ኤርትራ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ብዝምልከት ካብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ዘየወላውል ንጹር መልሲ ኪወሃቦ" ጸዊዓ።
እዚ ስጕምቲ ዞባውን ዓለማውን ዘይምርግጋእ ቅልውላውን ዕንወትን ከስዕብ ከምዝኽእል'ውን ኣጠንቂቓ።
ኤርትራ፡ ቻይና ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ሕልናዊ ሓላፍነት " ክትስከም ከምኡ'ውን ነቲ እስራኤል ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ "ዘየማትእ ምላሽ" ኣብ ምሃብ ኣጃማ ክትጻወት ብምጽዋዕ፡ ነቲ ውሳነ ምስ ጉዳይ ታይዋን ኣተሓሒዛቶ።
እቲ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ብሰንበት ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ "ጸወታ" ምስጢር ዘይኮነስ፡ ንሓያሎ እዋን ክጥጃእ ዝጸንሐን፡ "ሓደገኛ ዞባዊን ዓለማዊን ቅልውላውን ዕንወትን" ዘለዓዕል ሓደጋ ከምዘለዎን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ግብጺ ኣብ ዘካየዶ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ምስ 'ካይሮ ኒውስ' ዝተባህለ ተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ብተመሳሳሊ ቃና፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ቍርቍሳት ብሰንኪ ምትእትታው ዝተፈላለዩ ሓይልታትን መንግስታትን ዝተሓለለኸ ምዃኑ ተዛሪቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
"ሶማልያ 3,300 ኪሎሜትር ገማግም ባሕሪ ዘለዋ ሃገር እያ፣ ክንድዚ ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ኣብዚ ስትራተጅያዊ ስፍራ ነታ ሃገር ርግኣት ከሊኡዋ፡" ክብል ድማ ኣተንቢሁ ነይሩ።
ናብ ኣስመራ ኣብ ዝተመልሰሉ ንተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ "በዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ማለት፡ ሶማል፡ ክሊ ኣየራ፡ ገማግም ባሕራን መሬታን ዝሕሉ ልኡላዊ ትካላት ዘይብላ ውድቕቲ ሃገር ኰይናትሉ ኣብ ዘላ እዋን ብውሽጣዊ ዓቕማ ክትገብሮ እትኽእል ድሩት እዩ ድሕሪ ምባል፤
"ነዚ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ'ዚ ንምሕላው ውሽጣዊ ዓቕሚ ሶማል ግድን ክዓብን ክድልድልን ኣለዎ። ካብ ነዊሕ ግዜ፡ ቅድሚ ናጽነትና ከይተረፈ ጀሚርና ንሶማል ኣብ ጽቡቕ ቍመና ንምምጻእ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣስታት 10,000 ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ሰልጢኖም ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ይዝከር።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብቲ ምስ ሶማልያ፡ የመን፡ ጂቡቲን ዖማንን ዝዳወብ ወሽመጥ "ዘሻቕል" ወተሃደራዊ ኵነታት ይምዕብል ከም ዘሎ ኣሚቱ።
እቲ እዋናዊ መግለጺ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ ድማ፡ እቲ ብእስራኤል ዝተወስደ ኣፍልጦ ሃገርነት ሶማሊላንድ፡ "ኪኖ ተበግሶታት ኵነኔን ምንጻግን ከኣ ብደረጃ ባይቶ ጸጥታን ኣባላቱን ዘየወላውል ንጹር መልሲ ኪወሃቦ ይግባእ፡" ይብል።
ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ብዓርቢ 26 ታሕሳስ 2025 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤል ንሶማሊላንድ ብወግዒ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ከም ዝሃበታ ብምግላጽ፡ ቍጠባ፡ ሕርሻን፡ ማሕበራዊ ልምዓትን ናይ ምትሕብባር መደባታ ከምእተስፍሕ ገሊጹ።
ብድሕሪ'ዚ፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦትን፡ ንሶማሊላንድ ዝወሃብ ዝዀነ ይዅን ኣፍልጦ ብምንጻግ ንሓድነትን ልዑላውነትን ሶማልያ ንምኽባር ዘለዎም ተወፋይነት ደጊሞም ኣረጋጊጾም።
ቀዳማይ ምኒስተር ሶማልያ ሓምዛ ዓብዲ ባረ'ውን፡ ሃገሩ ነቲ ብእስራኤል ዝተወስደ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነታ ኰነ ኢልካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ'ዩ ብምባል፡ ከም ዝነጸጐ ገሊጹ።
ጂቡቲ፡ ግብጽን ቱርክን ዝርከብአን ሃገራት እውን ነቲ ስጕምቲ ብምንቃፍ ተቓውሞታተን ኣስሚዐን ኣለዋ።
እስራኤል፡ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ምሃባ ካልኦት ሃገራት እውን ንዕኡ ክስዕባ ከተባብዕ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ዲፕሎማስያዊ መረጋገጺታት እቲ ዞባን ተበጻሕነት ኣህጉራዊ ዕዳጋታትን ክውስኽ ይኽእል እዩ።
ሎሚ ሰኑይ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ንሶማሊላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምሃባ ኣብ ዝምልከት ንምዝታይ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ'ሎ።
እተን ኣባል ሃገራት ነቲ ስጕምቲ ክኵንናኦ ከምዝኽእላ ግምታት ኣሎ።
ሶማሊላንድ ብ1991 ካብ ሶማልያ ብወግዒ ድሕሪ ምፍላያ ካብ ሞቃድሾ ይዅን ማሕበረሰብ ዓለም ከም ሃገር ኣፍልጦ ከይረኸበት እያ ጸኒሓ።
ካብ 2018 ንድሓር ምስ ሞቓድሾ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዝጀመረት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራት ሶማልያ ከተስልጥን ምጽንሓ ይፍለጥ።
እቶም ኣብ ታሕሳስ 2022 ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ቀዳማይ ዙርያ ሰልጠንቲ'ውን ኣብቲ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዝካየድ ስርሒታት ይሳተፉ ምህላዎም ይሕበር።
ብድሕሪኡ'ውን ኣብ ኣሃዱታት መካናይዝድ፡ ፍሉይ ሓይሊ፡ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ኣየርን ዝስልጥኑ ሶማላውያን ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ነይሮም።