Dehai News

መሳፍንቲ ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቅን ብዝበዛን፥ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራን ሕጂ'ውን እንተኾ ፍጹም የብላን!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 19 October 2021

መሳፍንቲ ሕ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ብጀካ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብቓጻ ምቕታልን ስርቕን ብዝበዛን፣ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ኣይነበራንን ሕጂ'ውን እንተኾነ ፍጹም የብላን! 
==========================================
ቅድሚ ኣብቲ ቀንዲ ዛዕባ ምእታወይ፣ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማን [ባህሪ] ኣተሓሳስባን መትከልን ሕልሚን መስፍናዊት ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር ክገልጽ ክፍትን እየ።

•√ ስነ-ኣእምሮእዊ ኣቃውማ [ባህሪ]፣

>>>ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማ መስፍናዊት ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣ ኣብ ስቓይ "ርእሰ-ምትሓት" [Inferiority Complex] ዝተሰረተን ካውኡ ዝተበገሰን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ንነብሳ ዘይኰነቶ ኣጋኒና ዓባይ ንምምሳል ምፍታን [self pretentious]፣ ነዚ ንምድማቕ ናብ ዳርጋ ሓቂ ንምቕያር ድማ ብጻዕቂ ኻዕቦ-ምዕሮ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ፈኸራን ብድዐን ስምዒታዊ ሆይሆይታን ለይትን መዓልትን ጽውያ፣ ካብ ኣንጭዋ ክንዲ ሓርማዝ ንምዃን ትፍትንን ትጽዕርን.........

•√ ኣተሓሳስባ፣ 

>>>ካብ'ዚ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዝብገስ ኮይኑ፥ ኢ-ሰብኣውነት ሕሉፍ ዓሌታውነት ኣረሜናውነት ስስዐ ቅንኢ ስርቂ  ዘረፋ ዓመጽ ቂም ሕነ ምፍዳይ ብቓጻ ሓደጋ ምውዳቕ መርዛዊ ጽልኢ ምንዛሕ ሓሶት ጉራ ሞጐተ-ኣልቦ ፈጠራ ጽውጽዋይን ባዶ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ታሪኽ ካልኦት ሰሪቕካ ከም ናትካ ጌርካ ምጽዋይ ምፍታን.......

•√ መትከል፣ 

>>>ፍጹም መትከል ዘይብላ ምስ ግዜን ወቕትን ልክዕ ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ተቐያያራይ፣ ርእሳ ዘይትኽእልን ባዕላ ጠጠው ኢላ ኽትከይድ ኣዝያ ትሽገር ባርያን ከዳሚትን ሓያላት ባዕዳውያን ሓይልታት [ጸዓዱ ኰወጃ]፣ ሕንከት ዘይብላ ወናኒት ሓያሎይ መልሓሳት ነውራም ጭፍራ......ንኣብነት "ቃልሲ" ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣብ ጽልኢ ብሄረ-ኣምሓራ ዝተመስረተ ዘይ ምኽኑይ ዕላማ፣ ንዕኡ ንምጥፋእ ኣብ መፈለምታ መርሓኢ  ተሓዚላን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትያ ስልጣን ምስ ጨበጠት ድማ እቲ ኹሉ "መትከለይ" እዩ ኢላ  ከም ሸርሙጣ ንኽትጽብቕ በቢግዚኡ ትዀሓሓሎ ኩሕሊን ትኽደኖን ትለዋውጦን ዝነበረት ክዳውንቲ ጉሒፋ፣ ጉንዖ ሓደስቲ ጎይቶታ ኣሜርካን ኣውሮጳን ንኽትረክብ ሓድሽ ኹሕሊ ተለኻኽያ ከመስመስ እናበለትን እናተዃሸመትን ስጋብ ካብ ኮረሻ ግዝእታ ዝተኸምበለትሉን ድሓር ድማ ዝተሎኽሰሰትሉ ዝተበተነትሉን እዋን ቀጺላ።

ናይዛ ነውራም ዘይትሓንኽ ዓሌታዊትን ኣባታዊትን ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣ "ህበይ'ሲ ጻድቕ ንኽትመስል ዝዋውዕ ትቖጽር" ከም ዝበሃል፣ ዝኾነ ይኹን ዋጋ ከፊላን ተዃሺማን ከዲማን ንስሱዕ ሸውሃታ ንምርዋይ፣ ዘይትገብሮን ነገርን ዘይትፍንቅሎ እምንን ፍጹም የልቦን።

•√ ዕላማን>>|<>>መበገሲ ዕላማኣ፣ ትግራዋይ ተጨቚኑ ብቛንቛ ትግርኛ ምምሃርን ምዝራብን ተኸልኪሉ ቛንቛ ኣምሓርኛ ጨቆንቲ ኣምሓራ ብግዲ ክንምሃር ተጺዕኑና፣  'ህዝብና' ኣብ ድሕረትን ድኽነትን ተሸሚሙ.....ወዘተረፈ ዝብል ጽውጽዋይ እዩ። ነባሪ ትግራይ ትግርኛ ምዝራብ ተኸልኪሉ ዝብሃል ጽውጽዋይ ጻዕዳ ብሓሶት እዩ። እቲ ተገዲድና ኣምሓርኛ ንምሃር ኔርና ዝብል ቅጥፈት'ውን ማይ ኣይቘጸርን እዩ። ምኽንያቱ ቋንቋ ኣምሓርኛ ሃገራውን መንግስታውን ወግዓዊን ዕላውን መሳርሒን መራኸብን ቛንቛ ስለ ዝነበረን ሕጂ'ውን ስለ ዘሎን፣ ከም ሓደ ዓውደ-ትምህርቲ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያዊ ክስትምሃር  ምኽንያታውን ግቡእን እዩ ነይሩ። 

130 ዓመታት ማለት ኣብ 1880ታት ኣብ ሃጸይ ዮውሃንስ ንጉሰ ነገስት ዘ ኢትዮጵያ  ዘመነ-መግዛእቲ ዝነበረሉ እንተ ተመልሊስና፣ ሃጸይ ዮውሃንስ ኣብ ኣኽሱም ኮይኑ ንኣብስንያ [ናይ ቀደም ስም ኢትዮጵያ ዝነበረ] እናገዝአ ኸሎ፣ ምስ ኣብቲ እዋን'ቲ ዝነበሩ ናይ ወጻኢ ባዕዳውያን መንግስታት ይኹን ኣብ ቤተ መንግስቲ ምስቶም ሹማምንቱን መስፍናውያን ራእስታትን ብወግዒ ዝጸሓሓፈሉን ዝራኸበሉን ዝዋስእሉን ዝዛረበሉን ሃገራዊ ቛንቛ፣ ብቛንቛ ትግርኛ ዘይኮነስ ብቛንቛ ኣምሓርኛ እዩ ነይሩ። 

ብተወሳኺ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ እንከሎኹ፣ ኣብ ምሉእ ኩርንዓት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓበንን ኩርዓትን ርእሶም ኣቕኒዖም ኣብ ዝኸዱዎ ቦታታት ብቛንቕኦም ትግርኛ ነንሓድሕዶም ከይተሰከፉ ዓው ኢሎም ክዛረቡ እንከለዉ፣ ሓያሎይ ተጋሩ ግን እንዲዒ እታ "ትግርኝኦም' ተሕንኾም ግዲ ኔራ ኾይና፣ ብኣምሓርኛ እዮም ነንሓድሕዶም ዝዋስኡ ኔሮም። ናብ ዓዶም መልእኽቲ ምጽሓፍ'ውን ቛንቛ ኣምሓርኛ ከም ዝጥቀሙ ብገለ ሰባት ይሕመዩ ኔሮም።

ድኽነትን ድሕረትን ንነባሪ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ተንኪፉ ወይ ተጻዒኑ ነይሩስ፣ ኣብ ትሕቲ ዓርዑት ስርዓት ሃጸይነትን መስፍንነትን ዝግዛእን ዝመሓደርን ዝነበረ ምሉእ ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝኸፍአ ደረጃ እዩ ኔሩ። ስለዚ ቛንቛን ድኽነትን ድሕረትን ዝበሃል ዘይምኽንያታዊ ጽውጽዋይን ዝብል ግኒ-ዕርፊትን፣ ንተቐማጢ ትግራይ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ንኹሉ ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ።

 መስፍናዊት ህ•ው•ሓ•ት/ማ•ሌ•ሊ•ት•፣ እቲ ኣንጻር ወትሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ [ደርጊ] ነበር ተቓሊስካን ደምሲስካን ንምዕላው ሓሳብ'ውን፣ ደሓር ድማ ንምሉእ ኢትዮጵያን ባህርያዊ ጸጋታታ ተቘጻጺርካ ምግዛእን ፍጹም ኣብ ሽከንኣ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ፣ ትግራይ ነጻ ኣውጺእካ ሓንቲ ናጻ "ዓባይ መንግስቲ ሃገረ-ትግራይ" ንምምስራት እዩ ኔሩ። ንደርጊ ደምሲስካ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዝካ ምግዛእ፣ ዕላምኣ ዘይኮነስ ኣብ ሕልማ'ውን ፍጹም ኣይነበረን። ኣሹንኳይ'ዶ ንኢትዮጵያ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ምቁጽጻር፣ ንትግራይ ናጻ ምውጻእ'ውን እኹል ኣፍልጦን ሜላን ወትሃደራዊ ዓቕምን ከቶ ኣይነበራን።

