ምስ ዘይጽመድ ዝጸመደ፡ ከም ምስ ከውሒ ተጋጭዩ ዝደመ እዩ። ዓሻ ጥራሕ'ዩ ምስ ከውሒ ዝጋጮ። ስነ-ሓሳብ ሻዕብያ ከውሒ'ዩ፡ የድሚ እንበር ኣይደምን። ኩሎም ፍሩያት ይኹኑ ደቀቕቲ ምስ ሻዕብያ ዝተጋጨዉ ዓፊሮም "ዓወት ኣልቦ" ኮይኖም ተሪፎም። ደናቁር ካብ ታሪኽ ስለ ዘይመሃሩ፡ ደጊሞም ደጋጊሞም ምስ ሻዕብያ ብምግጫው ግንባሮም በሰላ ሓንጎሎም ሓተላ መሊኡ። ሓንጎሉ ሓተላ ዝመልኤ ሰብ ቅኑዕ ክሓስብ ስለ ዘይክእል ኣብ ሸንኮለል ይነብር። ኩሎም ንሻዕብያ ዝቋወሙ መንግስታት ይኹኑ ጉጅለታት ናይዚ ባህርያት ግዙኣት ስለ ዝኾኑ ከየቕስኑ ክብሉ ከይቀሰኑ ይነብሩ። ኣብ ታሪኽ ስርዓታት ኢትዮጵያ እንተሪኢና ክሳብ እዚ ሕጂ ዘሎ ብልጽግና ዝበሃል ልፊ መራሕቱ ብዕድመ ዓበይቲ በታሓሳስባ ዕሸላት፡ መኽሰብን ክሳራን ኣማዛዚኖም ዘይፈልጡ ከምቲ "ዝብእስ ዝተኾመረ ኣዕጽምትን ስጋን ኣሎ እንተበሉዎ ኣበይ ከይበለ ጸዲፉ ሞተ" ዝበሃል፡ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ኣበይ ናይ መን ዓሰብ ከይበለ ከም ከብቲ ንዕዳጋ ተኸብኩቡ ናብ ኣትዩ ዘይወጸሊ ዓዘቕቲ ክሽመም ይግበር ኣሎ። ወኻርያውን ዝብኢ ኣብቲ በዓቲ ስጋ ኣሎ ኪዲ ብልዒ ምስ በላ " ናብ ባዓቲ ኣያ ኣንበሳስ ዝኣቱ እንበር ዝወጽእ ነኢረኤና ይትረፈኒ" ኢላ ተባሂሉ ይዝንቶ። ሓቀኛ ልቕሶ ኣደታት ኢትዮጵያውያን ኣብ ግዜ ደርጊ ዝተለቕሰ " ኩሉ ንሴመን ግንባር ኣብ ተባህለሉ ግዜ፡ ህልቂት ሰራዊት ደርጊ ድራር ኣሞራን ኣዛባን ወኻሩን ምስ ኮነ፡ " ወይኔ ወይኔ ወይኔ፡ በመትሪየስ ታርሶ በልጆችየ ደም የበቀለ፡ ሆዴ ኣይበላም የኤርትራ ስንዴ" ኣምሪረን ብኣዝዩ ዘሕዝን ከም ዘልቀሳ ይትረኽ'ዩ። ቀዳማይ ከይኣኽሊኒ ሕጂ ደገመኒ ከምዝበሃ ብልጽግና ዓሰብ ከምጽኣልኩም ኢሉ ሽሾ ሰራዊ ንሂልቂት ኣዋፊሩ ኣዋፊሪ ኣሎ። ህዝብን መንግስትን ሰራዊት ኤርትራን ሕማቕ እናተሰምዓና ልእላውነትና ክንከላኸል ክንኸትትን ክንምክትን ተገዲድና ኣሎ። ሕጅውን እቲ ናይቀደም ጭርሖና "ሎሚ ዘይመከተ፡ ብደዉ ከሎ ከም ዝሞተ" ብዓውታ ነድምጾ ብተግባር ነረጋግጾ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡
ዓወት ንሓፋሽ።እ