Dehai

ኣስተምህሮ ስነ-ልቦና: ህይወት ልዕሊ ስማ፣ ሰፊሕን ዓሚቕን ዓቢን'ዩ ትርጉማ!!!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 25 July 2020

ኣብ ዓለም ህይወት ንገዛእ ርእሳ ቓልሲ እያ። ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም ምስ መጸ [ምስ ተወልደ] ኣብታ ዓለም ዝነብረለን ውሑዳት ዓመታት ብዙሕ ዕድላትን ምቹእን ማእከላይ ናብራን ጸገማትን ድኽነትን ሕማምን ዝተፈላለየ ባህርያዊ ኮነ ሰብ ሰርሖን ፈተናታትን መካልፍን ሓደጋን [ኣካላዊ ኮነ ስነ-እእምሮኣዊ ስንክልና] ስጋብ ኣብ ክሞተሉ ዘይግብኦ ዕድመ'ውን ብሞት ክኹለፍ ከም ዝኽእል ኩልና'ውን ንፈልጦ ወድዓዊ ሓቂ እዩ።
 
ሓያሎይ ሰባት ከከም ባህሪኦም፣ ገንዘብ ዘየኻዕበትኩ ቀልጢፈ ዘይሃብተምኩ፣ ብዙሕ ገንዘብ ዝኽፈሎ ስራሕ ዘይረኸብኩ፣ ገዛ ዘይሰራሕኩ እትናብለን [ማኪና] ዘይገዛኣኩ፣ ሰበይቲ ረኺበ ዘይተመርዓኹ [ሰብኣይ ረኺበ ሓዳር ዘይመስረትኩ] ኮታ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ድሌትን ሸውሃትን ሕልሚን ደቂ ሰባት ዘይፈጸምኩ ብምባል ክድቅሱን ክትስኡን ብዛዕባኡ ክሓስቡን ኽጭነቑን ካብ መጠን ንላዕሊ ምስ ዝምጠጥ ድማ ግዳያት ሕማም ኮይኖም ኣብ ዓለም ብህይወት ክነብርሉ ዝግብኦም ዓመታት ክሕጽሩ ዝረኣዩ ኣሎዉ።
 
ርግጸኛ እየ፣ ወዲ ሰብ ኣብ ዓለም ኣብ ዝነብረለን ዕድመኡ፣ ንዝምነዮን ክገብሮ ዝደልዮን ኩሉ ከም ዘየማልኦ ርዱእ እዩ። ምክንያቱ ንሱ ኣብ'ዛ ዓለም ዝነብረለን ሓጸርቲ ዓመታት ንኹሉ ድሌታቱ ከማልእ እኹል ጊዜ ስለ ዘይብሉ።
 
ንኹሉ ክትገብሮን ክትበጽሖን ትደሊ ነገራትን ትምነዮን ምናልባትውን 'ትሓልሞን' ብቕድመ-ተኸተል ዝተወሰናን ክትዕወተለን ትኽእልን መሪጽካ ከም ዕላማ ኣቐሚጥካ ብርግኣትን ትዕግስትን ክትሰርሓለን እንተ ተበጊስካ ብምሉኡ ወይ ብኸፊሉ ብዓወት ክትድምድሞ ይከኣል እዩ። እንተ ዘይኮይኑ ኩሉ ዝሓለምካዮ ብሃታሃታን ሃርጎፍጎፍን ክትገብሮ እንተፈቲንካ፣ ኣቲ ዝበዝሕ ከይፈጸምካዮን ኣደዳ ሽግርን ሕማምን ኮንካ ናይ ምትራፍ ኣጋጣሚታት'ውን ኣሎ እዩ። ትነብር ዘይኮንካ ብህይወትካ ጣላዕ ትጻወት ከም ዘሎኻው'ን ሕሰብ።
 
ንኽትረኽቦ ዝደለኻ ብኾፍካ ተመኒኻን ሓሊምካን ዘይኮንካስ፣ ነቲ እንደገና ዘይድገም ወርቃዊ ግዜኻ ኣማቓሪሕካ ተጠቒምካ ተማሂርካ ሰሪሕካን ጽዒርካን ጥራሕ እዩ። ነቲ ብግዜ ሕጽረት ይኹን ዓቕሚ ክትገብሮ ወይ ክትልውጦ ዘይትኽእል ኩነታት ድማ ስለምንታይ ዘይኰነለይ ኢልካ ክትሓርቕን ክትበሳጮን ሕሉፍ ሓሊፉውን ጸቕጢ ጌርካ ኣብ ዘይሕማምካ ኽትበጽሕን ዘይኮነስ፣ ንኹሉ ኣብ ሚዛን ኣእቲኻን ተረዲእካን ክትቅበሎን ምስኡ ኽትነብርን ኣድላይን ተመራጺን እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ንጥዕናኻ‘ውን ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።
 
