Dehai

የሕዋት ኢና ይበሃል ኣሎ

Posted by: Solomon Goitom

Date: Thursday, 02 May 2019

የሕዋት ኢና ይበሃል ኣሎ
ዝበደለ እንተ ረሰዐ ተበዳሊ እይርስዕን ከምዝበሃል ንሕና ኤርትራውያን ይቕረ በሃልቲ ድኣ ኢና እምበር ረሳዕቲ ኣይኰንናን። እዞም ሕጂ የሕዋት ኢና ዝብሉ ዘለዉ ህዝቢ ኣብ ኣርባተ ዝተፋላለ መዋእላት ነቲ ናይና ለኾነይ ዝብልዎ ህዝቢ ሓማሼን ከም ኣጻዋውዖኦም ወይ ህዝቢ መረብ ምላሽ እንታይ በዲሎሞ ንምጥቃስ ካብቲ ብዙሕ ብውሑዱ ንምዝኽኻር
ቅድሚ መግዛእቲ ኢጣልያ አብ ኤርትራ ነዛ ስግር መሬት ከበሳ ይወርዋን ይዘርፉዋን እዮም ዝነበሩ ካብዚኦም ወራር ራስ ውቤ ጨካን ኣረሜን። ድሕሪኡ ወራር ደግያት ባርያኡ ብጎሚዳ ተሳዒሩ ዝተቐትለ። እቲ ሳልሳይን ንውሕ ዝበለ ዝዘመተን ኣሽሓት ብህዝቢ ዝቕለቡ ደርጎና ሰራዊት አስፊሩ ንህዝቢ ኣብ ድኽነት አብጺሒዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነጊፍና ዘሎና የብልናን እንተበሉ ንደቂ ኣንስትዮ ኣጥባተን ብገመድ ብምእሳር ተቖንዝየን ክላፋለፋ ብምጽዓር መሪሩም ንዝሽፈቱ ድማ ኣባይቶም ብሓዊ ምንዳድ። ብከምዚ ደኽዮም ከለዉ ናይ ኣርባዕተ ዐመት ፍጹም ማይ ጥብ ስለ ዘይበለ መላእ መሬት ኤርትራ ዓጾቦ ኣትዩ ግዜ ኣካሒዳ ዝተሰምዪ ንቁጽሪ ህዝቢ
ኤርትራ ናብ ዝተሐተ ትሕቲ 300000። ወሪዱ ምምባሩን ናይ ኢጣልያ ምምጻእ እኽሊ ኣምጺኡ ሽቕለት እውን ስለ ዝፈጠረ ካብ ምጽናት ዲሒኑ።
እቲ ካልኣይ በደል አመሪካን ኢንግሊዝን ዝቐየስኦ ንኡርትራ ንሃይለስላሴ ከረክብኦ' ሞ ብእኡ ገይረን ክጥቀሙልና ብዝሓንጸጽኦ ሜላ
ኤርትራ ሓራ ኰይና ንምንባር ዘኽእላ ኤኮኖሚ የብላን ንምባል ተጋሩ እናኣዕጠቑ ብሽፍትነት ኣብ ኤርትራ ሰላም ከምዝሰአን ሞ አውፈርቲ ከምዝሃድሙ ኤርትራውያን 'ውን ናይ ሃገሮም መጻኢ ብጸቕጢ ኢትዮፕያ በል ብጥይት ከይትምንከል ቅትለትን ራዕድን ተዋሲኦም። ኣብ ግዜ ሰውራ ሓሰውትን ሓበርትን እናኾኑ ንብዙሓት የእሲሮምን አረሺኖምን።
እቲ ራብዓይ ናይዚኣቶም ጉድ ኣብ ዓመተ 1996/1997 ቅድሚ ውግእ ካብ ከባቢ ባድማ ልዕሊ 20000 ኤርትራውያን እሞ ኸኣ ነዞም የሕዋትና ዝብሉዎም ካብ ከባቢ ሐማስየን ወሪዶም ካብ ነዊሕ ዝሰፈሩ ዝሰጎግዎም።
ውግእ ምስ ተጀመረ ዝፈጸምዎ ካብ አዲስ ኣበባን ካብ ትግራይን። ዝሰገጉዎም ውዑይ ታሪኽ ስለዝዀነ ምረቱ ህልው እዩ።
ስለዚስ ከመይ ከመይ ዩ እዚ ዘረባ ካን ከይብሉና ዘይብሉ።
ድሓር ከኣ ብድፍኑ ኤርትራውያን የሕዋትና እዮም ዝብሉስ ንናራታይ ወይ ንብንዓምረታይ ወይ እውን ንትግረይት ወይ ሳሆታይ ወይ ንራሻይዳ ብምንታይ ይመስሉዎ። እምበርከ ምምስሳል ጥራሕ እኹል ዶ እዩ ?ቀንዲ ታሪኽን ኩነተ አእምሮን ንወዲ ሰብ ዘራሓሕቖን ዘቃራርቦን ምዃኑ ምፍላጥ እዩ ኣገዳሲ።
ካብ ሰለሙን ጎይትኦም።
ዓወት ንሓፋሽ።


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events