Dehai

Arhebo.com: መጽሓፍ: ኤርትራ፡ ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 23 March 2019

ማሕሙድ ሳልሕ ( MAHMUD SALEH)

ቅሩብ ተጸላሊኡኒ ቐንዩ፡ ግን ንጽቡቕ ኣጋጣሚ ዝኾነ ኮይኑ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ዓርከይን ከም ንእሽቶ ሓወይ ዝቖጽሮን ብጻይ ኣማንኤል ብጹኣምላኽ፡ ከም ዝሓምም ግዲ ነብሱ ነጊራቶ ጸኒሓ፡ ሓንቲ መጽሓፍ ከንብባ ሂቡኒ ነይሩ። ሽዑ ካብ ኣስመራ ዝመጸት እያ፡ ክልተና ክነንብባ ተሃንጢና ጸኒሕና። ግን ኣማንኤል፡ እታ ናይ ሜዳ ጠባዩ ኣይገደፈቶን። ጽቡቕ ነገር ኣብ ዝኾነሉ፡ ቅድሚ ንዓይ ንብጻየይ ዝብል ሰብ እዩ። ኣብ ሕማቕ ግዜ ድማ ክረድኣካ ቅድሚ ሰብ ዝርከብ። ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ። ዝቕጽል ዳህሳሳዊ ጽሑፍ፡ ገሊኡ ኣብ ዓራት እንከለኹ ዝሓንጠጥኩዎ እዩ፡ ገሊኡ ድማ ሕጂ ቅሩብ ምስ ደልደልኩ ዝድምድሞ ዘለኹ እዩ። ብዛዕባ መጽሓፍ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ክዛረብ ደልየ—ከካፍለኩም ኢለ እየ— ሰናይ ጻንሖት።

መጽሓፍ ከዘንቱ ከሎ—

ዝስዕብ ሓተታ ብፍጹም  ገምጋም መጽሓፍ ኣይኮነን። ነቲ መጽሓፍ ድሕሪ ምንባበይ ስለዝፈተኹዎን ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝረኸብክዎን ንኣሕዋተይን ኣሓተይን ደቀይን ብዛዕብኡ ዘለኒ ርኢቶ ከካፍለኩም ስለዝደለኹ፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶኡ ንምንጽብራቕ እዩ። ምስ ደራሲ ይኹን ኣርታዒ ዝኾነ ይኹን ርክብ የብለይን። ሰናይ ንባብ።

ኤርትራ፡ ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ

ደራሲ፡ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ

ኣርታዓይ (Editor): ኢንጂኔር ጸጋይ ተኽለሚካኤል ገብረህይወት
ገበር፡ ዲዛይን ናይ ገበር ሓሳብ ኣርታዒ ዘፍለቖ ኮይኑ ብተስፋኣለም ኣጠናው ተቐቢኡ

ተርጎምቲ፡ ኣሕመድ መሓመድ ዑመር፡ ፉሃድ ዓምር፡ ዑቕባስላሴ መሓሪ (ወዲ ቐሺ)

ናይ ትግርኛ ቅዳሕ ብሰነ 2018 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተሓቲሙ

ደራሲ፡ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ መሰል ዋንነት ናይ’ዚ ናይ ትግርኛ ቅዳሕ ንኣርታዒ’ዚ መጽሓፍ፡ ንኢንጂኔር ጸጋይ ሂብዎ ኣሎ (tsegaiteclemicael@gmail.com

ግዝፊ፡ 504 ገጻት

ኣብ መእተዊ ፡ ደራሲ መጽሓፍ፡ እቲ ናይ ትግርኛ ትርጉም ካብ ዝውዳእ ነዊሕ ገይሩ ከምዝነበረን ዳርጋ ተረሲዑ ከምዝነበረን፡ ይኹን እምበር ብወዝቢ ምስ ኢንጂኔር ጸጋይ ምስ ተራኸቡ እቲ ናይ ምሕዋይ መስርሕ ከምዝጀመረን፡ ኢንጂኔር ጸጋይ እውን ነዚ ናይ ትግርኛ ትርጉም ንምትስኡ ከቢድ ስራሕ ከምዝሰርሐን ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ንነባባይ የፍልጥ፡ ንኢንጂኔር ጸጋይ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ ኣሎ፡ ዋንነት ናይ’ዚ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ እውን ንኢንጂኔር ጸጋይ ሂብዎ ኣሎ።

I- ሐፈሻዊ ዳህሳስ፡ እወታዊ ዝኽርታተይ ካብ መጽሓፍ ዝኽርታት ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ

  • ዓንዲ ማእከል ናይ’ቲ መጽሓፍ፡ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልሲ ናይ ደራሲ ኮይኑ፡ ንብዙሕ ኣገዳሲ ምዕራፋት ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ የልዕል፡ ገሊኡ ማይ ዘይጠዓመ ምስጢራት— ንኹሉ ኣንባባይ ዝስሕብን ዘገድስን ኮይኑ ይስመዓኒ፡ ብፍላይ ነቶም ብዛዕባ ታሪኾም ዝግደሱ መንእሰያትና።
  • እቲ መጽሓፍ፡ ዓሚቑ ፍልስናውን፡ ስነ-ሕ/ረተሰባውን ናይ ታሪኽ ፖለቲካ ኣርስታት ወይ ኣገላልጻ ብግርም ዝበለ ክእለት ሓዋዊሱን ብቐሊልን ማራኽን ስነ-ጽሑፋዊ ጥበብ ዘቕርብ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝየ ዝፈተኸዎም መጻሕፍቲ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ስነ-ጽሑፍን ታሪኽን ብሰላም “ሓዳር ፈልዮም” ክጓዓዙ ኢኻ ትረኽቦም። ብተክኒካዊ መዳይ፡ ወላ’ኳ ኣብ ዓምዲ ታሪኽ እንተዘይኣእተናዮ፡ ተመራመርቲ ታሪኽ ግን ኣዝዩ ሃብታም ጥረ-ነገራት ክረኽቡሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ።
  • እቲ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ናይ ጎበጣ ጥሙሓት ዝነበሮምን ዘለዎምን ባእታታት ከጎሱጉሱሉ ዝጸንሑ ሓሶታት ብትንትን የብሎ። ንኣብነት’ኳ፡ እቲ ክሉ ግዜ ዝደጋገም ሓሶት ማለት “ሰውራ ኤርትራ ብናይ ዓረብ ፐትሮ ዶላር ዝተብገሰን ዝተመወለን እዩ ነይሩ፡ ብብረትን ገንዘብን ዓረብ ተሳዒርና— ወዘተ” ዝብል ሃጃጂን፡ ባዱሪ ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓገዛት ብጭብጢ ብምቕራብ ነቲ ሓሶታት የፍርሶ። [ጸገም’ኮ ረኺብና፡ ዘዝተሳዕረ ጀነራል “ዓረብ እዮም ስዒሮምና” ክብል ሞኽ ኣቢሎምና]—ብዝኾነ ከምዚታት ዝኣመሰለ ፈጠራታት ኣብ ባዶሽ ዝተመስረተ ናይ ሕማቓት ምኽኒታት ምንባሩ ኣብዛ መጽሓፍ ይረአ። ኣብታ “ ሓምድ እድሪ ዓዋተ” ትብል መጽሓፍ እውን፡ ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ንሰውራ ኤርትራ ብጭቡጥ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ከምዝተገብረሉ (ክልተ-ሰለስተ ኣረግቶት ጠበናጁ ንሰን እውን ብገንዘብ ኤርትራውያን ዝተገዝኣ) ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ቀዳሞት ተጋደልቲ ኤርትራ ዝወነንዎ ዕጥቂ እንተነይሩ፡ ንጹርነት ዕላማን፡ ነቲ ዕላማ ንምዕዋት ዘኽእል ቁርጺ ሓሳብን እዩ ነይሩ። “ ብዘይካና ዝገብሮ የለን፡ ክንዕወት ኢና” ዝብል ነግ-ፈረግ ዘይብሉ ውሳነ።
  • ኣብዚ መጽሓፍ፡ ሰውራ መስርሕ ምዃኑን፡ እቲ ኣብ ካምፓስ ኮለጃት ተንብቦ ክልሰ-ሓሳባት ሰውራ፡ ንኽትበራበርን ንኽትነቓቓሕን (inspire) ዝሕግዝ እምበር፡ ነቲ ኣሃዱ ኢልካ ምስ ፈለምካ እተሰላስሎ ቃልሲ ከም ቀዋሚ መሐበሪ ክኸውን ከምዘይክእል፡ ደራሲ ካብታ ካብ ዓደን ዘሳፈረቶ መርከብ ወሪዱ ረመጽ በረኻታት ደንካልያ ርግጽ ምስ ኣበለ እዩ ተረዲእዎ። ነቶም ናይ ሎሚ መነጸር ተጠቒሞም ንድሕሪት ተጠውዮም ነቲ ሰውራ ዝሓለፎ ሕልኽላኻት ጉዕዞ ክትንትኑን ብዛዕብኡ ክፈላሰፉን ዝውዕሉ ድማ፡ “ታሪኽ ብኸምኡ ኣይኮነን ዝንበብ” ዝብሎም ዘሎ ይመስል ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ። ናይ’ቲ ግዜ እቲ ኩነታት ክትርዳእ እንተኾይንካ፡ ብመንፈስ ምስቶም ቀዳሞት ጀጋኑ ኤርትራ ክትስጉም ክትክእል ኣለካ፡ ዘጓንፎም ዝነበረ ባህርያዊ ይኹን ሰብ-ሰርሖ ብደሆታት ክተስተማቕር (appreciate) ኣለካ። ሰብ ብቐሊል መውጋእቲ ዝስዋኣሉ ግዜ ምንባሩክ፡ ብሰኣን ማይ ከንፍርካ ብኮልቦ ዲሶሎ ነቒጹ ዓፍራ-ንዓፍራ እትኾነሉ እዋናት ምንባሩ፡ ብጥሜት 12 ሳዓታት ተጓዒዝካ እትጽበዮ ጭቡጥ ራሽን (መግቢ) ዘይምንባሩ ምስትውዓል፡ መሬት “ዝወለደት ትለድ” ብምባል ኣብ ሕራኔኻን ኒሕካን ተኣማሚንካ ንቕድሚት ዝምረሸሉ ዝነበረ ግዜ ምንባሩ ምፍላጥ—ንቕድሚት ናብቲ ዝቕጽል ጎቦ—ናብቲ ዝቕጽል ዕማም። ኣብተን ቀዳሞት ዓስርተ 12-15 ዓመታት ብምሉእ ይኹን ብከፊል ስንቂ እዞ ቀዳሞት ተጋደልቲ ኣብ እንግድዓ ህዝብና እዩ ነይሩ። ህዝብና እዩ ዓንጊልዎም—ናይ ገዛእ ርኦም ምንጪ መሻርፍ መሻርፍ ኣይነበሮምን ። ከም ዝጸንሖም ድማ፡ ዝረኸብዋ ተደሪሮም ኣመስጊኖም ምኻድ እምበር ካልእ ምርጫ ኣይነበሮምን፡ ካብ ደቂቕ ናብ ደቒቕ ኣብ ተጠንቀቕ፡ ሓለዋ ብቕድሚት፡ ሓለዋ ብድሕሪት፡ ሓለዋ ብጎድኒ—ኣብ ማእከሎም ድማ እቲ ኳዕናን ገመል ይስጉም— ዝኾነት ኩርባ፡ ዝኾነ ሕሉም ከም መጻወድያ ካሚን ክኾነሉ ዝኽእል ዝነበረ ግዝያት እዩ። ጽላሎትካ ዘይተኣምነሉ ግዜ—ኣብ መንጎ ክልተ ተጻባእቲ ሓይልታት ተቐርቒርካ ምምራሽ—-ግን መስርሕ እዩ። ሰውራ ኤርትራ እውን ብኹሉ መዳያቱ ልክዕ ከም ዝኾነ መስርሕ፡ እንዳሓየለን እንዳ ሃብተመን ከይዱ። ተሰኒዑ ካብ ፋብሪካ ዝወጽእ (ready-made) ዝበሃል ሰውራ የለን። ተሰኒዑ ዝለኣኽ ሓይሊ፡ ዕሱብ ወይ (mercenary) ጥራይ እዩ። እቶም ሕደት ዝነበሩ መስረትቲ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ምስ ዕድመኦምን ዓቕሞምን ዘይመጣጠን ኣዝዩ ገዚፍ ሕልምታት ነይርዎም። ሽዑ ንሽዑ ከኣ እዮም ሓርነታዊ ፕሮግራም ነዲፎምን ኣጽዲቖምን። ሽዑ ንሽዑ እዮም ህዝቢ ክውድቡ ጀሚሮም። ህዝቢ ኸኣ መትኒ ህይወቶም ኮይኑ—
  • እቲ መጽሓፍ፡ ካብ መእተዊኡ ክሳብ መፈጸምትኡ፡  ጉዕዞ ቃልሲ ናይ ደራስን ኣሰር ናይ’ቲ ዝበጽሖ ቦታታትን ዝተራኸቦም ኣገደስቲ ሰባትን ብእወታን ኣሉታ ዝጸለዉዎ ፍጻመታትን ርኽበታትን ብመስርዕ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳተሳለየ ይጓዓዝ ( chronological pace)—ካብ ኣስመራ ናብ ኣስመራ ክበሃል ይከኣል- ማለት ካብታ ኣስመራ ዝገደፈላ መፋርቕ ሱሳታት ክሳብ እታ ናብ ኣስመራ ዝተመልሰላ 1991።
  • ኣብ ገለ-ገለ ምዕራፋት ዛንታታት ንምትእስሳር ንድሕሪት ወይ ቅድሚት ዝእለ ንኡስ-ዕላላት ኣለዎ፡ ይኹን እምበር ስጥመትን ስጉምን ናይ’ቲ መጽሓፍ ብኣሉታ ዝትንክፍ ኣይኮነን።
  • ታሪኽ ህዝባዊ ሓይልታት ብገለ ወገናት ተጠማዚዙን ተደዊኑን እዩ። ብገለ ወገናት ከም ቅሙጥ ሓቂ ዝውሰድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ፈጠራታት ሓቕነት ዘይብሎም ጽውጽዋያት ምኻኖም እቲ መጽሓፍ የጋልጽ። ንኣብነት፡ እቲ መጽሓፍ ነቲ ህዝባዊ ሓይልታት በቶም ካብ ጃብሃ ዝተፈልዩ ክርስትያን ደቂ ከበሳ እያ ቆይማ፡ ወገናዊ ኣመሰራርታ ነይርዋ –ወዘተ–ዝብል ናይ ሓሶት ፈጠራ ድዋዕዋዕ የብሎ፡ የዕንዎ። ዝበዝሑ ካብቶም ካብ  ጃብሃ ዝተፈልዩ ተጋደልቱ ኣስላምን ደቂ-መታሕትን ከምዝነበሩ እቲ መጽሓፍ ብጭብጢ ይትርኽ፡ ጀብሃ ኲናት ሓድሕድ ክትጅምር እንከላ እውን በቶም ቀዳማይ ወገን፡ ማለት በቲ ብደቂ መታሕት ዝቖመ ሸነኽ ከም ዝጀመረት ይንጸር፡ ኣካፋፍላ ህዝባዊ ሓይልታት፡ ማለት ቀዳማይ ወገንን ካልኣይ ወገንን፡ ናይ ነብስኻ ኣድሕን ሃንደብትነት ዝፈጠሮን ኣብ ሜዳ ንኸይተኣኻኸቡ ድማ እቲ ብመሪሕነት ጀብሃ ዝተስገደደ ጸጥታዊ ኩነታትን ዕድል ብዘይምሃቡ በብዝረኸቡዎ፡ ማለት እቶም ኣብ ከበሳ ዝነበሩ ብወገን ዓላ፡ እቶም ኣብ መታሕትን ሱዳንን ዝነበሩ ድማ ብወገን የመን ናብ ደንካልያ ከም ዝወጹ ይትርኽ። እምበር፡ ዝኾነ ሃይማኖታዊ ወይ ወገናዊ ምኽንያት ከምዘይነበሮ ብህያው ኣብነታት ኣብቲ መጽሓፍ ይጎልሕ። ንኣብነት፡ መስፍን ሓጎስን መሓሪ ደበሳይን መዓሾ እምባየን ምስ ቀዳማይ ወገን ወጺኦም። ኣብቲ ኣብ ስዱሕ-ዒላ ዝተገብረ መስራቲ ኣኼባ ቀዳማይ ወገን፡ ኣባላት መሪሕነት ኮይኖም ተመሪጾም። ብኣረኣእያ ናይቶም ኣማእት ዝኾኑ ብጾቶም ደቂ-መታሕት፡ ናይዞም ብጾት ሃይማኖት ይኹን ዝውለዱሉ ጂኦግራፍያዊ ቦታ (region) ትርጉም ኣይነበሮን። ከም ዝመስለኒ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ነቶም ደቂ-መታሕት ዘገደሶም ነገር፡ እቶም ሰለስተ ብጾት ኤርትራውያን ተጋደልቲ ምንባሮምን ናይ ምምራሕ ብቕዓቶምን እዩ።
  • ከም ኣባል ቀዳማይ ወገን ህ-ሓይልታት መጠን፡ ደራሲ ነቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ቀዳማይ ወገን ታሪኻዊ ቦትኡ ኣትሒዝዎ ዝብል ገምጋም ኣለኒ። ንኣመሰራርታ ህዝባዊ ሓይልታት ድማ ምሉእ ስእሊ የውህቦ። ብዙሕ ዘይዝከሩ ግን ኣብተን ቀዳሞት ወሰንቲ ዓመታት ኣብ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ከም ብጾት ኣቡበከር መ/ሓሰን፡ ዓሊ ዑስማን መሓመድ፡ ሼኽ ዑመር ያሕያ፡ ሓሰን ኣሚር ካልኦት ፍሉጣት ከም ብጾት ሳልሕ ጠጠውን ኣሕመድ ሂላልን—ብሂወቶም ምሳኻ ዘዕልሉ ዘለዉ ኮይኑ ይስመዓኻ። ምስኦም ትጠሚ፡ ምስኦም ትሽገር፡ ምስኦም ተጸምእ፡ ምስኦም ትኽበብ፡ ምስኦም ትዋጋኣ፡ ምስኦም ትስሕቕ፡ ምስኦም ትኹሪ—ምስኦም ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ትሓልም። ካብ ካልኣይ ወገን እውን ብዙሓት ቀዳሞት ጀጋኑ ኢኻ ትረክብ።  እታ ምስ ብጻይ ስዉ በራኺ ፈንቅል፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ በሪኽ ጎቦ ሰሜናዊ ባሕሪ (ልዕሊ ተኽሊ) ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጡጥ ዝመስል ግመ ሰ/ባሕሪ ዝንሳፈፉ ዘለዉ ክመስሉ፡ ኣዕንቶም ኪነው እቲ ንስሜናዊ ባሕሪ ከዲኑ ዝነበረ ግመ ሰጊረን ናብ ጎላጉል ሰምሃር እንዳ-ኣቛመቱ፡ ወዲ ፈንቅል ንደራሲ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሰውራ ከመይ ኢሉ ግድን ክዕወት ከምዝኾነን፡ ንባህርያዊ ጸጋታት ናይ ሃገርና ብምምዝማዝ መነባብሮ ህዝብና ክመሓየሽ ከም ዝኾነን (ወዲ ፈንቅል- ናይ ኩዕታ ክኢላ ነይሩ) ዘዕለሎ ብተንካፊ ቃላት ይገልጾ። ሓደ ካብቲ ምስ ደራሲ መጽሓፍ ክነብር ዝኸኣለ ጦብላሕታ እዩ።
