Dehai

ተሰሚዑኒ ኣርኪብናሉዚ ጊዘ ፈታኒ - ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ (ከተማ ማንሃይም )

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Saturday, 11 April 2020


ተሰሚዑኒ
ኣርኪብናሉዚ ጊዘ ፈታኒ
ዕርፍቲ ኣእምሮ ከሊኡኒ
ዝነበረኒ ወኻዕካዕ ተሓሪሙኒ
ብድለተይ ኣይኮነን ብተፈጥራዊ
ዊሒጠዮ ኣለኹ ገዲዱኒ
ከይትኣጡ ክይትወጽእ ስለዝበለኒ
መተዓብይተይ ኣይኮነን ጽምዋ
ሰሓቕ ኣልቦ ፍጹም ዘይፈትዋ
ወረ እንታይ ዘበኑዚ ዘመን
ኣስበዛ ምግዛእ ብመቑነን
ኣምላኽ የሕጽሮ ሎሚዘበን
መርዓና ኮይኑ ብዉልቂ
በራዚ ባህልና ናይ በሓቂ
ወራድ መርዓ ተሪፍ
ሕሉፎት ኣልቦ ድሮ ተኾሊፉ
ሕጽኖት ኮይኑ ንዉልቆም መጻምድቲ
ሓማት ኣይአሳሲ ሓማዊቲ
ኮሮን ኣጊዱ ናዛ ስጉምቲ
ሰሙናዊ ርክብና ብኮሙኒቲ
ብናብራናን ሃገርናን ክንዝቲ
ሎሚባ ተዓጺና ብተለፎን ኮንና መታሓትቲ
ሕሙምና ዘይንበጽሓሉ ተኸልኪልና
ረሳና ንምፍናዉ ተሓሪሙና
ጸሎተ ክህነት ተዓጽየናና
ሰላት ጅምዓት ተነፊጉና ኣምላኽ ባዕሉ የቕልለልና
ንዝሞተ ሓመድ ኣዳም ዘይተልብሰሉ
ስድራበት ዘይተጸናንዓሉ
ነየናይ ጌዘና ኣርኪብናሉ
ከምዝመጾ ይቕልሎ ባዕሉ
ወረ መዓስዩ መወዳእትኡ
ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ዝጽበያ
ታንዓደይ ብህርፋን ዝጎያ
ትመጸኒዶ ትኸዉን ቀንያ
ኣምላኽ የርህዎ ኣእዳዉ ዘርጊሑ
ሓደራ ብዙሕ ከይትፈርሑ
መዓልቲ ክመጽእዩ ነዚ ጸበባ ዝምሑ
ንህዝቦምን ሃገሮምን ዘይሕግዙ ይፍርሑ
ሎሚ ሰዓቱ ኢዩ ይናስሑ
ንህዝቦምን ሃገሮምን ይኽሓሱ
ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና 

ዓወት    ንሓፋሽ
ወልዳይ  ተኸስተ  ማንሃይም



7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events