Dehai

(ቢቢሲ) ኢትዮ-ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 12 October 2020

ኢትዮ-ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ

   ጥቅምቲ 12, 2020

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ ሎሚ ንጉሆ ንኢትዮጵያ ኣትዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዩ ኣብ ክልል ኦሮምያ ከተማ ጂማ ኣቀባብላ ገይርሉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ንዝካየዱ ዘለዉ ምርምራትን ካልእ ንጥፈታትን ከምዝተዓዘበ ሃገራዊ ማዕከን ኣገልግሎት ዜና - ኢቢሲ ጸብጺቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝጸንሕ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ።

ምስቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተመርሐ ልኡኽ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ከምኡ'ውን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪን ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣብ ርክብ ክልትኤን ሃገራትን ምጥንኻር ምትሕብባር ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘድሃበ ዘተ ከምዝገብሩ ተገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ናብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ጂማ ከምዝኣተወን ብቀዳማይ ሚንስተር ኣብዪ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉን ሃገራዊ ማዕኸን ዜና - ኢቢሲ - ጸብጺባ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጂማ ተረኺቡ'ውን ዝካየዱ ዘለዉ ምርምራትን ካልኦት ንጥፈታትን ርእዩ።

ቅድም ክብል ዝተገበረ ርክባት

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኤርትራ ተራኺቦም ነይሮም። ሽዑ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ ናብ ኤርትራ ገይሹ ኣብ ዲጋ ገርገራን ሳዋን ካልእ ቦታታትን በጺሑ ነይሩ።

ኣብ ሳዋ ከኣ ብወተሃደራዊ ሰልፊ ኣቀባብላ ተገይርሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ መዓልታት፡ ናብ ዝተፈለየ ቦታታት ኤርትራ’ውን ተዛዊሩ ነይሩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከብ ዲጋ ገርገራ ብምዝውዋር፡ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ተሰንዩ ኣብቲ ከባቢ ዝግብር ዘሎ ትሕተ ቅርጻውን መስንኦዊ ልምዓታትን ከምዝተዓዘበ ተለቪዥን እታ ሃገር ጸብጺባ ነይራ።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝርከብ ሕርሻዊ ልምዓታትን ዲጋ ከርከበትን ምብጻሕ ኣካይዱ።

ቅድሚኡ ድማ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ ንኽልተ መዓልታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ከምዝተራኸበ ይዝከር።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካብን ናብን ኣስመራ ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሱ ይራኸቡን ዝተፈላለየ ስምምዓትን ይፈራረሙ እዮም።

እንተኾነ፡ መገሻታቶም'ውን "ክልተኣዊ ዘተ ንምግባር" ካብ ዝብል ሓጺር መግለጺ ሓሊፉ፡ እቲ ዝግበር ስምምዕ ብዝርዝር ስለዘይግለጽ ዜጋታት ስክፍተኦም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍጻሙ፤ ኣብ 2018 ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተኸፊቱ ዜጋታት ካብን ናብን ብፍኑው ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ ነዊሕ ከይጸንሐ ዶባት ስለዝተዓጽወ፡ ካብን ናብን ንቡር ምንቅስቓስ የሎን።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events