Date: Friday, 23 May 2025
ጽምዶ ንሰላም ስለምንታይ መዛረቢ ኮይኑ?
ጽምዶ ማለት ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣካላት ዝግበር ናይ ሰላም ምትሕግጋዝ ወይ ስምምዕ እዩ። ጽምዶ ኣብ ሞንጎ ዘፈላሊ ዘይብሎም ኣካላት ኣይኮነን ዝድለ። ጽምዶ ዘረሓሕቐካ ነገራት ኣወንዚፍካ መድረኽ ዘምጽኦ ንኽልተ ተጻመድቲ ሃሳዪ ተርእዮታት ንምምካትን ምውጋድን ዝግበር ምርድዳእ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ወዮድኣ ሓዳግ ኮይኑ እምበር ንቕርሕንትን ዝወረዶ ዘይትኣደነ ግፍዕታትን ቆጺሩ ደሚሩ እንተዝነክስ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ምስ ወያኔ ዝምዶ ኣይምተመነዮን። ግን ፖሎቲካ የባእሰካ፡ ንፍታሕ ኣብ ጣውላ የምጽኣካ፣ ወይ ትሰማማዕ ንኽልተኻ ብዘርባሓካ፡ ወይ ዘባኣሰካ ብፍርዲ ተወሲኑ ፍታሕ ይግበር። ብወገን ኤርትራ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝወሃብ ብይን ቅቡል ምዃኑ ናይ ሓኒሽን፣ ናይ ባድመ ታሪኻዊ ኣለም ዝፈልጦ ፍርዲ ኣልጀርስ ነባሪ ምስክርዩ። ብወገን ወያኔ ዝተራእየ ሕንግድና ክሳብ ሕጂ ከም ከልቢ ዓጽሚ ርእዩ ከይቁርጥማ ፈሪሁ ሕኒንን ዝብል ሜረትና ኤርትራ ገቢታቶ ዓለም ኤህ በለልና ካብ ምባል ኣየዕረፉን። ኣወል ሲዒድ ብዛዕባ ጽምዶ ክምድር ከሎ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኑ ህዝብን መንግስትን ዝፈልጦ ጽምዶ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይ ንሰላምን ቅሳነት ህዝብታት ምዃኑ ቅንጣብ ጌጋ የብሉን። ምኽንያቱ ሰላም ዝጸልእ ህዝቢ የለን። ንርእሱ ክጥዕሞ ጎረበቱ ክሳቐ ምርኣይ ኣብ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ቀደም ቦታ ኣይነበሮን፣ ሕጂ ቦታ የብሉን፣ ንዝመጽእ ግዜውን ቦታ ኣይክእልዎን እዩ።
ጽምዶ ኤርትራን ትግራይን ብውልቀ ሰባት ዝፍጸም መስርሕ ኣይኮነን። ስለኡ ዝጉስጉሱን ዝምድሩን ዝራኸቡን ዝመያየጡን ግን ክህልዉ ይኽእሉ። መንግስቲ ዝለኣኾም ወይ ብተበግስኦም ክኸውን ይኽእል። ብወገን ኤርትራ መልእኽቲ ኣውል ስዒድ ንጹርን ብሩህን ጻዕርን ድሌት መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ዝፈልጦ እዩ። ሃንደበት ዝተበገሰ ኣይኮነን። ዛላምበሳ ከይዱ ምስ ትግራዋይ ኣክቲቪስት ክመያየጥ፡ ኣብ ኣስመራ ዓዲሙ ካልእ ኣክትቪስት ትግራዋይ ክመያየጥ ንዓና ንኤርትራውያን ኩርዓትዩ። ምኽንያቱ ንሕና ካብ ጥንቲ ሰላማውያን፣ እናተበደልና ንሰላም ቀዳምነት እንህዝብ ህዝቢ ስለ ዝኾና። ጸላእትና ክሳብ ክንደይ ከም ሰብ ንከይንነብር፣ መንነትና ከጥፍኡ፣ ሜረትና ክጎብጡ፣ ባህልና ከመራስሑ፣ ንብረትና ክዘምቱ ከልለዉ፣ ንሕና ንኹሉ ክንከላኸል ተረባሪብና ኢና።
ብረታዊ ሰውራ ከነበግስ ከለኦና ሰላም ስለ ዝሰኣና፣ ምረት ኲናት ተረዲኡና ንመስዋእቲ ከም ጸጋ ተቐቢልና ሰላም ከነምጽእ ኢና ተቓሊስና።
ስርዓት ሃይለስላሴ ነብሱ ከም ሓርማዝ፣ ንዓና ከም ጻጸ ቆጺሩ ረጊጹ ከጥፍኣና ዝሓሰቦ ሓይሊ ጻጸ ልዕሊ ጉልበት ሓርማዝ ምኹኑ ብኣፉ እንተዘይተዛረበ፣ ሓያላን ሃገራት ክረድእኦ ኣውያቱን ንብዓቱ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዓለም ሰፊሩ ኣሎ።
ስርዓት መንግስቱ ንነብሱ ደሞክራሲያዊ ሰውራ ንለውጢ ሰምዩ፣ ተግባራቱ ፋሽሽታዊ ህዝቢ ኤርትራ ከጥፍእ ሞርታራትን መዳፍዕን ዝረኸቦ ረሺኑ ብታንክታት ኣደታትን ህጻናትን ለንቂጡ። ምስ እልፊ ሰራዊቱን ኣጽዋራቱን ደገፍቱን ተሳዒሩ ሃዲሙ። ስለምንታይ ንሰላማዊ ፍታሕ ስለ ዝተሓስመ።
ስርዓት መለስ ውዕለት ሓገስቱ ዝኸሓደ። ኣብ ክንዲ ሓባራዊ ጽምዶ ንሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሰርሕ፣ ዶብ ኣሳቢቡ ኲናት ዝወልዔ፣ ፍርዲ ጥሒሱ ኣሻፈረኝ ዝበለ ምስ ክፍኣቱ ካብ ዓለም ተሰናቢቱ።
ደሳለኝ ሃይለማርያን ብወያኔ ዝተዋህቦ ስማዊ ስልጣን ሕማም ራዕድን ስንባደን ኣሕዲሩሉ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ዝገደፈ፣ ኣብታ ሓጻር ህላወ ስልጣኑ ጸረ ኤርትራ ዝነበሮ ጽልኢ ተሰኒዱ ኣሎ። ኣብዚ መበል 34 ዓመት በዓል ናጽነትና ንጽምብለሉ ዘሎና ብዛዕባ ጽምዶ ምስ ትግራይ ንሰላማዊ ጉዕዞን ድሕነትን ክልቲኡ ህዝብታት ከንሰምዕ ከሎና ከም ኤርትራውያን ነዊሕን ጽንኩርን መድረኻት ዘሕለፍና ጽቡቕ’ዩ ክስማዓና ዝግባእ። ወያኔ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዱዎ ዕንወትን ጥልመትን ተረሲዑ ማለት ኣይኮነን። እሞ ጥልመትን ክፍኣትን ኣመሎም ስለ ዝኾነ ኣይንቀራረብ ምባል ጌጋ እዩ። ኩነታት ኣሎ ዘቀራርበካን ዘረሓሕቐካን። ሕጂ ካብ ዝሓለፈ እዋን ዝያዳ ዘቀራርበና መድረኽ ተፈጢሩ ስለ ዘሎ ጽምዶ ክልቲኡ ወገናት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ምሳይላት ስለ ዝደርበዩልና ደጊም ጽምዶ ኣየድልን ኣይበሃልን። ንዓና ዝደርበዩዎ ምሳይል ንህዝቢ ትግራይ እዩ ጎዲኡ።
