Dehai News

ገበታ ሓሶት ዘይዕብልኾ መትከል - ሓተታ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 06 September 2025


ገበታ ሓሶት ዘይዕብልኾ መትከል - ሓተታ

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣንጻር ኤርትራ ጽዑቕን ዝተወደበን ዘመተ ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ። ብፖለቲካዊ ጐንፊ ዝተለኽፉን ሕቡእ ኣጀንዳታት ዘለዎምን ተጻባእትን መጋበርያታትን፡ ንኤርትራ ከም “ተተናዃዪት ጐረባብታ” ኣምሲሎም ጸለሎ ንምቕባኣ ክህቅኑ ጸኒሖም ኣለዉ።
እዚ፡ ኣካልን መቐጸልታን ናይቲ ናጽነትና ኣብ እንጽንብለሉ፣ ሰማእታትና ብሓበን ኣብ እንዝክረሉ፣ ከምኡ’ውን ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ እነብዕለሉ ወቕቲ ዘርእዩዎ ባህርያት “ኤሪ-ኢንፍልዌንዛ” ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን።
የግዳስ፡ መርዛም ዘመተኦም ሽሕ ግዜ እንተጸዓቐን እንተሰፍሐን፡ ነቲ ታሪኽን ጭብጥታትን ዝምስክሮ ድሙቕን ስኑድን ሃገራዊ መትከል ኤርትራ ንዞባዊ ርግኣትን ምትሕግጋዝን ክብርዝ ከቶ ኣይክእልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ቅድሚ’ቲ ከም ብርሃን ጸሓይ ኳዕ ዝበለ ሓቂ ሃጓጒ’ዩ።
ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ስኒት፡ ሓባራዊ ረብሓ፡ ሰላም፡ ምክብባርን ዕብየትን፡ ከምኡ’ውን ዘይምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝተመርኮሰ’ዩ። ናይ ልምዓት ስትራተጂኣ’ውን፡ ኣብ ዞባዊ ሽርክነትን ምምልላእን ዝሰረተ’ዩ።
እዚ መትከል’ዚ ሓድሽ ኣይኮነን። መንግስቲ ኤርትራ ብቐጻሊ ዝገለጾን ዘረጋገጾን ኣብ ሃገራዊ ቻርተር ዝሰፈረን ኢዩ። ኣብ’ዚ ሃገራዊ ሰነድ’ዚ፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኤርትራ - “ንሰላም፡ ምርግጋእን ምትሕግጋዝን ዞባናን ዓለምን” ከምዘገልግል፡ ብድሙቕ ቃላት ሰፊሩ’ሎ።
ብተወሳኺ “ቁጠባውን ባህላውን ምዕባለ፡ ምትእስሳር ከምዘለዎን ካብ ከባቢኻን ካልኦት ሃገራትን ተነጺልካ ብውልቂ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነን” ብምንጻር፡ ህንጸት ንጡፍን ኣጠቓላልን ምትሕግጋዝ ምስ ጎረባብትናን ካልእ ክፋላት ዓለምን ዓቢ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ ይርከብ።
ብኣመለኻኽታ ኤርትራ፡ ልምዓታውን ቁጠባውን ገስጋስ - ጐረባብቲ ሃገራት ብሓባር ምስ ዝምዕብላ ዝራባሕ ጸጋ’ዩ። ስለዝኾነ፡ “እቲ፡ ኤርትራ ንዕብየት ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ሃገር ንምዕንቃጽ ትሰርሕ’ያ” ዝብል ዘመተ፡ ብመሰረቱ ኣንጻር ክውንነትን እዉጅ ፖሊሲን ኤርትራ’ዩ።