>>>ደሓር ኣብ ጉዕዞ ዝማዕበለ ናይ መወዳእታ ሕልማ ድማ፣ ምምስራት መንግስቲ "ሃገረ-ዓባይ ትግራይ" እዩ ነይሩ። ብናታ ኣገላልጻ፣ "ህዝቢ ትግራይ" ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ኣበይ ይንበር ብዘየገድስ ኩሉ ትግራዋይ እዩ ኢላ እያ ዘይጭበጥ ሕልማን ዕቡድ ሓሳባን ፈሊማቶ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ክፍለ-ሃገር ትግራይን ኣብ ከበሳ ኤርትራን ወልቃይትን ራያ-ዓዘቦን ዝነብር ህዝቢ ማለታ እዩ ኔሩ። ጠንቂ እዚ ዝሓለፈ ዓንዳርን ኣስፋሕፋሕን ኣዕናውን ኲናትን ስዒቡ ዝመጸ ሕንፍሽፍሽን ምብትታን ሕብረተሰብን ፍልሰት ኤርትራውያንን ድማ ስሩን መሰረቱን ጠንቁን ናይዛ ሸውራርን ሓባልን ክድምናን ኣመንዝራን ዀሻም ዘይፍጸም ሕልማዊ ፖለቲካ ናይዛ ኣርሜናዊትን ዓሌታዊትን ጭፍራ እዩ ነይሩ።........

ኣብቲ እርእስቲ ዛዕባይ ምስ ዝምለስ፣ መስፍናዊትን ዓሌታዊትን ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር ቀንዲ ዕላማኣ ምምስራት "ዓባይ ትግራይ" እንተ ኔሩ፣ እቲ ሕልሚ ኣብ'ቲ ማህጸን ጽፍየቱ እንከሎ 9 ወርሒ ከይዓኰኸን ከይበሰለን ብርሕሚ ኣቢሉ ፈሲሱ ብርሃን ዓለም ከይረኣየ ብሳላ ጀጋኡ ኤርትራውያን [ህ•ግ•ሓ•ኤ•] ኣብ ዓሚቕ ጋህሲ [ጉድጓድ] ንዘልኣለም ከም ዘይምለስ ንሓዋሩ ተቐቢሩ እዩ! 

ጭፍራ ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ [ቅድም ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ/ጀብሃ ነበር ዀሸምሸም እናበለት ኩለንትናዊ ሓገዛት ንምርካብ ትገብሮ ዝነበረት ፖለቲካዊ ሽርሙጥና፣ ምስ ስም ዓባይ ጀብሃ [ተ•ሓ•ኤ•] ዝመሳሰል ስም ተጋድሎ ሓርነት ትግራይ  ተባሂላ እያ ተጠሚቓ  ኔራ]። ጽንሕ ኢላ ምስ ተሓኤ/ጀብሃ ፍቕሪ ወዲኣ ምስ ተፋትሐት ድማ፣ ምስ ህ•ግ•ሓ•ኤ•/ሻዕብያ ክምስምስ  ምባል ምስ ጀመረትን እቲ ትደልዮ ኩለንትናዊ ሓገዛት ብዝያዳ ካብ ትጽቢታ ንላዕሊ ክትረክብ ምስ ጀመርት፣ እንደገና እቲ ቀዳማይ ስማ ጉሒፋ ምስ ስም ውድብ ሻዕብያ ዝመሳሰል 'ህ•ው•ሓ•ት•' ዝብል ሓድሽ ስም ደኣ ተጠመቐት። ነቲ ጽንሰ-ሓሳባ ኣብ ደደቢት ሃ ሁ ኢላ ከተበግሶ እንከላ፣ ተባዕ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ብዘየማትእ ኣገባብን ብመትከልን ተቛዊምዎ ጥራይ ዘይኮነስ ብትሪ ነጺጉዎን ኣንጻሩ ተቓሊሱን ዋጋ ኸፊሉን እዩ።

