Dehai News

ተዛራቢ ጽሉል እንተኾይኑ ሰማዒ ክልብም ጥራይ’ዩ ዘለዎ!

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 31 October 2025


ተዛራቢ ጽሉል እንተኾይኑ ሰማዒ ክልብም ጥራይ’ዩ ዘለዎ!

ዓርቢ 31 ጥቅምቲ 2025

ብ28 ጥቅምቲ “ፓርላማ” ኢትዮጵያ ተኣኪቡ ነይሩ። እቲ መደረ፡ ላግጺ ነቲ ብጥይትን ጥሜትን ዝብላዕ ዘሎ ህይወት ኢትዮጵያዊ፡ ከምኡ ከኣ ኢትዮጵያውያን ዘስተውዕል ኣእምሮ ከም ዘይብሎም ሓሲብካ ዝተዘርበ እዩ። መራሕ ብልጽግና ካብ ኣባላት ዝቐረበሉ “ሕቶታት” መሊሱ። ካብቲ ኣኼባ ይኹን ካብ መልሱ ሓድሽ ነገር ዝጽበ ፍጡር ዝነበረ ኣይመስለናን። እንተ ነይሩ’ውን ካብዘን ክልተ ጉዳያት ንላዕሊ ክጽበ ኣይክእልን።

  1. ከም ኣመሉ፡ ኩሉ መዳያዊ ውድቀት ኢትዮጵያ “ብመሳጢ” መደረ ምኹሓል ምጉልባብ። ይዋኣዮም ኣባላት ባይቶ ከኣ ብድሙቕ ጣቕዒት ምስናይ።
  2. ከም ኣመሉ “ኣጀንዳ ክልተ ማያት” ኣልዒልካ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ምህታፍን ምፍካርን። ዝወረዶ “ባይቶ” ድማ ብምዉቕ ጨብጨባ ምምዕራግ።

እቲ ዝረኣናዮ ካብዘን ዝበልናየን ግምታት ዝወጽእ ኣይነበረን። ንኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዘስደምም ሓሶታት ብምቕራብ፡ ብግናዕ ኢዱ ጸሓይ ክኽውል’ዩ ፈቲኑ። “ንኣጀንዳ ክልተ ማያት” ኣመልኪቱ’ውን ታሪኻዊ፡ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ፡ ንኣህጉራዊ ሕግታት ዝጥሕስ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍር፡ ብሓሶታት ዝተባዕጠ ፈኸራ ሓዊሱ ከህተፍትፍ ተሰሚዑ።

ፍልይ ዝበለ ምርኢት እንተ ነይሩ፡ መራሕ ብልጽግና ካብ ቃላቱ ንላዕሊ ኣብ ኣካላዊ ቋንቋኡ (ትርኢት ገጹ፡ ምንቅስቓስ ኣእዳው) ኣመና ጭንቀት፡ ምሒር ዓቕሊ ጽበት ከም ዘለዎ ኣይከወሎን። እቶም ኣባላት ባይቶ’ውን ከም ሕንጻያት – ‘ወንበዴ! ሻዕቢያ!’ ዝብሉ መቓልሕ ቃላት ክደጋግሙ “ንሸንጎ” ናይ ደርግ ኣዘኻኺሮምና። ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ወሪዱ ዘሎ “ባይቶ” ዶ’ምበር እቲ ትማሊ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራን ዘመስገነ ባይቶ’ዩ!? ጥዕና ናይቲ መራሒ ጥራይ ዘይኮነ ጥዕና ናይቲ ኤርትራ ክትውደስ እንከላን ክትውቀስ እንከላን ዘጣቕዕ ባይቶ’ውን ዘተሓታትት’ዶ ኣይኮነን? ኣብ እንዳ ብልጽግና ክሳብ ክንድኡ ድዩ ሕንከት ዘየሎ? መዓስ ንሱ ጥራይ – ኮሎኔል መንግስቱ ንፈኸራ ቀይሕ ሕብሪ ዝመልአ ጥርሙዝ ክድርቢ ኢና ንዝክሮ። መራሕ ብልጽግና ከኣ ትማሊ ንፈኸራ፡ ጠረጴዛ ሃሪሙ። ኣብ ጥርሙዝ ዝተሓትመ ደም ክክዖ ዝረኣየ ህዝቢ ኤርትራ ብምድሳቕ ጣውላ ክሰናበድ ዝጽበ እንተሃልዩ እዚ’ውን ጥዕናኡ ይፈትሽ።

ንኹሉ እቲ ጽሉል መግለጺ ምዝርዛር ልቦና ስለዘይኮነ፡ ካብቲ ብዙሕ ዝተባህለ ንጽላለ ናይቲ መራሒ ዝገልጽ ክልተ ጉዳያት ጥራይ ከነልዕል፥