ቊመና ኤርትራ ንምርዳእ፡ ታሪኻ ምዝካርን ምውካስን የድሊ። ንዘመናት፡ ግዳይ ግዳማዊ ወራራት’ያ ነይራ። ንመግዛእትን ዘይሕጋዊ ግዝኣታዊ ጎበጣን ዝተቓለሰት እያ። ካብዚ ተመኩሮ’ዚ፡ ልኡላውነት ብትኩርነት ክዕቀብ ከምዝግባእ ተማሂራ’ያ። መርገጺኣ’ውን ንጹርን ጽኑዕን’ዩ።
ከም’ቲ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ 7ይ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ዘስመረሉ፡ ናታ ኣይትህብን - ዘይናታ ኣይትደልን። ንዘመናት ግዳይ ተኸታታሊ ግዳማዊ ወራራትን ምትእትታዋትን ብምዃና፡ ንኣዕናዊ ሳዕቤናትን ዘይሕጋውነትን ናይ’ቲ ተግባር ኣጸቢቓ ትግንዘቦ’ያ። ዘሕለፈቶ ኣደራዕ ድማ ኣብ ካልኦት ክፍጸም ወይ ክድገም ኣይትደልን፣ ኣይተፍቅድን።
ክንዮ ጫውጫውታ ዘመተ ምስይጣን፡ ኤርትራ - ርቡሕ ጸጋታትን ብልጫታትን ስለእትውንን፡ ንቕድሚት ክትስጉም ኢላ ንካልኦት ክትዕንቅፍ ኮነ ንድሕሪት ክትስሕብ እትደልየሉ ምኽንያት የብላን። ከምዚ ዓይነት ተግባራት፡ ርእሰ-ምትእምማን ናይ ዘይብሎም እከያት ባህሪ’ዩ።
ኤርትራ እትውንኖ ናይ ልምዓት ራእይ እምበኣር፡ ኣብ ዞባዊ ርግኣት ዝምርኮስን ንዕኡ ቀዳምነት ዝህብን’ዩ። መብጽዓኣ ንሰላምን ዞባዊ ርግኣትን ድማ፡ ባህጊ ጥራይ ዘይኮነ ብግብራዊ ኣበርክቶ ዝተሰነየ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ነባሪ ርግኣት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንሃናጺ ጽምዶ፡ ሓባራዊ ትሕተ-ቅርጺን ምትሕግጋዝን ባብ ዘርሑን ንሓባራዊ ረብሓታት ዘገልግልን’ዩ ኢላ ስለእትኣምን።
እቲ ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዐ እዱድ ዘመተ፡ ክውንነት ካብ ዘይምፍላጥ ወይ ካብ ዘይምርዳእ ዝነቅል ጥራይ ገይርካ ዝውሰድ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ሸቶ ንምስማር ዝዓለመ ኮይኑ፡ ውሽጣዊ ድኻማት ንዘስዓቦ ጸገማት፡ ጠንቁ ግዳማዊ ጸላኢ ንምምሳል ዝካየድ ብሉይን ፍሹልን ሃቐነ’ዩ።
ብህዝቢ ተቐባልነት ዘይብሎም ስርዓታት፡ ባዕሎም ጸገማት ፈጢሮም ከብቅዑ፡ ብሰንኪ ተግባራቶም ንዝሰኣኑዎ ደገፍ ንምርካብ ናብ ካልኦት ተሰልቢጦም ብስም ባንዴራን ልኡላውነትን ንብዓት ሓርገጽ ክነብዑ ምርኣይ፡ ዘይልሙድ ኣይኮነን። ንኤርትራ ከም ጠንቂ ዞባዊ ዘይርግኣት ንምጽላማ ዝግበር ፈተነታት እምበኣር፡ ናይዚ ኣብነት’ዩ። “ሓባል በልያ ከይትቕድመኪ” እዩ ነገሩ።
እዚ፡ ጭብጢ ኣልቦ፡ ኣብ ምድግጋም ገበታ ሓሶት ዝምርኮስ ዘመተ፡ ንመብጽዓ ኤርትራ ንሰላማዊ ምንብባር ዝዕብለዂ ወይ ዝብረዝ ኣይኮነን። ስለዝኾነ፡ ኣብ ዞባናን ካብኡ ወጻኢን ዘለዉ ተዓዘብቲ፡ ክንዮ ጫውጫውታ ሓሶትን ዘንቀደ ዘመተን፡ ነቲ ብጭብጥታት ዝተሰነየ ኤርትራ እትኽተሎ መትከላት ሓሕዮም፡ ቅኑዕ ስእሊ ክህልዎም የድሊ።
ሚኒስትሪ ዜና
ኣስመራ፡ ኤርትራ


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events