 ድሕሪ ናጽነት ድማ ህ•ግ•ሓ•ኤ/ህ•ሰ•ም•ሓ•ኤ• ኣብቲ 1998-2000 ዓምፈ ኣንጻር ወራሪት መስፍናዊት ስርዓት ህውሓት ነበር ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ፣ ነቲ ናይ ብሓቂ መወዳእታን ሕልሚ ምምስራት ሕልሚ "መንግስቲ ሃገረ-ዓባይ ትግራይ" ከቢድን ኽቡርን ኩለንትናዊ መስዋእቲ ኸፊሉ ኣፍሽሉዎ ጥራይ ዘይኮነስ ሸኾንኣ ሓማሺሹ ኣብ ጋህሲ [ጉድጓድ] ንሓዋሩ ቀቲሉዋን ንሓዋሩ ቐቢሩዋን ሓመድ-ኣዳም ኣልቢሱዋን እዩ።

 ኣረሜናዊት ስርዓት ህውሓት/ማሌሊት፣ ነቲ ኣዕናዊ ኲናት 1998-2000 ዓምፈ ከም ዓቢ ዕድል ተጠቒማ፣ ካብ "ዓንዞ ዓንዞ ንማዕጾ፣ ወይ ድማ ዘሕምቖ'ሎኒ በትሪ ሃቡኒ" ከም ዝበሃል፣ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ብሰላም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣስታት 90 ሽሕ [90,000] መበቖሎም ኤርትራውያን ጥራይ ስለ ዝኽኮኑን ብኤርትራዊ መንነቶም ብዕላማ ፈልያ፣ ካብ ገዛውቶም ብለይቲ ካብ ንጥፈታቶም ብመዓልቲ ብኻድራታን ብተጋሩን ሃዲና ብምእሳርን ብምግፋዕን፣ ንዓሰርተታ ዓመታት ሰሪሖምን ጽዒሮምን ርሂጾምን ዘጥረዩዎ ዓበይትን ማእከሎትን ንኣሽቱን ትካላቶምን ንግድታቶምን ገዛውቶምን ብቢልዮናት ዶላር ዝቑጸር ገንዘቦምን ዘሪፋቶምን ሃጊራቶምን፣ በታ ኣብ ዝባኖም ጥራይ ተኸዲኖማ ዝነበሩ ዳንን ቆምሽውሽጥን ዘድልዮም'ኳ ከየልዓሉ፣ በቲ ሓደገኛ ናይ ኲናት ግምባራት ብዘይ ሕጊን ብዘይ ርሕራሐን ናብ ኤርትራ ጉሒፋቶምን እያ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ኢሰብኣዊት ጀጃዊት [ፈራሕ] ወያነ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሪሖም ዝነብሩ ዝነበሩ ዝተጣየሱ ኣባላት ሰራዊት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ተጋደልትን ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፈጸሙን ሃዲና፣ ኣብ ኣብያተ-ቤት ማእሰርትታት ዳጒና ከም ዝሳቐዩን ኣደዳ ሕማምን ግዳያት ሞትን ከም ዝገበረቶም'ውን ናይ ትማሊ ዘይሃሰሰ ጸሊም ታሪኻ እዩ።

ጠንቂ ውግእ 1998-2000 ዓምፈ ስርዓት መስፍናዊት ህውሓት ነበር ዛጊት ብ1997 ሰፊሕ ክፋል መሬት ኤርትራ ዝሓወሰ ዘይሕጋዊ ሓድሽ ቅርጻ-መሬት ዓባይ ትግራይ [Brand new Map of Greater Tigray] ብሓገዝ ጀርመናውያን ሞያውያውያን ከለልቲ [ሓንጸጽቲ] መልክዓ-መሬት [Catagrophers] ምስ ኣስርሐትን ምስ ገበተቶን ብፍላይ፣ እንተሰሊጡዋ ድማ ንልኡላውነት ኤርትራ ጥሒሳን ኣፍሪሳን ንህዝቢ ኤርትራን ሰራዊቱን ኣምበርኪኻ፣  ንምሉእ መሬት ኤርትራ ዳግማይ ንምጉባጥ እዩ ነይሩ። እንተኾነ ግን በቲ ሰለስተ ግምባራት ዓውደ-ኲናት ማለት ብግምባራት ጋሽ-ሰቲት ባድመን ዛላምብሳን ጾሮናን ክምኡ'ውን ግምባር ዓሰብ ዘበገሰቶ "ኦሮሞ ቦሎ ዓፋር ቦሎ ኣምሓራ ቦሎ ሶማልያ ቦሎ ደቡብ ቦሎ ጋምቤላ ቦሎ ቤት ሻንጉል ቦሎ" ኢላ ከም ወራዶ መርዓ እናጭደረት ዘካየደቶ 3 መጠነ-ሰፋሕቲ ወራራት፣ ብጀጋኑ ህ•ሰ•ም•ሓ•ኤ ፈሺሉ ጥራይ ዘይኮነስ ተሓምሺሹንን ናብ ዝተበገሶ ብሕፍረት ተመሊሱን እዩ።

 ጭፍራ ህውሓት/ማሌሊት እዚ ብመን ከማይን ትዕቢትን ጃህራን ፈኸራን ረኣዩለይን ስምዑለይን ባዕላ ዘበገሰቶ ናይ ጽሉላትን ዕቡዳትን ርእሰ-ቕትለትን ዳሕረዋይ ናይ ቃጻ ፈራሓት ኲናት እንተኾይኑ፣ ንኣዲስን ኣስመራን ተቘጻጺራ ስርዓታት ቀይራ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍርቃን ጐብለል ንምዃን ዝሓሰበቶ ሕልሚ፣ ስድሪ ከይተበገሰት ብ17 መዓልትታት ብቀንዱ ብጅግና ህዝባዊ ሰራዊትን ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን ዞባዊ ምልሻ ኣምሓራን ሕቑኣ ተለዂሲሳ  ከም ሓርጭ ተበታቲናን ከም ፈሲ ቃንጥሻ ኣደይ ኢታይ በኒናን ተሪፋ እያ። 

እታ ተረፍ መረፍ ጉጅለ ወያን ነበር፣ ሕጂ እታ ካብታ ጨሪመን ጨራሪመን ሰሪቐን ዘስፍሓኣ "ዳርጋ ዓባይ ትግራይ" 50% ንእሽቶይ ቁራጽን ብኹሉ ዝተኸበት ሓውሲ ሲኦል ትግራይ ንግዚኡ  [ንኹሉ ግዜ ከምዘይኮነ ርግጸኛእየ] ሒዘን ተሪፈን። ኣሹንኳይ'ዶ ናጽነት "ንእሽቶይ ናጻ ትግራይ" ክምስርታ'ሲ፣ መግቢ ሃንዛ ጥሕሎ ዝብላዕ እኹል ማይ ዝስተ ቀረብ ናፍታ ጸዓት መመስርሒ ኰታ ንሕብረተሰብ ዘድልዮ ጠለባትን ነገራትን ዘይብለን ኾይነን፣ ነቲ ትማሊ ንኣስታት 27 ዓመታት ዝእዝዝኦ ዝነበራን ዝሕልወን ዝነበረ ዝሓየለን 80% ዘመናዊ ኣጽዋር ኲናት ኢትዮጵያ ዓጢቑ ዝነበረ እዚ ሰሜን ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ናይ ፈርሓት ብቓጻ ሓደጋ ዝወደቖኦን ኣደዳ ዕንወትን ሞትን ስንክልናን ዝገበሮኦ ሰራዊት ሕጂ ንዕኡ ዝመርሖ ዘሎ መንግስትን፣ እቲ ንትግራይና ዝግብኣና ጉንዖ [ባጀት]  እእላፋት ኣቓርሽ [Billions of Bir] ብዓጸቦን ብጥሜትን ስለ ዝተጠቓዕና በጃኹም ልቐቑልና ኢለን ከይሓፈራን ከይሓነኻን ተጐምቢሔን ብምልማን፣ መስሓቕ ሸራፋትን ዓለምን ኮይነን እየን ዘለዋ። እዚ ድማ ዕላማን ሕልምን ናይ ምምስራት "ናጻ ዓባይ መንግስቲ ትግራይ" ከምዘይከኣልን ንፖለቲካዊ ሃልክን ሸቐጥን ጥራይ ምዃኑ ክአም ዝነበረ ዘርኢ ጉሉሕ ጭብጢ እዩ።

ኣብ'ዚ እዋን'ዚ እሞ ኸኣ፣ "ሞት ዝናፈቓ ድሙስ፣ ኣፍንጫ ድሙ ትልሕስ" ከም ዝበሃል፣ተረፍ- መረፍ ኣረሜናውያን መስፍናውያን ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ነበር፣ ካብ ዝቐደመ ዕንወትን ምፍንቓልን ስቓይን ሞትን  ኣብ ክንዲ ዝመሃራ፣ ብናይ ሓሶት 'ትግራይ ትስዕር' ባዶ ቀዳድ ገረወኛ ምስሉይ [ፋልሶ] "ዓወት" ሰኺረንን መርቂነንን ዓቢደንን ዝወልዕኦ ዳግማይ ኲናት፣ ዛጊት እናተለብለባ ናብ መወዳእታ ዕርበተን ይጐዓዛ ኣሎዋ። ሕሉፍ ሓሊፈን ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ እሞ ደሓር ዝኸድዐ ካብ ላዕለዋይ ሓላፍነት ስጋብ ታሕተዋይ ተራ ወትሃደር ዝነበረ ዕሉም ገዲም ትግራዋይ ወትሃደር፣ መብዛሕትኡ ስለ ዝተደምሰሰን ዝሰንከለን እዛ ሓላፍነት ዘይስምዓ ኢ-ሰብኣዊት ተረፍ መረፍ ጭፍራ ነበር ደቂ 12-17 ትሕተ ዕድመ ህጻናት ብሓይሊ ኣገዲዳ ብዘይ ብቑዕ ወትሃደራዊ ታዕሊም ንሰሙን ዝኣክል ጥራይ ለብ ለብ ኣቢላ ብረት ኣዕጢቓን ብጃለን [ብዘይ ብረት] ኣብ ሓዊ ኣእትያ ትጥጥቖም ኣላ። 

ኣብዚ ፈጺሙ ክርሳዕ ዘይብሉ መስፍናዊትን ኣረሜናዊትን ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት•፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ለማኒን ጽግዕተኛን ንምግባርን ድሕሪኡ ድማ ንኤርትራ ንምምብርካኽን፣ ብስሞም እናሸቀጠት ኣእላፋት ናይ ወጻኢ ሸርፊ  [ቢልዮናት ዶላራት] ካብ ምዕራባውያን ጎይቶታ [ኣሜርካን ኣውሮጳን ካልኦትን] ጻማ ክድምንኣ ለሚና ብዝረኸበቶ ንዋይ ጁባታታ ከተሕብጠሉ ከስዕታታን ከተዘፍጥጠሉን ብዕላማ ዝሃንደሰቶን ዝሰርሓቶን መዳጎኒ ቦታታት [Concentration Camps]፣ ዝቕመጡ ዘሎዉ መሳኪን ንጹሃን ሕጻናትን ዕሸላትን ትሕተ-ዕድመን መንእሰያትን ደቀንስትዮን ዓበይትን ኣረጋውያንን ኤርትራውያን፣ ዝፍጸም ዘሎ ኣረሜናዊ ጃምላዊ ቕትለትን ጾታዊ ዓመጽን ብነፍሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዘይርሳዕ ጸሊም ነጥቢ ታሪኽ እዩ። 

እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ብሓሶት "ናጻ ከውጽኣካን ናትካ መንግስቲ ክተኽለልካ እቃለሰልካ ኣሎኹ" ኢላ ትሽቅጠሉ ነባሪ ትግራይ'ውን ኣይንሓፈቶን። ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሑ ኔሮም ኢላ ዝወንጀለቶም ወዲ ሰብ ይገብሮ ኢልካ ዘግመት ኣሰቃቒ ጭካኔ ቀቲላ ከይእኽላ ኣካላቶም ቆራሪጻ ንኸይቅበሩ ብኣዛብእን ኣኽላብትን ንኽብልዑ ብምግር፣ ካብ መርዛም ሓሳባ ዝተፈልዩን ኢትዮጵያውያን ኢና ደቕና'ውን ነቲ እኩይ ናይ ጥፍኣት ኲናት ኣይንህብን ዝበሉ ተጋሩ'ውን ብዘግ ንሕስያ እናሃደነት ትኣስሮምን ትጭፍጭፎምን ብዘይ ንሕስያ ትቕንጽሎምን ኣላ። ኹሉ ዓይነታት ማለት ነገራውን ብረታውን ገንዘባውን ምዝርጋሕን ሸፈነን ናይ ሓሶታትን ጸለመን ዘመተን ጥብቅናን ዝገበሩላ ብዝሰረቐቶ ቢልዮናት ዝቑጸር ሃብቲ ኢትዮጵያ ኸፊላ ዝዓደገቶምን ዝቘጸረቶምን ኩሎም ጎይቶታ ሓያላን ምዕራባውያን መንግስታትን ፍሉጣት ጸለውቲ ዓበይቲ ትካላትን ጉጅለታትን ውልቀሰባትን፣ ነቲ ትገብሮ ዘላ ግፍዕታትን ጃምላዊ ህልቂትን ጾታዊ ዓመጽን፣ እናረኣዩ እዒንቶም ዓሚቶም እናሰምዑ እእዛኖም ለኲቶም ክም'ቲ ዝድለ ክውግዙዋን ክኸሱዋን ኣይተራእዩን ኣይተሰምዑንን።

ጨካንን ኢ-ሰብኣዊትን ህውሓት ነበር፣ እዚ ኹሉ ኣንጻር ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ትፍጽሞ ዝነበረት ኽፉእ ሸርሕታትን ስደትን ሕጂ ትፍጽሞ ዘላ ኣረሜናዊ ኩለንትናዊ  ዓመጽን ግፍዕታትን፣ ከብዶም ዝዘመዶም ስሱዓትን ተበለጽት ጠላማትን ብፍቕሪ ኣረሜናዊት ህውሓት/ማሌሊት ዝመኸኹን ቅጫን ጣውላ ብዝኾኑን፣ ንሳ ብሚልዮናት ዝገዝኣቶምን ተጋሲሳ ከም ባሮትን ከደምታን ዝቐየረቶም ገለ ኤርትራውያ ኢና በሃልቲ ነውራማት ብምትሕባርን እያ እቲ ዝወርድ ዘሎ ጃምላዊ ቅንጸላ ፈጺማቶን ትቕጽሎ ዘላን። እቶም ኣፍቀርቲ ወያነ ትግራይ ድማ ካብ ተጋሩ ንላዕሊ ዝተግረሩን "ሰራዊት ኤርትራ ክሰዓር ኣሎዎ፣ ትግራይ ትስዕር" እናበሉ ከም "ከርበ" ሒዙኒ ኢላ ብዕሙት ዝኣመነት ጎርዞ ዝግዕሩን ከም ኣድጊ ኣብ ባይታ ዘንገርግሩን ጉዳማት ዘይሓንኩ ጉጅለታትን ባእታታትን ኢዮም። 

 ህዝቢ ዓለም [ምዕራባውያን ሓይልታትን ናይ ተኸፈልትን ሰረቕትን ሎቛምጽን ሓሰውትን ዓበይቲ መሳኹቶምን] ግን፣ ነቲ'ዛ ሸውራርን ሓሳዊትን ወያነ ነበር ፈጠራ-ቤላቤሎ ለይትን መዓልትን ተኸፊለን እንከቃልሓን፣ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘይተኣደነ ኣድጊ ክትሽከሞ ዘይትኽክእል ፖለቲካዊ ጽዕነትን ጸቕጥን ሸርሕን ከውርዳሉ እንከለዎ፣ ኣብ ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ህልቂትን ግፍዕን ጾታዊ ዓመጽን ግን ኣንጻሩ ዋላ ሓንቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ኣይወሰዳን፣ ክወስዳ'ውን ኣይኮናን!!!

ስለዚ ወያነ ነበር፣ ከም ቁርዲድ ኣብ ቆርበት ሓርማዝ ተልሒግካ ንሃብታም ዓባይ ኢትዮጵያ ባህርያዊ ጸጋታታ ክሳብ ዓጽሚ ጥራይ ትተርፍ ምምጻይን ምግሃጽን እንተ ዘይኮይኑ፣ ወያነ ዋላ ሓንቲ ዕላማ ዝበሃል ኣይነበራን ሕጂ'ውን የብላን!!!

 እቲ ሕልሚ ምምስራት "መንግስቲ ሃገረ-ናጻ ዓባይ ትግራይ" ዝበሃል ዝነበረ'ውን፣ ከምቲ መዕበያኣን ተለዋዋጢ ባህርያታን ንነባሪ ምምሕዳር ትግራይ ብሓሶት ኣታሊላን ኣዳናጊራን ገንዘብ እናሰረቐትን እናዘመተትን ማሕፉዳኣ ከተሕብጠሉን ብስሙ እናሸቀጠት ኣብ ኮረሻ ስልጣን ቸይቸይ እናበለት ብምቾት ክትነብርን'ያ እምበር፣ እቲ ሕልማስ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ከም ዝተርፍስ ንሳ  መስፍናዊት ህ•ው•ሓ•ት•/ማ•ሌ•ሊ•ት• ባዕላ ኣዳዕዲዓ ትፈልጦ እያ። 

ስለዚ እቲ ዘይጭበጥን ዘይግብራውን ምምስራት ሕልሚ " ሃገረ-መንግስቲ ዓባይ ትግራይ" ዝብል ዘባልን ዝምቡዕን ሸውራርን ዘይጭበጥ ስምዒታዊ ጥራይ ምትሩስ ሓሳባት ዓሌታዊትን ኣረሜናዊትን ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣ በዚ ስነ-ፍልጠታውን ምኽንያታውን ስነ-ሞጐትን ትንታነን፣ ተመምዩን ተጣሒኑን ተነፍዩን ከም ሓርጭ ተበቲኑ በኒኑ ውጽኢት- ኣልቦ ኮይኑ ንሓዋሩ ተሪፉ ማለት እዩ!!!
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~```~~~
"ዕላማን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን [ህ•ግ•ሓ•ኤ•]/ሻዕብያ" ማለት ብሓጺሩ፣>>>

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=3063970500324636&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
"ንሕና ብዛዕባ ኢትዮጵያ የገድሰና እዩ" 

>>>ዘርጋሒ መርዛም ጽልእን ጻዕዳ ሓሶትን ኣፎኛ ተረፍመረፍ መስፍናዊት ህውሓት/ማሌሊት ነበር••••••£€$ ጌታቸው ረዳ [ቮድካቸው]

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4134499939938348&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
The gallant E•P•L•F•/Shaebia and E•P•D•F• had saved Ethiopia, in many ways, from a political Turmoil & possible Dangers of Desintegration!
~~~~~~~~~~
•π√> The Eritrean People's Liberation Army/Shaebia [E•P•L•A•] and now the Eritrea People's Defense Forces [E•P•D•F•] had saved Ethiopia, in many Ways, from political Desintegration and possibilities of Dangers of Desintegration Four Times:

1•> A collapse & defeat of the Ethiopian Armed Forces by the Eritrean People's Liberation Front/Shaebia [E•P•L•F•] and a total Liberation of Eritrea & Ethiopia in 1991••••••

2•> During the Badme War [1998-2000] crushing a feudalist murder T•P•L•F•/M•L•L•T• former Regime War of Aggression/Adventures and  preventing it from creating their ultimate dream of "Greater Tigray Nation" ••••••

3•> During a Peace Initiative between Eritrea and Ethiopia helping it a peaceful Transfer of Power and less Turmoil at least at the beginning of transitional Period of Ethiopia••••••

4•> Withering & Annihilating a fascist T•P•L•F•'s Warlord's 2020's suicidal War of Madness to rule & dominate Ethiopia again, if it is not possible, to revive an already dead and buried nostalgic Dream of creating " Greater Tigray Nation" again,> defacto i.e. Desintegration of Ethiopia ••••••••

These are undeniable Four Facts.

BerhanemMeskel Habtemariam [Wedi Qeshi]

°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°
π>ቀደም ብጀጋኑ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ [ህ•ግ•ሓ•ኤ•] ዝመኸነንን ዳግማይ ንምትንሳኡን ንምብርባሩን ዝተገብረ ከንቱ ዘይጭበጥ ፈተነ ምምስራት "ዓባይ መንግስቲ ትግራይ" እንደገና ብ ምዑታት ህ•ግ•ሓ•ኤ•ን ህዝባዊ ሰራዊት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዓሚቕ ጋህሲ ዝተቐብረ ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባ [Fascist Grand Ideology]....እንደገና ገለ ተጋሩ ብውሑዱ ኣብ ማዕዶ ስግር ባሕሪ ኣብ ወሻጠኦም ኣብ ዱዃ [ወንበር] ተኾይጦም፣ ነቲ ዛጊት ዝሞተትን ዝበስበሰትን 'ሓመድ ኣዳም' ዝለበሰትን ዘይትጭበጥ ሃለፍታን ዕብዳንን ብናፍቖትን [Nostalogy] ክጸውይላ ከለው..... ስሞዕዎም ኢኹም...

•>"መወዳእታ ዕላማ እዚ ቓልሲ [ተጋሩ] እንታይ እዩ?"
 https://fb.watch/6ZKXzNuf7A/
°°°°°°°°°°°°°°°°
•√ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

•√ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊ ኲናትን ምክልኻል ልኡላውነትን ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!

•√ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!
--------------------------------------------------
"ቱታ"
ብስነጥበባውያንን ድምጻውያንን ሓርበኛታት ተኽለ ኽፍለማርያምን [ወዲ ትኹል] ሚካኤል [ጀንደ]

https://youtu.be/UElYh-P6Hz0

"ብቐይሕ ደሞም ታሪኽ ዝጽሓፉ፣ በጃ ህዝቦም ህይወቶም ዘሕለፉ!"

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=1731029543725265&id=100004547087948&sfnsn=scwspmo

"ሰራዊትና ንህቢ'
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ተመስገን ገብረስላሰ [[ጣኒቆ]

https://youtu.be/iySkgokLl_o
°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°
•√>Maps of old Tigray Administration [Pre 1991] and expansionist quasi " Kilil fake State" of "Tigray" [After 1991] 

•√>Images of the Eritrean People's Liberation Front Shaebia/Army [E•P•L•F•/E•P•L•A•] and the Eritrean People' Defence Forces [E•P•D•F•]

•√>Current Images of Ultra Ethno-Centric Fascist T•P•L•F•/Ma•Le•Li•T• Gangs' remnants and Children Militias
=============================

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4383430588378614&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events