ትርጉም ህይወት ግን ኣብ'ዚ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኹሉ ጥራሕ ማለት ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ትርጉም ህይወትን ምንባር ኣብ'ዛ ዓለምን ነናቱ ርድኢት‘ኳ እንተለዎ፣ ብናተይ ኣረኣእያን ንእሽቶይ ኣፍልጦን ግን መጀመርታ ኣብ ዓለም እትጸንሓለን ዓመታት ብኣስታት ብምግማት ኣብ ክሊ እዘን ዓመታት ኣብ ህይወትካ እንታይ ከም ትገብር ምፍላጥን ምምራጽን ምውሳንን ምስራሕን/ምጽዓርን ኣብ ግብሪ ምውዓልን እዩ። ህይወት ኣብ ዓለም ግን ውጻእ ውረድ ዘይብሉ ከም ዝሓሰብካዮን ዝመደብካዮን ጽጹይ መገዲ [ባይታ] ጥራይ'ዩ ማለት ኣይኮነን። "ከም'ቲ ኣዴካ ዝለኣኸትካ ዘይኮነስ ዕዳጋ ከም ዝጸንሓካ እዩ" ከም ዝበሃልን ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ መእተዊ መጀመርታ ብዛዕባ ህይወት ዝገለጽኩዎን፣ ወዲ ሰብ ብባህርያዊ ኮነ ብሰብ ሰርሖ፣ ዘይሓሰቦ ሕማቕ ነገራት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ከምዚ የጋጥመኒ ኢሉ ክቑዝምን በዚ ተሰናቢዱ ተስፋ ክቖርጽን ናይ ምግባር ድሌቱ ከቕህምን ዘይኮነስ፣ ብዝያዳ እኳ ደኣ ትርጉም ህይወት ብጉቡእ ተረዲኡ ሞራልን ኒሕን ትብዓትን ተቐኒቱ [ሰኒቑ] ተስፋ ከይቖረጸ በታ ዘላቶ ዓቕምን ክእለትን ናቱ ተውህቦ ሓዊሱ ንገዛእ ርእሱ ብትምህርቲ ከማዕብል ብስራሕ ድማ ንነብሱን ብቤተሰቡን ሕብረተሰቡን ከገልግልን፣ እዚ ዕድላት ምስ ዘይህሉ'ውን በታ ዘላቶ ዓቕሚን ክእለትን ይውሓድ ይብዛሕ ብሓላፍነትን ተሓታትነትን ግቡኡ ክወፊ ይግባእ።
 
እምበኣርከስ ትርጉም ህይወት ኣብ ዓለም፣ ኩሉ እንተታት ከጋጥም ከም ዝኽእል ንርእስኻ ምእማንን፣ ንዘጋጥመካን ዝመጽኣካን ኩሉ ድሉው ኮንካ ምጽናሕን፣ እንተ ኣጋጢሙ ድማ ምቕባልን ከከም ኣመጻጽእኡ ምብድሁን፣ ነተን ኣብ ዓለም እትነብረለን ውሱናት ዓመታት ውጥን ኣውጺእካ ብጉቡእ ኣብ መዓላ ኣውዒልካ ምጥቃምን፣ ምስ ስድራ ቤትካን ብጾትካን ከባቢካን ሕብረተሰብካን ብፍላይ ምስ ደቂ ሰባት ድማ ብሓፈሻ፣ ተረዳዲእካ ብስኒትን ተፋቂርካን ተኸባቢርካን ተሓጋጊዝካን ብሓባር ምንባርን፣ እንተ ኽኢልካ ከማን ዘሎካ ጸጋን ስነ ፍልጠትን ኽእለትን ተውህቦን ነቶም ናይ ትምህርቲ ዕድላት ዘይረኸቡን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከማኻ ክኾኑን ዘይከኣሉ ደቂ ሃገርካን ሕብረተሰብካን ከተካፍልን ክትሕግዝን ሰብኣውነት ብግብሪ ምልጋስን ማለት እዩ።
 
