Dehai

ሰይጣን ☠️ ኣብ ጻዕረ ሞት - ብብጻይ ተስፋይ ትካቦ - ካርልስሩህ (ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 27 November 2020





ሰይጣን ☠️ ኣብ ጻዕረ ሞት
                        
ኣሰር ኣቦታትና : ሸለል ኣይንበሎ
ኩሉ ተቓሊሉ 🌅ተቐሪቡልና 'ሎ:
ኣይንዘንግዕ ብጾት:ሰይጣን ርሒቑ 'ሎ  
ጫፍ ሒዙ'ዩ ዘሎ:ኣብ ጸድፊ'ዩ ዘሎ:
ጫፍ ሒዝና ኣይንሕመ ኣይነዕረምርም
ጫፍ ሒዝና ኣይንኾሪ  ኣይነጉረምርም:
ጫፍ ኤለክትሪክ ከም☠️ዝሓዝካዮ'ዩ
ንሰይጣን☠️ውን ከምዝዓደምካዮ 'ዩ:
ጫፍ ንጫፍ 'ዩ ዘሎ ኩሉ 'ቲ ውግእና
ጠባይ ኣይንቐይር ንኹን ከም ቀደምና:
ጫውጫው እንተበልና 'ተዘይተጠርነፍና
ገልጠምጠም☠️ክብል'ዩ ንኽግልብጠና:

ውግእ ተሪፉ 'ዩ ኣብ ኩሉ⛰ጎቦታት 
ፈውስና ንቕሓት 'ዩ ኣብ ኩሉ ኩነታት:
ከምሎሚ 'ይቀለለን ንምርሓቑ ጸልማት
ሕብረ'ዩ ዘድሊ ክንወጽእ ካብ መዓት:
ንየው ንበላ ጸርፊ :ካብ ኣፍና ነርሕቃ
ኣርኣያ  ኽንከውን  : ንህዝቢ  ኣፍሪቃ:
ነበርቲ ኣይኮንናን  :  ሓለፍቲ  ኩልና
ሕድሪ🇪🇷ከነውርሶም ንኹሎም ደቅና:
ንህይወትና🚴🏿‍♀️ነንቅሕ:🚴🏾ነደላድል🚴🏾
ንሰይጣን ማይ💦ሀይወት💦ከይንዕድል።

ምሕላልን     ም  ፍ  ል ላ  ይ  ን 
ጽባሕ  እንታይ☠️ከምንኸውን 
ዝቖጺ 'ምበር ካልእ  ፋይዳ  የብሉን ።

እንተ   🏆   ደሊና 
ሰኒ      ሰኒ      ሰኒ
ንቕሓት 'ዩ ወሳኒ።

ከምቲ ንጸላኢ ብብረቱ
ሕጂ ውን  ብ  ብልሓቱ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን 
ን❤️ሰ❤️ማ❤️እ❤️ታ❤️ት❤️ና
ክብርን ሞጎስን ንሓይልታት ምክልኻል
ኤ🇪🇷ር🇪🇷ት🇪🇷ራ

ህይወቱ ሕድሪ 'ያ🇪🇷ንሓፋሽ
ዶላር💰ንፈሽፋሽ
ዓወት💪🏾ንሓፋሽ




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events