  1. “ተኣምራታዊ” ቁጠባዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብኣሃዛት ዘይኮነ – ኣፍንጫ፡ እዝኒ፡ ዓይኒ ጥራይ ብዘለዎ ሰብ ዝልካዕ’ዩ ዝብል “ሓድሽ መምዘኒ ቁጠባዊ ዕብየት” ኣቕሪቡ መራሕ ብልጽግና። እቲ ኣሃዛዊ ሓቂ፡ ብሕሰም ድኽነት ዝግረፍ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ 87 ሚልዮን፡ መጠን ዝቕባበ 40%፡ 20.4 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ ተጸባይ ረድኤት፡ 8.3 ሚልዮን ቆልዑ ዕድል ትምህርቲ ዝተሓረሙ፡ 4.5 ሚልዮን ተመዛበልቲ (IDPs) እዩ። ክሕባእ ዘይክእል፡ ሰብ ሞያ ጥዕና (ብተዛማዲ ሰብ ልዑል ደሞዝ) ክነብሩ ተጸጊሞም ዝኣደሙላ ሃገር’ያ ኢትዮጵያ። እሞ፡ ምንባር ስኢኑ ዘንጸርጽርን ዘእውይን ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ “ቁጠባዊ ተኣምር” ብልጽግና ክሽትቶ ዘይከኣለ፡ ኣፍንጫ ስለዘይብሉ ድዩ ወይስ ጉንፋዕ ሓሚሙ? ኣድማ ሓካይም/ መምህራን ብሕሰም መነባብሮ፡ ስለዝዓወሩ ድዩ ስለዝጸመሙ? ከምቲ ዝበልናዮ ግን ውድቀት እሞ ድማ ዘይሕባእ ውድቀት ንምሽፋን ዝተባህለ ዘረባ ጽሉላት’ዩ፡ እንተነኣሰ ከኣ ላግጺ!
  2. እንተ’ቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝተበኣስና ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ኮይኑ “ንትግራይን ህወሓትን እንተ ዘይኣጥፋእናዮም” ስለዝበሉ’ዩ፡ ዝብል ነጠባ፡ ተራ ምጥቛስ’ዩ። እቲ ዕላማ ንጹር’ዩ – ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዝምዕብል ዘሎ ዝምድና ከም ዓቢ ስግኣት ንስልጣኑ ክወስዶ ስለዝጸንሐን ዘሎን፡ ንድሕሪት ክመልሶን ከበላሽዎን ጽልኢ ንምስዋር’ዩ። እቲ ድሕሪ ፕሪቶርያ ዝብል ጸለመ ሕጂ ከም ሓድሽ “ምስጢር” ዝነገር ዘሎ ከምስሎ እኳ እንተፈተነ፡ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ክበሃል ዝጸንሐን ዘሰልቸወና ሓሶትን ምድንጋርን’ዩ። ኣቐዲሙ ብንግሆኡ ዝዋደዮ ዝነበረ፡ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ታተ ከይብል ዕምሩ ዘሕጸሮ ተግባራቱ፡ ዘይፍለጥ መሲልዎ ዶኾን’ዩ ቆርበት ኣንጽፉለይ ዝብል ዘሎ? እምበር ካብቲ “ጎሪሐ” ኢሉ ክጻወቶ ዝሃቀነ ጸወታ ዓያሹ ቊሩብ’ዶ ንመዘኻኸሪ ክንጠቅስ? ንቐደም በሉ!

ሀ. ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ኣመሪካ ኮይኑ ኣንጻር ኤርትራ ክሰርሕ ድሉው ምዃኑ ንፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ጀፍሪ ፈልትማን (ሚያዝያ 2021 – ጥሪ 2022) ዝገለጸሉ – ዓመት ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ’ዶ ኣይኮነን?

ለ. ሸሞንተ ኣዋርሕ ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ መጋቢት 2022 ምስ መሪሕነት ትግራይ ኣብ ሲሸልስ ዝገበሮ ምስጢራዊ ርክብ፡ ‘ሓቢርና ንኤርትራ ንህ ረም’ ኢሉ ክሓብል ኣይፈተነን ድዩ?

ሐ. ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቅድሚ ስምምዕ ፕሪቶርያ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ መሪሕነት ትግራይ ኣብ ጁቡቲ ኣብ ዝገበሮ ምስጢራዊ ርክብ ደጊሙ ‘ሓቢርና ንኤርትራ ንህረም’ ኣይበለን ድዩ?

መ. ካብ 2018 ክሳብ 2020 ኣብ ኤርትራ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ ዝነበረ፡ ናይ ሕጂ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ብልጽግና፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ዝምድና ከይመሓየሽ ዘረሓሕቕ ሓሶታት ኣየቀባበለን ድዩ?

ሰ. ብ3 ለካቲት 2023፡ (ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ) ኣብ ሃላላ ኬላ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝተገብረ ናይ መጀመርያ ርክብ፡ መራሕ ብልጽግና ንመሪሕነት ትግራይ ሕጂ’ውን ‘ንኤርትራ ሓቢርና ንህረም’ ኣይበሎምን ድዩ?

ነዚ ሓቅታት’ዚ ሓቢኡ ዘረባ ጽሉላት ዝደጋግም ዘሎ መጣቖሲ፡ ኣብ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንሓድሕዱ ዝገብሮ ዘሎ ኣይውሓደን እሞ፡ ኣይሰርሓልካን’ዩ! ኣይትድከም! ምባል ጥራይ እኹል’ዩ። ተዛራቢ ጽሉል እንተኾይኑ ሰማዒ ክልብም ጥራይ’ዩ ዘለዎ።



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events