Dehai

ኣብዚ ፈታኒ ናይ ኮቪድ19 ግዜ ንደቂ ዓደይ እየ ዝሕግዝ እንታይ ኣምጽኦ?

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 09 June 2020

ንጸላእትና ብጽንዓትናን ሓድነትናን ኣላሽ ከነብሎም ከሎና፡ ንኮቪድ19 ብጥሙርን ምእዙን ወፈያና ህዝብና ከነድሕን እናተቓለስና፡ ንደቂ ዓድና እናተባህለ ብስም ኮቪድ19 ፈላላዩ ዓዳዊ ወፈያ ዝበሃል ሰራም ጠንቂ ዘለዎ ተርእዪታት ካብ ባህልናን ሓድነትናን ወጻኢ ዝኾነ ኣዕናዊ ምጥርናፍ ከሕድሮ ዝኽእል ዕንወት ንኹሉ ርዱእ እዩሞ ነዚኦም ነዚ ምንቅስቓሳት ዝድግፉን ዝመርሑን ዝጉስጉሱን ዘለዉ ደጊምኩም ሕሰብሉ።  መንግስቲ ንኹሉ ህዝቢ ብሓደ ዓይኒ ራዩ ዝከኣሎ እናገበረ ከሎ፡ ዓደይ ትድሓን ካልእ ኣይግድሰንን ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዘስምዕ ኣብ ሞንጎ ተሳንዩ ዝነብር ዓድታት ቅርሕቲ ምፍጣር እዩ። እተን ዓድታት ደቀን ዘይተሰዱ ሃገር ዝኸላኸሉን መስዋእትነ ዕድሚኦም ዝኸፍሉ ዘለዉ መን ይደግፈን? እዚ ጉጉይ ምትእኽኻብ ብቐጥታ ነቶም ንሓድነትና ክዘርጉ ዓመታት ዝቃለሱ ዘለዉ ሓሳዳት ዝድግፍ ተግባር ስለ ዝኾነ ምስትውዓል ይሓትት። እዚ ከጽሕፈኒ ዝኸኣለ ሓደ ተባራሪ ጽሑፍ ናይ 29 ሰባት ደቂ ሓንቲ ዓዲ ነፍሲ ወከፍ $105 1ሰብ 205 (usd) ዘዋጽኡ ኮምኡውን ናይ 4 ወጻእተኛታት ኣስማት መሓዙት ደቂ ዓድና -ዝበሉዎም---- ነፍሲ ወከፍም $100 (usd) ድምር $3650 ዝብል ናይ ኩሎም ኣስምስት ዘልርዎ ስለ ዝረኤኹ እየ። ኣብዚ ናይ ሒወት ዜጋታትና ብሓባር ነድሕን ዓቕምና ንለግስዝበሃለሉ ዘሎ ሰዓት ከምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓንን ቅቡል ስለ ዘይኮነን መኣረምታ ክገብሩሉን ካልኦት ክንመሃረሉን ይግብኣና ይብል።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና።
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events