ኩሊ ግዜ ኣብ እዋን በዓላትና ንጽንብለሉ ቆለ ዝሕዞም መንግስታት እንተ ብእገዳ እንተ ስም ሃገርናን መንግስትናን ብምስይጣን ብሓሶት ዝተፈብረኸ ክስታት ክቃለሱና ጸኒሖም። እቲ ሓያል መንግስትን ህዝብን ሰራዊትን ንኹሉ ምትሕንዃላት ስኑ ነኺሱ፣ ሓቂ ተሞርኲሱ መኪቱዎ ስዒሩዎ። ሕጂውን ብወገን ኤርትራ ንሰናይ ጽምዶ ብዝለዓለ ክስርሓሉ እዩ ዝብል እምንቶ ኣሎኒ። ታሪኽ ጥልመት ይድገምዶ ምስ ኮነ ንዛረበሩ። ከይመጽእ ኢልና ግን ስቕ ኣይንብልን።
ኣብዚ ጽምዶ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ቅነ ናጸነትና ቆለ ዝሓዞም ዩቱበራት እሞ ኽኣ ኣነ ምስሃገርይን ሰራዊተይ ህዝበይ ኣሎኹ ዝብሉ ብተግባር ግን ጸረ ጽምዶ ንሰላም ጎስጓሳት ዝገብሩ ኣይተሳእኑን። ብፍላይ እዚ ብዋልታ ሃገር ዝፍለጥ ዩቱበር ተደጋጋሚ ጌጋታት ዝገብር ዘሎ ኣደብ ክገብር፣ ክእረም ኣብ መስርዕ እቶም ቅኑዕ መልእኽቲ ዘብጽሑ ዩቱበራት ክስለፍ ኣለዎ። ቅድሚ ሕጂ ቀይዲ በተክ ዘይተማእከለ ስራሕ ሰሪሑ ምስ ወኪል ሃገር ዝኾነ ባዓል ስልጣን ክትሃላለኽን ሽግራት ክፈጥር ተራእዩ እዩ። ሕጂ ድማ ነዚ ጽምዶ ሰላም ዝበሃል ዘሎ ኣይድግፎን ምባሉ ጥራሕ ከይኣክል፣ ዋላ ፕረሲደንት ኢሰያስ ብዛዕባ ጽምዶ ኣብዚ በዓል ነጻነት እንተተዛረበ ኣይቅበሎን እየ፡ ክብል ተሰሚዑ ኣሎ። “” ጽንጽያስ ኣብ ሳዕሪ ዝግህጽ ዝነበረ ብዕራይ ቀርኒ ዓሊቡ ብዕራይ ከቢድካኒ ወረደለይ ክብሎ ይጽበ ነበረ ይበሃል። ወዮ ብዕራይ ሳዕሪ ክግህጽ ነዊሕ ገበረ። ጽንጽያ ዓቅሉ ጸቢቡዎ፣ ስማዕ ብዕራይ ከቢደካ ከለኹስ ስለምንታይ ውረደለይ ኢልካ ዘይትልምነኒ ክወርደልካ በሎ። ብዕራይ ጽንጽያ እንኳንዶ ክትከብደንስ ኣበይ ኮንካ ትዛረብ ከም ዘለኻ እኳ ኣይፈልጥን፣ እንተጥዒሙካስ ኣብዘለኻዮ ዋላ ንበር ኢሉዎ ይበሃል። ሓላል ፕረስደንት ኢሰያስ ምሳኻ ክንሰኣል ንዝብሎዎ ምስኦም ስለ ዝሰኣል። እዚ ዩቱበር ብዋልታ ሃገር ዝፍለጥ ምስ ኩቡር ፕረስደንቲ እንተተሳእለስ ፍልጠቱን መዝነቱን ማዕረ ፕረስደንት ገሩ ወሲዱዋ። ደፋር ዘኽፋኣሉን ዘጸብቐሉን ዘይፈልጥ። ትዕቢተኛ ምስ መብዛሕትኦም ዩቱበራት ዝጓነጽ ብሓቂ ትሓልዩሉ ሰባት እንተለኹም ትዕግስቲ የድልየካሎ በሉዎ። ናይ ግዜ ጉዳይ ድኣ ይኾውን እንበር መበገሲኡን ደረኽቱን ዓላምኡን ክፍለጥ’ዩ።
ዕዉት በዓል ነጻነት ይግበረልና።
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ።