Dehai

1. "ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፣ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ" "ጋሻ [ጓና] ዓዲ መሐሰዊ" 2. "ኣብ ዘይምልከተክን፣ ኣይተእትዋ ኢድክን"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 06 April 2019

 
 

1. "ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፣ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ" 
"ጋሻ [ጓና] ዓዲ መሐሰዊ"

2. „ኣብ ዘይምልከተክን፣ ኣይተእትዋ ኢድክን“

እዚ ሰብ ኣዚ ተመስገን "ካሕሳይ" ትብል ስም ኣቦ ብሓሶት ተጠሚቑ ሓቀኛ ምሉእ ስሙ ግን ከም`ዚ ሓደ ሓው ኣብ ታሕቲ ሓቢሩና ዘሎ "ተመስገን ኪሮስ" ዝበሃል ኮይኑ፣ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ዜግነቱ ግን በቡኡን በዲኡን ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን፣ በቲ ምቕሉል ዜግነታዊ ሕጊ ናይ ኤርትራ እቲ ክቡር ኤርትራዊ ዜግነት ክቕበል በቒዑ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ "ንስኻ ትቦ" YT. መርበብ ናቱ ኣጉዶ ከፊቱ ካብ'ቲ ውሻጠኡ ብመስኮት ተቐልቂሉ ብሓሶት "ኤርትራዊ ሃገራውነት ተጠሚቑ" ወግሐ ጸብሐ ኣንጻር ኤርትራን ስነ-ምግባርን ባህልን ኤርትራ ጸለማዊ ወፈራ ካብ ዘካየድ ሓይሎይ ግዜ ኮይኑዎ ኣሎ።

እቲ ዘገርም ከምዝን ንዕኡ መሰልቲ ተዛረብቲ ቛንቑ ትግርኛ ግን ብመበቘሎም ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ከነሶም ብጉጅለ መሳፍንቲ ህውሓት ተዓሲቦምን ተቘጺሮምን ብኻልእ ናይ ሓሶት ስም ብምሉኡ ወይ ድማ ብኸፊሉ ተጠሚቖም ከም ኤርትራውያን መሲሎም ኣንጻር ኢርትራን ህዝባን ለይትን መዓልትን ኣብ'`ዚ ዘመን ኣምጽኦ ድሕረ-ገጻት ክግዕሩ ምዕዛብና እዩ።

ኣዞም ሓሰውትን መደናገርትን ተብለጽትን ጸጉሪ በጊዕ ዝተኸድኑ መታለልቲ ቶዃሉን ግን ውዒሎም ሓዲሮም ከይተኸሽሑን ከይሓፈሩን ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ከይኮኑ ከም ዘይተርፉ ዘበት እዩ። ናይ'ዚ ኣብነት ከኣ ኣብ'ዚ ታሕቲ ኣትርእይዎ ዘሎኹም ስቡሕ ድዑል ዝመስል ደረቕ ስእሉን ምስኡ ተታሓሒዙ ብሓደ ኤርትራዊ ሓውና ዝቐረበ ንዕኡ ዝምልከት ኣብ ጭብጢ ዝተመስረተ ጽሑፋዊ መግለጺ እዩ።

ናይ`ዞም ከምዚ`ኦም ዝኣመሰሉ ባዕዳውያን ቁጹራት ባእታታት፣ ከምቲ ለባማት ኣቦታትናን ወራዙት ኣዴታትናን ነቲ እኩይ ስርሖምን ተግባራቶምን ዝምልከት ዝምስልዎ "ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ፣ ቆርበት በጊዕ ኣንጽፉለይ በለ" ወይ ድማ "ጋሻ ዓዲ [ዓዲ ጓና] መሐሰዊ እዩ" ይብሉ። ዝኾነ ሰብ ባእታ ወይ ጉጅለ ዝሓሰወ ሓስዩ ሰሪቑ ኣታሊሉ ኣደናጊሩ የዳናግር፣ ካብ ዓይኒ ቁራኛ ሓፋሽ ተሓቢኡ ክነብር ወይ ከኣ ካብ ምክሻሕ ከምልጥ ግን ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዘበት እዩ።

