Dehai

ሓተታ፥ ፈንቅል ሓበን ወለዶታት!

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Monday, 15 February 2021



ሓተታ፥ ፈንቅል ሓበን ወለዶታት!
ሓተታ፥ ፈንቅል ሓበን ወለዶታት!
By Shabaitadmin on February 10, 2021
ሎሚ 10 ለካቲት መበል 31 ዓመት ሓርነት ምጽዋዕ እዩ። ዝኽሪ ናይዚ ዕዙዝ ፍጻመ’ዚ ድማ፡ “ፈንቅል ንወለዶታት”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ቅጥዒታት ምክልኻል ኮሮና ቫይረስ ኣብ ግምት ብዘእተወ ጸቢብ መሰናድኦ ይኽበር ኣሎ።

ስርሒት ፈንቅል፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባርን፡ ኣብ ታሪኽ ወተሃደራዊ ግጥማት ዓለምና ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ዝርከቦ፡ ብመሬትን ባሕሪን እጹብ-ድንቂ ቅያ ዝፈጸምሉ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ስርሒታት ሓርነታዊ ቃልስና እዩ። እዚ፡ ብወተሃደራዊ ስልቱ፡ ብበርቃዊ ቅልጣፈኡን ስፍሓቱን ኣገራሚ፡ ናይ መወዳእታ ሱር መግዛእቲ ፈንቂሉ፡ ሓርነት ኤርትራ ክውን ምዃኑ ዜግሃደ ወተሃደራዊ ስርሒት’ዚ፡ ንወለዶታት እናተዘከረ ዝነብር ዘሐብን ታሪኻዊ ትውፊት እዩ።

ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ታሪኽና ጎሊሑ ዝጥቀስ ብርቂ ፍጻመ ይኹን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውድቡ ህዝባዊ ግንባርን፡ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ፈንቃሊ መጥቃዕቲ ክሰጋገሩ፡ ንዓመታት ዘሰላሰልዎ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ስራሕ፡ እቲ ዝነውሐን ዝበርተዐን፡ ሓያል ስራሕ፡ ብልሓት፡ ጽንዓትን ትዕግስቲን ዝሓተተ እዩ ነይሩ። ብሓጺሩ ስርሒት ፈንቅል፡ ድምር ውጽኢት፡ ናይቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ዘይተቘጠበ ደገፍ ርእሰ-ሓያላን ንዝነበሮ መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ኣብ ዝተናውሐን ጸማዲን ኲናት ሸሚሙ ንምስዓር ዝተኸተሎ ውሑሉል ስትራተጂ ኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት፡ ሞራል፡ ተጻዋርነት፡ ትግሃት፡ ስነ-ምግባርን ጽኑዕ ዲሲፕሊንን ድማ ቀንዲ መሰረት ናይ ዓወቱ እዩ።

ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝተኸተሎ ስትራተጂ፡ ብሓደ ወገን ኣብ ኣኽራናት ናቕፋ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ባርካን ደልዲሉ ብምዕራድ፡ ደጀኑ ኣውሒሱ፡ መጠነ ሰፊሕ ወራራት እናመከተ፣ በቲ ካልእ መዳይ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ብደባይን ተንቀሳቓሲን ውግኣት እስትንፋስ ዘይህብ ስልታዊ መጥቃዕቲታት ምክያድ፣ ማዕረ ማዕረኡ ድማ፡ ብመትከል ርእሰ ምርኰሳ፡ ማሕበራዊ ጸገማት ህዝቢ ዘቃልል መደባት ምትግባርን ኩለንተናዊ ዓቕምታት ሰውራ ምድልዳልን እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ በብሸንኾም ኣንጻር ጭቆና ዘለዓዓልዎ ቃልሲ፡ ብንዋትን ምኽሪን እናደገፈ፡ ኣብ ወሰንቲ ግጥማት፡ ሰቡን ኣጽዋሩን ኣብ ጎድኖም ብምስላፍ፡ ንሓይሊ ጸላኢ ናብ ብዙሕ ግንባራት ምጉዝዛይን ማእዝኑ ምጥፋእን፡ ኣካል ናይቲ ዕውት ወተሃደራዊ ስትራተጂኡ እዩ ነይሩ።

