Dehai

"ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎረባብቱ ይኹን ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዋላ ኣብ ዝኾነ ሓይሊ እምነት የብሉን" መራሒ ጉጅለ ህውሕት ዶር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 02 March 2019

 

ዳግም ናይ 19 ክፍለ-ዘመን ዝመሳሰል ብህውሓት ዝተዘርአ ስርዓተ ክልላት ዘመነ-መሳፍንቲ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣብ ሃገረ ኢትዮጵያ ዝንጸባረቕ ይመስል።

"ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎረባብቱ ይኹን ኣብ ፌደራል መንግስቲ ዋላ ኣብ ዝኾነ ሓይሊ እምነት የብሉን" መራሒ ጉጅለ ህውሕት ዶር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል

መራሒ ህውሓት ኣንጻር ማእከላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምድላዉ ደምዲሙ ኣፈናዊ ኲናት ዝኣወጀ እዩ ዝመስል ዘሎ። ምልክት ናይ`ዚ ድማ ኣብ ዝኸዶ ከባቢታት ትግራይ ህዝቢ ኣኪቡ ካብ ፍርሓትን ጭንቀትን ጉጅልኡ ተበጊሱ ፍጹም መሰረት ዘይብሉ "ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከበባ ጸላእቱ ኣትዩ" ንዳሎ ንተዓጠቕ እናበለ ናይ ውግእ ከበሮ ብሓሶት ኣጋኒኑ እናደሰቐ እዋናዊ መዝሙሩ ብምግባሩ እዩ።

መቸም ካብ ሰላምን ምስ ኣሕዋትካን/ኣሓትካን ጎረባብትካን ተኸባቢርካን እናተሓጋገዝካን እናተመላላእካን ምንባር፣ እምበር ካብ ኲናት`ሲ ሞትን ዕንወትን ብርሰትን እንተዘይኮይኑ ዋላ ሓንቲ ዝርከብ መኽሰብ የሎን። ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ንዂናት ዝዕድም ምኽንያት`ውን የሎን። ብዝኾነ መራሕቲ ህውሓት ኮነ ልሒቓን ትግራይ [ካብ ታሪኾምን ብስምዒትን ምጉብዕባዕን ሓሶትን ዝጸውይዎ ዛንታ ክም ዝተዓዘብኩዎ] ወዮ ደኣ ዝርድኡ ኣይመስሉን እምበር ቁሩብ ህድእ ኢሎም ንጥቕሚ ህዝቦምን ከባቢኦም ሰላም ተቐቢሎም እንተዝሰርሑ ምሓሾም ኔሩ።

እዚ ዎደሓንኩም!
ብርሃነ ሃብተማርያም

YOUTUBE.COM
 
ሓደሽቲ ቪድዮታት ንምርኣይ ሰብስክራይብ ግበሩ:: For More Video Please SUBSCRIBE:…
 
 
Weitere Reaktionen anzeigen
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events