  • ክልቲኡ ወገናት ብዝተፈላለየ ኣንፈት ደኣ ይውጽኡ እምበር ካብ መጀምርትኦም ይጨናነዉ ነይሮም እዮም። ክራኸቡ እውን ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ሕመረት ዝምድነኦም ድማ ካብ ሃይማኖታዊ ይኹን ቀቢላውን ኣውራጃውን ካልእ ትሕቲ ሃገራዊ ኣጀንዳታት ዝበረኸ ሓደ ሃገራውን ሰውራውን ውድብ ምምስራት እዩ ነይሩ- ዕላምኡ ድማ ናጽነት ኤርትራ። ሰረቱን ጠዋሩን ማእከሉን ከኣ ህዝቢ ኤርትራ።
  • ንውልቀሰባት፡ ስዉኣት ይኹኑ እሱራት ወይ ድማ ናጻ ኮይኖም ከም ተቓወምቲ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ—ብኽብሪ የልዕል፡ ሞያኦም ይዝርዝር (political taboo ሰይሩ ክንብል ንኽእል)—
  • ንተጋዳላይ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ነቐፈታዊ ገምጋም ይህብን ታሪኻዊ ቦትኡ የትሕዞን። ነቲ ብዘይ ዕረፍቲ ንሃገራዊ ቃልሲ ንምብራኽ ዘካየዶ ጻዕርታት ከም መርኣያ ኣቕሪቡ፡ “ክሳብ መወዳእታ ሂወቱ ባዕሉ ዘየቋርጽ ተንቐሳቓሲ ውድብ እዩ ነይሩ” ኢሉ ይገልጾ ንስዉእ ዑስማን ሳልሕ ሳበ።  
  • ዝበዝሕ ክፋል ናይቲ መጽሓፍ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ዓመታት ብምዃኑ፡ ኣብ ርድኢትና ወይ ኣፍልጦና ዝነበረ ብዙሕ ሃጓፋት ክምልእ ይኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ንዓይ ኣዝዩ ጠቓምን መሳጥን ነይሩ። ገለ ሰባት ንኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ካብ ናይ ሰብዓታት ኣተሓሳስባ ዘይወጸ ኢሎም ክነቕፍዎ ሰሚዐ ኣለኹ። ይኹን እምበር፡ ወላ እኳ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ዓመት ድሒሩ ንሜዳ ይእቶ እምበር፡ ኣብ ደማስቆስ ኮይኑ እውን ነቲ ናይ ምምስራት መስርሕ ዝከታተሎን በዝተፈላለየ ደረጃታት ዝሳተፎን ዝነበረ ስለዝኾነ ካብ መስረትቲ  ህዝባዊ ሓይልታት እዩ ነይሩ ምባል ምግናን ኣይኮነን። ከምኡ እውን ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ’ቲ ሕቡእ ሰልፊ ብምንባሩን ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት እውን ኣብ ብዙሕ ቁልፊ ዝኾነ ተልእኾታት ናይ’ቲ ውድብ ብምውስኡን ንመስመር ህዝባዊ ግንባር ክጥንጥን እዩ ኢልካ ኣይሕሰብን። ይኹን እምበር ገለ ካብቲ ኣገዳሲ ድኽመታት ወይ ገጋታት ከልዕል ይግበኦ ነይሩ ምባል ግቡእ እዩ። ናይ ግዜ ሕቶ ኮይኑ ይስመዓኒ፡ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ እምበር ኣብ ዝቕጽል ንታሪኽን ትምህርትን ዝኸውን ነቐፈታዊ ሓድጊ ክገድፍ ጽቡቕ ኮይኑ ይስመዓኒ።
  • ብሓፈሽኡ፡ ህ/ሓይልታት፡ ከምቲ ዝበሃል ብዊንታ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዘይኮነስ ብሓባራዊ ማእከልነት ይምራሕ ከምዝነበረ ዘብርህ ጭቡጥ ኣብነታት የቕርብ።
  • ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ተሓኤን ብዝምልከት፡ ንዕምቖትን ካልእ ኣካታዒ መዳያት ናይ ውግእ ሓድሕድ ንታሪኽ እዩ ዝገድፎ፡ ግን ነቲ ትረኻ ከሰላስል ዝመጽኡ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት ይጠቅስ’ዩ። ንመሪሕነት ተሓኤ ግን ከም ሓደ ብልሹውን ክሰርሕ ዘይተፈጥረ ኣካል (dysfunctional) ገይሩ የቐምጦ—ሓቅታትን (facts) ኣጋጣሚታትን እንዳ ጠቐሰ። ንኣበርክቶ ተጋደልቲ ተሓኤ ግን ኣፍልጦ ይህብ’ዩ። ንኣብነት፡ መሪሕነት ተሓኤ ነቲ ናብ ሰሜን ዝግስግስ ዝነበረ ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ንምድምሳስ ትእዛዝ የመሓላልፍ። ይኹን’ምበር፡ ተጋደልቲ ጀብሃ ንኣሕዋትና ኣይነጽንትን ክብሉ ይቃወሙ። ጸኒሑ እውን ኣብ ኣከባቢ ሃበሮ፡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሓይልታት ናይ ቀዳማይ ወገን ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ብርቱዕ ውግእ ይጽመዳ እሞ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ንምክትል ኣዛዚ ናይ’ታ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት ኣሃዱ ተሓኤ ሓገዝ ክገብሩሉ ይልእኸሉ። ይኹን እምበር እቲ ምክትል ኣዛዚ ይኣቢ።  