Dehai News

ኣሜርካ ኣብ ጥሕሰት ልእላውነት ቨነንዙአላ፡

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 05 January 2026

ኣሜርካ ኣብ ጥሕሰት ልእላውነት ቨነንዙአላ፡

     መንግስቲ ኣሜርካ ከምቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ንበንላዲን ምቕታል ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ሕጂውን ኣብ ቨነንዙወላ ደጊሙዎ።  ፍልልዩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብቕትለት ክኸውን ከሎ ኣብ ቨነንዙወላ ግን ንፕረስደንት ማዱሮ ካብ ውሽጥ መንበሪኡ ሒዞም ወሲዶሞ።  በንላዲን ቀቲልካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝመጸ ሰላም የለን። ሕጂኸ ፕረሲደንቲ ማዱሮ ብምእሳር ኣብ ቨነንዙወላ ሰላም ክሰፍንዩ ኢልካዶ ክሕሰብ ይክኣል?  ብዛዕባ እዞም ክልተ ሰባት ተግባር ወይ እንታውነት ኣይኮነን ዘዛርበኒ ዘሎ። ጥሕሰት ሕጊ ኣብ ልእላውነት ሃገራት ዝፍጸም ዘሎ ገበናዊ ስጉምቲ እዩ። ማዱሮ ናይታ ብዘይቲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ቨነንዙወላ ፕረስደንት እዩ።  ብተዛማዲ መነባብሮ ህዝባ ካብተን ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ዝሓሸ  እዩ።

      ዝኮነ መራሒ ሃገር ንድሕነቱ ዝከላኸሉ ወተሃደራት ኣለዎ።  ፕ/ማድሮ ኣይነበሩዎ ማለትድዩ? ወይስ እዛ ቡርክታ ገለ ኣላት ዘብልዩ። ናይ ውሽጢ ተሓባበርቲ እንተዘይህልዉ እዚ ንማዱሮ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ክስተት ኣይመጋጠመን ወይ ብኻልእ መልክዕ ምተፈተነ። ኣብዚ ክበርህ ዝግብኦ ፕ/ማዱሮ ብኣካል ተኣሲሩ ኣሎ። ህዝቢ ቨነንዙወላ ካብ ማእሰርቲ ነጻዩ ኢልካ ክዝረብ ግን ኣይክኣልን።  ምኽንያቱ ብዘየገድስ ዝቛወምዎ ኣለዉ ዝድግፍዎ ኣለዉ።  ቀጺሉ ዝስዕብ ተርእዮ ኣብ ህዝቢ እታ ሃገር ዘይዓርፍ ሕንፍሽፍሽን ዘርፋ ነዳዲኣን ክንርኢና።  እዚ ሕማቕ ፋል ኣይኮነን ክውንነት ዝምስክሮ ሓቂዩ።

      ፕረስደንት ማዓመር ጋዳፊ ስለምንታይ ብኣሜሪካ ክቕተል ተገሩ? ፕረሲደንት ሳዳም ሑስየን ንኣመሪካ እንታይ በዲሉ? እቶም ቅድሚ ሕጂ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ምዕራባውያን ምዝመዝ ከኽትም እናተቓለሱ ዝተቐንጸሉ እንታይ ኣቢሶም? ኣብ ፖርኪና ፋሶ ኢብራሂም ትራወረ ንምቕንጻል ብፈረንሳን ደገፍታን ዝደጋገም ዘሎ ፈተነ ስለምንታይ?  ሶማሊላንድ ካብ ሶማል ንምንጻል እሞ ሶማላውያን ነንሕድሕዶም ክፋለሱ ምስራሕ ንረብሓመን? እስራይል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃብን፡  ንፍልስጠም ምኹናን በየንይ ስነሞጎት? ብልጽግና ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረሞ ውዕል ወደብ ፍረ ምስ ሰኣነ ንእስራኤል ዘራይ ክትኮኖ ዝገበሮ ዝምድና ዝጠፍኦ ሰብ ኣሎድዩ። ህዝቢ ሶማል ኣብ ግዜ ኪሊንቶን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣሜርካ ዘርኣዮ ተጻብኦ ምን ይርስዖ።  ጣልቃ ምእታው ኣሜርካ ንኢትዮጵያ ንልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ኣብ ድኽነት ሸሚሙዋ ኣሎ።  እዚ ዘርእየና እንተሎ ኣብ ውሽጢ ኣህዛብ እዘን ሃገራት ብዶላር ተገዚኦም ኣሕዋቶም የሕሊፎም ዝህቡን፡ ህዝበን ተረጊጹ ክነብር ተዓሲቦም ዝኽድሙ ስለ ዘለዉ ጥራሕ እዩ፣  ኣብዛ ሕጂ ኢትዮጵያ ትበሃል ሃገር ካብ ሃጸይ ሃይለስላሰ ጀሚርካ ክሳብ ፕራይም ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ክድምና ነጻ ዝኾነ መራሒ መጺኡ ኣይፈልጥን። እዚ ሕጂ ዓሰብ ብታሪኽ ናትና ኔራ ሕጂ ከነምልሳ ኢና ዝበሃል ዘሎ፡ ልእላውነት ኤርትራ ንምድፋር ሽበድበድ ብድሕሪኡ መን ከም ዘሎ ስዉር ሚስጢር ኣይኮነን።   