ኣብ መደምደምታ ክትርድኡለይ ዘለኩም ነገራት ግን፣ ኣዚ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ኣጉዶኡ ከፊቱ ስለምንታይ ብዛዕባ ኤርትራን ተጨኒቑ ዘርባዕባዕ ኣናበለ ይዛረብ? ኣይኮነን እቲ ሕቶ። ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ እየ ኢሉ ማንነቱ ኣነጺሩ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ክዛረብን ኽጽሕፍን ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስ ዝገብር ድማ ንሕና ኤርትራውያን ክንገጥሞን ክንብድሆን ድሉዋት ኢና። ግን ናይ ሓሶት ስም ተጠሚቑ ዝያዳ ካውኡ ብዝኸፍኤ ደረጃ`ውን ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ከንሱ "ኤርትራዊ እየ" ኢሉ ብሓሶት ብስም ሃገርና ክሽቅጥ ቁራበሻኡ ክሕብጥን ከቶ`ውን ኣይነፍቅደሉን! ገበን ከኣ እዩ!

ኣዚ ዎደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን!
ብርሃነ መስቀል ሃብተማርያም
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

2. „ኣብ ዘይምልከተክን፣ ኣይተእትዋ ኢድክን“

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽሑፍ ወይ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ 2018 ዓም ፈረንጂ ዝለጠፍኩዎ ኮይኑ፣ እዚ ዕሉል መደናገርን ሓቀኛ ስሙ ተመስገን ኪሮስ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ናይ ሓሶት ስም ኣቦኡ ግን „ካሕሳይ“ ኣጠሚቑ፣ ከም ኤርትራዊ መሲሉ ወግሐ ጸብሐ ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን መርዛምን ነውራምን ከፋፋልን ሸርሕታት ብዝይዳ ብምቕጻል፣ ብዋጋ ሃገርና ኤርትራ ቁምር ዝጻወት ቁራብሽኡ ወይ ሎቘታኡ ብዶላር ዘሕብጥ ዘይሓፍር ጋውና ወናኒ ናይ ሓሶት ንእሽቶይ ዱዃን ሸቃጣይ እዩ።

ኣብ`ዚኣ ከይትጋገዩ ግን፣ ከም`ቲ ኣብ ዓድና ንፈልጦ ዱኳናት ርሂጽካን ጽዒርካን ደኺምካን ገለ መክሰብን ኣታውን ጌርካ ንስድራ-ቤትካ ትኣልየሉን ቤተ-ሰብ ትሕግዘሉን ዘይኮነስ፣ ናይ`ዞም ተበለጽትን ስሱዓትን ፈላለይትን ናይ ሓሶት ዱኳናት ግን ኣብ ጽልእን ቅርሕንትን ሽርሕን ዝሰረቱ ሕብረተ-ሰብ ከም`ቲ ባህልና ብሰላም ተኸባቢሩን ተሓጋጊዙን ከይነብር ዝዓለመ ወፈራ ኮይኑ፣ ዋላ ሓንቲ ዘይድከሞ ረሃጽ ጥብ ዘይብሎ ኣብ ውሻጠን ጉብጥሽን ኮበርታ ተጐምጒምካን ኣብ ድዃታት ተውጢሕካ ዝግበር ናይ መልሓስ መታለሊ ስራሕ እዩ።

ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ካብ ዘጋውሖ ዘሎ ኸኣ፣

• „ብኣውራጃውነት ምትእኽካብ ነውሪ ኣይኮነን“ ኢሉ ዝሰብኽ
• „እ ቢንያም፣ እዚ`ኣ ኣይተረደኣትካን መስለኒ። እንታይ ትገብር ልክዕ ንኤርትራ ንዓዲ ክምትድውል ካርዲ ገዚእካ ትድውል ማለት እዩ። ክትድውል ከሎኻ እንታይኻ ትገብር፣ 2,9,1,7, ኢልካ ድሕሪ 7 ናብ ስድራኻ ትድውል፣ ኣይኮነን? ሕጂ ግን ኣብ ክንዲ ናብ ስድራኻ ትድውል እተን 6 ቁጽሪ ድላይካ ተእትወለን፣ 12,11,21 ድላይካ ቁጽሪ፣ ሽዑዑ ዝኾነ ሰብ ዘይትፈልጦ ከልዕለካ እዩ። ምስ ኣልዓለካ ‚ነንሕድሕድኩም ተፋቐሩ ኣይትፈላለዩ ኢሳይያስ ናትና ኣይኮነን ፍትሒ ክመጽእ ኣሎዎ እሱራት ይፈትሑ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጠጠው ይበል ኢልካ ድላይካ ትዛረብ። መን ኢኻ ክብሉካ እዮም ሽዑዑ ኣነ ኮድ 8 እየ ትብሎም‘። እቲ ኮድ 8 ናትካ ስም መጸውዒ ክንዲ ሽምካ እዩ። ግን ከም`ቲ ኖርማል ንድውሎ ኢኻ ትደውል ተረዲእካኒ ኽትከውን ተስፋ ይገብር። ተመስገን እየ፣ ተንክዩ!“………….ወዘተረፈ