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ከም ዝገለጽኩዎ፣ ህይወት ካብ ዕሙቕ ዝበለ መረደእታ ተበጊስካ ብግቡእን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ለባም ኣገባብ ኣብ መዓላ ኣውዒልካ ብስነ-ፍልጠት [ምኽንያታዊ ስነ-ሞጐት] እንተ ዘይተጠቒምካላ፣ ደጊም እቲ ኩሉ ወርቃዊ ግዜኻ ምስ ሓለፈን ምስ ተቓጸለን፣ ኣብ'ዛ ዓለም ትነብረሉ መወዳእታ ድሮ እዋንካ ኣደዳ ጣዕሳን ሕርቃንን ጸቕጥን ኮንካ ግዳይ ናይ ዘይድለ መጥቃዕቲ [ዝተፈላለዩ ሕማማት] ኢኻ ትኸውን።
 
ደቂ ሰባት ግን ኣብ'ዛ ትርአን ትሽተትን ትስተማቐርን ትጭበጥን ንተወሰነ ዓመታት'ኳ ይኹን እምበር ትንበርን ገነት ዓለም [መሬት]፣ እቲ ብህይወት ከለዉ ክገብሩዎ ዝግብኦም ድሌታት ['ሕልምታት'] ምስ ዘይረኽብዎ፣ ናብ ድሕሪ ሞት ዘሎ እዋን ከም ኣብ 'እምነትን ልምድን' ዝሰረቱ "ደገ ሰማይ ወይ መንግስተ ሰማይ" ዝበሃል ዛዕባ ብእኡ ክጸናንዑን ናውኡ ከጸግዕዎን ከመሓላልፍዎን [postpone] ይፍትኑ ጥራይ ዘይኮነ ርግጸኛታት ኮይኖም ከም ዝዛረቡን ዝሰብኩን ናይ ነፍሲ- ወከፍና መዓልታዊ ተጓንፎ [ተመኩሮ] እዩ። ለባማት ኣቦታትናን ወሓላሉ ወራዙት ኣዴታትና ከም ዝብልዎ ግን "ክንብርኩት ከይኒብርኩትን'ሲ፣ ቅድም ኣብ ማይ ዘለዎ ቦታ ንብጻሕ" እዩ እቲ ቀዳማይ ግብራዊ ቁምነገር። እዚ ማለት ድማ ካብ ዛጊት ዘይተረጋገጸን ዘይጭበጥን"ሕንቅልሕንቅሊተይ" ማሪታዊ እምነት ትነበር፣ ኣብ'ዛ መሬት ብህይወትካ ከሎኻ እቲ ክትገብሮን ከተተግብሮን እትኽእል ይውሓድ ይብዛሕ ነታ ዘላትካ እንኮ ሓንቲ ዕድል ተጠቒምካ ኣብ ባይታ ኣውዕሎ። ነቲ ድሕሪ ካብ'ዛ ዓለም ምስ ተሳናበትካ ክትገብሮ ዝወጠንካዮ "ሕልምታት" ግን ናትካ 'እምነት' ስለ ዝኾነን ዝምንጥለካ ሰብ ስለ ዘየለን፣ ግብራውነቱን ዘይግብራውነቱን ባዕልኻ ደሓር ክትምኮሮ ኢኻ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ'ውን ከማኻ ክምኮሮ እዩ።
 
ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ኩሉ ፍጡር እቲ ኣብ ዓለም ኮለኻ ዘጥረኻዮ ንዋይን [ገንዘብ] ንብረትን ድስትን ኩስኩስትን ኮታ ኩሉ ንስኻ ትፈትዎ ንድሕሪት ገዲፍካን ሳንቲም እኳ ትኹን ምሳኻ ከይተማላእካ፣ ብሰለስተ እመት [ሜትሮ] ዓለባ ተገኒዝካ ነዛ ምድራዊት ገነት ዓለምና ንዘልኣለም ብዘየዳግም ከም ትፋነዋ፣ ንነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ 100% ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብ'ዛ ዓለም ከሎኻ በርትዕ ተስፋ ኣይትቑረጽ ዝከኣለካ ግበር፣ ሰብ ዝከኣሎ እዩ ዝገብር!!!
 
ህይወት ልዕሊ ስማ፣ ሰፊሕን ዓሚቕን ዓቢን‘ዩ ትርጉማ፣ ብዝብል ኣርእስቲ ጀሚረ ልክዕ ብኣኣ ናብ መደምደምታ ዘብጽሓኒ ምኽንያት ድማ እዝን ካልኦት ምስኡ ዝኸይድ ዛዕባታትን ኣብ ግምት ብምእታው እየ።
 
እዚ ዎ'ደሓንኩም ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!!!
 
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወደ ቐሺ]
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events