      ጉዳይ ኢማራት ሸለል ኢልካ ከይተሓልፈ ኣብ ዞባና ንተልእኮ ሓያልን ንምትግባር ኣብ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማል የመንን ዝግበር ዘሎ ምትእትታው ብኣንክሮ ንዕዘቦ ዘሎና ህሉዊ ምዕባለ’ዩ። ንኤርትራ ብኹሉ ኣጻቢብካ ንምሕናቓ ብድሕሪኡ ሃሱሳት ከቲብካ ሕንፍሽፍሽ ንምእታው ምዃኑ ዝጠፍኦ ኤርትራዊ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።  ግን ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጭውነቱ ይርሆ ይጽበብ ቀዳምነት ሃገረይ፡ ኢሉ ሓሕሊፉ ዘይህብ ህዝቢ ምዃኑ እንቋዕ ካባኻ ተወለድኩ ዘብል እዩ። እዚ ማለት ግን ሃሱሳት፡ ዕሱባብ፡ ብሰልዲ ዝግዝኡ ዓለታውያን፡ መንፈሳውያን ተመሲሎም ኣረመናውያን፡ ሃይማኖት ተጎልቡቦም ሓጥኣን፡ ከምዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩወን ሃገራት ዘጋጠመን ኣጋጣሚታት ኣብ ሃገርናን መንግስትናን ከጋጥም ዝጽልዩ የለዉን ማለት ኣይኮነን።  

      ኤርትራውያን ጽንዓትና ኣብ ታሪኽና’ዩ ዝሙርኮስ።  ታሪኽ ጽንዓትና ናይ ሓጺር ግዜ ታሪኽ ኣይኮነን። ካብ ዎሎዶታት እና ተወራረሰ ዝመጸ ታሪኽ እዩ። ታሪኽ ሓበን ታሪኽ ጽንዓት፡ ታሪኽ ምክብባር፡ መኸተ፡ ታሪኽ ሓሕሊፍካ ዘይምሃብ፡ ታሪኽ ሕግን ባይቶን እዩ።  ብኣና ዝድነቑን ዝቐንኡን ኣህዛብ ከምዘለዉ ንዓና ናህና ስለ ዝኾነ ኣይነቕልበሉን ንኸውን። ጎሮባብትና ስለ ሓድነትና ብዓውታ ይዛረብሉ ኣለዉ። ካብዚ ዝዓቢ ጸጋ የለን።  እዚ ኩሉ ጽንዓት፡ ተወፋይነት፡ ተጻዋርነት፡ ምክብባር፡ ካበይ መጺኡ ንዝብል ኣብላዕሊ ጠቐሰዮ ስለ ዘሎኹ ምድጋሙ ከይከውን፡ መድረኽ እናተረረ ክመጽእ ከሎ ሓይልና እናበርትዔ ይኸይድ። ምኽንያቱ ምስ መድረኽ ጥርናፈና እናተረረ ስለ ዝኸይድ። ንጉስ ዘይብሉ ንህቢ መዓር ነየፍሪ፡ ዉፉይ መሪሕነት ዘይብሉ ህዝቢ ጥዕና ዘለዋ ሃገር ኣይትህልዎን።  ኤርትራውያን ቅስንቲ ሃገር ዘላትና ሳላ “ኣብ ሓደ ዝተወደብና፡ ብሓባር ስለ ዝነቓሕና፡ ብሓባር ስለ ዝዓጠቕና”፡ ወፍሪ ዓወት ኣሳላሲልና ሃገር ነጻ ዘምጻእና። ሓያል ውዳበ ካብ ሓያል መሪሕነት ስለ ዝፍጠር ሓይልና።   ንውዳበ ህዝባዊ ግንባር ከም ቀሊል ዝወስድዎ ባእታት ታሪኽ መስዋእትነትናን ዓወትናን ዝረስዑ ጥራሕ እዮምእ።  ሕጂውን ንንቃሕ ንወደብ ንዕጠቕ። ዘይተወደበ ህዝቢ ከም ዘይተኣስረ ማእዶ እዩ።

ክብርን ነባሪ ዝኽርን ንሰማእታትና፡

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብናን ጎረባብትናን፡

ዓወት ንሓፋሽ።

ገብረንጉስ መስመር

 

 

    

 



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events