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ህዝባዊ ግንባር፡ ህዝቢ ዓለም ብሓፈሻ፡ እቲ ኲናት ብቐረባ ዝጸልዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ ብፍላይ ፍትሓውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኽግንዘቡ ዓቲቡ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዩ። ከምቶም ወግዓውያን መንግስታት፡ ኣብ ዝኾነ ዓለማዊ ውዕላትን ስምምዓትን ከይፈረመ፡ ኣብ ውግእ ንዝማረኾም ወተሃደራት ብሰብኣዊ ክንክን ሒዙ፡ ምሂሩን ኣንቂሑን እናፋነወ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለሱ ዝነበሩ ወገናት፡ ብዘለዎ ዓቕሚ እናሓብሓበ፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላምን ምሕዝነትን ንምፍጣር ዘካየዶ ጻዕሪ ቀሊል ኣይነበረን። ካብኡ ሓሊፉ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፈታትሓ ጉዳያቶም፡ ቅኑዕን ስነፍልጠታዊን ማእዝን ክኽተሉ፡ ሓቢሮም ንማዕርነታዊ ሓድነት ሃገር ክሰርሑ፡ ምስናይ ብዙሕ ዘይቅርዑይ ኣካዪዳ ዝከኣሎ ጎስጒሱ እዩ። ዕላማ ናይዚ ፖለቲካዊ ስራሕ’ዚ፡ ብቐንዱ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ውሑስ ሰላምን ሓድሕድ ምትሕብባርን ዝሰፈኖ ዞባዊ ኩነትን ሓድሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍን ምፍጣር እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ብማእለያ ዘይብሉ ቅያታት ዝተመልአ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ደሚቖም ዝዝከሩ ከም ስርሒት ፈንቅል ዝኣመሰሉ ፍሉያት ቅያታት እምበኣር፡ ንስለ ሓበን ጥራይ እንዝክሮም ዕለታት ዘይኮኑ፡ ዝነደቕናዮ ዘዂርዕ ሃገራዊ ታሪኽ ብምዕቃብ፡ ሃገራዊ ራእይናን ዕላማናን ይኹን ንዓወት ዘብቅዓና ክብርታት ወትሩ ኣብ ቦታኡ ምህላው ንምርግጋጽ፡ ቃልና እነሐድሰሎም ኣጋጣሚታት እዮም። ቃል ምሕዳስ ጥራይ ዘይኮነ፡ በብግዜኡ ዝርኣዩ ድኻማትን ጸገማትን እናቐርፍካ፡ ማእዝን ምስትኽኻልን ኣድማዕነት ክብ ምባልን ሕድርና እዩ። ከመይሲ ዘሐብን ሃገራዊ ታሪኽ፡ ነባርነቱ ዝረጋገጽ፡ ንዕኡ ዝሃነጸ ጅግንነት፡ ባህልን ክብርታትን እናተወራረሰ ምስዝቕጽል፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ፡ እቲ ደራኺ ሃገራዊ ራእይን ዕላማን ሸቶኡ ምስዝወቅዕ እዩ። እዚ ዘሐብን ባህልን ክብርታትን’ዚ ሕጂ እውን ኣብ ቦታኡ ምህላው፡ ምስክሩ ቃላት ዘይኮነ፡ ኣብ ባይታ እንርእዮ ሓቂ እዩ። ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ክንዮ ቃላት፡ ብተግባር ምድማዕን ምዕዋትን እዩ።

ራእይን ዕላማን ሰማእታት ፈንቅል ኮነ ኩሎም ስውኣትና… ሓርነት እዩ። ሓርነቱ ብሓርነቱ፡ ኩለንተናዊ፡ ምሉእን ውሑስን ሓርነት። ሃገራዊ ናጽነት፡ ሓደ ካብ ምዕራፋት ሃገራዊ ራእይናን ዕላማናን እምበር፡ ናይ መወዳእታ ሸቶና ኣይነበረን። እቲ ዝበረኸ ዕላማና መንፈሳዊን ነገራዊን ጠለብ ዜጋታት ብምልኣት ዜረጋግጽ፡ ምዕሩይን ፍትሓዊን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ዕብየት ብዘላቕነት ዘውሕስ ምቹእ ዘቤታዊን ዞባዊን ባይታ ምፍጣር እዩ። እዚ ባህጊ’ዚ፡ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብስራሕ እዩ ዚሰምር። ስለዚ ድማ’ዩ ጻዕርና፡ ካብ ምንጪ ዘሐብን ታሪኽና ጸዓት እናሰነቐ፡ ክሳብ መወዳእታ እምነ-ማይል ዜልሓጥ ከይበለ ዝቕጽል። ክብሪን ሞጎስን ነቶም ዘሐብን ሃገራዊ ታሪኽ ዘጓናጸፉና ጀጋኑ ኣሕዋትናን ወለድናን! ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ፈንቅልን ኩሎም ስውኣትን!. . . . ፈንቅል ሓበን ወለዶታት!

ረቡዕ፥ 10 ለካቲት 2021


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events