ደሓር ግን እቲ ኣዛዚ ናይ’ታ ኣሃዱ ምስ መጸ ንኣሃዱኡ ነቶም ተጋደልቲ ህ/ሓይልታት ሓገዝ ክትገብረሎም ይእዝዝ ኣሞ ብሓባር ንጸላኢ ጸፊዖም ናብ ከረን ይሰድዎ—ሰራዊት ኢትዮጵያ ንእግሪ-መገዱ ኣብ ልዕሊ ቁሸት “ድገ እዴ-ኣትባ” ህልቂት ፈጺሙ፡ ነበርታ ቀቲሉ፡ ኣቃጺሉዋን ራስዩዋን—ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እውን፡ ባዱሪ ንሓደ ቀደም ዝፈልጦ ዝነበረ ኣብቲ ግዜ’ቲ ግን ካድር ተሓኤ ኮይኑ ዝነበረ ተጋዳላይ ጀብሃ ብኣጋጣሚ ነቲ ንውግእ ሓድሕድ ሕጋዊ ዝገበረ ውሳነታት ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ኣብ መጽዓኛ ጽዒኑ ንከበሳ ክገይሽ ኣብ ሰምሃር ይረኽቦ። ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥ፡ እቲ ናይ ጀብሃ ተጋዳላይ፡ ጃብሃ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ሓይልታት ኲናት ኣዊጃ ምንባራን ክጥንቐቑ ከምዘለዎምን ቶግ ኣቢሉሉ ተዓዝረ።
  • ዝምድና ህግን ውድባት ኢትዮጵያን፡ ዝተሓላለኸን ክብ ለጠቕ ዝነበሮን ምባሩ፡ ሰውራ ኤርትራ ምስ ብዙሓት ውድባት ኢትዮጵያ ዝነበሮ ርክባትን ጸገማትን ብሰፊሑ የዘንቱ።
  • ተራ ኣገደስቲ ሃገራት ኣብ ምሕጋዝ ሰውራ ኤርትራን ከምኡ እውን ናይ ገለ ሃገራት ሃሳዪ ተራ ብሰፊሑን ብዕላላት ፍሉያት ኣጋጣሚታትን የቕርብ። ብሓፈሽኡ፡ እዚ መጽሓፍ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ዛንታ ገድሊ፡ ማለት “ሰውራ ኤርትራ ምንጪ ሓይሉ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ነይሩ” ዝብል ኣዘናትዋ (narrative) ዝድርዕ ሓቅታት የቕርብ።
  • ተራ ውልቃዊ መሃዝነት ኤርትራውያን (ኣብ ውሽጥን ደገን)፡ ተራ ፈተውቲ ወጻእተኛታትን ኣብ ምድራኽን ምብራኽን ሰውራ ኤርትራ ዝነበሮ ግደ፡ ከምኡ እውን ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብኣዝዩ መሳጢ ኣገባብ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ተራ መንእሰያት ኤርትራ፡ ጅግንነትን ተጻዋርነትን ተጋደልቲ ኤርትራ ኣብ ነፍሰወከፍ ገጽ ናይ’ቲ መጽሓፍ ተኾሊዑ ይረአ። ንገሊኡ ፍጻመታት ብኣዝዩ ተንካፊ ዝኾነ ኣገላልጻ የዘንትዎ።
  • እቲ ዝበዝሕ ግዜ ከም ረቂቕ (abstract) ኮይኑ ዝቐርብ ታሪኽ ሰውራና፡ ኣምባሳደር ኣሕመድ ባዱሪ ህይወት ዘለዎ ማሕበራዊ ጉዕዞ ገይሩ የሳግሞ— ታሪኽና በቶም ክነብሩን ክብልጽጉን ድሌት ዝነበሮም ግን ጉዳይ ሃገር ገዲድዎም ንመስዋእቲ ዝነቐሉ ቆራጻት ተጋደልትን፡ ደጀኖም ዝኾነ ህዝብና ዝተሰርሐ ምዃኑ ብዘደንቕ ጥበብ እዩ ኣቕሪቡዎ።
  • ጽቡቕ ነገር ንመቕርብ ወይ ንወዲ ወገንካ ጥራይ ዘይኮነስ ዝግበር፡ ኣድማሳዊ ናይ ወዲ-ሰብ ባህሪ ምዃኑ ኣብቲ መጽሓፍ ብኣብነታት ቀሪቡ ኣሎ። ናብ ስደት እንዳ ኣምረሐ እንከሎ ኣብ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ክሓስቦም ብዘይክእል ሰባት ክሕገዝ ንርእዮ፡ ንሱ እውን ብዓጸፋ እዩ ዘመስግኖም። ንኣብነት፡ ካብ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሱዳን ክወጽእ ክፍትን ከሎ፡ ኣብ ብሎኮ ተሰነይ-ሱዳን ክኣስሮ ዝግባኦ ዝነበረ ኮማንዲስ ብንእስነቱ ደንጊጹ፡ ካብ ካልኦት ወተሃደራት ሓቢኡ፡ ምዒዱ የፋንዎ። ኣብ ሱዳን ብዙሓት ዘይፈልጦም ሰባት ግብረ-ሰናያዊ ሓገዛት ይልግሱሉ። ኣብቲ ዝቕጽል ጉዕዞ ናብ ግብጺ ክሰግር ክብል ከሎ ይተሓዝ እሞ ናብ ኤርትራ ክጥረዝ ተእሲሩ ክሳፈር ከሎ፡ ሓንቲ ዘይፈልጣ ሱዳናዊት ኣደ ደንጊጻትሉ ነቲ ፖሊስ ኣእሚና ተፍትሖ። ምስኣ እውን ነነዊሕ ይዕቀብ። እታ ኣብ ዓደን ንውጉኣት ተጋደልትን ንሓደስቲ ተሰለፍትን ተስፋ ተስንቕ ዝነበረት “ኣደ ኹሉ ኤርትራዊት” ዝብላ ኣደይ ህይወት፡ ይዝክራ እዩ። ብዛዕባኣ የዕልለና–ነተን ኣብ ፈቐዶ ግንባራት ሳሕል ንውጉኣት ደቀንን ኣሕዋተንን ዝምግባን ዝከናኸናን ዝነበራ “ኣደታት” የዘኻኽረካ።                                                

