Dehai

ሚዛን ሕብረት ኤውሮጳ ዘፍኰሰ ውሳነ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 27 March 2021

ሓተታ



ሚዛን ሕብረት ኤውሮጳ ዘፍኰሰ ውሳነ

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብ22 መጋቢት 2021፡ ንኤርትራ ዝምልከት ዘይርትዓዊ ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ። ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ታሕሳስ 2020 ውሳነታቱ መሰረት ብምግባር ኣሕሊፉዎ ዘሎ ቁጽሪ 2021/481 ዝተሰምየ ናይ እገዳ ስጉምቲ፡ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ንካልኦት ሃገራት እውን ዒላማ ዝገበረ እዩ።

እዚ፡ ብቐንዱ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዝደረኾ፡ ልሙድ ኣህጉራዊ ኣገባባት ዘይተኸተለ በይናዊ ውሳነ ሕብረት ኤውሮጳ ድሕሪ ምሕላፉ፡ መንቅባት ኣገባባቱ ኮነ፡ ርትዓውነቱን ዕላማታቱን ኣዛራቢ ኮይኑ፡ ብብዙሓት ተነቒፉ እዩ። ሩስያን ቻይናን ድማ ተመጣጣኒ ግብረ-መልሲ ሂበናሉ ኣለዋ።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ንቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዒላማ ኣብ ዝገበረ ውሳነኡ፡ ንልሙድ ኣገባባት ኣህጉራዊ ውዕላት ይኹን እቲ ሕብረት ምስ መሻርኽቱ ንዝቕይዱ ሕጋጋትን ቅጥዕታትን ከይተኸተለ፡ ብይን ከሕልፍ ምህጻጹ፡ ምስ ናይ ግዜ ኣጋጣምነቱ፡ ውሽጣዊ ተርባጹን ድርኺቱን እንታይ ምዃኑ ህልዊ ኩነታት ዞባና ንዝከታተል ንጹር እዩ።

ከምዝፍለጥ መንግስታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኤውሮጳ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ብወዲ ሰብ እምብዛ ተጨነቕቲን ሓለይቲን መሲሎም ይቐርቡ እዮም። ሓገራኦም ግን፡ ርህራሀን ብቚባቘን ኣይኮነን። ብዙሕ ጭብጢታት ምቕራብ ይከኣል እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ፡ ነቲ ብጉልባብ ሰብኣዊ መሰላት ዝግበር ፖለቲካዊ ጸወታ ግርም ገይሩ ኣቃሊዕዎ ኣሎ።

ታሪኽ ምውካስ፡ ጽቡቕ መነጻጸሪ እዩ። ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሰል ርእሰ ውሳነኡ ዝቃለሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ህልቂትን ኣረሜናዊ ግፍዒታትን መዘና ኣይነበሮን። ከምኡ ዓይነት ጭካነ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትን ሰፊሕ ናይ ኩናት ገበንን ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን ግን፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኮነ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል የጨንቐና’ዩ ዝብሉ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ብጩቕ ክብሉ ኣይተሰምዑን። ስለምንታይ? እንታይ ዘእምን መልሲ ክህቡሉ ይኽእሉ?

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ወጽዓ’ዚ ብጽንዓት ሰጊሩ፡ ብቃልሱን መስዋእቱን ናጽነት ድሕሪ ምርግጋጹ፡ ካብ ሓሙኹሽቲ ኲናት ተንሲኡ፡ ሃገሩ ንምህናጽ ኣብ ዝተበገሰሉ እውን፡ ዳግማይ ገዚፍ ወራር እዩ ገጢምዎ። ኣብዚ ወራር’ዚ ከኣ፡ ጃንዳ ወያነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፈጸሞ ግፍዒ መግለጺ ኣይርከቦን። ልዕሊ 70,000 ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ንብረቶም ተዘሪፉ፡ ካብታ ሃገር ብግፍዒ ተሰጒጎም። ዝኾነ ገበን ዘይብሎም ህጻናት፡ ሽማግለታት፡ ነብሶ-ጾራት፡ እንተላይ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ዝነበሩ ውጹዓት ሕሙማት ከይተረፉ እናተለቕሙ ተባሪሮም። ሽዑ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣፍ ኣውጺኡ፡ ነቲ ቅሉዕ ገበን ክዂንን ኣይተሰምዐን፣ ናይ እገዳ ውሳነ እውን ኣየሕለፈን። እቲ መመኽነዪ ወራር ዝኾነ ጉዳይ ዶብ፡ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ብይን ምስተዋህቦ ድማ፡ ሓደ ካብ ኣውሓስቲ ስምምዕ ኣልጀርስ ኮይኑ ክታሙ ዘንበረ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ጃንዳ ወያነ ኣህጉራዊ ሕጊ ረጊጹ፡ ንትግባረኡ ምስ ሓንገደ ዝኾነ ውሳነ ኣይወሰደን። ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ን20 ዓመታት ዝኣክል፡ ብገዚፍ ድጎማ ነቲ ጃንዳ እናሳሰየ፡ ስቓይ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምንዋሕ ዝጸንሖ ግደ፡ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።

እዚ ታሪኽ’ዚ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኮነ ካልኦት ብሰብኣዊ መሰል ንጭነቕ ኢና በሃልቲ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ሕቶ ሰብኣዊ መሰል፡ ፖለቲካዊ ዕላማታት ንምስሳይ ዝልዕልዎ ዛዕባ እምበር፡ መንቀሊኦም ሰብኣዊ ሓልዮት ከምዘይኮነ ኣጉሊሑ ዝምስክር መነጻጸሪ እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ውሳነ ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ግዜ ኣጋጣምነቱን ዘነጽሮ ሓቂ ኣሎ። ዘለናዮ ግዜ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ ድማ ብሓፈሻ፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ክፍጽም ዝጸንሐ ተልኣኣኺ ጃንዳ፡ ሓመድ ኣዳም ዝተደብየሉ እዋን ብምዃኑ፡ ንደገፍቱን ሓብሓብቱን ብርግጽ ኣሻቓሊ እዋን እዩ። ሕብረት ኤውሮጳ እውን፡ በቲ ኩነታት ዝተሰምዖ ዓሚቚ ሻቕሎት (Concern) ብዘይ ሕብእብእ ደጋጊሙ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ግቡእ መስርሓት ከይሓለፈ ብተርባጽ ዝተኣወጀ ውሳነ እምበኣር፡ እቲ ሻቕሎት ናበይ ደረጃ ከምዝዓረገ ዘርኢ እዩ። ይኹን’ምበር፡ በዚ ውሳነ’ዚ ንድሕሪት ዝምለስ ታሪኽ የለን። እዚ፡ ሻቕሎት ዝነውነዎ ናይ ተርባጽ ውሳነ ከኣ፡ ንሚዛን ሕብረት ኤውሮጳ ከፍኲስ እንተዘይኮይኑ፡ ዘምጽኦ ለውጢ የለን።

ቀዳም 27 መጋቢት 2021

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events