሎምዎ፡ ክምህ ኣይበለንኩሉ ተወዲእዎም በቲ ሓደ “ንዓ ትግራይ ዓድኻ ኢዩ” ኢሎም እናለመኑ፡ በቲ ኻልእ ኣስመራ ንምእታው ደገፍቲ ሓንቲ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታ ምስልጣን ምኣኸለ ብምባል ፈኪሮም፡ ብዕሽነቶም ስሒቑሰራዊት ኤርትራ ኣንጻር እዚ ኩሉ ኢዩ ተዓዊቱ ወጺኡ።

ስዕረቶም ምቕባል ዝሰኣኑ ግዳያት ርእሰ ቅትለት፡ ሎሚ ሰራዊት ኤርትራ ቀቲሉ፡ ዘሚቱ፡ ዓሚጹ ክብሉ ከለዉ፡ ዓወቱ ከም ዘይምንጥልዎ ስለ ዝተረድኡ፡ ነቲ ጎይታ ቃልስን ዓወታትን ዝኾነ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ከም ውጽኢት ጽንዓቱን ምጽማሙን ዝተጎናጸፎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓወት ብምክፋእን ብጸለመን ክድውንዎ ይፍትኑ ኣለዉ። መድረኻዊ መኸተና እምበኣር ነዚ ጸለመ እዚ ኣብ ምኽሻሕን፡ ሓበንን ሞራልን ሰራዊትና ኣብ ምብራኽን ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ። ሰለሰተ ቅሉዕ ወራራት፡ ዘይፍትሓዊ እገዳታትን ጭካነ ዝመልኦ ናይ ሮኬታት ደብዳብን ሰጊርና ዝሰዓርናስ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ምእኩል ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዘመተን ከቶ ኣይንሰዓርን። ዓወትና ኣንጻር ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝተመጣጣረ ህወሓት ጥራይ ኣይኮነን፡ ኣንጻር ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሕምስ ዝጸንሐ ጸቢብ ናይ መንነት ፖለቲካን እዚ ጸቢብነት እዚ ዝፈቐዶ ናይ ደገ ምትእትታውን ኢዩ ነይሩ። ቀጻሊ መኽተና ድማ ናባኡ ዘተኮረ ኢዩ።

ዓብዱልሓይ ሃሽም 22/04/2021

5


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events