II- ቛንቛን ኣቀራርባን

ታሪኽን ስነ-ጽሑፍን ተፋቒሮም ወይ ተጻሚዶም ክስጉሙ ትርኢ። ደራሲ- ካብ ቀደም ኣትሒዙ ናይ ምጽሓፍን-ጋዘጠኛነትን፡ ክልሰ-ሓሳባዊ ዕምቖትን ድሕረ-ባይታ ዝነበሮ ብምዃኑ ንተዘክሮታቱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መሳጢ ቅዲ ከቕርቦ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ ነይሩ፡ ንትጽቢት ኣንበብቲ ዘዕግብ ስራሕ ኣቕሪቡ ዝብል እምንቶ ኣለኒ።

-ዝጥቀመሉ ቋንቋን ቅድን ቀሊልን ልዙብን መሳጥን እዩ

-ትሕትናን ኣኽብሮትን ዝመልኦ ቃላትን ኣቀራርባ—ክሉ ግዜ ነቶም ጽቡቕ ዝገበሩሉ ወይ ብጽቡቕ ዝጸለውዎ ምስ ኣመስገነ እዩ

– ንውልቀ ተጋደልቲ፡ ንስዉኣት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኣኽብሮት ይደጋግም

-ካብ ጽሑፉ ከም ዝረአ፡ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ገና ሰውራዊ (revolutionary) እዩ ዘሎ፡ ሰውራዊ ቋንቋ እዩ ዝጥቀም፡ እቲ ኣብ ደማስቆስ (ሱርያ) ተማሃራይ እንከሎ ዝጀመሮ ጸጋማዊ ክልሰ-ሓሳባዊ ስንቂ ገና ዘራገፎ ኣይመስልን። ኣብ ኣገላልጽኡ ይረአ— ግን ከኣ ጽቡቕ እዩ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ፡ ነቲ መጽሓፍን ጸሓፋይን መበቖላውያን ይገብሮም—(authentic ይገብሮም)፡ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ነዚ መጽሓፍ ዘንበበ ሰብ፡ ንኣተሓሳስባ፡ ብሂላት—ቋንቋ፡ ኣመላኻኽታ፡ ሰነ-ሓሳባዊ ዝምባለ፡ ሃንቀውታ—ተጋደልቲ ህግ እንታይ ከምዝነበረ ክርዳእ ይኽእል።

– ምትርጓም መጽሓፍ ቀሊል ኣይኮነን፡ ተርጎምቲ ኣዝዩ ንኡድ ስራሕ ሰሪሖም። ነቲ ብቋንቋ ዓረብን ንኣንባባይ ዓረብን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ፡ ምስ ልሳንን ላዛን ስነ-ልቦናዊ ኣመላኻኽታን ነባባይ ትግርኛ ብዝሰማማዕ መገዲ ከቕርብዎ ብምኽእሎም ተርጎምቲ ኣዝዩ ብሉጽ ስራሕ ኣቕሪቦም። ኣርታዓይ እውን ክምስገን ዝግበኦ እዩ፡ ንስራሕ ተርጎምቲ ብምርታዕ፡ እቲ መጽሓፍ ሰተት ኢሉ ከምዝወርደልካ ገይርዎ። ሓንሳብ ምስ ሓዝካዮ ናብ ካልእ ውራይካ ክተሰግል ዘይገድፈካ መጽሓፍ ኮይኑ ረኺበዮ።

III- ዝኽርታት ንተጋደልቲ ህ-ግ (ኣብ ሜዳ ዝነበርኩም)

ዕጥቅን ስንቅን ናይ’ቲ ደርማስ ውድብ ንምምላእ ብድሕሪ-መጋረጃ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ንምፍላጥ ንእሽቶ መስኮት ናብ ታሪኽ ኣሰራርሓ ሎጂስቲክስ ህዝባዊ ሓይልታት (ደሓር ህዝባዊ ግንባር) ይኸፍተልና፡ ክብሪ ነቶም ንውልቃዊ ህይወቶም ወፍዮም ለይትን መዓልትን ዝተዋደቑ ኣባላት ሓፋሽ ውድባት—እምበር፡ ወሪድዎ ተጋዳላይ ኤርትራ፡ እንተተረኽበት ሓንቲ-ሓንቲ ይብል ምባል እያ። እንተተሳኢኑ ድማ ምስ ከብዱ እንዳተባኣሰ ናብ ድፋዕ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ውድባዊ ዕማሙ ምጽማድ—መን ንመን ደኣ ክሓትት።

