Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai
<< Back
*ኢድክንያ* ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ ካብ ማንሃይም ጀርመን
Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German
Date: Tuesday, 08 December 2020
ኢድክንያ !!!
ጸረ ሰላም ኣንጻር እፎይታ
መጥፊኢታ ዝሰሓበታ ቃታ
ዝተተኮሰት ብረት ብዘይ ካርታ
ኣብ ብላሽ ዝወደቐት ማሕታ
ጽንተታ ዘበሰረት ናይ መወዳእታ
ናይ ኣቦሓጎታታ ዝወረሰት
ናቶም ናይቶም ቀዳሞት ወሪሳ
ድያብሎስ ጥራሕዩ ዝመሳሰላ
ኣይረሳዕናዮን ናይ ወለዶም
ንስድራና ኣቦሓጎታትና ዝፈደየቶም
ብሂወቶም ከለዉ ከም ገርብ ዝጸልጸለቶም
ሓደ ኢዶምን እግሮምን ዝቖረጸቶም
ኣታ መበቆሎምዩ መሰረቶም
ሕማቕ እምበር ጽቡቕ ዘይመባልዕቶም
ረኤና ንጠላማት ዓለም ክትጠልሞም
ሸዉዓተ ማዕሙቕ ቡንካ ተቐቢሮም
ኢድኩምያ !
ትማሊ በተ ጾሎታትና ኣበሳቢስኩም
መቓብር ሰማእታትና ኣዕኒኹም
ንብረት ህዝብና ዝራሰኹም
ሕጂኸ !
ህዝብኹም ብጂምላ ኣብ ጋህሲ
ወዲ ሰብ ዘይፍጽሞ ረኽሲ
ሕጂባ እነኺ ፈቕድኡ ትሕመሲ
ተሓቢእካ ንሽበራ ቶኹሲ
ኣይርከብንዩ ኣብ ጉድጋድ ጮማ ጥብሲ
ኣብኣ ደኣ ተጠላቐዪ ብዘይ ፈዋሲ
መሰነይታ ቀብሪ ካቱሻ ነስመራ
ዕድመ ዉግእ ንዓለማዊ መሓንከራ
እምቢ ንፈልጦ እንዲናቲ ሽጣራ
መጸዋዕታኺ ናይ ክፍኣት መዓንከራ
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ሓራ
ጠፊኣትሉዛ ዝጠመዘት ዕባራ
ሓሶታን ክፍእታን ሒዛ ተቐቢራ
ኣብ ደበቢት እንተዓስኪርኪ
ህዝባዊ ግምባር ዘይፈልጦ ከይመስልኪ
ካቡ ኣሳሊዩ ኢዩ ኣዲስ ኣእቲዩኪ
እንተደልዩ ኣብኡዩ ዘጥፍኦ ህላወኺ
ንግብረ ሽበራ ዳግማይ እንተተበጊስኪ
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማንሃይም
Back to Dehai
ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
The DNC aims to ditch any progressive candidate.
ክልተ ዓይነት መልሻ ኣገልገልቲ ባዕዲ።
ትልሚ ወዲ ብሻሻ ንምፍላት ጦንቋላይ ምዃን ኣየድልን።
ጽምዶ ስሚ መትከል ኣልቦ።
The Satanic Circular
The Only Way Democrats Might Win Back the White House
Eritrean Awet Aman beat his compatriot and teammate , Yafiet Mulugeta | La Prénessaye - La Croix de Dolo
Oil spill caused by Houthi sinking of Magic Seas/ Eternity C approaching Eritrea's coast
(Xinhua) Eritrea's Mulueberhan, XDS Astana win Tour of Magnificent Qinghai
Astana takes a raft of UCI points at Tour of Qinghai, as Mulubrhan wins overall