እዛ ኣብ`ዛ ካልኣይቲ ሕጥበ-ጽሑፍ ቃል ብቓል ቀሪባ ዘላ፣ ብዕሉል ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ተመስገን ኪሮስ ብድምጹ ተቐሪጹ፣ ንሓደ ከምኡ ዝኣመሰለ ሰብ ዝመጠዎ ሰራም ምኽሪ እዩ። ያኢ ኣብ ኣሜርካ ተኾይጥካስ ኤሮጳ ካልኦትን ዘለዉ ሰባት እናዳናገርካ ብወረቐት ተሌፎን ምድዋል ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታትን ምፍታንሲ "ዕምራ ዝሓጸረ ኣንጭዋስ፣ ኣፍንጫ ድሙ ትሽትት" ከም ዝበሃል፣ ቅድሚ ትማልን ትማልን ኤርትራ ምብርኻኽ ዘይተኻእለ፣ ብናይ ዓቅሊ ጽበትን ጻዕረ ሞት ፈንጠርጠር ጉራን ጃህራን ሓሶትን [ዲጂታል ወያነ-[Digital Weyane] ጎይቶትካ መሳፍንቲ ህውሓት ብናትካን መሰልትኻን ሕልኩስ ምህዞን ሽጣራን ሎሚን መጻኢን`ውን እንተኾነ ኤርትራውነት ነቕ ከም ዘይብል ኤርትራውያን ከነፍልጠካን ከነረጋግጸልካን ንፈቱ። "ንስኻን መሰልትኻን ምናልባት ደቂ ሹቕ እንተኾንኩም፣ ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ሕምብርቲ ሹቕ ኢና" ማለት ካብተን ንቁሓት ጠመትቲ ኣዒንትና ከቶ ኣይከተምልጡን ኢኹም።

እዚ ዓሻን ብሃምን ትግራዋይ ግን ካብ`ቲ ክቡር ባህልናን ኣነባብራ ሕብረተሰብናን ብዙሕ ዘይፈለጦን ዝረሰዖን ዝዘንገዖንህ ነገራት ኣሎዎ።

• ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኹ ተጻሊኡ ኣይፈልጥን
• ከምቲ ትግራዋይ ወይ ኢትዮጵያዊ ሃገርካ ብኻራ ዝተሓራረድ ብጥይት ዝቀናጸል ክቡር ወዲ ሰብ ብዕስለ ደናቑር ኣብ ኣደባባይ ዝስቀል፣ ኣዴታት ደቀን ብኣረሜናውን ዓሌታውን ስርዓት ወትሃደራትን ፖሊስን ህውሓት ነበር ተቐንጺሎም ኣብ ልዕሊ ሬሳታት ደቀን ኮፍ ክብላ ዝግደዳሉ፣ ብሄር ኣንጻር ካልእ ብሄር ዝናቘትሉን፣ ሰረቕቲ ካብ ባዶ ጅብኦም ወይ ድማ ታዕሪፋ ዘይነበሮም ብስርቅን ዘረፋ ሃብቲ ውጹዓት ኢትዮጵያ ወነንቲ ኣእላፋት ኣቕራሽ [ዶላር] ኮይኖም ከብዶም ዘዘፍጠጡ ስሱዓት፣ ሚልዮናት ካብ እንኮ መሬቶምን ገዝኦምን ዝተመዛበልሉን ዝህደንሉን፣ ፋሉልነትን ምቅትታልን ዝነገሶ ሕብረተ-ሰብ፣ ኣብ ኤርትራ ከምኡ ፍጹም የብልናን።
• ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብባህሉ፣ ብስነ-ስርዓትን ነንሓድሕዱ ተኸባቢሩን ተሓላልዩን ብንቕሓት ድማ ኣብ ሕማቕ እዋን ይኹን ኣብ ራህዋ ተሓጋጊዙ ዝነብርን ዋኒኑ ዝገብርን ሕያዋይ ተቐባል ጋሻን እዩ።

ስለዚ ኣይተ ተመስገን ኪሮስ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ከምዚ ሃመማ ዋላ „ኣብ ውዑይ ጸባ እናረኣየ ጦብሎቕ „ ኢሉ ሂወቱ ዝስእን ንስኻ ድማ ከምኡ ከይትኸውንን፣ ጉዳይ ኤርትራ ድማ ንኤርትራውያን ጥራሕ ስለ ዝምልከት፣ ኣብ ዘይምልከተካ ኢድካ ኣይተእቱ ከይትልብለብ፣ ሽጣራኻ ድማ ደውር!!!

እዚ ው`ደሓንኩም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

Entay Ybahal Alo Entay
16. Dezember 2018
ሓቀኛ ታሪኽ ናይዚ በጊዕ መሰል ቶኹላ ዓጋመውነቱ የሕፊሩዎ ኣነ ኤርትራዊ እየ ዝብል ዘሎ ኣይ፠፠ኮንካን ትግራዋይ ኢኻ ይብሎ ኣለኹ ።
• ሽም: ተመስገን ሳጋ (ዒሉ) 
• ዝተማሃረሉ ቦታ፣ (ቃሃዝ) ወይ ቀይሕ ባሕሪ
• ሽም ኣቦ: ኪሮስ 
• ሽም ኣደ፣ ኣረጋሽ ዜግነት ኢትዮጵያዊት ትግራወይቲ
• ሃገር፣ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ

ሽም ኣዲኡ ኣረጋሽ ዜግነት ኢትዮጵያዊት ትግራወይቲ ኮይነን ኣብ ኤርትራ ቅድሚ ናጽነት ልዕሊ ሳላሳ (30) ዓመት ስለዝገበራ ኣዋጅ ናይኤርትራ ድማ ልዕሊ ሳላሳ ዓመት አብ ኤርትራ ዝገበረ ወዲ ዝኮነ ሃገር ይኩን እንተ ደልዩ ኤርትራዊ መንነት ክሕዝ ይፍቆዶ እዩ ዝብል ስለዝነበረ ነዚ ዕድል ተጠቂመናሉ ።

ዜግነት : ኣቦይ ኪሮስ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ ኮይኖም ካብቶም ዘረባ ትግርኛ ናይ ኤርትራ ዘይመለኹ ፉሉጥ ትግራዋይ እዮም ። ነቲ ኤርትራ ዝሃበቶም ዕድል ዜግነት ናይ ምሓዝ መሰል ኣነ ትግራዋይ እየ ብምባል ተሓሲሞሞ እዮም።

ዓይነት ስራሕ አቦይ ኪሮስ: ኣብ ኣባሻዉል ማይ ኣፍራስ ሓሰር ብምሻጥ ዕንጨይቲ ከምኡውን ንህቢ ገዚእካ ብመኽሰብ ምሻጥ በዚኤን ስራሕ ንተመስገን እንዳዕበዩ ኣምሂሮሞ።

ስራሕ ወላዲት ተመስገን ኣደይ ኣረጋሽ: ስዋ ብምሻጥ ይፍለጣ: ብዝሒ ውላደን 4 ኣወዳት እዮም። ሓዲ ደርጊ ቢሄራዊ ውትህድርና ምስ ዎሰዶ ኣብ ውግእ ብሻዕብያ ተቀቲሉ ሞይቱ ሹሙ ድማ ሞኮነን እዩ ዝባሃል፣ ዝነበሮ ስራሕ አብ ማይ ኣፍራስ ሰራሒ ጫማ ፈረስ ። ካልኣይ ወደን ንጊዚኡ ሽሙ ረሲዔዮ ኣብ ሶማል ምስ ከደ ሞይቱ ተባሂሉ ሬሱኡ ዘይተመልሰ: ኣቦ ሓንቲ ጋል ኮይኑ ጓሉ ሰይቲ ሄርሞን ደራፋይ አሰሳይት ትብል ካሴት ዝሓተመ ሰበይቱ ዘላ።

ሳልሳይ እዚ ሕጂ ኤርትራዊ እየ ዝብል ዘሎ ተመስገን እዩ ተመስገን ምስ ምንኣሱ ሓዉ ካብ አቦይ ኪሮስ እዮም ዝውለዱ ብሓጺሩ አደይ ኣረጋሽ ካብ ክልተ አሰብኡት ከክልተ ወሊደን ማለት እዩ። አብዚ ሕጂ እዋን ኣደይ ኣረጋሽን ቀዳማይን ካልኣይን ሰብኡተን ዝነበሩን ምስቀዲመ ዝጠቀስኩዎም ክልተ ደቀንን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮም እዮም ነብሶም ይምሓር ።

ዝተረፉ ተመስገን ምስ ንእሽተይ ሓዉን እዮም። ተመስገን ኣብ 90ዓታት 12 ትምህርቲ ወዲኡ ብዘይ ቁምነገር እንጀራ ኣዲኡ ዳበለዔ ኮፍ ኢሉ እዩ ኔሩ። ምስ ምምጻእ ናይ ሻዕብያ ግን ዳግማይ ፈተና ተፈቲኑ መእተዊ ነጥቢ ናይ ቲቲኣይ [መሰልጠኒ መምሃራን] ረኺቡ ብምምህርና ሰራሕ ቀጺሉ። እቲ ዝገርመኩም ግን ሃገራዊ ኣጎልጉሎት ብንእሽተየይ እየ ከይደ ክብል ኮሎ እዩ አስደሚሙኒ፣ መምህራን ምዓስ ድዮም ከቲቶም ትዝኩሩ እንተኮይንኩም አብ ምውዳእ ሳልሳይ ወራር 13 ዙርያ ኣብ ጋሕቴላይ እዮም ታዓሊሞም ሽዑዑ ካኣ ውግእ ተወዲኡ እዩ ኣየርከበሉን። እሱ ግን ከምተሸማሸመ እዩ ዘዕልለና ዘሎ። ብዝኾነ ዘረባይ ከሕጽሮ ፣ ተመስገን በቡኡን በዲኡን መበቆሉ ጩው ዝበለ ትግራዋይ እዩ፣ ዋላ ክንዲ ቅርኒብ ዓይኒ እትከውን ኤርትራዊ ዘርኢ የብሉን። አብ ምምህርና እንከሎ ግን ምስ ሓንቲ ኤርትራዊት ታዓራሪኹ ተመርዕዮም ኣብ አሜርካ ከምዘለዉ ይፈልጥ። ተመስገን ኪሮስ ናይ ሕጂ ተመስገን ካሕሳይ ማለት እዩ ኣስመራ ተወሊዱ ኣባሻውል ማይ ኣፍራስ ቀበሌ 10 ዝባሃል ዝነበረ ከም ዝዓበየ ይምስክር፣ ብዝያዳ ክትሓቱኒ ትክእሉ ኢኹም ክምልሰልኩም እየ ። ተመስገን ንዓይ ብሎክ ስለ ዝገበረኒ ንክበጽሖ ኣንቢብኩም ሸር ግበርሉ ።

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

መብርሂ ብዛዕባ ኣብ`ዚ ታሕቲ ተለጢፈን ዘለዋ ሓንቲ ደረቕ ስእልን ሓሙሽተ ተንቀሳቐስቲ ስእልታትን

1. ስእሊ`ቲ ዕሉል መደናገርን ብስም ኤርትራ ሸቃጥን ነውራም ተመስገን ኪሮስ-ናይ ሓሶት ስም ኣቦኡ „ካሕሳይ“
2. „ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ፣ ንምኽሪ ጸላኢ ኣይትሃቦ ዋጋ። ከይትኸውን ዕዳጋ“ ብድምጻውን ሙዚቀኛን ስነ ጥበባውን ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ነፍስ-ሄር ኣቶውብርሃን ሰጊድ
3. „ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፣ በዓል መን እዮም ዝሃደሙ በዓል መን እዮም ዝጠለሙ“ ብድምጻውን ሙዚቀኛን ስነ ጥበባውን ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ነፍስ-ሄር ኣቶውብርሃን ሰጊድ
4. „ኣሕዋት ዘርኣይ ደረስ“ ብድምጻውን ሙዚቀኛን ስነ ጥበባውን ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ነፍስ-ሄር ኣቶውብርሃን ሰጊድ
5. „ጨብጨባ“ብድምጻውን ሙዚቀኛን ስነ ጥበባውን ክቡር ሓርበኛ ኣቦና ነፍስ-ሄር ኣቶውብርሃን ሰጊድ
6. „ታሪኽ ዓቢ ማሕደር“ ድምጻውን ሙዚቀኛን ገብረልኡል ኣፈወርቂ

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

2. https://www.youtube.com/watch?v=RIte-dlZPJw

3. https://www.youtube.com/watch?v=bbg5vdhFEIU

4. https://www.youtube.com/watch?v=fM0LKu6-8DQ

5. https://www.youtube.com/watch?v=NEvmbq2ajBA

6. https://www.youtube.com/watch?v=_Q4EudB1nCU


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events