ገለ ዛንታታት ካብቲ መጽሓፍ

ሽዳ፡ ኣእጋር ደምዩ—ብኣፈርክቡ ሽዳ ንሜዳ ንምስዳድ ዝተገብረ ጻዕሪ

ፈረሰኛታት ባሕርያ —”ብዘይካ ኣብ ካዝናታትና ዘሎ ጠያይቲ ወላ ሓንቲ የብልናን—ዝገብርኩም ግበሩ” ዝብል መልእኽቲ ሜዳን ነዚ ብደሆ ንምግጣም ዝተኻየደ ግድል—ኣብቲ ወቕቲ እቲ፡ ቀይሕ ባሕሪ ብማዕበላት ስለዝናወጽ ነኣሽቱ ጀላቡ ተወዝ ኢለን ኣይቀርበኦን ነይረን። ፈረሰኛታት ባሕሪ ግን “ብጾትና ሰኣን ቀረብ ተተኳሲ ኣክንዲ ዝውጽዑ፡ ሞቶም ከይሰማዕና እንተሞትና ንሕልናና ዕረፍቲ እዩ” ይብሉ። ዕጥቂ ዝጸዓና ጀላብኦም ናብ ሳሕል ከብጽሑ ምስ ማዕበላት ባሕሪ ዝተገብረ ጅግንነታዊ ህልኽ ህያው ገይሩ’ዩ ዝነግረና። ባዱሪ (ናይ ሜዳ ልሙድ መጸውዒኡ እዩ ነይሩ) ንቀዳሞት ባሕረኛታት ህዝባዊ ሓይልታት፡ “ፈረሰኛታት ባሕሪ”  ይብሎም። ኣብ ምምዕባል ህዝባዊ ሓይልታት ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወቱ ብኣብነታት ይገልጽ።

ድርብራብ ዓወት፡ እንሓንሳብ ዘይተጸባኻዮም ዕድላት የጋጥሙ እዮም። ሓደ ግዜ፡ ተጋ/ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዓቕሚ ባሕረኛታትና ንምዕባይ ሓገዝ ንምሕታት ናብ ኩዌት ይኸይድ። ትጽቢቱ ንእሽቶ ሓገዝ ወይ ድማ ጥራሕ ኢዱ ክምለስ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ንዓቕሚ ባሕረኛታትና ብዕጽፍታት ዝድርዕ ዘይተጸበዮ ሓገዝ ይረክብ—ከም ቆልዓ ክሳብ ዝሰራሰር ይኸውን፡ ነቲ ገዚፍ ዓቕሚ ናብቲ መደበር ባሕረኛታትና ዝነበረት ዓደን ንምጉዓዙ ዝተገብረ ቃልሲ—ብኣዝዩ መሳጢ ዕላል እዩ ዘካፍለና።

ወዲ ዓኸር፡ ሓደ እዋን፡ ካብ ዓደን ንሜዳ ምስ መጸ፡ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዓሚቑ ሓዘን ይጸንሖ። ወዲ ዓከር (ሓርጭ) ተወዲኡ ናይ መግዝኢ ገንዘብ ግን ካበይ ከምዝመጽእ ሓርቢትዎም እንከሎ እዩ ባዱሪ ንስራሕ ጠበሽ ዝብሎም። ተጠማመት ኮነ። ዝሑል ባዕቲ፡ ደብዛዝ ህሞት—ንባዱሪ ሓሳብ ትመጽኦ። ኣብ ወጻኢ በብቕሩብ ክጠራቐም ዝጸንሐ ናይ ውዱባት ወርሓዊ ገንዘብ ከምዝነበረ የበስሮም—እታ ባዕቲ ብርሃንን ሙቐትን ዓሰላ፡ እቲ ህሞት በርሃው ኮነ—ንባዱሪ ግን ትእዛዝ ይመጾ።

”ንዓ በል ሕጂ-ሕጂ ክንድ’ዚ ሽሕ ኩንታል ካብ ሱዳን ሸሚትካ ምጻእ ይበሃል—ንምሽማቱን ናብ ሜዳ ንምእታዉን ዝተገብረ ቅልስ—እንሓንሰብስ፡ ሓንቲ ፍጻመ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ’ቲ ምሉእ ገድሊ ትህብ እያ—ገድሊ ብዝኾነ ሸነኻ ጠምታ ከም ስማ ግድል እያ።

