Dehai News

ግዳይ ክመስል ዝመጻደቕ ምርኡይ ገበነኛ!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 26 November 2026


ርእሰ ዓንቀጽ
ግዳይ ክመስል ዝመጻደቕ ምርኡይ ገበነኛ!
ስርዓት ብልጽግና፡ ድሕሪ’ቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣንጻር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ክገብሮ ዝጸንሐ፡ ብጽዑቕ ዜናዊ መናፍሕ ዝተሰነየ ቅሉዕን ዘንቀደን ተጻብኦታት፡ ብ9 ጥቅምቲ 2026 ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ታ መበል 182 ኣባል ናይ’ቲ ውድብ ዝዀነት ልኡላዊት ሃገር ኤርትራ ብወግዒ ኲናት ከምዝኣወጀ፡ ዝተደብተረ ሓቂ’ዩ።

እዚ “መስኮት ባሕሪ እንተዘይወነንኩ ሞይተ’ለኹ” ዝትሕዝቶኡ፣ ውሽጣዊ ጸገማት ኢትዮጵያ ንግዳም ንምቕናዕ ዝዕላማኡ፣ ሕንከት ዘይብሉ ምፍርራሕን ምውጥዋጥን ዝዓብለሎ ዘይናትካ ናይ ምውራር ዘመተ ግና፡ ንውሽጣዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ መሊሱ ብምዕራግ ተወሳኺ ጸቕጢን ኩነኔን ጥራይ’ዩ ኣስዒቡሉ። ከም’ቲ፡ “ወኻርያ ጻድቕ ክትመስል ዝዋውዕ ትኣስር” ዝበሃል ከኣ፡ ገበነኛ ከሎ ግዳይ መሲሉ ንኽርአ፡ በቲ ንሱ ኣንጻር ኤርትራ ዝገብሮ ተዅታዂ ተግባራት ንኤርትራ ንምኽሳስን ንምውንጃልን፡ ኣብ ሓሶት ዝተመርኰሰ ድራማታት ኣብ ምድራስ ተጸሚዱ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ፡ ምስ ባሕሪ ተዳዊባ ኣይትፈልጥን። ምስ ባሕሪን ኣገልግሎት ባሕሪን ዝተላለየት፡ ኤርትራ ብዘይ ድሌት ህዝባ - ብዓሎቕ “ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት ሓያላን” ብስርዓት ፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተቘርነት’ዩ። ካብ 1952 ክሳብ’ቲ ኤርትራ ብመስዋእቲ ብሉጻት ደቃ ናጻ ዝወጸትሉ 1991 - ንኣስታት 40 ዓመታት ጥራይ። እቲ ካልእ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ተኣሳሲሩ ዝበሃልን ተባህለ ዝበሃልን፡ ውጹእ ጽውጽዋይ’ዩ። እዚ ሕጂ ድሕሪ 35 ዓመታት ናጽነት ዝስማዕ ዘሎ ጫውጫውታ “ልኡላዊ መስኮት ባሕሪ” ድማ፡ ኣካል ኣስፋሕፋሒ ፖሊሲ ስርዓት ብልጽግና’ዩ።

ናይ ባሕሪ በሪ ንዘይብላ ጎረቤት፡ ወደባታ ካብ ንግዳዊ ተጠቃምነት እትዓጹ ሃገር ክትህሉ ኣይትኽእልን። እዚ ኣገልግሎት’ዚ ብልምዳውን ኣህጉራውን ሕግታት’ውን ፍቑድ’ዩ። እንተዀነ፡ እዚ ሕግታት’ዚ፡ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ካብን ናብን እትገብሮ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ’ታ ወናኒት ወደብ ሃገር ብምልኣት ብዘኽብር ንግዳዊ ስምምዓት ጥራይ ከምዝትግበር ኣነጺርዎ’ዩ። ኪንዮኡ ብምኻድ - ወደብ ክትወርር፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ደኲንካ ሰንደቕካ ኣብ ዘይግዝኣትካ ከተንበልብል ኰነ ሓድሽ ዶባት ክትጥርር ምምጥጣር ግና፡ ጉዳይ ልኡላውነት ስለዝዀነ - ቀይሕ መስመር’ዩ።

ብህዝቢ ተቐባልነት ዘይብሎም ስርዓታት፡ ባዕሎም ጸገማት ፈጢሮም ከብቅዑ፡ ናብ ካልኦት ክስልበጡ ምርኣይ ዘይልሙድ ኣይኮነን። ስርዓት ብልጽግና ኣብ ዝረኸቦ መድረኻትን ኣብ ዝፈጠሮ ኣጋጣሚታትን ንኤርትራ ብምጽላምን ሓቅታት ብምዕብላዅን ግዳይ ክመስል ዝገብሮ ምምጽዳቕ ከኣ፡ ናይ’ዚ ኣብነት’ዩ። እንተዀነ፡ እዚ ኣብ ሑጻ ዝተሰረተ ዘመተ’ዚ’ውን፡ ነቲ ሓቂን ክዉንነትን ክሽፍን ዝኽእል ሓይሊ ዘይብሉ - ምህሙን’ዩ።



Permutation Law - ሕጊ ምልውዋጥ Math

Dehai Events