Dehai

*** ንኺድ *** ብገዲም ተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 12 April 2019

*** ንኺድ ***

ንኺድ ደኣ ደቀይ፥ኣለና ዝብጻሕ
ጉዕዞ  ትማሊና ፥ዝበልናዮ ዞጓሕ
ረፍዲ ዘንቀልናሉ፤ ብጸላም ብጋሕጋሕ
ገና ኣለና ዝዕየ ፥ዝጽበየና ስራሕ ንኺድ ጥራሕ

    ዝተዋለኤ ይዋላእ፥ዝሓከለ ይሓክል
ኣምንትኒ ዝኣኽለና ፥ ዝብሉና ይኣክል
ገና ምዕራፍ ማንካ ኳ ፥ዘይተላዕሎ
ንኺድ ጥራሕ ፥ናብቲ ናይ ትማሎ ንቕሎ

      ርኹምሽ ንዝበሉ፥መስርዕ ዝቖረጹ
ምንብርካኽ ሪዒሞም ፥ክድዓት ዝመረጹ
ግዲ ኣይንግበረሎም ፥ንዘንደልሃጹ
ንኺድ ጥራይ ፥ጉዕዞና ርእዮም ይቕበጹ

     ሳላ ዝኸድና ፥ሳላ ዘይተገብዝና
ኩርኳሕ መዳሚድና ፥ነጥሊጡ ጎደና
 ተስፋ ዝቆረጹ ፥እንተበሉ ረሸሽ ኢሉና
ንኺድ ደኣ ደቀይ ፣ጽኑዕ እንድዩ ብርክና

      እንተዘይ ንኸዶ ፥ ናብቲ ወፍሪ ጽምዶ
ዲጋታትና ሓጽብና መን፣ዛልዩ ምጋረዶ
እንተዘይ ንግስግስ ፥ጋሕጋሕ  ናብቲ ንቕሎ
ገርሰት መን ምዓየዮ ፥ ፋልኮ ዓዲ ሃሎ

         እቶም ዝጃጀዉ፥ላህሊሆም ዝተሰነፉ
 ወላእላእ ኢሎም ፣ተጎምብዮም ዝተዓጽፉ
ጉዕዞ ትማሊና ፥ እንኸዶ ዶ ከየታርፉ
ንኺድ ደኣ ሳላ ዝኸድና ፣እንድዩ ዕፋፍና ረጊፉ

         ቀስቲ ኮንፓስና ፥ኣንፈቱ ስለ ዘለሊ
ነቲ ነዊሕ ጉዕዞ ከድናዮ፥ እንዲና ትማሊ
ንኸዶ ንቕሎ ምዕራፍ ፥ንዛዝሞ መገሻ
ስለ ምኻድ ኣይነበረ ፥ ዘገም ህድኣት ምረሻ

      ንኺድ ደኣ ዘልሓጥ ዝበለ፣ ዝፈሰሰ ሓሞቱ
ኣብራኹ ንዝጠለሞ ፥ኣብ መልሓሱ ዝበረከቱ
ቁልፉ ንዘዝለቐ ፥ስሪኡ ዝፈተሐ በትኪ
ግዲ ኣይንግበረሉ ፥ ንሕማም ደሓር ጽኪ

     ዓወት ንሓፋሽ 
     ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ)
      ጀርመን
     9/4/ 2019



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events