ጸረ ነፈርቲ “ማሕታ”፡ ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳብ ኣከባቢ ምዝላቕ (1978)፡ ማሕታ (ሰለስተ ኣፉ ጸረ ነፈርቲ ከቢድ ረሻሽ) ከም ጸረ ነፈርትን ጸረ ተሪር ድፋዓትን ጥራይ ዘይኮነስ ነተን ኣብ ከባቢ ፋሕ ዝነበራ ኣሃዱታት (ብሌቓት፡ ግሬቶ፡ ወድ-ጋን፡ እማህሚመ (ማይህመት)፡ ዜሮ–ከም ትዊተርናን ስማርት ፎንናን ተለቪዥንናን ራድዮናን ነይሩ። ማሕታ ሰበር-ዜና (Breaking News) ክህብ እንከሎ ሓባሪ ጠያይቲ ንሰማይ እዩ ዝፍኑ ነይሩ። ገለ ዓወት ክርከብ ከሎ ናብቲ ኣብ ፋሕ ዝነበረ መሪሕነት ምስ መጸ፡ ምሸት ሓባሪ ጠያይቲ ንሰማይ እዩ ዝፍኑ ነይሩ። ሓባሪ ጠያይቲ ንሰማይ ተር ኢሉ ክወጽእ ዝረኣየ ሰብ ድማ ንከባቢኡ ዝነብሩ ብጾት ይሕብር እሞ ኩላ ሰብ ውራያ ጠንጢና ናብ ዝበረኸ ባይታ እያ ትጓየ ነይራ። እቶም ዎኪ-ቶኪ ሒዞም ዝነበሩ ኦፐረተራት ናይ’ተን ኣሃዱታት ምስ ማሕታ ቂም ከይነበሮም ኣይተርፍን’ዩ ምኽንያቱ ኬፎም ይሰብረሎም ነይሩ። መልእኽቲ ተቐቢሎም ቀዳሞት ነገርቲ ክኾኑ እዮም ዝደልዩ—እዋእ፡ ቅሩብ ናይ ሓለፋ ስምዒት ኣሎ’ንዶ። ሓቂ ይሓይሽ ንሕና እውን “እሂ ደኣ” ንብሎም ነይርና ኢና። ብዝኾነ፡ ክንደይ ነፈርቲ ከምዘውደቐ ጸብጻብ የብለይን፡ ግን ተንሺኑ ሕማቕ ምንባሩ እዝክር። ማሕታ ኣብ ሜዳ ብዙሕ ታሪኽ ነይርዎ። እንተኾነ፡ እቲ ናብ ሜዳ ንምምጽኡ ዝተገብረ ጻዕሪ እዩ ዝያዳ ዝምቅር። ኣዝዩ ሰሓቢ ዛንታ ኣዩ— ክሳብ ከም በዓል ZU-23 ዝኣመሰሉ ረሻሻት ዝትክእዎ፡ ማሕታ ንሓጺር ግዜ ንጉስ ክሎም ብረታት ኮይኑ እዩ። ኣብ 1977 ንፎርቶ ከረን ምስ ተሳህለ፡ ኮማንዲስን ጦርሰራዊትን ቅድሚኡ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡን ዘይተጸበይዎን ረሻሽ ምስ ዘነቦም፡ ረሲዐያ ኣለኹ ግን  “እዚ ናይ ኣረሜን ስራሕ እዩ” ዘስምዕ ኣቤቱታ ንኣምላኾም ከም ዘቕረቡ እዩ ዝንገር ነይሩ። ማሕታ፡ ብዙሕ ተደሪፉሉን ተገጢሙሉን እዩ።

– ዛንታ ድምጺ ሓፋሽን ተርኡን እውን ብሰፊሑ ብውልቀ ፍጻመታትን ወዝብታትን ኣመኽንዩ የዕልለና እዩ። ኣምባሳደር ባዱሪ፡ ሓደ ካብ መስረትን መራሕትን ድምጺ ሓፋሽ’ዩ ነይሩ።

– ንደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ዝግበአን ዓቢ ክፋል ሂብወን ኣሎ። ብወገነይ ነቲ መዳርግቲ ዘይርከቦ ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮና ኣብ ሓደ ተመጣጣኒ ምዕራፍ ጸሚቑ፡ እቲ ኣብቲ መጽሓፍ ዘሎ ዝርዝራት ግን ቕሩብ ሰፊሑ ርእሱ ዝኸኣለ መጽሓፍ ምኾነ ነይሩ ዝብል ግምት ኣለኒ።

IV- ካልእ—ምስ ኣገደስቲ ሃገራውያን ኣቦታት ዝግበር ዝነበረ ርክባትን ጦብላሕታታትን

-ምስ ሼኽ እድሪስ መ/ኣድምን ተላ ባይሩን

-ምስ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን

– ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ

V- ዝተረፈ—ምስ ካልኦት ኣገደስቲ ሰባት

-ፈረንሳዊ ጻዕዳ “ሂላል” ደሓር ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝኾነ፡ “ሰውራና” ትብል ፊልም ትዝክሩ’ዶ?

– ኩዌታዊ ጀነራልን ኩወታዊ ጋዘጠኛን

– ሶማላዊ ጀነራል

– ግብጻዊ ጋዜጠኛ

– ሱዳናዊ በዓል ትካል

VI- ፍቕሪ—ፍቕሪ—ግዜ ዘይፈሊ

ሰውራን ፍቕርን፡ የፍቅር ከኣ ነይሩ ባዱሪ ንብለኩም። ብግልጺ ድማ የዕልለና እዩ—ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ክልተ ግዜ ብፍቕሪ ተኻኢሉ እዩ። ካብ ኣገላልጽኡ፡ ንፉዕ ፈቃር ምንባሩ ክንርዳእ ንኽእል። ክልተ ግዜ፡ ኣብ የመንን ኩዌትን።

ነታ ብ1973፡ ልኡኽ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዓደን እንከሎ ብወዝቢ ዝተጋጠመቶ “‘ማእከላይ ቁመት—ጽቡቕ ደናጉኣ—ሓጺር ስከርት ፈረንጂ ዝለበሰት—” ኢሉ ዝገልጻ ፋልመይቲ ዘውደቀቶ ጓል ምዃና እዩ ዝገልጽ—ኣብ ቁም-ነገር ከይበጽሑ ተፈላልዮም። ህይወት ትበሃል ነይራ። ህይወት ገና ኣብ ዝኽሪ ባዱሪ ሰጢማ ምልቓቕ ኣብያቶ ትመስል። እታ ካልኣይቲ፡ ኣብ ኩዌት ዝረኸባ ጓል ግን መጻኢት በዓልቲ ቤቱን ናይ ቃልሲ ብጸይቱን ኮይና። ኩዌት ዕድላት ባዱሪ ተባዝሕ ሃገር ኮይና ኢና ንረኽባ። ንሰውራ ዝኸውን ዘይተጸበዮ ሓገዝ፡ ንዕኡ ኸኣ ፍቕሩ ቀሪባ ጸኒሓቶ። ሽዑስ ተዓዊቱ እዩ ባዱሪ—ኣማን ብኣማን። እንታይ እዩ ዝበሃል— ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ? ንሱ እውን ክኢላ ጨማታይ እንተኾይንካ እዩ። ብጻይ ባዱሪ ክኢላ ጨማታይ እዩ ነይሩ።

መደምደምታ፡ ክንበብ ዘለዎ መጽሓፍ እዩ፡ ክንበብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከብሕኹም ክጠቐምጥዎ እትኽእሉ መጽሓፍ እዩ።

 

ምስ ምስጋና።

MS: March 2019.


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events